|
ጋዜጣዊ መግለጺ: መርበብ ኤርትራዉያን ሲቪላዉያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮፓ |
|
|
|
Tuesday, 24 April 2007 |
|
ሓሙሻይ ጉባኤ መርበብ ኤርትራዉያን ሲቪላዉያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮፓ ካብ ዕለት 20-22 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ጄነቫ (ስዊዘርላንድ) ተኻይዱ። ኣብ’ቲ ጉባኤ ወከልቲ ኩለን ኣባላት መርበብ ኤርትራዉያን ሲቪላውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ተካፈለን ከምኡ’ውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተሳቲፎም።
እቲ ጉባኤ ዓርቢ ዕለት 20 ሚያዝያ ሰዓት 9,00 ድ.ቀ. ብናይ ሰላምታ መልእክቲ “ማሕበር ኤርትራውያን ንደሞክራሲ ሰላምን ኣብ ስዊስ” ተኸፊቱ። ድሕሪ’ዚ ብዝተፈላለያ ፈተውቲ ማሕበራት ዝተላእኸ ናይ ደገፍ መልእኽትታት ተነቢቡ። አብ’ቲ ጉባኤ ወኪል ጉዳያት ኣፍሪቃ ናይ ረፖርተርስ ዊታኣውት ቦርደርስ (Reporters Without Borders) ኣቶ ለኦናርድ ቪንሰንት (Mr. Léonard Vincent) ብዝተገበረሉ ዕድመ መሰረት ብኣካል ተሳቲፉ። አብቲ ዘቕረቦ መደረ፣ ኩነታት ፕረስ አብ ኤርትራን ናይ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት መሰል ምጥባቕን ክሳብ’ዚ እዋን ብወገኖም ዝተኻየዱ ንጥፈታት ድሕሪ ብስፊሑ ምግላጽ፣ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ምስ መርበብ ኤርትራዉያን ሲቪላዉያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ተሓባቢሮም ክሰርሑ ድልውነቶም ገሊጹ።
ብተወሳኺ ወኪል ናይ “ኤርትራውያን ምንቅስቃስ ንደሞክራሲን ሰብአዊ መሰልን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ” Eritrean Movement for Democracy & Human Rights (EMDHR South Africa) ወኪሉ ዝመጸ አባል ኣቶ ቢንያም የማነ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቡ ብዛዕባ ማሕበሩ ሰፊሕን አገዳስን ዝኾነ ናይ ምሕዝነት መልእክቲ አቕሪቡ። ድሕሪ’ዚ ብኣወሃሃዲት ሽማግለ መርበብ ዝተዳለወ ዓመታዊ ጸብጻብ ቀሪቡ። ድሕሪ ሰፊሕ ናይ ሕቶን መልስን ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ ጉባኤ ወከልቲ ማሕበራት ድሓሪ ምክያድ እቲ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ጉባኤ ተዛዘመ።
ኣብ ካልኣይ መዓልቲ እቲ ጉባኤ ስርሓቱ ብምቕጻል አባል ማሕበራት ነፍሲ ወከፈን ዓመታዊ ጸብጻብ ስርሓተን አቕሪበን።
አኼበኛ ድሕሪ ጸብጻባት ኩለን ኣባላት ማሕበራት ምስምዑ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ህሉው ኩነታት ኤርትራ፣ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ምግሃስ ሰበኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ጉዳይ ሓተቲ ዕቕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገር ጥልያን፣ ሊብያ፣ ሱዳን፣......ወዘተ ዘሎ ሕማቕን ዘሕዝንን ኩነታት ብሰፊሑ ተመያይጡሉ። እቲ ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣዝዩ ኣሻቓልን ኣተሓሳሳብን ምኳኑ እቲ ጉባኤ ድሕሪ ምግምጋም፣ ነዚ ኩነታት ንምግጣም ኩለን ማሕበራት ውሽጣዊ ዓቕመን ኣወሃሂደን ኣበርቲዔን ንክሰርሓ ተሰማሚዔን።
ኣብ’ቲ ድሕሪ ቀትሪ ዝቐጸለ ሰፊሕ ክትዕ ኣባላት ማሕበራት ብዛዕባ ማኣዝን መርበብን መትክላቱን ኣብ ዘርእዩ ነጥብታት ኣካይዱ።
ኣገዳስነት ምሕያልን ምስፋሕን መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራ ደሕሪ ምርዳእ፣ ነተን ዛጊት ኣባላት ዘይኮና ሲቪላውያን ማሕበራት ኣባላት መርበብ ክኾና ምሉእ ድልየት ከምዘሎዎ እቲ ጉባኤ ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ ምስተን ኣብ ካልእ ክፍሊ ዓለም ዝርከባ ኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራት ምሕዝነቱ ከደልድል እቲ ጉባኤ ተሰማሚዑ።
ኣብ መደምደምታ ድማ ብዛዕባ ናይ መርበብ መጻኢ መድባት ብዝምልከት ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ኣተኪሩ ክሰርሕ ወሲኑ ኣሎ፦
- 2007/2008 ዓመት ናይ ብዙሓን መራኸቢ (መዲያ) ክኸውን ወሲኑ።
- ነፍሲ ወከፍ ማሕበር ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብሰነድ ክትሓዝ መዲቡ።
- ናይ መርበብ ዓቕምታት ክብ ንምባል ንኣባላት ማሕበራት ዝወሃብ ናይ ስልጠና መደባት ሓንጺጹ።
- ንጉዳይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንዘርኢ መርበብ ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (United Nations for Human Rights Council U.N.H.R.) ንኽቐርብኦ ተወሲኑ።
ነዚ መደባት’ዚ ኣብ ግብሪ ንምትግባር እቲ ጉባኤ ዝተፈላለያ ኮሚቴታት ኣቑሙ።
ኣብ መጨረሽታ እቲ ጉባኤ ነቲ ዝጸንሔ ቅዋም ደሕሪ ምምሕያሽ ኣጽዲቕዎ። ብመሰረት ቅዋም መርበብ ድማ ብሰለስተ ኣባላት ዝቆመት ኣዋሃሃዲት ሽማግለን ሓደ ተተካኢ ኣባልን ዘለዋ፣ ድሕሪ ምምራጽ እቲ ጉባኤ ብዓወት ተዛዘሙ።
መርበብ ኤርትራዉያን ሲቪላዉያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮፓ
ጀነብ 22 ሚያዚያ 2007
ኤርትራዊ ማሕበር ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል - ጀርመን ርሊዝ ኤሪትረያ - ዓባይ ብሪጣንያ ኤርትራውያን ንሰላምን ደሞክራስን - ስዊዘርላንድ ኤርትራዊ ማሕበር ንሰላም - ጀርመን ስኒት ሰላም - ጀርመን ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን - ኖርወይ ኤርትራውያን ንፍትሕን ደሞክራስን - በነሉክስ ኤርትራውያን ንሰብኣዎን ደሞክራሲያዊን መሰላት- ዓባይ ብሪጣንያ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ - ሽወደን ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ናይ ኤርትራውያን ደሞክራያውያን ኣብ ዓዲ ጥልያን - ዓዲ ጥልያን
 |