Lost Password? Register
 
ዶክተር ጀንዳየ ፍሬዘር ምስ ደምበ ተቛውሞ ትራኸብ Print E-mail
Saturday, 26 April 2008

ብኣቶ ኣድሓኖም ገብረማሪያም ትምራሕ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ወኪል ደምበ ተቛውሞ ምስ ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዶክተር ጀንዳየ ፍሬዘር፣ ብዕለት 21 ሚያዝያ 2008 ተራኺቦም ተዘራሪቦም ክብል ዓዋተ ዳት ኮም ሓቢሩ።

 

 ሳራ ስኮሩፕስኪ ዝርከብዎም፡ ብርክት ዝበሉ ሰበ-ስልጣን ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ዝርርብ ተረኺቦም ከምዝነበሩ’ውን እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ። ኣቶ ኣድሓኖም ምስ ገዳብ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ንዶክተር ጀንዳየ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ብዛዕባ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ. ከም ዝሃባ እቲ ምንጪ ይገልጽ። ኤርትራውያን ሲቪካውያን ማሕበራትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብቲ ጉባኤ ብናይ ተዓዛብነት ደረጃ ክሳተፉ ምዃኖም’ውን ብተወሳኺ ገሊጹላ። ብተመሳሳሊ፡ ኣቶ ኣድሓኖም ብዕለት 5 ሚያዝያ 2008 ምስ ኣባላት ዓለምለዃዊ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን፡ ንጉባኤ ኪዳን ብዝምልከት፡ ብቴሌፎን ከምዝዘተየ እቲ መርበብ ሓበሬታ ወሲኹ ይገልጽ።  ብተወሳኺ፡ ብ ዕለት 12 ሚያዝያ አቶ ኣድሓኖም ምስ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከባ ወከልቲ ተቛወምቲ ውድባት ኤርትራ ተራኺቡ ከምዝነበረ ዓዋተ ዳት ኮም ይሕብር። እቶም ወከልቲ ብወገኖም፡ ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ፥ እንተኾነ ግን ኣብ መሪሕነት ውድባት ጸገማት ከምዝራኣዩን ኣብቲ ዝገበርዎ ርክብ ገሊጾም። ዳሬክተር ጀነራል ሓድነት ኤርትራውያን፡ ኣቶ ሰመረ ሃብተማርያም ብወገኑ፡ ማሕበሮም ኣብ ጉባኤ ኪዳን ዝሳተፉ፡ ኣርባዕተ ዝኣባላታ ወከልቲ፡ ናብ ኣዲሳ ኣበባ ክትሰድድ ምዃና ሓቢሩ።    

 

 
Next >

Advertisement