Lost Password? Register
Member Area
 
ኤርትራዊ ደምበ ተቛውሞ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክካይድ ምዃኑ የጠንቅቕ Print E-mail
Wednesday, 06 February 2008

ደምበ ተቛውሞ ኤርትራ፡ መንግስቲ  ኤርትራ ምምሰራት መሰጋገሪ መንግስቲ ዝብል ጠለብ ናይ ምንጻግ ባህርያቱ እንተቀጺሉዎ፡ ጎነጻዊ ኣገባብ ክጥቀም ምዃኑ ከምዘጠንቀቀ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

 

“ኣብ ኤርትራ መሰጋገሪ መንግስቲ ንኽቐውም ንመንግስቲ ጠለባት ከነቕርበሉ ጸኒሕና ኢና። ንጠለባትና ግን ክነጽጎ ጸኒሑ። ብመሰረቱ ህላወ ተቛውሞ ውድባት ከማን ኣይኣምነሉን እዩ። ኩሉ መገድታት እንተተዓጹና ግና ጎነጻዊ ኣገባብ ክንጥቀም ክንግደድ ኢና” ክብል ኣቦ ወንበር ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ኣድሓኖም ገብረማርያም ንኣጃንስ.ፍራንስ.ፕረስ. ሓቢሩ።

  ኣቦ ወንበር ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ብምቕጻል መረረ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እንዳወሰኸ ይኸይድ ምህላውን፤ ደገፍ ህዝቢ ንደምበ ተቛሙሞ ድማ ብኡ መጠን እንዓበየ ይኸይድ ከምዘሎን፤ እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ድማ መንግስቲ ቅዋም ኣብ ግብሪ ካብ ምውዓል ስለ ዝቦኸረን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ስለዝበዝሐን ምኻኑ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

 

 
< Prev   Next >

Advertisement