| ሕጊ ጥሒስካ ዝምረጽ ፓትርያርክ ሕጋውነት የብሉን። |
|
|
| Wednesday, 06 June 2007 | |||||||||||||
|
ምሁራት ካህናትን ዲያቆናትን ብዘይተፈልጠ ጉዳይ ብዘይ ፍትሒ ካብ ዝእሰሩ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ፡ ዝቐረበሎም ክሲ ድማ ክሳብ ሎሚ የሎን። ብሉጻት ሊቃውንቲ፤ ካህናትን ድያቆናትን ብዘይፈልጥዎ ምኽንያት ካብ ቤተክርስትያን ተሰጒጎም ይርከቡ። ቤተክርስትያን ውሉድ ኣልቦ ኮይና ብዘይ ተተካኢ ወለዶ ንኽትተርፍ ድማ ኮነ ኢልካ መንእሰያት ብመደብ ፋሕ ኪብሉን ኪብተኑን ተገይሩ። ኣብ ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ዓለም ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ተዓጽዩ ይርከብ። ካህናት ብመደብ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኽከዱ ኣቶ ዮፍታሀ ዲመጥሮስ ባዕሉ ፈሪሙ ከምዝኸዱ ገይሩ። ዝሓለፈ በደል ኣብ ክንዲ ምፍዋስ፣ ሕጂ ድማ ዝበኣሰ፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብህይወት እንከለዉ ብኻልእ ፓትርያርክ ንኽትክኡ ተገይሩ ኣሎ። መንግስቲ ህግደፍ ብጉልባብ ጳጳሳት ብዘይ ፍርዲ ሕጊ ረጊጹ ካብ መዓርጎም ኣውሪድዎም። ሕጊ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ብሰለስተ ነገራት ጥራይ ምኻኑ ድሕሪ ምግላጹ ብዘየማትእ መገዲ
”ፓትርያርክ ካብ መዓርጉ ቅድሚ ምውራዱ ምእንቲ መሰሉ ኪከራኸር መሰሉ ሕልው እዩ።”
ክብል (ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ, 1995፡ ገጽ 58) ብንጹር ኣስፊርዎ ይርከብ። ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ግና እዚ መሰል እዚውን ተሓሪምዎም እዩ። እንኮ ገበን ፓትርያርክ እንጦንዮስ፣ ሕጊ ቤተክርስትያን ይከበር፣ ቤተክርስትያን ድማ ብጭዋ ሰብ ዮፍታሀ ክትመሓደር ሕጊ ኣየፍቅድን’ዩ ስለዝበሉ ጥራይ’ዩ። እዚ ድማ ብዝኾነ መዓቀኒ በደል ኣይኮነን። እዚ ሕጊ ቤተክርስትያን ዝጠሓሰ ፋሉል ኣሰራርሓ እዚ ግና እንታይ'ዩ ረብሕኡ? እንትርፎ ምእመናን ምብትታን፣ ንቤተ ክርስትያን ካብቲ ኃዋርያዊ ሰንሰለት ንክትብተክ ምግባር፣ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ኣብ ሃገርና ሕንፍሽፍሽን ዕንወትን ከስዕብ እንተዘይኮይኑ ካልእ ረብሓ የብሉን።
እዚ ብስም ቤተክርስትያን ዝግበር ዘሎ ሕጊ-ኣልቦ ስራሕ መንፈሳውን ባህላውን ክብርና ንዘንተ-እለት ዘጽንት፣ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ዝግህስ፣ ክብሪ ወለዲ ዝጥሕስ ጸያቒቶ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ግና ዓለም ለኻዊ ሕጊ ክኽበር እሞ ጉዳይ ዶብ ብሕጋዊ መገዲ ክትግበር እናጸውዓ፣ ንሱ ግና ንሕጊ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተክርስትያን ረጊጽዋ ይርከብ ኣሎ። እዝስ እንታይ እበሃል? ሓቓ'ንድያ እዛ ዶብና ጠልጠል ክትብል። ኤእ! ንፍትሒ ቁልቁል ኣፋ ረጊጽካ በቲ ኻልእ ድማ “ፍትሒ ስኢንና”፣ “ዓገብ በሉልና” እናበልካ ፈቐዶ እኼባታት ምንባሕሲ እንታይ'ዩ ፋይዳኡ? ካብ መዓቱ ይሰውረና! ጳጳሳት ኣገዲድካ፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዓፊንካ፡ ካብ ኣሓት ኦርየንታል ተዋሕዶ ቤተክርስትያናት ተሓቢእካ ዝተገብረ ዘይሕጋዊ ምርጫ ፓትርያርክ፡ ብሚንስትሪ ዜና ህግደፍ ፍሉይ ምድላዋት ተገይርሉ ዝተዘርግሐ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ናብ ፍትሒ ነቲ ሓሶት ናብ ሓቂ ብምንም ተኣምር ኪቕይሮ ኣይክእልን'ዩ።
|
|||||||||||||
| < Prev | Next > |
|---|