|
Thursday, 10 May 2007 |
|

AUDIO: Primary Server 1 ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት (1ይ ክፋል) | (2ይ ክፋል) | (3ይ ክፋል) | (4ይ ክፋል) ብሽም ሃገርን ውሕስነት ሃገርን፡ ህዝቢ ምግፋዕ፡ ዓገብ!
“ሃገርን፡ ውሕስነት ሃገርን” ማለት፡ እንታይ ማለት ኢየን?
እዘን ኣደን ጓልን ዝኾና ሕቶታት፡ ኣዕሙቕ ኣቢልካ ከይሓሰብካለን፡ ኣዝየን ቀለልቲ ይመስላ፡፡ ቀለልቲ ዘምስለን ድማ፡ ኩሉ ግዜ ክደጋገማ ስለእንሰምዐን ኢዩ፡፡
ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃና፡ ናብ ኮረሻ ስልጣን ዘዝደየበ መራሒ፣ ከም ሃይለስላሴን መንግስቱን ናይ ኢትዮጵያ፣ ከም ኑመሪ ናይ ሱዳን፣ ከም ሲያድ ባረ ናይ ሶማልያ፣ ከም ኢዲ ኣሚን ናይ ኡጋንዳ፣ ከም ሞቡቱ ናይ ኮንጎ፡ ከም ቦካሳ ናይ ሰንትራል ኣፍሪካን ብዙሓት ካልኦትን፣ ብማዕበል ህዝቢ ወይ ብሓይሊ ብረት ተጎኒጾም ክሳብ ዝወድቁ፡ ን "ሃገርን ውሕስነት ሃገርን"፡ ከም እንጀራ፡ ንግሆን ምሸትን፡ የኮማስዑወን፡፡
ውሕጅ ከይመጸ፡ መንገዲ ውሕጅ ዝጸረገ ካብ ጋሻ ውሕጅ ከም ዝድሕን ብምርዳእ፣ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ከሎ ጌና፡ ሃገርን ውሕስነት ሃገርን ንዝብላ ቃላት እናደጋግሙ፣ ነቲ ሰብ፡ ኣብ ሓደ ሓጹሩን መናድቕኑ ዘይርአ፡ ሓውሲ መለኮታዊ ዛሬባ ዓጊቶም፡ ክድህሉዎን ከርዕድዎን ይፍትኑ፡፡
በዚ ጥበብ'ዚ ከይተዳህለ፡ ብዘረባን ብጽሑፍን፡ ርእይቶን ትዕዝብትን ናብ ህዝቢ ከመሓላልፍ ዝህቅን ሰብ ከይርከብ ድማ፣ ብዘይካቲ ንሶም ዝቆጻጸሩዎ፡ ንዓታቶምን መሻርኽቶምን ጥራይ ዝውድስ ጋዜጣን ራድዮን ተለቪጅንን፡ ካልእ ክህሉ፡ ኣይፈቕዱን፡፡
ኩላቶም እቶም፡ መምስ ተዓልዉ፡ ነፍሪቃ፡ ኣብ ታኼላ ድኽነት ሸሚሞም፡ ብምጽወታ ጸዓዱ ክትነባበር ራሕሪሖማ ዝሃድሙ ዓመጽቲ ደቃ፡ ነዚ ቀይዲ'ዚ፡ ክትሰምዖ ባህ ብዘብል፣ ንሃገራዊ ሓልዮት በሃሊኡ ከተድንቕን ክትምጉስን ብዝደፋፍእ ቃና፡ ይእውጅዎ፡፡
“ምኽንያቱ፡” ይብሉ ንሳቶም፡ “ጋዜጣን ራድዮን ተለቪጅንን ዘይነፍቅደሉ ምኽንያት፡ መሳርሒ ባዕዳውያን ዝኾኑ ደቂ ሃገርን፡ ጸላእቲ ሃገርናን፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ምንቛት ንምፍጣር ከይጥቀሙለንን፡ ንውሕስነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ከየእትዉን!” ኢዩ፡፡
በዚ ተቐይዱ ዝኸደ፡ "ሃገራዊ ሓላፍነቱ ዝፈልጥ ምዕቡል ዜጋ! " ስለዝኾነ፣ "ፈታው ሃገር!" ኢሎም ይገልጹዎ፡፡ ነዚ ነጺጉ፡ ንመግዛእቶምን ዓመጾምን ክቃወም ዝፍትን ሰብ ምስ ዝርከብ ግን፡ ነቲ ኣብ ሓንጎል ህዝቢ ዝነደቁዎ ዕርዲ ምድንጋር ኣነቓኒቑ፡ ብማዕበል ህዝቢ ከይግልፎም፡ "ንውሕስነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ! ንሃገር ሸይጡ! ሰላዪ ኮይኑ!" ዝብል ጠቐነ ይኣልሙሉ፡፡
ብድሕር'ዚ፡ ነቲ ዝጠፍጠፉዎ ሓሶት፡ በተን ንሶም ጥራይ ዝውንኑወን ጋዜጣን ተለቪጅንን ራድዮን፡ ናብ ህዝቢ የቃልሑዎ፡፡ ዳኛን ሕግን ባዕሎም ኮይኖም፡ ነቲ ክቃወም ዝፈተነ፡ ናብ ማእሰርቲ ይዳጉኑዎ፡፡ ኣደዳ ስቓይን ግፍዕን ሞትን ከም ዝኸውን ይገብሩዎ፡፡ ከም ማንዴላ፡ ኣብ ናይ ሓሶት ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦም፡ ንሕልፈት ይፈርዱዎ፡፡
ታሪኾም ከም ዝምስክሮ ግን፡ ኩሎም እዞም ኣስማቶም ከም ኣብነት ዝተጠቕሱ መራሕቲ፣ ክሳብታ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑላ ዕለት፣ ከም ኣኽላባት ሓዝሓዝ፡ "ቾብ!" ተባሂሎም ዕሸላት ክጎብጡ ድሕር ብዘይብሉ ዕሱባት፣ ብጎይቶቶም ዝተኣዘዙዎ ነገር፡ ወላ ንንጹሕ ሰብ ምግፋዕ ከም ዝኾነ እናፈልጡ፡ ብዘይ ሕቶ ብዝፍጽሙ ሕልናን ሰብኣዊ ርህራሄን ዘይዓደሎም መጋበርያ እከይ ተኸቢቦም፣ ሰስቡሑ እናኾለሱ፡ ወርቂ እናለበሱ፡ ጸሓይ ንግስነቶም ትዓርብ፡፡
ኩሎም እዞም ብእከይ ግብሮም ዝዝከሩ ኣዛብእ ቀትሪ፣ ካብ ሓድሕዱ ብዝገድድ ስስዐ፣ ንሃብቲ ኣፍሪቃ፡ ክውዕዮም ብማንካ፡ ክዝሕለሎም ድማ፡ ብኢዶም፡ "ኣጠዓዕምም!" ኣቢሎም ሒዞም፡ ንክኹልስዎ፣ ከም መቋሰዪ ዝተጠቕሙላ ስልቲ፣ "ሃገርን ውሕስነት ሃገርን" ዝብላ ቃላት ብምድግጋም፡ ንኩሉ እከይ ተግባራቶም፡ ቅዱስ መልክዕ ብምልባስ ኢዩ፡፡
ነዘን ቃላት እዚኣተን፡ ወላ እዞም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ህዝቢ ንምድንጋር፣ ጎይቶቶም ክነብሑ፡ ዘቃልሑ፣ ጎይቶቶም ከዚሙ - ዝቑዝሙ መጋበርያ መልሚሎም፡ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝጥቀሙለን ስልቲ ኢየን፡፡
ሰረት ምድንጋሮም ከደልድሉ ድማ፣ ንቤት ትምህርቲ፡ ንግራት ፍልጠትን ብስለትን፣ መዕለሚ ለለን ደርፍን ክገብሩዎ፡ ብዝከኣሎም ይጽዕሩ፡፡ ፊደል ክቆጽሩ ዝመጹ ቆልዑት፡ "ሃይለስላሴ ንጉሳችን፡ ለምለሟ ኣገራችን፡ ትኑርልን" ኢሎም ክዝምሩ፡ ከም ስልኪ ክራር፡ ይቓንዩዎም፡፡ ወርሒ ወይ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድረ ዝተመልመለ ሃዋርያ፡ ንዕሸላት ሃገር፡ "ከመንግስቱ ሃይለማርያም፡ ቀና ኣመራር ወደ ፊት!" እናበለ፡ ኣብ ቤት ፍልጠት ከደናግር፡ ሰዓትን መዓልትን፡ ይፍለየሉ፡፡ ታሪኽ ኣቦታቱን ቅያ ኣሕዋቱን ተመራሚሩ፡ ግናይ ዝፈርድ፡ ግናይ ከም ዝወልድ ከየለሊ፣ ነስካሕካሒ ግፍዕታት ማኦ፡ ከም መዓር ጥማምዖ ኣመቂሮም፣ ንእከይ ስታሊን፡ ከም ርስሓት ዘጽሪ መሕጸቢ ሊን፡ ክብርን መዓርግን ኣልቢሶም፡ ሓንጎሉ ንዘይተረረ መንእሰይ፡ የስንቑዎ፡፡
በዚ ተንኮላት'ዚ ተጻኒሖም፡ ጸሓዮም ከተንቆልቁል፡ ኮረሻ ስልጣኖም ድማ፡ ክምብል ክትብል ኣብ እትነቓነቐሉ ግዜ ግን፡ ወዮም "ሃገር ወይ ሞት!" እናበሉ ዝጭርሑ መራሕቲ ኣፍሪቃ፣ ነቲ ክሳብ ሽዑ ሸምጢጦም - ጎቢጦም ዝደለቡዎ ሃብቲ፡ ዝያዳ ኣኻዕቢቶም ናብ ባንክታት ወጻኢ ሃገራት ክሳብ ዘህድሙ፡ ንህዝቢ ኣተዓሻሽዩ ግዜ ክዕድጉ ዝሕግዞም፡ ንረኣዩለይ ስምዑለይ፡ ስማዊ ጽገና ክገብሩ ይፍትኑ፡፡
መሬት ኣጋውላ ምስ ተፍልጠ፡ ነገር ከም ዝሸልሐት ምስ ኣለለዩ ግን፡ ከምቲ "ቡዳስ ብፈታዊኡ ይጅምር!" ዝብሃል፣ ንጥልመት፡ ብፈተውቶም ይጅምሩዋ፡፡ ነቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም፡ ጎይቶቶም ክነብሑ፡ እንዳቃልሑ፣ ጎይቶቶም ከዚሙ - እንዳቖዘሙ መጋበርያታት እከይ ኮይኖም ህዝቦም ደም ዘንብዑ ራሕሪሖም፣ ሓደሽቲ ሃዋርያ ይምልምሉ፣ሓደሽቲ ሰብ ጽሩራ፡ ናብ ስልጣን የደይቡ፡፡
ውዮም ሓደሽቲ ሹመኛታት ድማ፡ ጥዒሞሞ ዘይፈልጡ ኣልኮለ ስልጣን፡ ከመ ቅጽበት፡ ኣብ ርእሶም ሰፊሩ ስለዘስክሮም፡ ምስ፡ "ህዝብን፡ ሓልዮት ህዝብን" ኣዛኒቖም፣ ን"ሃገርን፡ ሃገራውነትን፡ ውሕስነት ሃገርን" ካብ ቅድም ዝያዳ ብዘጽምም ዓውታ፡ ይጭርሑወን፡፡ ማይን እክልን በሊዑ ንዝነብር ሰብ፡ ኩነታቱ ብዕሩቕ ዝባኑን ጎደሎ ከብዱን ከይመዝን፣ወደይ ከብደይ ከይብል፣ "ሃገር" እትብል ቃል ኣቁሪሶም - ውሕስነት ሃገር ክዱርሩዎ ይፍትኑ፡፡
ሆይሆይታን ጣቕዒትን ምስ ዝጎድሎም፡ ውዑይ ደም ዕሸላት ስለዝስርስሮም፣ ነታ ሓጻር እዋን፡ ንድድ ኢሎም ክሳብ ዝቕህሙ፣ እዝግዮ ዝበለን ኣደይ ዝበለን፡ "ቅድሚ እዝጊ፡ ሃገር ኣዚም፣ ቅድሚ ኣደ፡ ዓዲ ኣቐድም!" ክብሉዎ ይደፍሩ፡፡
ካብዚ ሓሊፎም፡ ሓይሉን ዓቕሉን ስለዝዝንግዑ፣ ንኣብያ ልቢ፡ ብደሞዘ-ዓስቢ ክጥብሩዎ ይፍትኑ፡፡ ነቲ ህዝቢ፡ ንገለ ብንብረት - ብሰልዲ፣ ንገለ ብበትሪ - ብራዕዲ፡ ከርዕሙዎ ይህቅኑ፡፡
ምዃን ምስ ኣበዮም፡ ድኹም መላግቦ ሰብን ሕብረተሰብን ኣናድዮም፣ ሓው ምስ ሓው፣ ውሉድ ምስ ወላዲ ዘማጉት፣ ብሄር ምስ ብሄር ዘናቑት ሜላታት፡ ይምህዙ፡፡ ዓንገረሮም መቓልሕ ምስ ወሓዶ ድማ፡ ንሃይማኖት፡ ከም መጋበርያ መታን ክጥቀሙሉ፡ ወዮም ኣብ ጎሮሮ ህዝቢ ተሰሪጎም ደም ክመጽዩ፡ ንረብን እዝጊሄርን ረሲዖም ዝነበሩ ዓለቕቲ፣ ሓለይትን ኣመንትን ተመሲሎም፣ ብገለ ምኽንያት ኣመሳሚሶም፣ኣብ ታቦት ቤተክስያናትን መኣዘን መሳጊድን ኮይኖም፡ ምስ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ሕውስ ኣቢሎም፡ ናይ ንጉስ መልእኽቲ ዝፍንዉ ዓሳክር፡ ክቖጽሩ ይፍትኑ፡
ዓለም፡ ድፉን ኣእምሮን፡ ብሃም ደንቆሮን ጥራይ ስለዘይትወልድ ግን፡ ጉዶም ተኸሺሑ ድርዒ ሕብረተሰብ ምስ ተረሮም፣ ብዓቕሊ ጽበታዊ ፈንጠርጠር፣ ነቲ ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ግን ነቲ መንእሰይ፡ ይዘልፉዎ - ይዝልዕፉዎ፡፡
በዚ ምኽንያታት እዚ ተገዲዱ፣ ካብዚ ህይወት እዚ ከምልጥ፣ ብዙሕ ኣብ ሃገሩ ኮሪዑ ክነብር ዝግብኦን ዝብህግን ዜጋ፣ ግፍዒ ምስ መረሮ፡ ናብ ስደት ኣምሪሑ፡ ብኡ ኣቢሉ፡ ንሓዋሩ፡ ዓድን መንነትን ይቕይር፡፡
ገለ ግን፡ ፍርሕን ራዕድን፡ መፋጥርቲ ወዲ ሰብ እናኾና፣ ብታህዲድ ዓመጽቲ ከይተዳህለ፣ ግብረ መልሲ ይህብ፡፡ እንተሰሊጡዎ፡ ብሕቡር ናይ ተቓውሞ ድምጺ ክቃለስ ይፍትን፡፡ ብድምጽን ሰላማዊ ተቓውሞን ምስላጥ ምስ ዝኣብዮ ድማ፣ ጠበንጃ ዓጢቑ፡ ንመሰሉ ክቃለስ፣ ናብ ዱርን በረኻን ወፊሩ፡ ምስ እንስሳ መሮር ይሓድር፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ብቅያ ስርሒታትን መስዋእትን፡ ጨቆንቱ ስዒሩ፡ ዓወት ዓቲሩ ናብ ቤቱ ይምለስ፡
ሓይሊ ተቓውሞ ናህሪ ወሲኹ፡ ንዕርብርቦም ምዃኖም ምስ ተጋህደሎም ድማ፡ ወዮም "ሃገር ሃገር!" ኢሉም ሰብ ክሳብ ዝጸምም ዝመደሩ፣ ወዮም "ቅድሚ ኣደይ - ዓደይ በል!" ኢሎም ዝመሃሩ፣ብድሕሪኦም ሳዕሪ ከይተብቁል፡ ነታ መሬት፡ ከርሳን ጨጎራኣን ይብዝብዙዋ፡፡ ዓሌታዊ ምንቛትን፡ ወገናዊ ጽልእን ቅርሕንትን ዝፈጥር ተሃዋሲ መትንታት ተናኺፎም፡ እሾኽ መርገም ይንስንሱላ፡፡ ነታ ሪም ዋናታታ ሕያወይቲ መሬት፡ ከም ስጋ ፋሲጋ ጎዛዝዮም፡ ብዶላር ይሸጥዋ፡፡ ርያልን ዲናርን ክእክቡ፣ በቲ ድማ፡ ንዕኡ ቁሒሙ ብዝደንዘዘ መንእሰይ ቁሩብ ክጻንሑ፡ ኣብ ዓዲ ዕፉንን ፍሩታን፡ መርዛም ጫት ይዘርኡላ፡፡
ኣብ መወዳእታ፡ በዝን ወዲ ከምዝን ንዝኣኻከቡዎ ሃብቲ ተጠቒሞም፡ ከም ሃይለስላሴ፡ ኣብ ኤስያን ኤውሮጳን ኣመሪካን፡ ንውሉድ ወለዶ ዘጻንሕ ሃብትን ርስትን ይውንኑ፡፡ ሓደው ድማ፡ ከም መንግስቱ፣ ህዝቢ፡ ተስፋን ስርናይ ልማኖን እናቐለቡ ዘኻዕበቱዎ መላይኖም ኣብ ስቱር ኣቐሚጦም፡ ነታ ሽማ ክሳብ ዝመራሳሕ ዝተወራዘዩላ ሃገር ርጥርጥ - ክድዕ ኣቢሎም፡ ርዖም ጠቕሊሎም፡ ኣብ ዚምባብወ፡ ዓበይቲ ሕርሻታትን ርሻውንትን ዓዲጎም፡ ኣራጦጦም ይነብሩ፡፡
ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡
እዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ሓፈሻዊ ታሪኽ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኢዩ፡፡ ክትሰምዖ ደስ ዘየብል፡ ኣዝዩ ነውራም ተግባራት ድማ ኢዩ፡፡ ናብ ሃገርና ኤርትራ ምልስ ኢልና፡ ቁሩብ ምስ እንግምግም ግን፣ ኣብ ኤርትራ'ውን፡ ልክዕ ከምዚ ናይ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝመሳሰል ግናይ ታሪኽ ኢና እንረክብ፡፡
ኩላትና ከም እንሕበነሉ፡ ኤርትራ፡ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተገላጊላ፡ ሃገር ኮይና ኢያ፡፡ ይኹን'ምበር፡ ዕላማ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ መሰል ህዝባ ዝኸብረላ ኤርትራ'ምበር፡ ስምን ባንዴራን ዝቐየረ ሕሰምን፡ ግፍዕን፡ ባርነትን ኣይነበረን፡፡
ናጽነት ኤርትራ፡ ኣምሓርኛ ዝዛረብ ዓማጺ፣ ትግርኛ ብዝዛረብ ጓዕጻጺ ንምትካእ ኣይኮነን፡፡ ካብ ብሽም ኢትዮጵያ ዝመጽእ ስርናይ፡ ብሽም ኤርትራ ዝመጽእ ስርናይ ልማኖ ንምንብባር ኣይኮነን፡፡ ብሕጽር ዝበለ፡ እዚ ኩሉ መስዋእትን ከርተትን፡ ነዚ ዘሎ ግናይ ስርዓተ ምሕደራን መንግስትን ኣይኮነን፡፡
ንዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝያዳ ንምንጻርን ነዚ ገፊሕ ኣርእስቲ ንምጥቕላልን እትሕግዝ፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ህቡባት ካብ ዝነበራ ደርፍታት፡ ብተጋዳላይ ተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል) ንእተደርፈት፡ "መሰለይ" ንእትብል ደርፊ ክንጠቅስ፡፡
ትሕዝቶ ናይዛ ደርፊ፡
(1) ህዝቢ ኤርትራ ብመንግስቲ ደርጊ ይግፋዕ ስለዘሎ፡ ንመሰሉ ይቃለስ ኣሎ፡፡
(2) ደርጊ ድማ፡ ብሓይሉ ስልጣን መንጢሉ፡ ብጭርሖ ጥራይ ህዝብን ዓለም እናታለለ ዝገዝእ ዘሎ፡ ቁም ነገር ዘይብሉ ነፋሒቶ ምዃኑ ኩሉ ስለዝፈለጦ፡ ውድቀቱ ናይ ግድን ኢዩ!" ኢሉ ኢዩ ዝሕብር ወዲ ትኹል፡፡
ንመዘኻከሪ ዝኣክል፡ ገለ ክፋላት ናይ እዛ ደርፊ፡ ከምዚ ይብል፡፡
Listen to AUDIO CLIP ሓፋሽ ዘታለለ ስልጣን ዝመንጠለ ብጭርሖ ጥራይ፡ ዓለም ዘታለለ፡።
መሰለይ ዝበለ፡ ክዋረድ ይነብር ብጩግራፍ ሓለንጊ!
መሰል ናይ ወዲ ሰብ፡ ፈጺሙ ዘቕለለ እዚ ዓስከር ጭፍራ፡ ብትዕቢት ዝልለ ስለዘየፍቅድ ባህሪ ጠባያቱ ምትላል ምዃኑ፡ ኩሉ ስርሒቱ ህዝቢ ኣጋፊዑ፡ ኣሲሩ ከትኪቱ ምሕራድ ምቕታል ኮነ፡ በብጽብሒቱ፡፡
መርገጺ ዘይብሉ ፍጹም ነፋሒቶ ገለ'ኳ የብሉን ትኹን'ውን ንእሽቶ ዕላማ የብሉን ወላ ሓንቲ ሽቶ በሉ ርኣዩዎ፡ ዓለም ገዲፋቶ ውድቀቱ ናይ ግድን ማንም ዘይስሕቶ፡፡
እዛ ደርፊ'ዚኣ ዝተደርፈትሉ እዋን፡ መግዛእቲ ደርጊ፡ "ጸላእቲ እናት ሃገር ኢትዮጵያ ንምእራይ" ብዝብል ሃገራዊ ሓልዮት ዘማዕረጎ ውቁብ ጭርሖ፡ ነቶም ንመንግስቱን ጨቋኒ ስርዓቱን ከም ሕማም ዝጸልኡዎ ዝነበሩ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣደዳ ማእሰርትን መቕተልትን ንምግባር፡ ንብሎኮታትን ጎደናታትን ኣስመራ፡ ብሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን ከቢቡ፡ ንህዝቢ ዘሳቕየሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ፡፡
ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ዶብ ሃገር ክሕሉ ጠበንጃ ዝዓጠቐ ሰራዊት ደርጊ፡ ንጠበንጅኡ፡ ናብቲ ካብ ወራሪ ክሕሎ ዝግባእ ህዝቢ ኣቕኒዑ፡ መንእሰያት ከተማ ይሃድን ነበረ፡፡
እዘን ቅድሚ ሓደ ወለዶ፡ ዝተደርፋ ደርፍታት፡ ክልቲኤን፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣባላት ባህሊ ብርጌድ ኣርባዕተ ብዝነበሩ ኢየን ተደሪፍን፡፡ ናይቲ ብርጌድ ኣዛዚ ድማ፡ ናይ ሽዑ ተጋዳላይ፡ ናይ ሕጂ መጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንድማርያም (ውጩ) ነበረ፡፡
እዚ ዘሎናዮ ግዜ ኸ፡ ከመይ ኣሎ?
እዚ ግዜ'ዚ'ውን፡ ነስመራ፡ ብሰብ ጠበንጃ ተዓጂቡ እናረገጸ፣ ብክትሰምዖ ዘስካሕክሕ ኣገባብ፡ ንመንእሰያታ ዘሳቂ ዘሎ ሰብ፡ እቲ "መሰለይን፡ ዘበንያ ግርምቢጥን" ክድረፍ እንከሎ ተቃላሳይ ዝነበረ፣መጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንድማርያም (ውጩ) ኢዩ፡፡
እታ ዕላማ ገድሊ፡ ወያ ወዲ ትኹል ዝደረፈላ መሰል ከ፡ ተረኽበት ዶ፡ ወይስ፡ ኣበይ ኣበለት? ሎሚኸ ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ዘበነ ውጩን መሰልቱን፡ መንእሰያት ኣስመራ፡ ከመይ ኣለዉ?
ፕረዚደንት ኢሳያስ ብቃሉ፡ ነስመራና፡ ( Listen to AUDIO CLIP) "ኣስመራ፡ ዳርጋ ጫካ ኢያ ኮይና፡፡ መሕብኢ ናይ ሃደምቲ፣መሕብኢ ካብ ግቡኦም ምፍጻም ዝሃድሙ፣መሕብኢ ናይ ገበናት ዝፍጽሙ፣መሕብኢ ኣብ ብዕሉግ መደባት ዝዋፈሩ መንእሰያት!" ኢሉ ይገልጻ፡፡
ኣይገርምንዶ?
እቲ ንሰማይን መሬትን ዝሰርሐ ፈጣሪ፡ ንወዲ ሰብ ኣብዛ መሬት ምስ ኣቐመጦ፡ "በዚ እቶ፡ በዚ ውጻእ" ኣይበሎን፡፡ ሕልፍ ክብል፡ "ጉዕጽጽ!" - ትርፍ ክብል፡ "ምንዕ!" ኣየበሎን፡፡ ክትስእ - ኣየኸንደዶን፣ ክስጉም - ኣየኸርደዶን፡፡
ፍጡሩ ስርሓት የእዳዉ ክንሱ፡ ሰሪሑ ዝበልዓላ መሬትን፡ ምርጫን ኢዩ ሂቡዎ፡፡ "ከምዝን ከምዝን እንዳገበርካ፡ በዚን በትን ምስ እትመላለስን እትነባበርን፡ ጻማን ሓጎስን ክትረክብ ትኽእል!" ኢሉዎ። "ኣይፋል፡ በዚ ይሕሸኒ - ከምዚ ኢየ ዝገብር!" ክብል ምስ ዝደሊ ግን፣ ብሳዕቤን ስጉምቱ ባዕሉ ተሓታቲ ምዃኑ ዘኪሩ፡ ምርጫኡ ክገብር፡ መሰል ሂቡዎ፡፡
መራሕቲ ኤርትራ ግን፡ እታ መሬት፡ ወዲ ሰብ ሰሪሑ ክበልዓላ ዘይኮነ፣ ንሳቶም ቀይሕን ጸሊምን ኣማሪጾም ከጋይጹላ፡ ኤርትራዊ ድማ፡ ዋርድያ ግዝኣቶም ክኸውን ከም ዝተፈጥረ፣ "መግዛእትኹም መሪሩኒ ኢዮ'ሞ፡ ወይ መሰለይ ኣኽብሩለይ፡ ወይ ድማ፡ ዓዲ ክቕይር ኢየ!" ንዝበለ፡ "ከዳዕ፡ ሽፍታ፡ ኣብ ብዕሉግ ተግባራት ዝተዋፈረ ቀይዲ በተክ!" ይብሉዎ፡፡
ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ንኤርትራውያን ምዝላፍን ምጽራፍን ጥራይ ኣይኣኸሎን፡፡ ንሱ ንባዕሉ፡ ብውዕል ወረቐት ዘይኮነ፡ ብውቃጦ ቅልጽም፡ ብደም፡ ኪዳን ንዝኣተወሎም መተዓብይቱ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዳጒኑ፡ ብሓይሉ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጡ ክንሱ፣ ነቶም ኣቐድም ኣቢሉ "ሃደምቲ፡ ገበነኛታት፣ብዕሉጋት፡" ኢሉ ዝኸሰሶም መሳኪን ዕሸላት ኤርትራ፡ "ስለምንታይ ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ?" ኢልካ ምሕታትን፡ ጉድለትካ ተረዲእካ ፍታሕ ምንዳይን ባህሪኡ ስለዘየፍቅዶ፣ ሓይሊ ምጥቃም መሪጹ፡፡
( Listen to AUDIO CLIP) "እዚ ነገር'ዚ፡ ይውህለል ኣሎ፣ይበዝሕ ኣሎ፡፡ ምምሕዳራት እቲ ዝግባእ ስጉምትታት ክወስዳ ኣለወን፡፡ ምምሕዳራት ፡ ናይ ብሓቂ፡ ካብ ምቁጽጻረን ወጻኢ እንዳኾነ መጺኡ፡፡
ነዚ ክቆጻጸር ዝኽእል ሓይሊ ፖሊስ ድማ፡ ኔሩና ክብሃል ኣይከኣልን፡፡ ዳርጋ እቲ ጻውዒት፡ እናተናዕቀ መጺኡ፡፡ ይንገር፡ እቲ ሰብ ግን ኣይሰምዕን፡፡ ከይተነገርካ ባዕልኻ ግቡእካ ክትፍጽም፡ እቲ ቀዳማይ ተመራጺ ኢዩ፡፡ ምስ ተነገርካ ከ ኣ፡ ሰሚዕካ'ውን፡ ግቡእካ ክትፍጽም፡ ካልኣይ ተመራጺ ኢዩ፡፡ በዚ እንድሕር ዘይከውን ኮይኑ ግን፡ ናይ ብሓቂ፡ ብሕጊ፡ ብስርዓት፡ ብሓይሊ፡ ግቡእካ ከም ትፍጽም ክትከውን ክትክእል ኣለካ፡፡
ክቡራት ኣሕዋት ኤርትራውያን፡
ኤርትራዊ ንሃገሩ፡ "ኤርትራና" ዝብላ፡ ሕቖ ክትኮኖ እምበር፡ ኣሰር እግሩን - ጨርሒ መቓብሩን ስለዘለዋ ኣይኮነን። ንሕና፡ ስጋን ልብን ምስ ሓበጠ ዝሃስስ ውቃጦ-ቅልጽም ስለዘይብልና፣ ኣይንኸድዓ፡ ኣይትኸድዓና፡፡
ምእንቲ ኤርትራና፡ ንወለዶታት ኣብ ሓመዳ ዝተዳወስና፣ ሪምና ሪም ኣቦታትና ስለዝኾነት፡ ከይትቁርመመና ከይትሽርመመና ኢና። ካብ ሰብ ውዕለት ከኣ መዘኻኸሪ ኣይንደልየላን፡፡
ኤርትራና፡ ገዝሚ እቶም ኣብ ንእስነቶም ቀለብ ሓመድ ዝኾኑ፡ ሓርበኛታት ቅንጣብ ዓጽመ ስጋና ኢያ፡፡ ህግደፍ ኣይሃበናን፡ ህግደፍ ድማ፡ ኣይከልኣናን ኢዩ፡፡
ንሕናን ኤርትራናን፡ ዓጽምና፡ ሓጹር ደረታ - ስጋና፡ ድኹዒ ገረባ፣ ንሕና ናታ፡ ንሳ ድማ ናትና'ምበር፣ ኣብ ግዜ ጸገምናን ስእነትናን ዑቕባን ሳንዳን ክትኮነና ዝሰፈርናያ ደምበ ሓጋይ ስለዘይኮነት፣ ኣብ ኤርትራና ኤርትራውያን ከንከውን፡ ከም ድሌትና ክን ኣቱ ክንወጽእ፡ ከም ድሌትና ክንዘውር፡ ክንዛወር፡ ክንመላለስ፣ ናይ ማንም ፍቓድ፡ ኣይንሓተላን ኢና፡፡ እቲ ምንታይ፡ ኣብ ዓድና፡ ናይ ምፍቃድን ምኽላእን ስልጣን፡ ናይ ሕልናና ጥራይ ኢዩ፡፡
ሕልናና ድማ፡ ወለዶ ሓሊፉ ብወለዶ ክትካእ፣ ሃርጋፍ ጎሮቤት ብኒሕ ክግታእ፣ ኤርትራዊ፡ ኣብ ልዕሊ ዑና፡ ኳና እንዳሃነጸ፣ ካብ ጉንዲ መሮር ዓንዲ እናቐረጸ፣ ከይጠሚ ግራቱን ጎልጎሉን እናሓረሰ፣ ንዘበን ኣካሒዳ ብዘበን ጽጋብ ረሲዑ፡ ንዘበን ቱርክን ምርክን ብዘበነ ናጽነት ተኪኡ፡ ትድረቕ ትለምልም፡ ኣብ ሪሙ ዝመውት፡ ሱሩን ጸምሩን ዘይፈላለ ጽኑዕ ዓረ'ምበር፡ ብገለ ዝነጠበ ቀልቀል-ወርሒ ስለዘይኮነ፡ ምስክርነቱ ንሱ ኢዩ፡፡
በዚ ምኽንያት እዚ፣ ኤርትራዊ፡ ሪሙን ሃሙን፣ እንታይነቱን ትምኒቱን፡ ሓደ ስለዝኾና፡ ተፈላለያ ማለት፡ ዘበት ኢዩ፡፡
ይኹን'ምበር፡ "ንተመን ብበትሪ፡ ንገበል ብዱግሪ!" ከም ዝብሃል፣ ሃርጋፍ ሽውሃቱ ከዕግብ ሃነፍነፍ እንዳበለ ንዝመጸ ገበል፡ ብምኽሪ ክሳብ ዝስዕር፣ ጋሻ ውሕጅ ድኽም ክሳብ ዝብል፡ እልይ ኢሉ ከሕልፍ፣ ማይ ኣይሂ ነድሩ ዘፍ ክሳብ ዝብል፡ ብርኽ ኢሉ ክተርፍ ጥበብ ንዝመሃዘ መስተውዓሊ ወናኒ እዛ ሓላል መሬት፣ እዞም ክቑርጥሙዎ ዝብህጉ ሓራግጽ ዕዳጋ፡ ባርያ ክኸውን ስለዘይፈቐደ፡ "ኣብ ብዕሉግ መደባት ዝተዋፈረ ሃዳሚ" ኢሎም ይፈርዱዎ፡፡
ምትእስሳር ሪምን ሃምን ኤርትራዊ ግን፡ ብዘረባ ኣፍ ዝሃቦ በዓል መልሓስ ዝምዘን ኣይኮነን፡፡ ኤርትራና፡ ብውቃጦ ቀለም ብርዒ ዝዓደግናያ መንነት ስለዘይኮነት፡ ኣይንጠልማ፡ ኣይትጠልመና፡፡ ኣይንቐብጻ፡ ኣይትቐብጸና፡፡ እቲ ምንታይ፡ ምትእስሳር ሪምናን ሃምናን ካብ ክብተኽ፡ ጠቐራን መረብን ክጣለማ ይቐልል፡፡
ከምዚ ክብሃል ከሎ ግን፡ ኣይኮነንዶ ዝመርሕ ልብን ዝስጉም እግርን ዝተዓደሎ ወዲ ሰብ፣ መሬት'ውን፡ ኪዳና በቲኻ፡ ንመሬት ክትጠልም ትግደደሉ ኩነታት ኣሎ፡፡
እቲ ከይልግስ፣ እቲ ድማ፡ ከም ንቡር ከይውሕዝ፣ ኣብ ሞንጎ ጠቐራን መረብን፡ ዓጋቲ ሓጽቢ ዝሃንጽ ጓዕጻጺ ተፈጥሮ ምስ ዝረክብ፡ እንታይ የጋጥም?
ከምዚ ምስ ዘጋጥም፡ ወይ ጠቐራ ጎሲዑ፡ ኪዳኑ የጽንዕ፡፡ ወይ ድማ፡ ከውሕን ቸመንቶን ተዘራርዮም ገጥ ምስ ኣበሉዎ፣ ኣንፈቱ ቀይሩ፡ ንዓንሰባ ይቐንዕ፡፡ መረብ ድማ፡ ትጽቢት ምስ በዝሖ፣ ኪዳን ከም ዝነበሮ ረሲዑ፡ ንጨቐቕ መቐቕ ኩርባታት ኣጠራቒሙ፣ ሽውሃቱ ከርዊ፣ ናብ ካልኦት እምባታት የማዕዱ፡፡
ኣብ ሞንጎ ሪምን ሃምን፡ ወይ፡ ኣብ ሞንጎ ርስትን ትምኒትን ኤርትርውያን ዘሎ ምትእስሳር'ውን፣ ብተመሳሳሊ፡ ጓዕጻጺ ኢድ ምስ ዝረክብ፡ ከም ጠቐራን መረብን ኢዩ፡፡ በታኽ ኪዳን ምስ ዘጋጥሞ፣ ኤርትራዊ፡ ነቲ ግድል ስዒሩ፡ ኣብ ሪሙ ክነብር፡ የዕገርግር - ይጽዕር፡፡ ዓቕሉ ጸቢቡዎ፡ ንገለ እዋን፡ የዕገሽግሽ፡፡ ምስ ደኸመ ግን፣ ከይፈተወ፡ ተገዲዱ፡ ብከብዱን ሓሞቱን ተደፊኡ፣ ከይሞተ ክነብር፡ ናብ ስደት የምርሕ፡፡
እዞም ብጉልባብ ሃገርን ውሕስነት ሃገርን ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኣራጢጦም ሰብ እናጋፍዑ ሃብቲ ዝድልቡ ዘለዉ ሰብ ዘበን ግን፡ ነዚ ከምዚ ዝገብር ህዝቢ፡ በቲ ሓደ መዳይ፡ ብቃል ፕረዚደንት ኢሳያስ ባዕሉ ከም ዝሰማዕናዮ፡ "ብዘለና ሓይሊ ፖለïስ ክዕገት ዘይክእል" ብምባል፡ ሃገር ብሃገራ "እምቢ" ትብል ከም ዘላ ይገልጹ፡፡
ጽንሕ ኢሎም ድማ፡ ከም ነቐዝ ካብ እኽሊ፡ መንእሰያት ኣስመራ፡ ካብ ከተማ ኣርዮም ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ረሺኖም፡ ብጋዜጠኛታት ተሓቲቶም፡ ብኣፍ ሓደ ካብቶም ሓደሽቲ ሹመኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ፡( Listen to AUDIO CLIP) "እቲ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ዘይሕጋውያን ዝተወስደ ኢዩ" ብምባል፡ ንዘይፈልጦም ከደናግሩ፡ ይፍትኑ፡
ይኹን'ምበር፡ "ነብሪ'ሞ መጸ፡ ዋዕላ ኣህባይ ፈረሰ!" ዝብሃለሉ ሰዓት ምስ ኣኸለ፡ መን ኢዩ ንሃገሩ ዝፈቱ፣ መን ኢዩኸ፡ ንህዝቢ ኣጣዓዒሙ ክሕይኾ ፡ ን"ሃገርን ውሕስነት ሃገርን" ዝብላ ቃላት፡ ከም መቋሰዪ ዝተጠቕመለን መታለሊ፡ መድረኽ ከነጽሮ ኢዩ፡፡
መን ኢዩ ሓላይ ህዝቢ'ውን፡ ሽዑ ክግሃድ ኢዩ፡፡ ህግደፍ ከም ዘይኮኑ ግን፡ ከይደቀስካ ዝሕለም፡ ንጹር ሓቂ ኢዩ፡፡ ዝኸበርኩም ኤርትራውያን፡
ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ብሽም ሃገርን ውሕስነት ሃገርን፡ ክንደይ ገበናት ኢዩ ዝፍጸም፡፡ ይኹን'ምበር፡ “ካብታ ሕማቕ ዝገብሩኻስ፡ እታ ሕማቕ ዝምህሩኻ!” ከም ዝብሃል፣ ዝያዳ እቲ ብሰንኪ ዘይፍትሓውያን መንግስታት ዝዛሪ ደምን ዝሓልፍ ትንፋስን፣ ነቲ ሕብረተሰብ ዘሕድረሉ ሱር-በተኽ ጽልዋታት ይገድድ፡፡
ሰብ ተወሊዱ፡ ክሳብታ ዝመውት፣ ዙፋን ንግስነቶም ከደልድሉ ዝደጋግሙወን ቃላት፡ ንመዓልታዊ ህይወት እቲ ህዝቢ ይተናኽፍ፡፡ ብዘይካ'ቶም መስቀል ክበርቕን፡ ጥሪ ክትቅልቀልን ዝስምዐê ንቡር መግለጺታት ሓጎስን ስሩዕ ህይወት ወዲ ሰብን፣ ብጥሙይካ ጽጉብ፣ ብዕሩቕካ ድማ ክዱን ኣምሲሉ ዘህውትት ናይ ሓሶት ዳንኬራን ጨፈራን፡ ብምስማዕን ምድጋምን፡ ዕድመ ኤርትራውያን፡ ተጸንቂቑ፡፡
መንእሰይ ወለዶና፡-
መሰሉ ምስ ዝኽበር፣ በገባብን፡ ስነ ስርዓትን፡ ሓልዮትን፡ ምስ ዝተሓዝ፣ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝምዝምዙ ጎይቶት ዘይኮነ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዝፈልጡ መራሕቲ ምስ ዝረክብ፣
ከም ባህሊ ኣቦታቱን ኣያታቱን፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምጉብዕባዕን ፈኸራን፣ብዘይ ምስዳድን ምግፋዕን፡ ንልኡላውነት ሃገሩ ከም ዘየድፍር፡ ወላ ንሓንቲ ህሞት ዘይንጠራጠረሉ፡ እምነትና ኢዩ፡፡
ይኹን'ምበር፡ ንሕና ንምነዮ፡ ኤርትራዊ፡ ኣብ ዕርድታት ኲናትን ጎዳጉድን ክበሊ ዘይኮነ፣ከም ሰብ ተወሊዱ፡ ኣብ ሕቑፊ ኣቦን ኣደን ማሚቑ ክዓቢ፣ ከም ሰብ፡ ዘሚዱ ውሉዱ ከሓቁፍ፣ ከም ሰብ ድማ፡ ህይወት ወዲ ኣዳም ከስተማቕር ኢዩ፡፡
ኣብ መደምደምታ፡ እዚ ሰናይ መድረኽ'ዚ ዝመጸሉ ዓመት እንዳተመነና፡ ንደርፊ ሳሚ ብርሃነ ክትሰምዑ፡ ንዕድመኩም፡፡
Listen to ዉላድ(wulad by Sami Berhane)

Tesfa Delina Foundation, Inc., 17326 Edwards Road, Suite A-230 Cerritos, CA 90703 e-mail: info@delina.org
|