| ኤርትራን ጂቡቲን ብዶብ ይሰሓሓባ ኢትዮጵያ ድማ ምስ ቐጠር ዝምድና ትበትኽ |
|
|
| Saturday, 26 April 2008 | |
|
ፕረሲደንት ኢሰያስን ፕረሲደንት ጂቡቲ ኢስማዒል ጉለህን፥ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ብቴሌፍን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተኸስተ ናይ ዶብ ምፍሕፋሕ መፍትሒ ክረኽቡሉ ተሰማሚዖም ክብል ወጻኢ ጉዳያት ጂቡቲ መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊጹ።
ዩሱፍ፡ ክልቲኦም ፕረሲደንታት ኣብዚ ቀረባ እዋን ክራኽቡ ምዃኖም ጠቂሱ፥ ክሳብ ሽዑ ግን ሓይልታት ምክልኻል ጅቡቲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ከባቢ ዶb ክዓርዱ ምዃኖም ሓቢሩ። እቲ ምፍሕፋሕ ከምዘለዎ እንተቀጺሉ፡ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ኣህጉራዊ ዳንነት ክኣትዋ ምዃነን መንግስቲ ጂቡቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን “ሰራዊት ኤርትራ ብሸነኽ ራስ ዱሜራ ንዶባት ጅቡቲ ጥሒሶም ኣትዮም፥ ድፈዓት’ውን ክሰርሑ ጀሚሮም” ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይፍለጥ። ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ተሓቲታ ክነሳ፡ ክትምልስ ግን ፍቃደኛ ኣይኮነትን። ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር ነዚ ወጥሪ ከም መንጎኛ ኮይኑ ክፈትሖ ይጽዕር ምህላው ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቅሱ። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ኢትዮጵያ፡ “ቐጠር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ዘምርግጋእ እያ” ብምባል፡ ምስ ቐጠር ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዝበተኸት ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ብወግዒ ከምዘፍለጠት ኣሶሼትድ ፕረስ ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ፡ ዋሂደ በላይ፡ ንጥቡቕ ዝምድና ኤርትራን ቐጠርን ብምጥቃስ፡ ቐጠር ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ንኽወድቕ ኩሉ ዓይነት ጻዕርታት ክትገብር ከምዝጸንሓት ሓቢሩ ክብል እቲ ዜና ወሲኹ ይገልጽ። ቐጠር ብመገዲ መንግስቲ ኤርትራ ንተቛወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣልሻባብ ናይ ሶማልያን ገንዘባዊን ንዋታውን ሓገዝ ከምትገብረሎም ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይጠቕሱ።
|
| < Prev | Next > |
|---|