Lost Password? Register
Member Area
 
ወፈያታት ንድምጺ መሰልና ደሊና ይቕጽል Print E-mail
Saturday, 26 April 2008
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእቲን ዶላር ኣሜሪካ፥ ኣብ ፓሎ ኣልቶ፡ ካሊፎርንያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሰለስተ ሚእቲ ዶላር፥ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከቡ ሸውዓተ ሚእቲ ዶላር፥ ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢ ኒው ዮርክ ዝነብሩ መንእሰያት ሽዱሽተ ሚእቲ ዶላር ኣሜሪካ ንድምጺ መሰልና ደሊና ኣበርኪቶም። ኣብ ኒው ዮርክ ዝቕመጥ፡ ዳኒኤል ተወልደ ድማ፡ ሓደ ምሉእ ካርቱን ናይ ቤት ጽሕፈት ስተሺነርን ሶፍትዌራትን ኣወፉዮ። ንዝመጽእ’ውን ካብዚ ንላዕሊ፡ ማለት ብገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ ብኻልእ ዝተፈላለዮ ኣገባባት ኣበርክትኦም ክቕጽሉ ምዃኖም መብጽዓ ኣትዮም።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ድምጺ መሰልና ደሊና፡ ምስጋና ንዓኹም ይኹን ትብል። ወፈያኹም ኪኖ እቲ ንዋታዊ ዋግኡ ዝኸይድ፥ መርኣያ ስምረትናን፥ ኪኖ እዚ ድነ ድማ ብሩህ መጻኢ ከምዘሎ ዝሕብር ወስታ ምዃኑ ተዘኻኽር።

 

 
< Prev   Next >

Advertisement