|
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ምስ ጀንዳይ ፍሬዘር ተራኪቡ |
|
|
|
Monday, 21 January 2008 |
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ምስ ተሓጋጋዚት ጻሓፊት ጉዳያት ኣፍሪቓ ጀንዳይ ፍሬዘርን ካልኦት ላዕለዎት ሰበሰልጣን ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኪቡ ክብል ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣፍሊጡ።
ኣቲ ንኣስታት ክልተ ሳዓታት ዝከደ ርክባት ንኩለን ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብ ሓደ ጽላል ንምጥርናፍ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታትን ዝርከብ ዘሎ ኣወንታዊ ውጽኢታት ኣብሪሁ። ኣቶ መስፍን ንህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ዝተፈላለየ ኣርእስታት ብምልዓል ህዝቢ ኤርትራዝሓልፎ ዘሎ ዘስካሕኽሕ ጭቆናን ስቓይን ከምዘብረሀን። መንግስቲ ኤርትራ፡ ልዕልና ሕጊ ከምዘየክብርን፡ ናይ ፖለቲካ እሱራትን ጋዜጠኛታት ንውሱን ዘይኮነ ግዜ ብዘይፍርዲ ታኣሲሮም ምህላዎምን፡ ሰባት ብሰሪ እምነቶም ዝወርዶም ዘሎ ግፍዕታትን፡ ዝኮነ ዓይነት መሰል ዝብሃል ከምዘይክበርን ምግሃስ ሰብአዊ መሰላትን ኣመልኪቱ መብርሂ ምሃቡ እቲ ሓቤሬታ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ፡ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ምስ ሚስተር ጀፍ ክሪላ ምክትል ተሓጋጋዚ፡ ትካል ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ቤት ጽሕፈታ ዓለምለኻዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ከምዝተመያየጠ፤ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዓለምለካዊ ትካል ሪፓብሊካዊያን ዕውት ርክባት ከምዘካየደ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። |