| ህድሞ ሕቡኣት |
|
ካብ ሃገር ወጻኢ እትርከቡ/ባ ኤርትራውያን ዜጋታት ኩነታትና ብግልጺ ክንጽሕፍ ኣየፍቅደልናን'ዩ እንተኾነ ግን ሓሳባትና ክንገልጽን ሪኢቶና ብጽሑፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ድምሲ መሰልና ደሊና ከነስፍር ንደሊ ኢና ዝብሉ/ላ ካብ 1 ክሳብ 3 ንዘሎ መሕትት ዝርዝር መሊእኩም ምስ እትልእኩልና/ካልና ብቅዱስ መንፈስ ኣይንፈሊ ኣይንፋላለ ዝብል ቅዱስ ዕላማ ከም'ቶም ካብ ኤርትራ ዝጽሕፉ ተሳተፍቲ ዝርዝር መንነትኩም ከይተቐልዐ ጽሑፋትኩም/ክን ኣብ'ዚ ዓምዲ'ዚ ክሰፍር ይኽእል። ኣብ'ዚ ብንጹር ክበርህ እንደልዮ ነገር እንተሃልዩ ግን፡ ኩሉ ዝጸሓፍ ጽሑፍ ንመምሪሒና ዝኸተልን ንሉኡላውነት ሃገረ ኤርትራን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ዘይብርዝን ዘይተናኾልን ዘይፈታተንን ዘይዘርግን ኪኸውንን ትጽቢትና ልዑል ምዃኑ ብምእማን ካብዚ መስመር'ዚ ዝወጽእን ነዚ ኣገባብ እዚ ዝጥሕስ ጽሑፋትን ኣተሓሳስባታትን ግን ኣብ ዓምድታት መርበብ ኣዝማሪኖ ድምጺ መሰልና ደሊና ካብ ምስራዝ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይህልወና ምስናይ ኽብረቱ ነረጋግጽ። ... ኣብዚ ተወከሱ..>>>< |
ፉልን ዓተርን ባልደንጓን፡ ናብ ድኳን ርትዒ፣ እንተ ኮረንሾ እሞ እንድዒ!
ሊቀ ሊቃውንቲ፡ ፕረሲደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ሎም ቅነ ሓድሽ "ማክሮፖሊሲ" ኣውጺኡ ኣሎ፡፡
ባውዛ ኣብ ናይ ሓሶት ጃልባ ዘንሳፍፍ ሕንጻይ ጸላእቲ ኤርትራን ህዝባን
06/11 00:42:24
መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዶ ? መንግስትነት ዶ ሽፍትነት ?
መንግስቲ (government) ማለት፡ ንሓደ ቀዋሚ ህዝቢ፡ ፍሉጥ ዶብ ዘለዋ ሃገር፡ ዘመሓድር ወይ ዝገዝእ፡ ኣብ ውሽጡ ብዝተፈላለዩ ቅርጽታት፡ ሓይሊ ምኽልካል፡ ሲቪል ሰራሕተኛ፡ ፍርዲቤት፡ ፖሊስን ካልኦትን ዝቖመ፡ ብዓለም ለኸ ተቀባልነት ዝረኸበ ስርዓት ኢዩ፡፡ መንግስቲ ኣብ ክሊ ግዝኣቱ በይኑ ሕጋዊ ሓይሊ ክጥቀም ዝክእል ኣካል እዩ፡፡ መንግስቲ ህዝቢ ክመርሕ (ከመሓድር) ኣብ ሰለስተ ዝተኸፍሉ ነናቶም ስርሓት ዘለዎም ኣካላት ኣለዎ፡ ሓጋጊ ኣካል፡ ፈፃሚ አካል፡ ፈራዲ ኣካል ተባሂሎም ድማ ይፍለጡ፡፡ (ብሞንቴቪዶ ኮንቬንሽን)