Lost Password? Register
 
ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቁጥዐኡ ይገልጽ Print E-mail
Saturday, 26 April 2008
ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፡ ኤርትራ ንዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ብሓይሊ ከምዝወጹ ብምግባራ ኣዝዮ ከዘቖጥዖም ሮይተርስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሩ። “እንታይ ዓይነት ግብረ-መልሲ ይወሰድ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ግን ኣብ ዝቕጽል እዋናት ንኽዘራረብሉ ከምዝተሰማምዑ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

ፕረሲደንት ባይቶ ጸጥታ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣምባሳደር ኩማሎ፡ ኩሎም ኣባል ሃገራት እቲ ባይቶ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዝገበረቶ ኣቀራርባ፡ ብዝኾነ ዓይነት መለክዒ ቅቡል ኣይኮነን፡ ዝብል ናይ ሓባር መረዳእታ ከምዝነበሮም ገሊጹ። ኣምባሳደር ኩማሎ፡ ኤርትራ ምኽኑይ ዝኾነ ቕሬታ ከምዘለዋን ነቲ ጉዳይ ክሓስብሉ ግዜ ከምዘድልዮምን ሓቢሩ።

 

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዘይካ ክልተ ሚእቲ ዝኾኑ፡ መብዛሕትኦም ወትሃደራት ዓቃቢ ሰላም ንግዜኡ ናብቶም ዝለ ኣኽኦም ሃገራት ተመሊሶም ይርከቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ እቲ ጸገም ክፍጠር ዝኸኣለ፡ ሕጽረት ነዳዲን ምግብን ዳርጋ ኣብ ምሉእ ሃገር ስለዝተኸሰተ እዩ ክብል’ኳ እንተጸንሐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ፕረሲደንት ኢሰያስ፡ ዶባት ክልቲኣተን ሃገራት ኣብ ካርታ ብምስፋሩ፡ ህላወ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ብመሰረቱ ከምዘብቀዐን ሕጋውነት ከምዘይብሉን ምስ ኣገልግሎት ተለቪጂን ኣል-ጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣለጃንድሮ ዎልፍ ብወገኑ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ርእሲ ኤርትራ ትክተሎ ዘላ መገዲ፡ ሓያል ናይ ቅሬታ ስምዒት ከምዝነበረ ይገልጽ። ንሱ ብተወሳኺ “ኤርትራ ናይ ገዛእ-ርእሳ ቁስሊ ባዕላ ትጎድእ ኣላ” ድማ ኢሉ። ንተግባራታ ኣብ ዝተናውሓ እዋን ገዚፍ ዋጋ ክትከፍለሉ ምዃና ድማ የጠንቅቅ። 

 

 
< Prev   Next >

Advertisement