Lost Password? Register
Member Area
 
ኤርትራዊ በርጌሳዊ ማሕበራት ኣመሪካ ኣብ ሓደ ኣካቢ ጽላል ምጥርናፍ ተሰማምዐን፣ Print E-mail
Tuesday, 13 November 2007
ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝርከባ ኤርትራዊ በርገሳዊ ማሕበራት፣ መርበባት ሓበሬታት ዓዋተ ዶት ኮምን ኣዝማሪኖን ዝርከብወን 15 በርገሳዊ ማሕበራት ኣብ ሓደ በርጌሳዊ ኣካቢ ጽላል ንጥርናፍ ከም ተሰማምዓ፣ 9 ሕዳር 2007 ማእከል ሓበሬታ ኣል-ኸሊጅ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ሓቢሩ ክብል ሰልፊ ዲሞከራዊ ዳተ ኮም ገሊጹ። ወከልቲ’ዘን ማሕበራት ኣብ ዝካይድዎ ጽዑቕ ኣኼባታት 9 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መስራቲ ጉባኤ መዚዞም። እቲ ጉባኤ ኣብ መወዳእታ ዓመት 2007 ክግበር ትጽቢት ከም ዘሎ’ውን ማእከን ሓበሬታ ኣል-ኸሊጅ ገሊጹ። ካብ’ዚ ኣብ ልቢ ተቃለስቲ ኤርትራውያን ተስፋ ዝዘርእ ዜና’ዚ ብምንቃል፣ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ ንኸካይዱዎ ዝጸነሑ ሕብረታዊ  ቃልሲ ብምምጓስ፣ ናብ በርጌሳዊ ኣካቢ ጽላል ንምጥርናፍ ብዝበጽሕዎ ስምምዕ ዝተስሞዖ ሓጎሱ ይገልጽ። ብርግጽ እዚ ኤርትራዊ በርጌሳዊ ሕብረታዊ ሃናጺ ተበግሶ’ዚ፣ ንገዛእ-ርእሱ ንኻልኦት ብርጌሳዊ ማሕበራት ሰሓብን፣ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካ ውድባት ኤርትራ ናይ ሕብረት ደራኺ ሓይሊ ክኽውንን’ዩ።
 
< Prev   Next >

Advertisement