| ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ሎሚ ወጋሕታ ብሰብ ጸጥታ ህግደፍ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም |
|
|
| Monday, 04 June 2007 | |
"ህይወት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ፡
ተኸታቲልና ሓበሬታና ክንልእኽ ኢና" ሎሚ
ኣብ ኤርትራ ኩሉ ነገር ኣንጻራዊ ትርጉም ሒዙዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ሓቂ ሓሶት፡ ሓሶት ድማ ሓቂ። እቲ ፍትሒ ገበን፡ ገበን ድማ
ፍትሒ። እቲ ጽድቂ ሓጥያት፡ ሓጥያት ድማ ጽድቂ ኮይኑ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ ትማሊ ሰንበት፡ መንፈስ ሓቂ ናብ ቤተክርስትያን
ዝወረደሉ፡ በዓለ መንፈስ ቅዱስዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ትርጉሙ ለዊጡ፡ ግህሰት ሓቅን ሕጊ ቤተክርስትያንን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ
ምብጻሑ ዝሕብር ተዋስኦ ዝተኻየደላ ዕለት ኮይና ውዒላ። ጳጳሳት ኣገዲድካ፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዓፊንካ፡ ካብ ኣሓት ኦርየንታል ተዋሕዶ ቤተክርስትያናት ተሓቢካ ዝተገብረ ዘይሕጋዊ ምርጫ ፓትርያርክ፡ ብሚንስትሪ ዜና ህግደፍ ፍሉይ ምድላዋት ተጌሩሉ ዝተዘርግሐ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ብምንም ተኣምር ኪቕይሮ ኣይክእልንዩ። ሓቂ ብሓሶት፡ ዓመጽ ድማ ብፍትሒ ተቐቢራ ከምዘይትነብር ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብግብሪ ኪርአዩ። ሰኑይ ወጋሕታ ከኣ፡ እቶም ሕጊ ቤተክርስትያን ይከበር፡ ጭዋ ሰብ ዮፍታሀ ቤተክርስትያን ከመሓድር ሕጊ ኣየፍቅድንዩ ስለዝበሉ ጥራይ፡ ገበነኛ ተቖጺሮም፡ ከምኩሎም ኣቦታቶም ጽዋእ-ሰማዕታት ዝቕበሉ ዘሎዉ ቅዱስ ኣቦና ብሰብ ጸጥታ ተወሲዶም፡ ኣበይ ከምዘእተውዎም ከኣ ክሳብ ሎሚ ሰኑይ ምሸት ኪፍለጥ ኣይተኻእለን። ሃገርና ኤርትራ ንኣሽሓት ዓመታት
ተሓፊሩ ዝጸንሐ ኃይማኖት ዝድፈረላ፡ ዓቢ ኣይከብረላ ንእሽቶይ ኣይነብረላ መልኣከ-ሞት ዝወረሳ ገሃነም ኮይና ተሪፋ! እዚ ኹሉ
ብጸሓይ ቀትሪ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ግን መዓት ከውርድዩ፡ መን ኮን ኪፍደዮ እዩ?ህይወት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ፡
ተኸታቲልና ሓበሬታና ክንልእኽ ኢና፡ ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ጥራይ ዘይኮነ ብምልኡ ደላይ ሓቅን ፍትሕን ህዝብና ድማ
ብኣትኩሮ ኪከታተልን ንርትዒ ደው ኪብልን፡ ብስም ቅድስት ሥላሴን፡ ብእመ-ኣምላክ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ንላቦ። |
| < Prev | Next > |
|---|