Lost Password? Register
Member Area
 
ህጹጽ መጸዋዕታ ንኹለን ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ትካላት Print E-mail
Friday, 10 August 2007
ብሰንበት 5 ነሓሰ፡ ልዕሊ 120 ዝኾኑ ኤርትራውያን ሒዛ ናብ ጣልያን ትጎዓዝ ዝነበርት ጃልባ፡ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪከላ ብዘጋጠማ ብልሽት ናይ ርዳእ መልእኽቲ ናብ ኩለን ከባቢ ሃገራት ተሰዲዱ። ጸጥታ ናይ ሊብያ ተቐላጢፉ ነዞም ሰባት ጠሊፉ ኣብ ገማግም ባሕሪ ናይ ቲሪፖሊ ሊብያ ተኣሲሮም ናብ ኤርትራ ክጥረዙ ተቐሪቦም ኣለዉ። "ንዝተፈላለያ ተጣብቕቲ ሰብኣዊ መሰል ትካላት ሓብሩልና፡ ኣውያትና ንዓለም ኣስምዑልና" ስለ ዝበሉ በዚ መሰርት ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊን ናይ መሰል ተጣበቕቲ ትካላትን መልእኽትና ነመሓላልፍ።

በዚ ኣጋጢሙዎም ዘሎ ሽግር፡ ኩልና ኤርትራውያን፡ ድምጽና ንዓለም ክነስምዕ ናይ ሕልና ግዴታና ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ክንድኦምኮይንና ነዘኻኽር።

ካብ ግዱሳት ኤርትራውያን።
 
Next >

Advertisement