| ኤርትራ ነቲ ብውዱብ ሕቡራት ዝቀረበላ ናይ ነዳዲ ምቕራብ ጠለብ ነጺጋ፡ |
|
|
| Wednesday, 06 February 2008 | |
|
ኤርትራ ነቲ ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝቀረበላ ጠለብ ምልዓል እገዳ ነዳዲ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ነጺጋ ክብል ሮይተርስ ኣፍሊጡ። ኤርትራ ነዚ ስጉምቲ ትወስዶ ዘላ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባን ኪ ሙን፡ ነቲ እገዳ ነዳዲ እንተዘይ ኣልዒላቶ ወተሃደራቱ ካብ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከስሕቦም ሙኳኑ ኣብ ዘጠንቐቀሉ ዘሎ እዋን ሙኳኑ እቲ ዜና ኣብሪሁ።
ሚኒስተር ዜና ዓሊ ዓብዱ ነዚ ኣመልኪቱ ብተሌፎን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “እዚ ጉዳይ ንዓና ዘገድስ ኣይኮነን” ድሕሪ ምባል “ሓላፍነት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ንመሬትና ጎቢጡ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግባእ ስጉምቲ ምውሳድ እዩ” ክብል ከምዝመለሰ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። ከም ዝዝከር ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዕለት 30 ጥሪ 2008፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ “ጽኑዕን ዘቕየርን ጠለብ”፡ ኤርትራ ብዘይውዓል ሕደር ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ወሲዳቶ ዘላ ናይ ነዳዲ እገዳ ከተልዕሎ ከምዘለዋ ምጥንቃቁ ይዝከር። |
| < Prev | Next > |
|---|