| መግለጺ ብዛዕባ ምሻም ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ። |
|
|
| Wednesday, 02 May 2007 | |
|
ብፍላይ እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዘፍርስ ሽመት ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ግና ኣብ እዛ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ዕንወት ኣኸቲሉ ኣሎ። ንናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና መንፈሳዊ ክብርን መዓርግ ቅድስናን ድማ ኣብ ኣተሓታቲ ኩነታት ኣውዲቑዎ ይርከብ። እቶም ሓቀኛ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀኖና፣ ጽድቅን ስርዓትን ዝኽተሉ ኣመንቲ፣ ናይዚ ከቢድ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ምስዓርን ውግዘት ስም ሥላሴ ምርጋጽን ድማ ንኽብሪ ቅድስና ቤተ ክርስቲያንን ውግዘታን ታራ ቃል ከም ዝኸውን ገይሩ እዩ። ስለዚ፣ ኩሉ ወዲ እዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብግልጺ ክፈልጦን ክርድኦን ንሃይማኖቱ ደው ኢሉ ክከላኸልን ነዘኻኽር። ብተወሳኺ፣-
01.ፓትርያርክ ብሕይወት እንከሎ ፓትርያርክ ኣይሽየምን ዚብል ቀኖና ብምስዓሩ 02.ኩሎም ጳጳሳት ብቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ፓትርያርክ ከይሾሙ ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ውጉዛት ብምዃኖም። 03.ናይዚ ከቢድ ገበን እዚ ብዝለዓለ ተሓታትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ገበነኛን ብውግዘትቓለ ሃዋርያት፣ ካብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተፈልዩ ክነሱ ብሓይሊ ኣብ ስልጣን ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ጭዋ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ እኳ እንተ ኾነ፣ እቶም ብቅድስና ሃይማኖትና ኮነ ብሕይወት ቅዱስ ፓትርያርክን ኣብዚ ውግዘት እንተ ብፍላጥ እንተ ብድፍኢት ኢዶም ዝሕውሱ ዘለዉ ሰባትውን ተሓተቲ ምዃኖም ክፍለጥ ኣቐዲምና ንሕብር። 04.ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ኣቦታት ካህናት፣ ዲያቆናት ምእመናን፣ ነዚ ኣብ ሓዋርያዊትን ቅድስትን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ወሪዱ ዘሎ ድፍረትን ምፍራስ ቀኖናን ከቢድ ግህሰትን ተገንዚብኩም ንሃይማኖትኩም ደው ኢልኩም ክትከላኸሉን፣ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገት፣ ብተራዳኢነት መላእኽቲ፣ ብኣማላድነት ንጽሕት ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ብትንቢት ነቢያት፣ ብስብከት ሃዋርያት፣ ብጸሎት ጻድቃንን ብመስዋዕቲ ሰማዕታትን ንኣስታት 2000 ዓመት ዝጸንሐት ሓዋርያዊት ቅድስት ቤተክርስቲያን፡ ኩልኹም ኣቦታት ካህናት፣ ዲያቆናትን ምእመናንን ሃይማኖትኩም ኣጽኒዕኩም ክትሕዙን ብትግሃት ክትከታተሉን ንኡስ ሃገረ ስብከትና ጸዋዒቱ የመሓላልፍ።
ዕድመን ጥዕናን ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ |
| < Prev |
|---|