Lost Password? Register
 
መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ጉባኤ ኣካይዱ Print E-mail
Saturday, 26 April 2008
መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ፡ መበል ሻዱሻይ ጉባኤኡ፡ ካብ ዕለት 18 ክሳብ 20 ሚያዝያ 2008፡ ኣብ ከተማ ቱቢንገን ሃገር ጀርመን ከምዘካየደ ተፈሊጡ። ኣብቲ ጉባኤ ወከልቲ ኣብ ኤውሮፓ ዝመደበረን ዓሰርተ ኣባል ማሕበራት ከምዝተሳተፋ’ውን ዝመጸና ዜና ይጠቅስ። እቲ ምንጪ ከምዝሕብሮ ሓደ ካብ ዕላማታት እዚ መርበብ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ንኽትከል፣ ግዝኣተ-ሕጊ ንኽረጋገጽ፣ ከምኡ’ውን ናጻ ዝኾነ ሓጋጊ ኣካል ንኽቀውም ዝቃለስ መርበብ እዩ።
ጉባኤ መርበብ፡ ንዝምድና ምስ ካብኡ ወጻኢ ዘለዋ በርገሳውያን ማሕበራትን ከምኡ’ውን ምስ ፖለቲካውያን ውድባት ኪህልዋ ዘለዎ ዝምድና ብዝምልከት ዕሙቕ ዝበለ ክትዕ ከምዘካየደ ይንገር። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ኣብተን እቲ መርበብ ብዕላማ ዝሰማምዓለን ጉዳያት ምስ ኩለን ማሕበራት ክሰርሕ ምዃኑ ወሲኑ።
ብተወሳኺ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብተዓዛብነት ንምስታፍ ዝተገብረ ዕድመ ብዝምልከት፥ ዓሚቕ ዘተ ብምክያድ ኣብ ጉባኤ ኪዳን ዝሳተፉ ሰለስተ ኣባላት  መዚዙ።
ከምኡ’ውን፡ ንመርበብ እተወሃህድ ሰለስተ ዝኣባላታ ኮሚቴ’ውን መሪጹ፦ ንሳቶም ድማ፡ ኣቶ ኖኤል መድሃኔ፡ ኣቶ ተስፋዝጊ ይትባረኽ፡ ኣቶ ተስፋይ ተኽለ ዝተባህሉ ዜጋታት እዮም።
 
< Prev   Next >

Advertisement