|
Thursday, 08 November 2007 |
ኣብ ትራክ-ቢ ዝበሃል ቤት ማሕቡስ ተሓይሮም ዝጸንሑ 13 ምሩቓት ዩኒቨርሲቲ ብሓንሳብ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ካብቲ እስርቤት ኣምሊጦም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝሃደሙ መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ ዳት ካም ሓቢሩ።
ከምዝፍለጥ ትራክ-ቢ ኣብ ምዕራባዊ ወገን ኣስመራ ዝርከብ ኮይኑ ክሳብ 2000 ዝበጽሑ ሑይራት ዝርከብዎ ቤት ማሕቡስ እዩ። እቶም መእሰሪ ባዓትታት ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተዶኮኑ ኮይኖም ተወሳኺ ቡዙሓት ኮንተነራት ዘለዎ እዩ። ትራክ-ቢ ብ ኮለኔል ብርሃነ ዝማሓደር ሓደ ካብቶም ዝከፍኡን ኣሰቃቂን ቤት ማሕቡስ እዩ። ትራክ-ቢ፡ ማእለያ ዘይብሎም ሸላታት ከምዘለውዎን እሱራት ክሳብ ሃለዋቶም ዘጥፍኡን ወላ ኣይግበርዎ ካብቲ ኣሰቃቂ መግረፍቲ ክገላገሉ ክብሉ ዝናዘዙሉን ብከም ኦቶ፡ ሄሊኮፕተር ዝኣመሰሉን ካልኦትን ዓይነት ማእሰርቲ ከምዝካየደሉን፡ ቀንዲ ናይዚ ግፍታት ፈጸምቲ ድማ ዮሴፍ ብርሃነን ፍቅረን ዝባሃሉ ታሕተዎት መኮንናት ከመዝኾኑ እቲ መርበብ ሓበሬታ ብተወሳኪ ሓቢሩ። |