Lost Password? Register
Member Area
 
ኣገናዕ ሓርሽ፡ (ቡፋሎ) ቀዳማይ ክፋል Print E-mail
Monday, 20 August 2007

ክቡራት ኣንበብቲ፣ ቅድሚ እዛ ሓጻር ጽሕፍተይ ምንባብኩም መጀመርያ ነዛ ኣተሓሒዘያ ዘሎኹ ቪድዮ ክትርእዩ ብኽብሪ እዕድመኩም።

www.youtube.com/watch?v=LU8DDYz68kM

ብመጀመርያ ነዛ ቪድዩ እዚኣ ዝቐረጸ ሰብ መን ምዃኑ እኳ እንተዘይፈለጥኩዎ፣ ንትብዓቱን ናይ ቪድዮ ኣቀራርጻ ክእለቱን ከምኡ’ውን እቲ ሃንደበታዊ ዕዉት ዓመጽ ሓርሽ ከመልክቶ ዝኽእል ተዘክሮታት ኣብ ግምት ብምእታው መጎሰይ ወሰን የብሉን።

ነዛ ቪድዮ እዚኣ ዝራኣኹሉ መዓልቲ ካብ ኮፍ ዝበልኩዋ ከይተንሳእኩ ብሓሳብ ንኣስታት 30+ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሰ እዚ’ኸ? እቲ’ኸ? እንዳበልኩ ንዝሓለፈ ከገማድሕ ኣብ ብቐሊሉ ክወጾ ዘይክእል ዓሚቕ ሓሳብ ተሸሚመ ውዒለ። እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝራኣኹማን፡ ሕጂ እትርእይዋ ዘሎኹምን ድማ ብደረጃ ድኣ ይፈላለ ይኸውን እምበር ገሌኹምሲ ነቲ ዘሕለፍኩሞ ጀግንነት፡ ማለት ከም ኣብነት ብጸላኢ ዝተኸርደኑ (ዝተኸበቡ) ብጾትኩም ንምድሓን ጭካነ ዝመልኦ ኲናት ብምክያድ ካብ ኣፍ መንጋጋ ጸላኢ ዝመንዛዕኩምሉ መዓልቲ ምዝካር ድዩ ወይ ውን ካልእ ንዓኡ ዝመሳሰል ተዘክሮታት ከም ዘምጻኣትልኩም ኣይጠራጠርን።

ምልስ ኢልና ትሕዝቶ ናይ’ዚ ቪድዮ’ዚ ንምምርማር፡ ነቶም ሓርሽ ክምለሱ ዝገበሮም ምኽንያት እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ እንተ ኣልዒልና….. መልሱ እንታይ ኮን ምኾነ? ኣብ’ቲ ቪድዮ ድምጺ ብዙሓት ሓርሽ ይስማዕ ነይሩ እዩ። ቋንቋ ሓርሽ ዘይንፈልጥ እሞ እንታይ ንበሎ? ካብ ግምታት ግን ገለ- ምናልባታት ከነምጽእ ንኽእል፡-
• ምናልባት እታ ኣደ “ ቶባ ድሕሪ ውላደይ፣ ዝሰዓበ ይስዓበኒ” ምስ በለት “ ኣዋልድ “ ዝብሉዶ ተረኺቦም ይኾኑ፡
• ወይ ውን እቶም መሳቱ እቲ ዝተጠቕዐ ምራኽ ጽባሕ ናብ ርእሶም እትመጽእ መጥቃዕቲ ምዃና ተረዲኡዎም፣ ዝመጸት ትምጻእ ኢሎም ተበጊሶም ይኾኑ።
• ወይ ውን እቶም ዝራባዓት….. “ ሎምስ ከኣ ካብ ሑቕፎና? ……ናይ ምንታይ ንዕቀት ኡዩ? ………ክላ ሕጅስ እተን ምሳና ዘሎዋ’ውን ከም ሰብኡት ኣይቆጽራናን እየን ብምባል “ሳቮያ” ክብሉ ዝመረጹ ይመስሉ። ወይ ውን ኣንበብቲ ኣብ’ዚ ዘይተጠቕሰ ምኽንያት ክህልወኩም ይኽእል ይኸውን።

እቲ ዘገርም እንታይ ምስ ተባሃሃሉ እዮም ተመሊሶም ዘይኮነስ፣ እንስሳ ክነሶም ብሓደ ቓል እምብለይ ዝበለን ብጥርኑፍ ዝወፈረን ዝኽልክሎ ሓይሊ ከም ዘየሎ ምርድኦም እዩ።

ሓደ ግዜ ነዚ ተርእዮ እዚ ዝመሳሰል፣ ኤርትራውያን ኣብ ዝተኣከብናሉ ኣዳራሽ ሓደ ካብ’ቶም መደርቲ “ እዚ ኩሉ ኣደራዕ እንዳወረደናስ ህዝብና እንታይ ኮይኑ እዩ ምዩቚ ዘይብል“? ንዝብል ኣርእስቲ ንምብራህ ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ “ ድሙ እኳ ውላዳ ክትወስደላ ምስ እትመጽእ ግዝፍኻ ብዘየገድስ ከም ነብሪ ተነፊሓ ውላዳ ተድሕን እያ” ክብል እዝከረኒ።

ናብ ኣርእስትና ምልስ ኢልና ክንርእዮ እንከሎና እቲ መጀመርያ ክፋል ናይ’ቲ ቪድዮ ምስ ኩነታት ሃገርና ከነዛምዶ ዘጸግም ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ካብ መንጋጋ ኣናብስ ዝሃድም ዝነበረ “ምራኽ - ሓርሽ” ነቶም መዓልቲ መዓልቲ ካብ መንጋጋ ህግደፍ ንምድሓን ዝስደዱ ዘሎው መንእሰያት ኤርትራውያን ዘመልክት ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ናብ ማይ ምስ ወደቐ ብሓርገጽ ዝተጠቕዓሉ ግዜ ከኣ ነቶም ወግሐ- ጸብሐ ካብ እተን ፖለቲካዊ ዑቕባ ክህባና እየን ዝበልወን ሃገራት ከም እኒ ሊብያን ማልታን ተተመቚሖም ናብ ህግደፍ ዝምለሱ ዘሎው ይመስል። ካብ ምምላስ ዘምለጡ ከኣ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርትታት ኣሓቶም ክድፈራ እንዳራኣዩ ዝሳቐዩ ውሑዳት ኣይኮኑን። ወይ ውን ኣምለጥና ክብሉ ዝጥቀሙለን ኣረግቶት ጃላቡ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ እንዳኾና ድራር ዓሳ ዝኾኑ ዘሎው ዕሸላት መንእሰያትና የመሳስል። እንተ እቲ ካላኣይ ክፋል ናይ’ዛ ቪድዮን ካልኣይ ክፋል ናይ’ዛ ጽሕፍትን ግን፣ ልክዕ ከም’ቲ “ድቢት - ሓርሽ” እምብለይ ክብል ዝራኣናዮ፤ ህዝብና ድማ “ኣይፋል ንህግደፍ!!” ብምባል ብሓባር ከም ኣመሉ ኣጆኻ ጎበዝ ዝብለሉ መዓልቲ ርሑቕ ስለ ዘይኮነ ንዓኡ እንዳ ኣመልከትኩ ክምልኣልኩም እየ።

ተኽላይ ኣብራሃ
ኒው ዮርክ

 
< Prev   Next >

Advertisement