Lost Password? Register
 
ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት Print E-mail
Monday, 23 April 2007

ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ዓመታት፡ ሓዉ፡ ሓብቱ ወይ ናይ ቀረባ ዘመዱ፡ ናብ ስደት ዘየምርሐ፡ ወይ ዘይተገፍዖ፡ ወይ ዘይተኣስሮ ኤርትራውስ፡ ይህሉ ዶ ይኸውን?

"ኣነ ኣለኹ!" ክብል ዝደፍር ሰብ እንተተረኺቡ፡ ዕድለኛ ኢዩ፡፡ ተኣምራት እውን ኢዩ፡፡

እንታይ ኢዩ ንስደት መበገሲ ኮይኑ ዘሎ፡ ንኩልና ብሩህ ኢዩ፡፡ ብቀንዱ ድማ፡ ከምዚ ዓይነት ጃምላዊ ስደት፡ ብሰንኪ ግፍዕን ዓመጽን ዝጅምር፡ ግፍዕን ዓመጽን ብፍትሕን ርትዕን ምስ ተሳዕራ ድማ፡ ጠጠው ዝብል ተርእዮ ኢዩ፡፡ ዓመጽቲ ኣብ እንግድዓ ህዝቢ ኣራጢጦም ክሳብ ዘለዉሉ እዋን ግን፡ ስደት፡ መመሊሱ ይገድድ'ምበር፡ ጠጠው ክብል ዝሕሰብ ኣይኮነን፡፡ በዚ ምኽንያት'ዚ፡ ስደት ኤርትራውያን፡ ካብቲ ኣብ እዋን ደርጊ ዝነበሮ ደረጃ ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ፡ ይቕጽል ኣሎ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ነዚ ጉዳይ'ዚ ክቆጻጸሮ ስለዘይከኣለ፡ ፍታሕ ኣብ ክንዲ ምንዳይ፡ ኣብ ዶባት ኤርትራ፡ ጠበንጃ ዝዓጠቑ ሰራዊት ብምምዳብ፡ ናብ ስደት ክኸይድ ዝተረኽበ ብጥይት ክቕተል መምርሒ ኣመሓላሊፉ፡፡ ይኹን'ምበር፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ካብ ዘልኣለም ባርነት፡ "ወላ ንሙት" ብምባል፡ ይስደዱ ኣለዉ፡፡ እቶም ዘይተሰደዱ ድማ፡ የእውዩ ኣለዉ፡፡

ህግደፋውያን ነዞም ዝስደዱ ዘለዉ መንእሰያት እንታይ ይብሉዎም?

"ዓዋሉ!" "ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም!" ይብሉዎም፡፡ "ዘበንያ ግርምቢጥሲ፡ ማይ ንዓቐብ" ዝተባህለ፡ ከምዚ ምስ ኮነ ኢዩ፡፡

በዓል ዓሊ ዓብዱ፡ ኤርትራውያን! መንእሰያት ኤርትራ ድማ፡ "ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ዓዋሉ!"

ብጭቆና ዓቕሎም ጸቢቡዎም ካብ ዓዶም ዝተሰደዱ መሳኪን ንጹሓት መንእሰያት ዓዋሉ ስለዝተባህሉ፡ ዝቕየር ሓቂ የልቦን፡፡ እቲ ሓቂ ድማ፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብታ ኣሕዋቶም ዓጽሞም ሰባቢሮም ደሞም ዘፍሰሱላ፡ ንናጽነታ ህይወቶም ዝኸፈሉላ ምቅርቲ ዓዶም፡ ኣብታ ርስቲ ኣቦታቶም፡ ግፍዒ ህግደፍ ስለዘባህረሮም፡ ሃጽ ኢሎም ይነፍጹ ኣለዉ፡፡

እዝኒ ዘለካ ስማዕ!
ዓይኒ ዘለካ ተዓዘብ!
ቀልቢ ዘለካ ኣስተውዕል!
ልሳን ዘለካ ሓብር!

ዓመት ሓሊፉ ዓመት ክትካእ፡ ሰብ ይግፋዕ ኣሎ፡፡ ሰብ ይእሰር ኣሎ፡፡ ሰብ ይቕተል ኣሎ፡፡ ብሰንኩ ድማ፡ ሰብ ይጠፍእ ኣሎ፡፡ ሰብ ይነፍጽ ኣሎ፡፡

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ጥራይ፡ ካብ መጋቢት 9፡ 2007 ክሳብ ሚያዝያ 9፡ 2007፡ ኣማኢት መንእሰያት፡ ግፍዒ ህግደፍ መሪሩዎም፡ ህይወቶም ተስፋ ስኢኖምሉ፡ ዓቕሎም ጸቢቡዎም፡ ነታ ዘፍቅሩዋ ዓዶምን ቤተሰቦምን ገዲፎም፡ ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም፡፡ 99 ካብዞም ኣማኢት፡ ገለ ምስ ዕጥቆም፡ ገለ ዕጥቆም ደርብዮም ዝተሰደዱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኢዮም፡፡ ካብቶም 99 ድማ፡ እዞም ኣብ ስእሊ ዘለዉ 11 መንእሰያት፡ ካብ ሓደ ግምባር፡ ማለት ካብ ግንባር ጾሮና፡ ካብ ሓደ ክፍለ ሰራዊት፡ ማለት ካብ ክፍለ ሰራዊት 39፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ዝተሰደዱ ኢዮም፡፡

ካብ የማን ንጸጋም፡ ብተርታ፡ ኣስማትን መንነትን ናይዞም  መንእሰያት ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ፡፡
 ስምዕድመ ከባቢዓዲ መበቆልኣሃዱተ/ሓበሬታ
1ሮቤል ዳዊት መንግስትኣብ18ድብርዋጎርበዓቲ39.3.1.3.1.118 ዙርያ
2ሃብቶም ኣስፍሃ ምስግና35ድብርዋ ላ/ዴዳ39.2.2.1 - ኣዛዚ ሓይሊተጋዳላይ-1988
3ጴጥሮስ ገ/ኩርስቶስ መሓረና32ሰገነይቲ ዓደንገፎም39.1.1.21.38ይ ዙርያ
4ኑፍታሌም ብርሃነ ፍስሃጽዮን21ደቂምሓረ ደንደለ 39.2.1.2.3.119 ዙርያ
5ሚልዮን ሓይለኣብ ወ/ሚካኤል24ጋላ ነፍሒ  39..2.1.2.1.38ይ ዙርያ
6ዮውሃንስ ፍስሃየ ወ/ገርግሽ30ደቂምሓረ ፈቓይሕ39.4.3.1.2.17ይ ዙርያ
7ሰሎሙን ንጉሰ በኹረጽዮን29ኣስመራ 39.1.1.2 - ምክትል ሓይሊ 11 ዙርያ
8ዳኒኤል ወረደ ጸሃየ22ኣስመራ 39.2.1.1.1.119 ዙርያ
9ዑመር ዓ/ራሕማን ሑሴን26ዓዲቀይሕቆሓይቶ39.3.1.1.1.28ይ ዙርያ
10ተ/ሃይማኖት ዮውሃንስ ገ/መድህን44ሰገነይቲደግራ39.1.1.2.3.2ተጋዳላይ-1990
11ሓይለኣብ ሃ/ማርያም ገ/ኣብሄር26ድብርዋዓዲ ከፈለት39.3.1.1.2.19ይ ዙርያ

እዞም መንእሰያት እዚኣቶም፡ ካብ ዝተፈላለየ ኣውራጃታትን ዓድታትን ዝበቖሉ ኢዮም፡፡ ብዕድመ ድማ፡ ዝተቐራረቡ ወላ እንተለዉዎም፡ መሳቱ ኣይኮኑን፡፡ ብተወሳኺ፡ ኣቃውማ ሰራዊት ኤርትራ፡ ካብ ኩለን ብሄራትን ከባቢታትን ዝተጠርነፈ ብምዃኑ፡ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት በውራጃን ብወገንን ፈላልዩ፡ ዘይምትእምማን ከንግስ ዘይገበሮ ሽርሕን ጉርሕን የልቦን፡፡

እዞም መንእሰያት ብዓድን በውራጃን ብዕድመን ዝተፈላለዩ መንእሰያት፡ ተመኻኺሮም፡ ተመራሪሖም፡ ካብቲ ብማዕረ ዘሳቕዮም ጸላኢኦም ንምምላጥ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ግን፡ ኩሉ ሰራዊት ኤርትራ፡ ንሽርሒ ህግደፍ ኣዳዕዲዑ ከም ዘለለዮ ብንጹር ዝሕብር ተርእዮ ኢዩ፡፡ ብተወሳኺ፡ እዚ ንተንኮል ህግደፍ ዘፍሽል ተርእዮ፡ መዓልቱ ምስ ኣኸለ፡ ኤርትራውያን ተመኻኺሮም፡ ጸላኢኦም ንምቕባር ከም ዝጎዩ ይእምት፡፡ ክሳብ ሽዑ ግን፡ ኤርትራውያን፡ ካብታ ብሰላምን ብክብርን ብቅሳነትን መታን ክነብሩ ኣሕዋቶም መዋእሎም ዝተጋደሉላ ሃገሮም፡ ንሞት ሰጊሮም፡ ይስደዱ ኣለዉ፡፡

 
< Prev   Next >

Advertisement