|
Friday, 27 April 2007 |
|
ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን፦
ኩልና
ኣባላት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.፡ ልባዊ ሰላምታና እንዳቕረብና፣ ንህዝብና፡ እፎይታ፣ ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ስሩት መነባብሮ ዘሎዎ
ድማ፡ ሻቕሎት ስድራ ዘይብሉ ቅሱን ህይወትን ምዕባሌን ንምነ። ብተመሳሳሊ፡ ንኩልና እቶም ብሰንኪ ናይ ዜጋታት ድሌትን ባህግን
ቐዳምነት ዘይህብ፣ ግዕዙይን ፍትሒ-ኣልቦን ስርዓተ-ምምሕዳር ህግደፍ፡ እነፍቅሮም ስድራናን፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን በጃ ዝሓለፉላ
ምቅርቲ ዓድና ገዲፍና፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ፋሕ-ጭንግራሕ ኢልና ዘሎና ኤርትራውያን፡
ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ኣብ ዝሰፈና ኤርትራና፣ ብቅዋም ዝምእዘዝ፣ ርትዒ ዝፈቱ፣ ፍትሒ ዘውጽእ፣ ኣርሒቑ ዝጥምት፣ ንሰራዊት
ብሓልዮት፣ ንመንእሰይ ብፍቕሪ፣ ንዓበይትን መራሕቲ ሃይማኖትን ድማ፡ በኽብሮት ዝከናኸን ስርዓተ ምምሕዳር ተኺልና፡ በብኽእለትናን
በብዓቕምናን፡ ንምዕባሌ ነብስናን ራህዋ ህዝብናን ክንሰርሓሉ እንኽእል ሃዋህው ክመጸልና፡ ንምነ።
ማዕረ ማዕረ ትምኒት ግን፡ በቲ ሓደ መዳይ፡ ባህግኻን ትምኒትካን ክሰምር፡ ኩሉ ዝከኣለካ ክትጽዕር ግድነት ስለዝኾነ፣ በቲ ሓደ
ድማ፡ እዚ ንክቡር ባህልና እናበረዘ፡ ኤርትራዊ ኒሕናን ውርሻናን ብምህሳስ፡ ናብ ምእዙዛትን ተምበርከኽትን ክቕይረና ዝፍትን
ዘሎ፡ ዓድና ዘግደፈና ትዕቢት ዝረበጾ ስርዓት ህግደፍ፡ ብትምኒትን ሃረርታን ክግታእ ስለዘይክእል፡ ካብ ወረደና፡ ንሕና ህዝቢ
ንሕና ሃገር ምዃንና ኣስተውዒልና፡ ተዘራሪና ነባሪ መደምደምታ ክንገብረሉ ዝጽውዕ ምሕጽንታ ነመሓላልፍ ኣለና።
ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣሕዋትን፦
ንሕና ነዚ ምሕጽንታ እነመሓላልፍ ዘለና ኣሓትኩምን ኣሕዋትኩምን፡ ኣባላት ኣብ
ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ፡ በሕጽሮተ ቃላት፡ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ተባሂሉ ዝጽዋዕ፣ ብዘይጎነጻዊ ኣገባብ፡ ንሓርነቱን ሰብኣዊ ክብሩን
ደው ዝብል ሓያል ሕብረተሰብ ኣብ ኤርትራ ንምህናጽ ዝቃለስ፡ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኢና።
ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት ወላ እንተሃለውዎ፡ ዝበዛሕና ኣባላቱ፡ ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ደቃ ናጽነት ኣብ
ዝጨበጠትሉ ዓመት 1991፡ ዓቕሚ ኣዳም ዘይኣኸልና ቆልዑት ዝነበርና ኢና።
በዚ ምኽንያት እዝን፡ ንሕና ነዚ
ደብዳቤ እንጽሕፍ ዘለና ሰባት፡ ካብዞም ኣብ እዋን ናጽነት ናእሽቱ ዝነበሩ ብምዃንናን፣ ነዚ ንኩሉ ኣባል ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.
ዝውክል መልእኽቲ ኣብ እነዳልወሉ ግዜ፡ ማሕበርና ንዝቃለሰሉ ዕላማ ስጋ ብዘልብስ፡ ኣብ ኣእምሮ ኣንባብን ኣንባቢትን ድማ፡ ንጹር
ስእሊ ሕልምናን ባህግናን ብዝቐርጽ ኣገባብ ንምቕራቡ፡ ንገለ ክፋል ህይወትናን ተመኩሮናን፡ ከም መእተዊ ክንጥቀመሉ መሪጽና።
ዓመት ክሓልፍ፡ ዓመት ክትካእ፡ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ደዳሕራዩ እናዋህለለ፡ ንዝቐደመ ከም ዘህስሶ፡ ኩልና ንፈልጦ ኢና። ገለ
ዝኽርታትን ባህግታትን ግን፡ ብህይወት ክሳብ ዘሎዃ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ወትሩ ሓደስቲ ኮይኖም ይነብሩ። ገለ ካብቲ ኣብ ሓንጎልና ኩሉ
ሳዕ ብሓድሹ ዝነብር ዝኽሪ፡ ንሓርነትን ራህዋን ዝነበረና ሃረርታ ኢዩ።
ይዝከረና፡ ዓበይቲ ኣሓትና፣ ኣሕዋትናን
ኣቦታትናን፡ “ይጋደሉ ኣለው! ሳሕል ኣለው! ባርካ ኣለው!” እንክብሃል ብቆልዑትና። “ተጋደልቲ ምስ መጹ ምእሳር ክተርፍ ኢዩ።
ጭንቂ ክውዳእ ኢዩ። ራህዋ ክመጽእ ኢዩ!” ክበሃል ከሎ ንዝክሮ። “ባንዴራ ኤረይ ንዒ ተሎ፡ ጎበዝ ንዓኺ ይጋደል ኣሎ!” ተባሂሉ
እንክድራፍ ንዝክሮ። ንሕና ባዕልና ድማ፡ ባህጊ ወለድናን፡ ግብሪ መግዛእቲ ደርግን ብምዕዛብ፡ “ደንጉኺ ደንጉኺ፡ ኤረይ
መዓረይ!” እንዳበልና፡ ንሓርነት ብሃንቀውታ ክንጽበያ፡ ንዝክሮ።
ንዝክሮ’ወ፡ ኣዴታትና፡ “ዎ ፈጣሪ ኩሉ
ዓለም፡ ሳሕል ዘሎ ወደይ ቁሊሕ በለለይ! ንደቀይ ብሓይልኻ ኣጽልለለይ! ይኣክል በለና! ኣሚነይ ብሰላም ምለሰለይ! ንብዓተይን
ናፍቆተይን ብሓጎስ ደብሰለይ!” እናበላ፡ ብናፍቖት ተረሚሰን፣ ብሻቕሎት ተሓሚሰን፡ ማዳ ተኸዲነን፣ ብፍርሒ ከብደን ሓቑፈን፡
ዓይኒ-ዓይንና እናጠመታ፡ “ኣጆኹም እዞም ደቀይ፡ ተጋደልቲ ክኣትዉ ቀሪቦም ኢዮም። ኣቦኻ ክመጽእ ኢዩ። ሽደን ወደይ ባንዴራ ሒዙ
ክምለስ ኢዩ። ጽብቕቲ ጓለይ፡ ንሰብኡት ስዒራ ክትመጽእ ኢያ! ርጉም ደርጊ ክሃድም ኢዩ! ራህዋ ክመጽእ ኢዩ! ክሓልፈልና ኢዩ!”
እንክብላና፡ ንዝክሮ።
ንዝክሮ ምኽንያቱ፡ ንዓና ነቶም ኣብ 1991 ቆልዑት ዝነበርና፣ ተጋደልቲ ማለት፡ ገለ
ብኣካል፡ ገለ ብስእሊ እንፈልጦም፡ ክንርእዮም ብዙሕ ሃንቀውታ ዝነበረና፡ ህዝቦም ካብ ጭቆና ክገላገል፡ ንሕና ደቖምን ስድርኦምን
ድማ፡ ራዕዲ ኣብ ዘይብሉ ሃዋህዉ ክንነብር ህይወቶም ዝዉፍዩ፡ እነፍቅሮም ኣቦታትና፣ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኢዮም። ፍቕርናን
ባህግናን ስለዝነበሩ ድማ፡ ኣብ ግዜ ደርጊ፡ ስድራና፡ ብፍላይ ኣዴታትና፡ “እዞም ቆልዑት” እንዳበላ ብዛዕባ ተጋደልቲ
እንክዛረባ፣ ትርግታ ልብና ምስማዕ ከይከኣልና፡ ትንፋስና ሕብእ ኣቢልና፡ የእዛንና ዊጥ ኣቢልና፡ ንሕሹኽሹኽ ስድራና ክንከታተል፡
ንዝክሮ።
ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ቃላት ኣዴታትና ኣብ ልብና ዘሕደሮ ምስሊ ተጋዳላይ፣ ባህገን ኣብ ልብና ዝቀረጾ
ልዑል ሃረርታ፣ ትምኒተንን ተስፍአንን ኣብ ኣእምሮና ዝቀስቀሶ ገዚፍ ሃንቀውታ ሓርነትን ራህዋን፡ ንዝክሮ።
ኣብ 1991 ድማ፡ እቶም ብወረ ጥራይ እንፈልጦም ዓበይቲ ኣሕዋትና፣ ኣሓትናን ኣቦታትናን፡ ገሊኦም ጀብጀብ፡ ገሊኦም ኣፍሮ፣
ካላሽን ዓጢቖም፡ ዝናር ተሓንጊጦም፡ ታንክታት ኣምሪሖም፡ ብመዳፍዕን ከቢድ ኣጽዋርን ተሰንዮም ብሎኮ ኣስመራ ምስ ኣተው፡ ከም
ኣብታይ እንዳዓንደርና፣ ንተጋዳላይ፡ ንበዓል ሳሕል፡ እወ ነቲ ሓርበኛ፡ ነቲ ኣቦ መስተርሆት፡ ሰላም ክንብሎ፡ ክንትንክፎ፡
ክንሓቑፎ ክንቀዳደም፡ ንዝክሮ።
ተጋደልቲ ሰላም ስለዝበሉና፡ ልብና ብሓጎስ ጭድድ ክንብል፡ ንዝክሮ። ኣብ
ህይወትና ንመጀመርያ ግዜ፣ ዘፍርሕ የብልና ዘሻቕል፡ ዓርከ መሓዛ ተሓቛቑፍና፡ ኤርትራውያን ጌሩ ንዝፈጠረና ኣምላኽ
እንዳመስገንና፡ “ይስመዓኒ ኣሎ፡ ይስመዓኒ ኣሎ፣ ሳላ እቲ ጅግና ሓወይ ይከኣሎ፡ ሓጎስ ይስመዓኒ ኣሎ! ሓበን ይስመዓኒ ኣሎ!”
እንዳበልና ክንደርፍ፡ ንዝክሮ።
“ኩስቶ ተኣሲሩ! ኩስቶ ተቐቲሉ! ፈታሽ መጺኦም! ካድራታት ቀበሌ መጺኦም!
ብሎኮ ተዓጽዩ!” ዝብል መግለጺ ክፉእ ዘበን፡ ኣብ ሓንቲ ህሞት፣ ብ “ተመስገን ፈጣሪ!” ተተኪኡ። ኣብ ገጽ ኣዴታትና ዝነበረ
ጸልማት፡ በቲ ብናፍቖትን ሻቕሎትን ደቀን፡ በቲ ድማ፡ ብምረት ናብራ ዘይምሱል መሲለን ዝነበራ፡ ፍሽኽ ኢለን። መዋእለን እዝግዮ
ዝበላ ኣዴታት፡ ባህገን ሰሚሩ፡ ፈውሰን ተረኺቡ፡ ሕማመን ብቕጽበት ሃዲሙ፡ ዕልል ክብላ ንዝክሮ።
ንዓና ነዞም
ኣብ እዋን ናጽነት ቖልዑት ዝነበርና ሰባት’ምበኣር፡ ተጋዳላይ ማለት፡ ንሱ እቲ ኣብ ገጽ ኣዴታትና ፍሽኽታ ዝፈጠረ፣ ንሱ፡ እቲ
ብሞቱን መስዋእቱን፡ ብደሙን ድኻሙን፡ ኮታ ብመሪር ተጋድሎኡ፡ ጨቖንቲ ዝሰዓረ፣ ንሱ፡ እቲ መርሃዊ ጸበባ ኢዩ።
ሎሚ ድሕሪ 15 ዓመታት’ውን እንተኾነ፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረና ምስሊ ተጋዳላይ ክሃስስ ኣይንደልዮን። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ንሕና ክሳብ
ዘሎና፡ ንተጋዳላይን ታሪኹን ብክብሪ ዘኪርና፣ ናብ ዝመጽእ ከነመሓላልፎ፡ ሰብ ሓደራ ኢና።
ንተጋዳላይ
ምኽባር፣ ታሪኽ ተጋዳላይ ምዕቃብ፡ ናብ ዝመጽእ ወለዶ ምትሕልላፍ ማለት ግን፡ እንታይ ማለት እዩ?
ታሪኽ
ተጋዳላይ፡ “መሰለይ ሃቡኒ! እምቢ ኣይርገጽን! ኣብ ዓደይ ኣይግፋዕን! ኣደይ ክትነብዕ ስቕ ኣይብልን! ሓወይ ክእሰር ስቕ ኢለ
ኣየማዕድውን! ዓመጽን ግፍዕን ዘይብሉ ህይወት መታን ክነብር፡ ጎይታ ህይወተይ ክኸውን ዘፍቅደለይ ስርዓት ክተክል፡ ህይወተይ
ክውፊ ድሉው ኢየ!” ዝብል፡ ብኒሕን ንያትን ዝተጻሕፈ ታሪኽ ጅግንነት ኢዩ።
ስለዚ፡ “ታሪኽ ተጋዳላይ ናብ
ዝመጽእ ወለዶ ከነመሓላልፎ ሰብ ሓደራ ኢና!” ንዝብል እምነትና ኣብ ግብሪ ክንትርጉሞ እንተኾይንና፦
1.
ተጋዳላይ ዝተሰውኣሉ ዕላማ፡ ሓርነት፣ ፍትሒን መሰልን፡ ዓንቃጺ ከየጋጥሞ፣ 2. ተጋዳላይ ዝተጋደደሉ ዕላማ፡ ብስሱዓትን
ተበለጽትን ከይክዳዕ፣
ካብቲ ሰላም ክንብሎ ዝተቐዳደምና መርሃዊ ጸበባ ተጋዳላይ፡ ሓቦን፡ ኒሒን፡ ንያትን
ብምውራስ፣ ንሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ዝጻባእ ጓና ይኹን ወዲ ሃገር፡ ብትሪ ክንምክቶ ግድነት ይኸውን።
በዚ
ምኽንያት እዚ፡ ንሕና ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እንርከብ ኤርትራውያን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብቲ ኣብ ዘበን ደርጊ ዝነበርናዮ ድቕድቕ
ጸልማት ዝገደደ ከም ዝኾነ ምስ ተገንዘብና፡ ከምቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝቕመጡ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝገበሩዎ፡ ስርዓት ህግደፍ
ኣገባቡ ከመሓይሽ፡ ብውልቅን ብእኩብን ሓቲትና። ዝተዋህበና መልሲ፡ ካብቶም “ዝበለጹ ተጋደልቲ ዝመሰለና መራሕቲ ተጋደልቲ”
ዝተጸበናዮ ኣይነበረን። መልሶም፡ ኣብ ክንዲ ዝሕብር - ዝፍክር፣ ኣብ ክንዲ ዝምዕድ - ዘርዕድ፣ ኣብ ክንዲ ትኽ ዝበለ -
ሓንኳል፣ ኣብ ክንዲ ቅኑዕ - ጎባጥ፣ ብሕጽር ዝበለ፡ ነቶም ንሕና እነፍቅሮምን እነኽብሮምን ተጋደልቲ ዘይውክል፡ ንዕላማ በጃ
ዝሓለፉ ሰማእታት ኤርትራ ዘየንጸባርቕ ኮይኑ ረኺብናዮ። ካብ መልስን መልሓስን ሓሊፎም ድማ፡ ኣሽሓት መንእሰያት ከማና ክገፍዑ፡
ክዕምጹ፡ ክኣስሩ፡ መስኪርና። እቲ ብተጋደልቲ ዝተቐንጠጠ ጸልማት ባርነት፡ ንጸሓይ ናጽነት ክጉልብባ ርኢናዮ።
መጀመርያ፡ ዝብሃልን ዝግበርን ጨኒቑና ከም ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። ኩነታት ህዝብና ካብ ሕማቅ ናብ ዝገደደ ምስ ኣንቆልቆለ
ግን፡ ኣብ ሓንጎልና ዝነበረ ምስሊ ተጋዳላይን ዕላማ ገድሉን ከይሃስስ፣ ሕልምና ከይበነነ፣ ተስፋና ከይሓረረ፣ ኣብ ነብሲ ወከፍ
ዕለት ኣብ ኤርትራ ዝውለድ ሕጻን፡ እታ ንሕና ኣብ 1991 ዘስተማቐርናያ ጥዕምቲ ቅሳነት ከስተማቕር ዝኽእለሉ ሃዋህው ንምምጻእ፡
ማለት፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ሰላም፣ ፍትሕን ቅሳነትን ንኽሰፍን፣ ህዝብና ወላድ መኻን ኮይኑ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ከይተርፍ፣
መንእሰይ ኣብ ዓዲ ሃገር ተሰዲዱ ኣደዳ ሻቅሎትን ዘይተደልየ ስጉምትን ንኸይከውን፣ ኣብ ቁጠባውን ማሕበረ-ፖለቲካውን ቅልውላው
እትርከብ ሃገርና ናብ ዘይተደልየ ኣንፈት ንኸይተምርሕ፣ ኣብ መንጎና ዘይምርድዳእን ዘይምቕዳውን ዘይኮነስ - ተጻዋርነትን
ሓድነትን ንኽዓዝዝ፣ ጎነጽ ዘይኮነስ - ልዝብን ምርድዳእን ንኽተባባዕ፣ ተስፋ ምቑራጽ ዘይኮነስ - ብሩህ መጻኢ ተስፋ ከምዘለና
ከነአንፍት፣ ሃገርና ኤርትራ ናይ ውሑዳት ዘይኮነተትስ - ናይ ኩሉ ህዝቢ ብሓባር ኮይና፡ ሓርነትን ሰብኣዊ ክብርን ናይ ኩሉ ዜጋ
ዝኽበረላ፣ ኣብ ቕዋምን ልዕልና ሕጊን ዝተሰረተት፣ ናብ ጎደና ምዕባለ እተምርሕ ንኽትከውን፡ ሃገራውን ሞራላውን ሓላፍነት ከም
ዘሎና ኣብ ግምት ብምእታው፡ “ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን” (ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.) ዝብል ማሕበር
ብምምስራት፡ ዓቕምና ዝፈቕዶ ከነሰላስል ወሲንና።
ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ካብ ዝምስረት፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ
ዓመታት ድማ፡ ነቲ ፋሕፋሕ ኢልና በብወገንና እነካይዶ ዝነበርና ጻዕሪ ናብ ሓደ ብምጥርናፍ፡ ዓቕምና ብዝፈቕዶ መሰረት፡
ዝተፈላለዩ ንጥብቅና ሰብኣዊ መሰልን ትምህርቲ ሓዘል ጎስጓስን ዝምልከት ስራሓት ከነካይድ በቒዕና።
ነዚ ክሳብ
ሎሚ ኣሰላሲልናዮ ዘሎና ዕማማት ከነካይድ ዘኽኣለና ቀንዲ ረቛሒ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርናን ኣብ ወጻእን ዘለው፡ ልዑል ምስጋና
ዝግብኦም፡ ሽግ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ጸዳላ ክትፍኑ ዝብህጉ ግዱሳት ኤርትራውያንን፣ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን
ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ዝለገሱልና፡ ሞራላዊ፣ ንዋታውን ገንዘባዊን ሓገዝ ኢዩ።
እዚ፡ ኣብ በበይኑ
ክፍላተ-ዓለም፡ ናህሪ እናደለበ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓል ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ ንክድምደም ግን፡ ብዝለዓለ ንያትን ቅልጣፈን
ከነሰላስሎም ዝግባእ፡ ብዙሓት ዕማማት ኣለው። ገለ ካብቶም ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ነዚ ህዝባዊ ምልዕዓል ናብ ዓወት ከብጽሑዎ ሓጋዝቲ
እዮም ኢልና፡ እነካይዶም ዘሎና ዕማማት፡ ምድላው መጽሄትን ካልኦት ሕትመታትን፣ ምድላው ራዲዮ መሰልና-ደሊና፣ ዑቕባ ንዝሓቱ
ኤርትራውያን መንእሰያት ዘድሊ ሞራላውን ኪኢላውን ምትሕብባር ምግባርን ካልኦት ንጥፈታትን የጠቃልል። እዞም ዕማማት ብግቡእ
ክሰላሰሉ እንተኾይኖም፡ ናይ ኩልና ተበግሶን ተወፋይነትን ይሓቱ።
ስለዚ፡ ክሳብ ሕጂ ንዝተገብረልና ሞራላዊ፣
ንዋታውን ገንዘባውን ሓገዝ ብልቢ እንዳመስገንና፡ እቲ ሓደ ብንዋት፡ እቲ ሓደ ብክእለት፡ እቲ ሓደ ፍልጠት፡ እቲ ሓደ ብገንዘብ፡
ነዚ ወሪዱና ዘሎ ኣደራዕ፡ ተዘራሪና ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንስዕሮ ደጊምና ጻውዒትና ነቕርብ።
ንእትገብርዎ
ኣበርክቶ ኣቀዲምና እንዳሞጎስና፡ ንዝኾነ ካባና ዝድለ ሓበሬታ ድማ ብ managment@emdhr.orgThis email
address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view
it ኢመይል ኣድራሻ ወይ’ድማ ብቁጽሪ ስልኪ +27 12 440 4749 ኣቢልኩም ክትውከሱና ንላቦ። ንእትገብርዎ ገንዘባዊ ሓገዝ፡
ኣብ’ዚ ስራሕ እዚ ተዋፊሮም ንዝርከቡ ዜጋታት ምስ እነረክብ ወይ ኣብዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ሕሳብ ባንክ ምስ እነቀምጥ ኣዝዩ ተበሃጊ
ይኸውን። ንኡሽተይ ኢልና ንሓስቦ ሓገዝ፡ ነዞም ተወጢኖም ዘለው ዕማማት ኣብ ምስልሳል፡ ዝጻወቶ ተራ ብጣዕሚ ዓቢ ምዃኑ
ከነዘኻኽር ንፈቱ።
Bank name: FIRST NATIONAL BANK Swift code: FIRNZAJJ
Branch name: HATFIELD Branch code: 25 21 45 Account holder: ERITREAN
MOVEMENT FOR DEMOCRACY & HR-SA Account No.: 620 670 8988 1
ፍቅሪ፣ ሰላምን ራህዋን ንምነየልኩም! |