|
ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት: ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ ራብዓይ ፓትርያርክ ኤርትራ ኮይኖም ከገልግሉ ተመሪጾም |
|
|
|
Thursday, 26 April 2007 |
ብጹእ
ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ ራብዓይ
ፓትርያርክ ኤርትራ ኮይኖም ከገልግሉ
ተመሪጾም
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ ራብዓይ ፓትርያርክ ወ ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኮይኖም
ከገልግሉ፣ ቅዱስ ሲነዶስ ብስሙር ድምጺ ኣብ ዘጽደቖ ስነ-ስርዓት
ተመሪጾም።
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ ብ19 ሚያዝያ ኣብ
ዝተኻየደ ዓቢ ኣኼባን ገዳማተ ኤርትራ፣ ወከልቲ
ኣመሓደርትን ሽማግለታት ኣህጉረ ስብከትን
ወከልቲ ሃገረ ስብከትን ኣድባራትን ኣስመራ ኣብ
ዝተረኽቡሉ ሕጋውን ርትዓውን ምርጫን
ከምእተመርጹ።
ኦርቶዶክሳዊት
ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ንህዝቢ
ብሓጎስ ትሕብር፣ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ጸሎተ
ተቐብኦን ስርዓተ ሽመትን ድማ ን27ን 28ን
ግንቦት ኪፍጸም ምዃኑ ተፈሊጡ።
|
His Holiness Abune Dioskoros unanimously elected 4th Patriarch of Eritrean Orthodox Tewahdo Church
Source Shabait.com
Apr 24, 2007, 18:46
Asmara, 24 April 2007 - His Holiness Abune Dioskoros has been elected 4th Patriarch of Eritrean Orthodox Tewahdo Church that was unanimously approved by the Holy Synod.
The EOC happily announces to the people that the appointment of His Holiness Abune Dioskoros took place on 19 April, during a meeting of Eritreans monasteries, representatives of religious administrations and the like.

It is known that the official convocation ceremony would be conducted on May 27 and 28.
|
|
|
10 April
ሓበሬታ
ኣብ ምሉእ ዓለም ንዝርከቡ ኣመንቲ
ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን
ኤርትራ።
ዝኸበርኩም
ኤርትራውያን፡ ስርዓት ህግደፍ ንቅቡእ
ሕጋዊ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ
ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ከቢድ ማሕዩር
ኣሲሩ ምስ ሰብ ከም ዘይራኸቡ ገይሩ፡
ከቢድ ናይ ሕልና መቕጻዕቲ ብምውራድ
ብዘለዎም ናይ ሕማም ሽኮርን ብዝሒ ደምን
ኣብ ውሽጢ መዓልትታት ክሞቱ ክጽበ ድሕሪ
ምጽንሑ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ግና በቲ
ኣምላኽ ዝሃቦም ሓይልን ጽንዓትን ክሳብ
ሎሚ ምስ እዚ ኩሉ ከቢድ ሕማም ብጸሎትን
ጾምን ጸኒዖም ብረድኤት ኣምላኽ
ብህይወት ኣለዉ።
እዚ ምስላጥ ዝኣበዮ ጨካንን ጸረ
ኣምላኽን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ፡
ንሓሙስ ዕለት 12 ሚያዝያ 2007 ነቶም ብዛዕባ
ሕግን እምነትን ሃይማኖትን ዘይግድሶም
ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ሃይማኖት ተዋህዶ
ዘለዉ ዕሱባት ኣቢሉ፡ "መን እዩ
ጐይታይ"ኢሉ ዝእዘዘኒ ኢሉ ዘካየዶ
መጽናዕቲ ነቶም "ኣብየት ጐይታይ"
ኣሎም ዝእዘዙ፣ ህሩፍ ናይ ስልጣን
ዘለዎም ጳጳስ ክዳን ፓትርያርክ
ቀንጢጦም ክሽየሙ ኩሉ ምድላዋት ወዲኡ
በዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ምርጫ ክካየድ ምዃኑ
ኣብቲ ናብ ኩለን ቤተ ክርስትያናት
ኣስመራ ዝተላእከ ጽሑፍ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ሰይጣናዊ ዕለተ-ቅብኣት ድማ ንበዓል
መንፈስ ቅዱስ ክኸውን ምዃኑ ተሓቢሩ
ኣሎ።
እዚ ነቲ ፓትርያርክ ብህይወት እንከሎ
ፓትርያርክ ኣይሽየምን ዝብል ሕጊ ቤተ
ክርስትያን ጥሒስካ ዝግበር ንተዋህዶ
ሃይማኖት ንምፍራስ ስለ ዝኾነ፡ እቶም
ኣብ ውሽጢ ሃገር እንርከብ ብኣፍናን
ብኸብድናን ብኢድናን ተኣሲርና ዘለና
እኳ ብጀካ ንብዓት ንገብሮ የብልናን።
ይትረፍ ንሕና ሰብ ሓዳርን ቆልዑን፡
እቶም ዓለም መኒኖም ንነብሶም ጥራይ
ዝነብሩ፡ ፈሪሖም መረጽትን ተመረጽትን
ኮይኖም ይቐርቡ ኣለዉ። እዚ ድማ ደም
ዘንብዕ እዩ።
ስለዚ ነቶም ንሓቀኛ ጥንታዊት
ሃይማኖትና ደው ኢልኩም ዘለኹም፡
ቅኑዓት ደቂ ሃይማኖት ኣብ ወጻኢ
እትርከቡ ኣብ ውሽጢ ሃገርውን ንሓቂ
መስዋእቲ እትኾኑ ነዚ ገበነኛ ፍጻሜ ኣብ
ታሪኽ ሃይማኖት ተቓውሞኹም ከተስምዑን
ምእንቲ ሃይማኖትኩም ደው ክትብሉን
ጸዋዒትና ነመሓላልፍ።
ካህናት፡ መነኮሳት ዲያቆናት
ካብ ኣስመራ።
|
13 April
ዘይሕጋዊ
ፓትርያርክ ንምምራጽ ዝተወጠነ ኣኼባ
ንዝመጽእ ሓሙስ ተሰጋጊሩ
ሓድሽ ዘይሕጋዊ
ፓትርያርክ ንምምራጽ ዝተወጠነ ኣኼባ፣
ዝበዝሑ ጳጳሳት ስለዘይተረኽቡን እቶም
ውሑዳት ዝተረኽቡ ድማ ኣውራጃዊ
ፍልልያትን ህርፋን-ስልጣንን
ስለዘጥቅዖም ኣኼባ ብዘይ ፍረ
ብዕግርግር ተበቲኑ። እቲ ኣኼባ ድማ
ንዝመጽእ ሓሙስ 19 ሚያዝያ 2007 ተሰጋጊሩ
ኣሎ። እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ
ጳጳሳት እቶም ህርፋን-ስልጣን ዘጥቅዖም
ንሓንቲ መንበር ዝጓየዩ ዘለዉ ተዃሉ
ጥራይ እዮም ነይሮም። እቲ ዝተወጠነ
ኣኼባ ስርዓት ቤተ ክርስትያን ጥሒስካ
ብዓብላልነትን ፖለቲካዊ ጸቕጥን
ክትግበር ዝተመደበ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ተዋህዶ ዝጀመርዎ ሓጻር
ኣኼባ ብዕግርግር ስለ ዝተዓብለለ
ክሰማምዑ ኣይከኣሉን። "ንመን
ንምረጽ" ዝብል ሕቶ ምስ ተላዕለ
ኣውራጃዊ ፍልልይ ስለዝተላዕለ በዚ
ምኽንያት ኣኼባ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።
ቀጺሎም እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ
ጳጳሳት ብማእከልነት ሰመረ በይንን
ጀላኒ መሓመድን ንሓጺር ጊዜ ኣብ ቤት
ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኣኼባ
ኣካይዶም። ኩሎም ጳጳሳት ስለ ዘይነበሩ
ግና እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዘይመጹ ጳጳሳት
ንዝመጸእ ዘሎ ሓሙስ ሚያዝያ 19, 2007
ብህጹጽ ክእከቡ ከቢድ ትእዛዝ ብቤት
ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክለኣኸሎም
ተመዲቡ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ሎሚ ኣብ ኣኼባ
ዘይተረኽቡ ጳጳሳት ንረቡዕ 18 ሚያዝያ 2007
(ድሮ እቲ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት) ኣብ ቤት
ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኣብ ቅድሚ
ሰመረ በይንን ጀላኒ መሓመድን ቀሪቦም
ኣብቲ ዝተገብረ ኣኼባ ዘይምርካቦም
ምኽንያት ክገልጹ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብቲ ንዝመጽእ ሓሙስ 19 ዝግበር ኣኼባ
ዝኾነ ተቓውሞ ከየስምዑን ዝኾነ ብዛዕባ
ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምልከት ጉዳይ
ሓንቲ ቃል ከየልዕሉን መጠንቀቕታ
ክወሃቦም ምዃኑ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብቶም ሎሚ ዕለት ዝተኣከቡ ጳጳሳት
ዝተራእየ ምክፍፋል ብቐንዱ ኣብ መንጎ
ኣባ ዲዮስቁሮስን ኣባ ጴጥሮስን ዘሎ ናይ
ስልጣን ምቅድዳም እዩ።
ጳጳስ ጴጥሮስ ብኢድ ቅዱስ ኣቡነ
እንጦንዮስ ዝተሾመ ኮይኑ፡ ክዳን
ፓትርያርክ እንጦንዮስ (ኣቡኡ) ቀንጢጡ
ክኽደን ዝጓየ ዘሎ ከሓዲ ይሁዳ እዩ።
ጳጳስ ዲዮስቁሮስ፡ ካብ ንኣምላኽ ዝያዳ
ንገበነኛ ዮፍታሄ ዘምልኽ ኢዩ።
ንዮፍታሄ “ጐይታና” ብዝብል ቅጽል ስም
ኢዩ ዝጽውዖ። ንስልጣን እምብዛ
ስለዝብህጋ ድማ ገና ብኣግኡ ከይሓፈረ
ክዳን ፓትርያርክ ቀንጢቱ ኣብ ዝባኑ
ብምልባስ ቡራኬ ክህብ ዝተጓየየ ተኹላ
እዩ። እዞም ክልተ ሰባት ሓያል ናይ
ስልጣን ህርፋን ስለዘለዎም፡ ኣብ
መንጎኦም ኣብዚ ሰሙን እዚ ንምዝራቡ
ዘሕፍር ከቢድ ጸለመታትን ስም ምጥፋእን
ተጀሚሩ ኣሎ።
ኣምላኽ ተኣምራቱ ክሰርሕ ዝኽእል እዩ፣
ንጸበ ጥራይ። ኣምላኽ ካብ ተዃሉ ሓልዩ
ብሰላም የጽንሓና እምበር ናይ ዝመጽእ
ዋዕላ ድማ ክንሕብረኩም ኢና።
ካብ ካህናት: መነኮሳትን ዲያቆናትን
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን
ኤርትራ
ኣስመራ።
|
20 April
ዮፍታሄን
ሓላፊ ጸጥታ ሰመረ በይንን ፓትርያርክ
ንኽቅባእ ወሲኖም።
ትማሊ ዕለት 19
ሚያዝያ 2007 ውጉዝ ዮፍታሄ ዲመጥሮስን
ሓላፊ ክፍሊ ጸጥታን ስለያን ኮሎኔል
ሰመረ በይንን ዝርከብዎም ሰብ ስልጣን
መንግስቲ፣ ንጳጳሳት ኣኪቦም "ናይ
ዞባ ደቡብ መንደፈራ ጳጳስ ዝነበሩ ኣባ
ዲዮስቆሮስ: ፓትርያርክ ክኾኑ
መዚዝናዮም ኣለና" ኢሎም ሓቢሮሞም
ኣለዉ፡፡ ጳጳሳት ክንዛረብ ዕድል
ይወሃበና እኳ እንተበሉ፣ ፈቲኹም
ጸሊእኩም ጉሰምዎ ተባሂሉ ከምዝተነግሮም
ውን ተገሊጹ ኣሎ።
እዚ ዝግበር ዘሎ ግፍዒ ብጸቕቲ ድኣ
እምበር ጳጳሳት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ
ዘይሰመርዎ፣ እምነት ቤተ ክርስትያን
ተዋህዶ ዘፍርስ፣ ባህጊ ፖለቲከኛታት
ህግደፍ ንምትግባር ዝግበር ዘሎ ምዃኑ
ህዝቢ ከስትውዕለሉ፣ እምነትን መሰልን
ክልተ ሚልዮን ምእመናን ተዋህዶ ድማ
ብኽልተ ሰለስተ ሰባት ተጨውዩ ምህላዉ
ክዝንጋዕ የብሉን።
“ፓትርያርክ ብህይወት እንከሎ ካልእ
ፓትርያርክ ኣይሽየምን” ዚብል ሕጊ
ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንኽልተ ሽሕ
ዓመታት ዝጸንሐ ውሳኔ ሃዋርያት
ኣቦታትን ብምጥሓስ፡ ብጸቕጢ ፖለቲካዊ
ሓይሊ፣ ንቤተ ክርስትያን ዘይውክል
ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ኣብ መንበር
ቅድስና ኮፍ ክብል ተገይሩ ኣሎ። እዚ
ነውራም ተግባር'ዚ ኣብ ብዙሓት
ቤተክርስትያናት ከቢድ ሓዘን ፈጢሩ
ኣሎ። ንብዓት ህዝቢ ንምምላእ ስለ
ዝኾነ፡ እቲ መዓልቲ ሓቂ እናቐረበ ምዃኑ
የረድእ።
ኣባ ዲዮስቆሮስ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ
እግሪ ዮፍታሄ ኮይኖም “ጐይታይ”
እናበሉ ክምሕጸንዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናይ
ፓትርያርክነት ስልጣን ብዘይ ዝኾነ
ምርጫን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተሳትፎ
ምእመናን ተዋህዶን ተዋሂብዎም ኣሎ።
ንበዓል መንፈስ ቅዱስ ድማ “ቅብኣት
ርኽሰት" ክቕብኡ ብጸቕጢ ፖለቲካዊ
ሓይሊ ኣብ መንበር ቅድስና ኮፍ ክብሉ
ተወሲኑ ኣሎ።
ኣብ 2004 ዓመተ ምሕረት፣ ፓትርያርክ
እንጦንዮስ ብምሉእ ድምጺ ጳጳሳት፣
ኣበምኔታት ገዳማት ኤርትራ፣ ወከልቲ
ምእመናን ተዋህዶ ቤተ ክርስትያናት፣
ዓበይቲ ዓድን ወከልትን፣ ብተሳትፎ ናይ
ኦርየንታል ቤተ ክርስትያናትን ቤተ
ክርስትያን ግብጽን ከምዝተመርጹ ዝዝከር
እዩ።
ኣምላኽ ቅድስት ሃይማኖትና ይሓሉ።
ካህናት መነኮሳት፡ ዲያቆናትን
ምእመናንን
ካብ ኣስመራ።
|
|
|