| ኤርትራ: 2006 ክብሪ ሰብኣዊ መሰላት |
|
|
| Tuesday, 07 August 2007 | |
|
ኤርትራ ኤርትራ ብሓደ ሰልፊ እትመሓደር ብ1993 ዓ.ም. ብድምጺ ህዝባ ነጻነታ ካብ ኢትዮጵያ ዝወጸት ሃገር እያ። እቲ ቅድም ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝፍለጥ ዝነበረ፡ ሎሚ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህ.ግ.ደ.ፍ.) ዝበሃል ሰልፊ ካብ 1991 ጀሚሩ ነታ ሃገር ንብሕቱ ተቛጺጺርዋ ዝርከብ ሰልፊ እዩ።ፕረዚደንት ሃገር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ መራሕን፡ ናይ ሃገራዊ ባይቶን ኣቦ መንበርን፣ ናይ ሰራዊት ጠቕላሊ ኣዛዚ እዩ። እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ፐረዚደንታውን ሃገራውን ባይቶ ምርጫ ደጋጊሙ ከመሓላልፍ ይርአ። ስለዚ ሃገራዊ ምርጫ ተኻይዱ ኣይፈልጥን እዩ። ምስ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ዶብ ዘይምስምማዕ ሽግር ንምፍታሕ ብኣህጉራውያን ትካላት ሽምግልና እኳ እንተተፈተነ እቲ ጉዳይ ጌና መፍትሒ ኣይረኸበን ኣሎ። እዚ ጉዳይ እዚ ንናይ ኤርትራ ኣህጉራዊ ንግድን፡ ናይ ወጻኢ ዝምድናታትን ብኣሉታ ጸሊይዎ ይርከብ። ከምኡውን ነቲ መንግስቲ በርገሳዊ መሰላት ንምዕጋት ምኽንያት ኾይንዎ ኣሎ። ናይቲ መንግስቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምግሃስ ተመኩሮ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ንሳልሳይ ተኸታትሊ ዓመት ንኤርትራ ፍሉይ ትዕዝብቲ ዝግብኣ ሃገር ኢሉ ሰምይዋ። መንግስቲ ኤርትራ መሰል ሰብ ምግሃስን ምህሳይን ብብዝሒ ይቕጽል ኣሎ። ማለት፤
ስትራተጂ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፤
መንግስቲ ኤርትራ ግን ነዚ ናይ ኣሜሪካ ጻዕርታት ብምዕጋት፡ ንኽልተ ኣሜሪካውያን ዝኾና ዘይመንግስታዊ ማሕበራት ስርሓውተን ጠጠው ከብላ ኣዚዙ። ንናይ ወጻኢ ዜጋታት ናይ ምንቅስቓስ መሰል ሰለ ዝተዓገተ ናይ ኣሜሪካ ሰበ ስልጣናት ካብ ዋና ከተማ ወጺኦም ክሰርሑ ኣይከኣሉን። መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ዶብ ሽግር ስጋብ ዝፍታሕ ናይ ሰብኣዊ መሰል ኣተሓሕዝኡ ኸኣ ከምዘይቅይር ኣረዲኡ። ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ፖሊቲካውን ቁጠባውን መዳያት ብዝበለጸ ንኽሳተፉ መንግስቲ ኣሜሪካ ይድግፍ። ቀጺሉ እውን ንወለድን መማህራንን፡ ናይ ማይን፡ ናይ ጥዕና ማሕበራት ካብ ህዝባዊ ሱር ዝነቅል ምዕባለ ናይ ምስታፍ ዕድል ዝኸፍታ ኣርባዕተ ዘይመንግስታዊ ማሕበራት ኣዋፊሩ። ኣብ በርገሳውያን መራሕቲ ዲሞክራሲያዊ ጽገናን ስብኣዊ መሰላት ንምምዕባል ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ ቀጻሊ ዕማማት ማለት ኣብ ናይ ኣሜሪካ ናይ ምሕዝና ልውውጥ ፕሮግራማት ንዝነበሩ ብዛዕባ ኣብ ኣሜሪካ ልሙድ ዝኾነ ባህልን፣ ዲሞክራስን፣ ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳያት ኣካይዶም። ንሰበ ስልጣን ኤርትራን ካልኦትን ዘርብሕ ናይ ኣህጉራውያን መራሕቲ ናይ ምብጻሕ ፕሮግራም ንኽሳተፉ መንግስቲ ኣሜሪካ ዓዲሙ። ኣብዚ ግን መንግስቲ ኤርትራ ንኹሎም ኣብቲ ፕሮግራም ዝሳተፉ ባዕሉ ኣቐዲሙ ዝመርጾም ውልቀሰባት ጥራሕ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ። ነጻ ናይ ብዙሃን ርክብ ኣብ ዘይብሉ ሃገር፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ዜጋታት ሓበሬታ ዝረኽቡሉ መስርሕ ክህብ ጽዒሩ። መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ደቀምሓረን ከረንን ምጽዋዕን ብዘለዋ ናይ ኣሜሪካ ቤት ጽሕፈት ኣቢሉ ብዛዕባ ናይ ኣሜሪካ ክብርታትን፡ ፖሊሲታትን፡ ባህልን ዝገለጹ መዓልታዊ መግለጽታትን ነጻ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎትን ሂቡ። ኣሜሪካ ምስ ኤምባሲ ርክብ ንዘለዎም ናይ ብዙሃን ርክባት መሳርሕታት ሂቡ። ናይ ኣሜሪካ ሰበ ስልጣናት ምስ ኣብ ኩሉ ጽፍሒ ዝርከቡ ሰበ ስልጣናት ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰት ከምዘተሓሳሰቦም ብቐጻሊ ደፈኦሙሉ። ብፍላይ ድማ ብሰፊሑ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ማእስርትን ተራ ሰብኣዊ መሰላት ምግሃስን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ንክልተኣዊ (ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት) ርክባት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኦም። ብወርሒ ሓምለ 2005 መንግስቲ ኤርትራ ኩሉ ኣብቲ ሃገር ዝግበር ናይ ምዕባለ ፕሮግራማት ክዕጾ ምስሓተተ፣ ናይ ኣሜሪካ ናይ ምዕባለ ስራሓት ተዓጽዩ፣ ሓንቲ ናይ ንእሽቶ ናይ ረድኤት ቤት ጽሕፈት ጥራሕ ተሪፋ። ናይ ኣሜሪካ ናይ ምዕባለ ስራሓት ምዕጻው ነቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ስትራተጂ ንዋት ኣጉዲሉን ብፕሮግራማዊ ኣገባብ ናይ ምብዳህ ዓቕሚ ኣጸጊሙ። እንተኾነ ግን ናይ ኣሜሪካ መንግስቲ ኣእዳዉ ብምዝርጋሕ ኣብ ደቀምሓረ ሓድሽ ናይ ኣሜሪካ ኩርናዕ ብምኽፋትን፡ ኣብ ኣሜሪካዊ ማእከል ዝርከብ ነጻ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ብምቅጻልን ዘለዎ ዓቕሚ ኣብ ደቀንስትዮን፡ መንእሰያትን፡ ንኡሳን ብሄራትን ብብዝሒ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ተኸተልቲ ዝርከቡሉ ናይ ኣስመራ ቦታትን ኣድሂቡ። ናይ ኣሜሪካ ፕሮግራማት ብናይ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣቢሎም ንናይ ደቀነስትዮን ህጻውንትን ትምህርቲ ከምኡውን ናይ ጸማማት ቤተ ንባብን ንደቀባት ደቀነስትዮ ባዕልኻ ናይ ባዕልኻ ናይ ምምሃር (መሃይምነት ምጥፋእ) ፕሮግራም ኣሰልጢኖም። ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ሃይማኖታዊ ነጻነት ንምኽባር ዝዓለመ ምስ ስፍሕ ዝበሉ ሰበ ስልጣን ናይ መንግስቲን ኣባላት ንኡሳን ኣብያተ ሃይማኖታትን ሰሪሖም። ብሰንኪ ቀጻሊ ሃይማኖታዊ ነጻነት ምግሃስ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝገበሮ ናይ እገዳ መልሲ ኣብ ግብሪ ከውዕል ተገዲዱ። ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ንኹሉ ዝምልከትን ብፍላይ ድማ ናይ ንኡሳን ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ነጻነት ኣገዳስነት ከምዘለዎ እምነቶም ኣረጋጊጾም እዮም።
ሰብኣዊ መሰል ናይ ሃገር ጸብጻብ - 2006
ብወርሒ ሰነ 2005 ዓ.ም. ካብ ዊዓ ወተሃደራዊ መዓስከር ክሃድሙ ዝፈተኑ ተቐቲሎም ብምባል ለንደን ዝመደበሩ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላት ዝበሃል ዘይመንግስታዊ ኣካል ሓቢሩ። ነዚኣቶም 161 መንእሰያት ተኲሶም ዝቐተሉ ወተሃደራት ስጉምቲ ከምዘይተወሰደሎም ይሕበር። ብግምት ሰለስተ ሚልዮን ነታጕን ዘይተተኮሰ ዕቡጥ ኣቕሓ ኣብቲ ሃገር ከምዝርከብ መንግስታዊ ኮሚሽን ምትሕብባር ምስ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰላም ልኡኽ ሓቢሩ። እዚ ብድሕሪቲ ናይ 30 ዓመታት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ኲናት ዝተረፈ ምዃኑ እዩ። ናይ ኤርትራ እስላማዊ ጅሃድ ምንቅስቓስን ካልኦት ተቓወምትን ሓድሽ ነታጕ ተኺሎም። ብሰንኪ ነታጒ ኣብ ዝሐለፈ ዓመት ሰለስተ ከምዝሞቱን ሾሞንተ ከምዝቖሰሉን ሕቡራት መንግስታት (ሕ.መ.) ሓቢሩ። እንተዋሓደ ክልተ ካብቶም ዝሞቱን ሾውዓተ ቁሱላትን ብሰንኪ ሓድሽ ዝተተኽለ ነታጕ ምኳኑ ተሓቢሩ። ኣብ ርሕቕ ዝበለ ቦታታት እውን ዘይተነግረ ተወሳኺ ሞት ከምዘሎ ይግመት። ናይ መንግስቲ ኤርትራ ነታጕ ናይ ምእላይ ፕሮግራም ይቕጽል ኣሎ። እንተኾነ ግን ኣሃዛት ናይቲ ምእላይ ጸብጻብ ኣይተረኽበን። ናይ ሕ.መ. ነታጕ ምጽራይ ፕሮግራም ኣብዚ ዓመት እዚ ይቕጽል ኣሎ። እንተኾነ ግን ብመንግስቲ ብዝወጸ ትእዛዝ ናይዚ ፕሮግራም ስርሓት ክሰልጥ ኣይከኣለን (ክፍሊ 2.መ. ተመልከት)። ስለዚ ድማ ሕቡራት መንግስታት ዓቃብ ሰላም ልኡኽ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያትን (ዩኒሚ) ነቲ ዝበዝሐ ጸረ ነታጒ ስራሓቱ ናብ ኢትዮጵያ ኣመሓላሊፉዎ።
ኣብ መወዳእታ ዓመት ናይ 11 ዝቑጽሮም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታትን፡ ከምኡውን ናይ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኻት ሰራሕተኛታት እሱራት ድሃይ የልቦን። እዚኣቶም ብ2001 ዝተኣሰሩ ክኾኑ እንከለዉ ገለ ካብኣታቶም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከምዝሞቱ ክሕበር እንከሎ ገሊኦም ድማ ንውልቖም (ሶሊታሪ) ተኣሲሮም ከምዘለዉ ይንገር። ሐ፡ ምስቓይን ጭካነን ካልእ ዘይሰብኣዊን ኣተሓሕዛን መቕጻዕትን ከምኡውን ኣብ ብዙሕ ናይ ቀይዲ ቦታታት ማህሰይቲ ልሙድ ምዃኑ ይንገር። ስነ ኣእሞሮኣዊ ጸቕጢ ጥራሕ ዘይኮነ ከምኡውን ኣካላዊ ማህረምቲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርታት ኣሎ። ብ “ኣልማዝ” ዝፍለጥ ናይ መቕጻዕቲ ኣገባብ (torture) ሓለፍቲ መንግስቲ ንእሱራት ካብ ኣእዋም ኣእዳዎም ብድሕሪት ኣሲሮም የንጠልጥልዎም። ከምኡውን “ሄሊኮፕተር” ብዝበሃል ንእሱራት ገጾም ንታሕቲ ብምግባር ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ኣሲሮም ከምዘንጠልጠልዎም ተሓቢሩ። ብጥቅምቲ 17 2006 ሃይማኖታዊ ቅዳሴ ኣብ ገዝኦም ዘካየዱ ዝነበሩ ክልተ ሰባት ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብዝወረዶም ቀጻሊ ማህረምቲ ሞይቶም (ክፍሊ 2 ሐ ተመልከት)። ኣብ ኣስገዳድ ዕስክርና ዝኣተዋ ደቀነስትዮ ጾታዊ ዓመጽን ብስጭትን (ሰክሽዋል ሃራስመንት & ኣብዩዝ) ይወርደን ኣሎ ዝብሉ ጸብጻባት ኣለዉ። ከምኡውን ኣብ ሳዋ ኣሰልጠንቲ ንደቀነስትዮ ዓሚጾም ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረ ኣሎ። ኩነታት ኣብያተ ማእሰርትን ቀይድን ሓፈሻዊ ኩነታት ኣብያተ ማእሰርቲ ንህይወት ኣዝዩ ኣስጋኢን ሃሳዪን ኮይኑ ይርከብ። እሱራት ኣብ ሓድሽ ኣየር ብዙሕ ዘይኣትዎ ዘቃጽል ኮንተይነራትን ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ ቦታታት ከምዝተሓዙ ይንገር። ከምቲ ዝበሃል እቶም እሱራት ኣብ ኮንተይአነር ብኽቱር ምብዝሖም ኩሎም ብሓደ እዋን ክድቕሱ ዘይክእሉሉ ጽበት ከምዘሎ ተሓቢሩ። እቶም ካብ ግፋን ወተሃደራዊ ኣግልግሎትን ዝሃደሙ ዝተሓዙሉ ኣብያተ ማእሰርቲ እውን ንህይወት ኣስጋኢን ሃሳዪ ኾይኑ ይርከብ። ዘይተረጋገጹ ሓበሬታት ከምዝብልዎ ከምዚ ዝኣመሰሉ ብዙሓት እሱራት ከምዘለዉ እዩ። ገሊኦም ክሳብ 2 ዓመት ዝኸውን ክእሰሩ እንከለዉ ከም ልማድ ካብ ሓደ ክሳብ 12 ሰሙናት ድሕሪ ምእሳሮም ናብቲ ቦትኦም እንደገና ይውዝኡ። ኣብ ጥቓ ኣስመራ ዝርከብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ቁሩብ ንፋስን መብራህቲ ዝኣትዎ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ማእሰርቲ ብዙሓት ቦታ ዝጸበቦም እሱራት ኣለዉ። በዚ ጽበትን ሕማቕ ኩነታት ዝኣክል ገለ እሱራት ስነ ኣእምሮኣዊን ኣካላዊ ማህሰይቲን ከም ዝወረዶም ይነገር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝተነግረ፡ በዚ ኩነታት ሞይቶም ዝብል ጸብጻብ የልቦን። ፍሉይ ንትሕተ ዕድመ ዝኾኑ እሱራት ዝተሓዙሉ ቦታ የልቦን። ደቀነስትዮን ቆልዑተንን ካብቶም ሰብኡት ተፈልየን እየን ዝተሓዛ። ስለዚ ትሕተ ዕደመ ዝኾኑ ጥርጡራት ደቂተባዕትዮ ምስቶም ዓበይቲ እዮም ዝእሰሩ። ነዚኣቶም ኣብቲ ቦታ ብግብረ ሶዶም ዝወርዶም ማህሰይቲ ኣሎ ተባሂሉ ይነገር። ዝበዝሕ ጌዚ እቶም ፍርዶም ዝረኸቡን ኣብ ፍርዲ ዘይቀረቡን ኩላቶም ብሓደ ይተሓዙ። ሓደ ሓደ ፍሩዳት ግን ንበይኖም ተፈልዮም ይርከቡ። ሓሓንሳብ እቶም እሱራት ቤተ ሰቦም ክበጽሕዎም ይፍቀደሎም። ዋላኳ እቶም በጻሕቲ እንተዘይረኸበዎም ሓደ ሓደ እዋን እቶም እሱራት ዝተሰደደሎም ኣቕሓ በጺሑና ይብሉ። ማለት ቤተ ሰብ እሱራት መግብን ካልእ ኣቕሑትን ኽገድፉሎም ይፍቐደሎም። ኣብ ውሽጢን ወጻእን ዝርከቡ ናይ ደቀ ሰብ መሰል ተጣበቕቲ ኩነታት እሱራት ንኽምርምሩ ኣይተፈቕደሎምን። ኣህጉራዊ ናይ ቀይሕ መስቀል ኮሚቲ (ICRC) ካብ ኢትዮጵያ ከዲዖም ዝብሎም እሱራት ወተሃደራት ንኽበጽሕ መንግስቲ ኤርትራ ኣይፈቐደሎምን። እዚ ምኽልካል እዚ ቁጽሮም ንዘይተፈልጡ ወተሃደራት ኢትዮጵያን ከምኡውን ካልኦት ኤርትራውያን እሱራት ይምልከት። ማለት ቀይሕ መስቀል ኣብ መደበር ፖሊስን ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ በርገስ እሱራት ኢትዮጵያውያን ክምዝግብ ተፈቒዱሉ። መንግስቲ ኤርትራ ናይዚኣቶም ቤተ ሰብ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ሰሙን ንኽበጽሕዎም ፈቒዱ። እዚ ፍቓድ እዚ ግን ነቶም ብሃገራዊ ኣግለግሎትን ጽጥታን ጉዳያት ዝተኣስሩ ዝምልከት ኣይኮነን። መ. ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ምቕያድን ምእሳርን ሕጊን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ኤርትራ ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ምእሳር ወይ ምቕያድ ኣይፍቀድን ይብል። እንተኾነ ቀጻሊ ብዘይ ኣገባብ ዝካየድ ማእስርትን ምቕያድን ኣስጋኢ ኾይኑ ይርከብ። ፖሊስ ወግዓዊ ስርሖም ናይ ውሽጢ ጸጥታ ምሕላው እዩ። ሰራዊት ድማ ብወጻኢ ዝመጽእ ጸጥታዊ ሓደጋ ዝከላኽል እዩ። እንተኾነ ግን መንግስቲ ውሽጣውን ግዳማውን ምክልኻል ብዝብል ምኽኒት ንሰራዊትን፡ ዕቑር ሰራዊትን ዝተጣየሱ ተጋደልቲን ከይተረፉ ክጽውዕ ይኽእል። ናይ ጸጥታ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ንምኽልኻል ብዝብል ምኽኒት ሰብ ይኣስሩ። እዚኣቶም ተጸዋዕነቶም ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጥራሕ እዩ። ኣባላት ወተሃደራዊ ሰራዊትውን ውልቃውያን ሰባት ክቕይዱን ክኣስሩን ይፍቀደሎም። ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩ ፖሊስ ሓላፍነቶም ንናይ ፖሊስ ነቑጣታት ምቁጽጻር እዩ። ሓይሊ ፖሊስ ተራ ገበንን ትራፊክ ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ ኣለዎ። ከም ልሙድ ፖሊስ ኣብ ሃገራዊ ጸጥታ ዝምልከት ጉዳያት ኣይኣትዉን እዮም። እንተኾነ ግን ካብ 2005 ጀሚሩ ፖሊስ ካብ ሃገራዊ ኣግልግሎት ሃዲሞም ንዝበሃሉ ኣብ ምግፋፍ ክሳተፉ ይርኣዩ። ኣብዚ ዓመት እዚ ፖሊስ፡ ሰራዊት፡ ከምኡውን ውሽጣዊ ጸጥታ ኣብ ምእሳርን ምቕያድን ዜጋታት ኪሳተፉ ተራእዮም። ኣብዚ እዋናት ፖሊስን ጸጥታን ማህረምቲ፡ ኣብ ላዕሊ እናተኮስካ ናይ ምፍርራሕን፡ እኩባት ሰባት ኣብ ምቑጽጻርን ምግፋፍን ጎንጺ ክጥቀሙ ተራእዮም። ብልሽውና ልሙድ እኳ እንተዘይነበረ ፖሊስ እሱራት ንምፍታሕ ጸጸኒሖም ጉቦ ይቕበሉ እዮም ዝብል ጸብጻባት ይመጸእ እዩ። ኣባላት ሰራዊት ድማ ኪንዮ ዶብ ንዝሃድሙ ሰባት ምእንቲ ከሕልፉ ገንዘብ ይቕበሉ ይበሃል። ነዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ዝፍትሐሉ ወይ ኣብ ምርምር ዝበጽሐሉ ኣገባብ ወይ መስርሕ ኣብቲ ስርዓት የልቦን። ማእስርትን ቐይድን እሱራት ብገበን ከይተኸሰሱ ካብ 28 መዓልታት ንላዕሊ ክትሓዙ ሕጊ ኣይፈቅድን። ዝኾነ እሱር 48 ሰዓታት ድሕሪ ምትሓዙ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ። ኣብ ግብሪ ግን ገበን ፈጺሞም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ካብዚ ንላዕሊ ጌዜ ይእሰሩ። “ገበን ኣብ መስርሕ” እንተሎ ጥራሕ እዮም ፖሊስ ብቤት ፍርዲ ዝወጸ ናይ መእሰሪ ትእዛዝ ፍቓድ ብዘይብሉ ንኽኣስሩ ዘፍቅድ። ብቤት ፍርዲ ዝወጸ ናይ መእሰሪ ትእዛዝ ፍቓድ ጌሮም ሰብ ክኣስሩ እንተዘይኮነ ግን ምርመራ ክገብሩ ኣለዎም እዩ ዝብል እቲ ሕጊ። ኣብ ጸጥታዊ ጉዳይ እዚ መስርሕ ይግደፍ። ኣብ ግብሪ ግን ውሑዳት ሰባት ጥራሕ እዮም ብቤት ፍርዲ ዝወጸ ናይ ትእዛዝ ፍቓድ መስርሕ ዝእሰሩ። እሱራት ገበኖም እንታይ ምዃኑን ስለምንታይ ከምዝተኸሰሱን ኣይንገሮምን እዩ። እሱራት ንመሰሎም መከላኸሊ ዝኸውን ናይ ሕጊ ኣማኻሪ/ጠበቓ ንኽረኽቡ መንገዲ የብሎምን (ክፍሊ 1 ሰ. ተመልከት)። ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ዳኛ ኣይቀርቡን እዮም። ብዋሕስ ናይ ምውጻእ ዘኽእል ኣገባብ ኣሎ፡ እዚ ግን ንጸጥታዊን ናይ ሞት ፍርዲ ንዘለዎምን ኣይምልከትን እዩ። ብዘይ ሕጊ ማእሰርትን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታውን ሽግራት ቀጻሊ ተረክቦታት እዮም። ንኣብነት ኣብ መስከረም 16-17፡ 2006 ፖሊስ ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ምሸት ትልሂት ኣብያተ ንግድታት ከቢቦም ንገለ 2000 ዝኾኑ ኣብ ውሽጠን ዝጸንሑ ኣሲሮም ይበሃል። ክጅምሩ እንከለዉ ናይ መንነት ወረቐት በብሓደ ይሓቱ ኔሮም። ጸኒሖም ንገለ ገለ ሰባት - 250 ዝኾኑ - ድሕሪ ምእሳር፡ ነቶም እኩባት ብበትሪ እናሃረሙን ኣናኣፈራርሑን ተቖጻጽሮሞም። እቶም ዝተኣሰሩ ዝበዝሑ ዋሕስ ድሕሪ ምትካል ወጺኦም። ነዚ ኩነት ብዝምልከት ዝተገብረ ኣብ ፍርዲ ዝበጽሐ ክስን ምርመራን የልቦን። ኣብዚ ዓመት እዚ ኣባላት ጸጥታ ነቲ ብ2005 ዝጀመርዎ ካብ ኣገልግሎት ናይ ዝሃደሙ ወለዲ ምእሳር ቀጺሎሞ። ኣብ ሕጊ ነዚ ዓይነት ምእሳር ዝምልከት ዓንቀጽ የልቦን። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣባላት ጸጥታ ንገለ 500 ዝኾኑ ወለድን ሰብ ሓዳር ናይቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘንሰሓቡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣሲሮም። እዚኣቶም ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ጌና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዘለዎ ትሕቲ ቀይዲ ይርከቡ ኣለዉ። ኣብዚ ዓመት እዚ ኣባላት ጸጥታ ንገለ ድርብ ዜግነት (dual citizenship) ዘለዎም ወጻእተኛታትን ካልኦትን ሰባት ኣሲሮም። እዚኣቶም ጸጥታዊ ኣስጋኢነት ብዝብል መመኽነይታ ክእሰሩ እንከለዉ ካብዚኣታቶም ክልተ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሲየናታት ኔሮሞም። በርገስ ክዳውንቲ ዝለበሱ ወከልቲ ኣባላት ጸጥታ ኣብ ገዛውቲ እናኸዱ ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ከምዝኣስሩ ዝሕብር ጸብጻባት ኣሎ። ኣባላት ጸጥታ ኣብ ተኸታታሊ ነዊሕ እዋናት ንሰባት ከምዘፈራርሑ ይንገር። ዋላኳ ናይ መንቀሰቐሲ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዘማልኡ ዝሕብር ናይ መረጋገጺ ወረቐትን እንተለዎም ጸጥታዊ ጉዳይ ብምባል ኣባላት ጸጥታ ኣብ ዘካይድዎ ወፈራ ንካብ ሰለስተ መዓልቲ ዝኸውን ብዙሓት ሰባት ኣሲሮም (ክፍሊ 1 ሐ)። ከምኡውን ኣንጻር መንግስቲ ዝተዛረቡን ወይ ንመንግስታዊ ስርሓት ኣብ ቃልእ ዝነቐፉ ሰባት ብዘይ ኣገባብ ከምዝተኣስሩ ተሓቢሩ። መንግስቲ ንናይ ዘይተመዝገቡ እምነታት ኣባላት ክኣስርን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእቱን ዝጀመሮ ስራሕ ቀጺሉዎ። ገለ ካብዚኣቶም ካብ 11 ዓመት ንላዕሊ ተኣሲሮም ይርከቡ (ክፍሊ 2 ሐ)። ኣብዚ ዓመት እዚ ኣባላት ጸጥታ ጋዜጠኛታት ብዘይ ኣገባብ ኣሲሮም (ክፍሊ 2 ሀ)። እቶም ብ2001 ዝኣሰርዎም ድማ ጌና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከቡ። ኣብ 12 ወርሒ ዝግበር መንበሪ ፈቓድ መሐደሲ ገንዝብ ኣይከፈሉን ብምባል ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ብፍላይ ንማእስርቲ ከምዝተቓልሑ ይሕበር (ክፍሊ 2 መ)። መንግስቲ ንሓደ ድሓር ዝተፈትሐ ኣባል ሕቡራት መንግስታት ዓቃብ ሰላም ልኡኽ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያትን (ዩኒሚ) ኣብ ጥቅምቲ ብዘይ ኣገባብ ኣሲራ (ክፍሊ 4)። ብወርሒ ሕዳር 2005 ዝተኣስሩ ሰለስተ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር መራሕቲ ኣብ መወዳእታ ዓመት ጌና ድሃይ የብሎምን። ብዛዕባ ብ2005 ብኣማኢት ዝቑጸሩ ብፖሊቲካዊ ምኽንያት ዝተኣስሩ ሰባት ዝተረኸበ ሓበሬታ የልቦን። እዚኣቶም ኣብዚ ዓመት እዚውን ጌና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከቡ። ብዙሓት ካብዚኣቶም ምስ ገለ ፖሊቲካዊ ተጻባእቲ ናይቲ መንግስቲ ርክብ ኣለዎም ወይ ከኣ መንግስቲ ዝገብሮ ተግባራት ነቒፎም ስለዝበሃሉ እዩ። ኣህጉራዊ ናይ ቀይሕ መስቀል ማሕበር ነዚኦም ንምብጻሕ ፈቓድ ኣይተዋህበን። ናይቶም ብ2002 ምስ 11 ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ኣባላት ባይቶን ዝተሓሓዘ ጉዳይ ዝተኣሰሩ ካብ ወጻኢ ናይ ዲፕሎማሲያዊ ቦታኦም ዝተጸውኡ ሰባት ዝምልከት ዝተረኸበ ሓድሽ ነገር የልቦን። ካብዚኣቶም እንተዋሓደ 4 ዝኾኑን ቅድሚ ሕጂ ንብዙሓት ዓመታት ዝተኣሰሩን ኣብዚ ዓመት መወዳእታ ጌና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከቡ። ካብዚኣቶም ኣምባሰደር ነበር ኣብ ቻይና፡ ኤርምያስ ደበሳይ (ፓፓዮ)ን በዓልቲ ቤቱ ንወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር ነበር ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ኣስቴር ዮውሃንስን ይርከብዎም። ክልተ ኣብ ሓደ ናይ ወጻኢ ኤምባሲ ዝሰርሑ ዝነበሩ ዜጋታት ካብ 2001 ጀሚሮም ብዘይ ክሲ ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ይርከቡ። ተወሳኺ ካልኦት ብ2005ን ብ2006ን ዝተኣሰሩ ክልተ ዜጋታት ጌና ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ይርከቡ። መንግስቲ ኤርትራ ብዙሓት ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዘይ ክሲ ኣብ ማእሰርቲ ምሓዝ ከምዝቐጸለ ጸብጻባት ይሕብሩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ንነጻነት ዝዋጋእ ዝነበረ ሓይሊ እዩ። ካብቶም ብዙሓት ብዘይ ክሲ ዝተኣሰሩ ሰባት ኣብዚ ዓመት እዚ ቁጽሮም ዘይተፈለጠ ከምዝተፈነዉ ዝብል ግኑን ወረታት ኣሎ። መንግስቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ብዙሓትውን ብዘይ ክሲ ኣሲሩ እዩ። ካብ 10 ዓመታት ንላዕሊ ዝተታሕዙ እሱራት ኣለዉ። እዚኣቶም ኣብ ፍርዲ ዘይቀረቡን ናይ ጠበቓ ይኹን ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ኣገለግሎት ንኽረኽቡ ዕድል ዘይብሎም እዮም። እዚኣቶም ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኣንጻር መንግስቲ ተዛሪብኩም፡ ምስቶም ብ2001 ዝተኣስሩ ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምትእስሳር ኣለኩም፡ ሕሉፍ እስላማውያን ወይ ድማ ናይ ሽበራ ውድባት ኣባላት ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ይርከብዎም። ሰ. ቅሉዕን ፍትሓዊን ፍርዲ ዘይምፍቃድ ሕጊን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ኤርትራ ነጻ ሕጋዊ ኣካል የፍቅድ። ሕጋዊ ኣካል ግን ድኹምን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፈጻሚ ኣካል እዩ ዝርከብ። ቅድሚ ሕጂ ቃልእ ዝኾነ ናይ ፍርዲ ኣገባብ ከም ፍትሓዊ እዩ ዝብል እምንቶ ኔሩ። ሎሚ ግን ጸጥታዊን ፖሊቲካዊ ምኽንያት ዘለዎ ጉዳያት ኩሉ ኣብ ፍርዲ ኣይቀርብን። ብዙሓት ኣብ መንግስታዊ ስርሓት ዝነበሩ ዜጋታት ሎሚ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይርከቡ። እዚ ኣብ ናይ ኣብያተ ፍርዲ ኣመሓድርቲ፡ ጠበቓታት፡ ፍራዶን ካልኦት ነቲ ሕጋዊ ኣካል ዘድልዮ ናይ ኪኢላ ሰብ ሕጸረት ኣስዒቡሉ። ካብ ናይ መንግስታዊ ስራሕ ናብ ብሕቲ ናይ ጥብቅና ስራሕ ንክዋፈሩ ናይ መስርሒ ፈቓድ ዝሓተቱ ፍቓድ ካብ ዘይህብ መንግስቲ ኤርትራ ሸውዓተ ዓመት ጊሩ። ሕጋዊ ኣካል ኣብ ክልተ ይምቀል። ሲቪላውን ፍሉይ ቤት ፍርዲን። ሲቪላዊ ናይ ፍርዲ ትካል ናይ ህዝብን ኣውራጃውን ላዕለዋይ ኣብያተ ፍርዲ የጠቓልል። ካብ ሲቪላዊ ስጋብ ላዕለዋይ ኣብያት ፍርዲ ናይ ይግባይ መሰል ኣሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንሓደ ጉዳይ ብይግባይ ክቕበሎን ከይቕበሎን ንምውሳን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሹዱሽተ ኣዋርሕ ይወስደሉ። ስለዚ ኣብዚ ናይዚ ዓመት መወዳእታ ክሳብ 400 ዝኾኑ ጉዳያት ተኣኪቦሞ ይርከቡ። ፍኹስ ዝበሉ ጉዳያት ማለት ዝተኸሱሉ ጉዳይ ካብ $7,300 (110,000 ናቕፋ) ዝወሕድ ናብ ህዝባዊ ኣብያተ ፍርዲ ይኸዱ። ቁሩብ ካብዚ ክብድ ዝበለ ጉዳያት ናብ ኣውራጃዊ ቤት ፍርዲ ይዋሃቡ። ቁጽሩ ዝይድ ዝበለ ከም ቅትለት፣ ግህሰት (ብሓይሊ ምዕማጽ)ን፣ ተመሳሳሊ ከበድቲ ጉዳያት፡ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይስምኡ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰለስተ ፈራዶ ኣለዉዎ። ኣብተን ካልኦት ግን ሓደ ፈራዳይ ንውልቁ ንጉዳይ ይሰምዖ። ናይ መወዳእታ ይግባይ ሓሙሽተ ፈራዶ ዝርከብዎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ይሰምዖ። ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፈጻሚ ኣካል ዝርከብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ናይ ምምሕዳር መምርሒ ናብተን ካልኦት ኣብያተ ፍርዲ ይልእኽ። እዚ ግን ካብቲ ዝለዓለ ገበናዊ ጉዳያት፣ ስርቕን፣ ብልሽውናን፣ ምጥፍፋእን ዝበሃል ዝምልከቶ ወጻኢ ዝኾነ ስልጣን እዩ። ቤት ጽሕፈት ዓቃበ ሕጊ ኣየኖት ጉዳያት እዩ ንፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝምልከቶ ይውስን። ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ጠበቓታት የለውን። ፈራዶ ከም ዓቃበ ሕጊ ይሳተፉ። ከምኡውን ነቶም ክሱሳት ብዛዕባ ጉዳዮም ክከላኸሉ ክሕትዎም ይኽእሉ። ፍሉይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ይኹን ናይ ጠበቓ መሰል ዘየፍቕድ እንከሎ ንፈጻሚ ኣካል ግን ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ መቕጻዕቲ ክብይን ኣፍቂዱ። ኩሎም እቶም ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ተቐሚጦም ዝፈርዱ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓላፍቲ እዮም። እዚኣቶም ወግዓዊ ናይ ሕጊ ትምህርቲ የብሎምን። ውሳነታቶም ኣብ “ናይ ሕልና” ዝተመስረተ ድኣምበር ካብ ሕጋዊ ዓንቀጻት ዝመንጨወ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፍሉይ ቤት ፍርዲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣይወሰነን። እንተኾነ ግን እዚ ኣካል እዚ ክብይኖ ዝኽእል ዓይነት መቕጻዕቲ ገደብ የብሉን። ምስኡ ቤት ጽሕፈት ዓቃበ ሕጊ ኣብ ህዝባዊ ኣብያተ ፍርዲ ዝተወሰነ ጉዳያት ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ እንደገና ንኽፍረድ ፈቒዱ። ብፍላይ እቶም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝተወሰኑ ነቲ ተኸሳሲ መሰሉ ኣብ ዝትንከፈሉ ናይ ዳግመ ክሲ መስርሕ (double jeopardy) ከምዝኣቱ ይገብሮ። ኣብ ሓደሓደ ፍልይ ዝበለ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፍሉይ ቤት ፍርዲ እንደገና ከምዝስማዕ ጌሩ ይበሃል። ናይ ህዝቢ ርክብ ምስ ሕጋዊ ኣካል በቲ ልምዳዊ ህዝባዊ ኣብያተ ፍርዲ እዩ። ፈራዶ ሲቪላዊ ጉዳያት ክሰምኡ እንከለዉ፡ ገበናዊ ሕጊ ዝፈልጡ ፈራዶ ድማ ናይ ገበን ጉዳያት ይሰምዑ። ሓደ ሓደ እዋን ልምዳዊ ፍርዳዊ ኣካላት ንገበናውን ሲቪላውን ጉዳያት ይፈርዱ። ነዚ ንምቕጻል ሚኒስትሪ ፍርዲ ናይ ኣፈራርዳ ኣገባባት ኣስተምህሮ ኣወፍዩ። ክልቲኦም ወገናት ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና እንተድኣ ኮይኖም ንስድራቤታውን ውርሻውን ጉዳያት ብሕጊ ሸሪዓ ክፍረዱ ይኽእሉ። ኣብዚ ዓይነት ፍርዲ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ክብየን ኣይክእልን። ኣገባብ ፍርዲ ሕጋዊ ኣካል ብሕጸረት ኪኢላታት ዝኣክል ነቶም ዝተኸሱ ሰባት ፍትሓውን ቕልጡፍን ናይ ፍርዲ ኣገለግሎት ንኸወፍየሎም የሸግሮ እዩ። ማለት ናይ ዝተማህሩ ሰባት ዋሕዲ፣ እኹል ንዋታዊ ዓቕሚ ዘይምህላውን፣ ድኹም ትካልን፡ ስለዝኾነ እዩ። ሕጊን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ኤርትራ ልሙድ ናይ ኣብያተ ፍርዲ መስርሕ መሰል ተኸሰስቲ ዝሕሉ ዓንቀጻት ኣለዎ። በዚ ድማ ካብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ይፍለ። ኣብዚ ናይ ኣብያተ ፍርዲ መስርሕ ተኸሰስቲ ብገንዘቦም ንጉዳዮም ዝከላኸል ጠበቓ ክቖጽሩ ይኽእሉ። ዝበዝሑ ተኸሰስቲ ግን ነዚ ናይ ገንዘብ ወጻኢ ክኸፍልዎ ስለዝኸብሮም ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ዘይብሎም ይተርፉ። መንግስቲ ብተደጋጋሚ ነቶም ነዚ ክገብሩ ዘይክእሉን ካብ 10 ዓመት ንላዕሊ ዘቕጽእ ልዕል ዝበለ ገበን ንዝተኸሱ ጠበቓታት ይምድበሎም። ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተኸሰስቲ ፊት ንፊት ክገጥምዎምን ንመሰኻኽር ክሓቱን፡ መረድኢ ከቕርቡን፡ ብመንግስቲ ዝተረኸበ መረድኢ ክረኽቡን፡ ንውሳነ ይግባይ ክብሉን ንጹሃት ከምዝግመቱን፡ ዝኣመሰሉ መሰላቶም ኣብ ግብሪ ዊዒሉ ይርከብ። ናይ ፖለቲካ እሱራትን ኣብ ቀይዲ ዝርከቡን ሓደሽቲ ፖለቲካዊ እሱራት ኣለዉ ዝብል ዝተረጋገጸ ጸብጻብ የልቦን። እንተኾነ ግን ብፖለቲካዊ ምኽንያት ዝተኣስሩ ምህላዎም ብዙሕ ጸብጻባት ኣሎ (1 መ)። ናይ ሲቪላዊ ሕጊ መስርሕን ኣገባብ ኣመዐራርዩኡን ሲቪላዊ ቤት ፍርዲ ብናይ ህዝብን ኣውራጃውን ላዕለዋይ ኣብያተ ፍርዲን ዝቖመ እዩ። ይግባይ ካብ ሲቪላዊ ክሳብ ላዕለዋይ ኣብያት ፍርዲ ይከአል። ሲቪላዊ ጉዳይ ዘለዎም ሰባት ጉዳዮም ብፍሉይ ቤት ፍርዲ ክስማዕ ክሓቱ ይኽእሉ። ዝበዝሕ ሲቪላዊ ሕጊ ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሕጋዊ ኮድ ናይ 1957ን ኣብ መንግስታዊ ኣዋጃትን ዝተመስረተ እዩ። ሕጋዊ ኣካል ነጻን ዘይኣዳላውን እየ ይብል። ምምላስ ንብረት መንግስቲ ብገንዘብ ይኹን ብዓይነት ከይተከአ ንብረት ሰባት ወሲዱ ዝብል ጸብጻባት ኣለዉ። ቅድሚ ነጻነት ብዝነበረ መንግስታት ንዝተወሰደ ንብረት ወጻእተኛታት መንግስቲ መተካእታ ወይ ከኣ ክፍሊት ኣይገበረን። ናይ ወጻእተኛታት ውልቃዊ ንብረት ብመንግስቲ ተወሲዱ ዝብል ጸበጻብ ኣይነበረን። ድሕሪ ምዕጻው ዘይመንግስታዊ ትካላት (አንጂኦ) መንግስቲ ኩሉ ንብረት ናብኡ ክመሕላለፍ ሓቲቱ። እዚ ንኮምፕዩተራትን፡ ሓተምትን መኻይንን የጠቓልል። ሸ. ኣብ ብሕታዊ ናብራን፡ ስድራ ቤትን፡ መንበሪ ገዛን ርክብን ብዘይ ቀይዲ ምትእትታው ሕጊን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእትታው የውግዝ። እንተኾነ መንግስቲ ኣብ ብሕታዊ መስል ሰብ ብምእታው ጊሂሱ። ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙን ካብ ምዝገባ ዘምለጡን ወለዶምን ንምሓዝ መንግስቲ ወተሃደራትን ፖሊስን ኣብቲ ሃገር ኣዋፊሩ። ነዚ መንግድታት ብምዕጋትን ኣብ ጽርግያታት ግፋታት ብምክያድ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ። ከምኡውን ኣባላት ጸጥታ እኩባት ኣባላት ናይ ዘይተመዝገቡ እምነታት ኣጥቂዖምን ናይ ወጻእተኛታት ገዛውቲ ፈቲሾምን። መንግስቲ ካብ ሕጋዊ ኣካል ሕጋዊ ፍቓድ ከይሓዘ ናይ ሰባት መልእኽትን፡ ኢመይልን፡ ናይ ስልኪ ርክባትን ጠሊፉ። ናይ መንግስቲ ናይ ጸጥታ ልኡኻት ኣብ ኩላ እታ ሃገር ተዘርጊሖም ከኣ ይርከቡ። ኣብ ምጽዋዕ ሓድሽ ካብ ቀረጽ ነጻ ዝኾነ ዞባ ተኣዊጁ። ኣብኡ ኣባይቲ ምእንቲ ክሰርሕ መንግስቲ ንዜጋታት ካብ ገዝኦም ብሓይሊ ኣልቒቕዎም ዝብል ጸብጻብ ኣሎ። ኣባላት ጸጥታ ነቲ ብ2005 ዝጀመርዎ ካብ ኣገልግሎት ናይ ዝሃደሙ ወይ ከኣ ንወጻኢ ናይ ዝኸዱ ሰባት ወለዲ ምእሳር ቀጺሎሞ (1 መ)። ወለዲ ነቲ ዝሃደመ ቆልዓ ክመልስዎ ወይ ከኣ $3,300 (50,000 ናቕፋ) መቕጻዕቲ ንኸኸፍሉ ገዲዱ። ኣብዚ ዓመት እዚ መንግስቲ ነዚ መቕጻዕቲዚ ኣብ ክንዲ ብሓንሳብ በብጊዜኡ ንኽኸፍሉ ኣፍቂዱ። ከምኡውን ኣብዚ ዓመት እዚ መንግስቲ ሰበ ሓዳር ናይቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ወይ ከኣ ናብ ወጻኢ ዝኸዱ ሰባት ኣሲሩን ንወጻኢ ንኸይከዱ ኸልኪሉ ኣሎ። ኣብ ሃገር ናይ ዘሎ ሓደ ሰልፊ ኣባልነት (ህ.ግ.ደ.ፍ.) ግድነታዊ ኣይኮነን ይብሃል። መንግስቲ ግን ብግብሪ ኣብ መንግስቲ ንዝሰርሑን ካብ ኣገልግሎት ናብ ናይ መንግስቲ ትካላት ዝተመደቡ ዜጋታት ብሓይሊ ኣብ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣባላት ንክኾኑ ጸቕጢ ጌሩ ይበሃል። ክፍሊ 2፡ ሲቪላዊ ነጻነት ምኽባርን ከምኡውን ካልኦት ጉዳያትን፡ ሀ፡ ናይ ሓሳብካ ምግላጽ መሰልን ናይ ፕረስ ነጻነትን ሕጊን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ኤርትራ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ፕረስን ነጻነት መሰል ይዕቅብ። ኣብ ግብሪ ግን መንግስቲ ነዘን መሰላት እዚኣተን ኣጊዱወን። ዜጋታት ኣብ ብሕቲ ይኹን ኣብ ቃልዕ ንመንግስቶም ናይ ምንቃፍ መሰል የብሎምን። ሓፈሻዊ ነቐፌታ ኣብ ርእሲ መንግስቲ ንኸይመጽእ፡ መንግስቲ ንብሕታዊ ፕረስ ኣጊዱ፡ ዝበዝሑ ነጻ ጋዜጠኛታት ወይ ናብ ወጻኢ ሃዲሞም ወይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ ኣለዉ። ነቶም ዝተረፉ ጋዜጠኛታት መንግስቲ እናኣፈራርሐ ነብሰ እገዳ ንኽገብሩ ገዲዱ። መንግስቲ ንኹሉ ናይ ብዙሓን መራኸቢታት ተቛጻጺሩ ይርከብ። እዚኣተን ሰለስተ ጋዜጣታት፡ ክልተ መጽሄታት፡ ሓንቲ ናይ ረድዮ ትካልን ሓንቲ ናይ ተለቭዥን ነቑጣን እየን። ሕጊ ውልቃዊ ዋንነት ናይ ብሮድካስት (መራኸቢ ብረድዮን ተቪን) ኣየፍቅድን። ከምኡውን ናይ ወጻእተኛ ጽልዋ ኣብዚ ዋንነት እዚ ኣየፍቅድን። ብብሕቲ ዝውነን መዲያ ኣብቲ ሃገር የልቦን። ውልቀሰባት ሳተላይትን ካብ ኣህጉራዊ ማዕከናት መራኸቢ ንኽገዝኡ እኳ እንተኣፍቀደ፡ መንግስቲ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ መጽሄታታት ኣጊዱ። ናይ ሃይማኖታውያን ኣህጉራዊ ትካላት ሕታማት ብመንግስቲ ፍተሻ ክሓልፍን ትሕዝትኡ ከፍቀድን ኣለዎ። ሃይማኖታውያን መራኸብታት ብዛዕባ ፖለቲካን መንግስታዊ ፖሊሲታት ኸይዛረቡ ዝጸንሐ እገዳ ቀጺሉ። ናይ ፕረስ ሕጊ ካብ ዝተኸልከለ መጽሄታት ወሲድካ እንደገና ምሕታም ይኽልክል እዩ። ብናይ ዲፕሎማስያውያን ሚሽናት ዝወጽእ ጽሑፋት ፍቓድ ከይረኸበ ኣብ ናይ መንግስቲ ማዕከናት ክዝርጋሕ ኣይክእልን እዩ። መንግስቲ ንኽልተ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ኣብቲ ሃገር ክሰርሑ ፈቒዱ። እንተኾነ ግን ነቲ ዝረኸብዎ ዜናታት ናብ ዜና ማዕከናቶም ንኽሰዱ ኸልኪሉ። ክልቲኦም ብወርሒ ሰነ ካብ ሃገር ወጺኦም። መንግስቲ ነቶም ዝተክእዎም ክልተ ኣብ ሃገር ክኣትዉ ንኸፍቅድ ነዊሕ ኣዋርሕ ወሲዱሉ። እቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝኣክል ተኣሲሩ ዘሎ ናይ ስዊድን ዜጋ ንሕክምና ብወርሒ ሕዳር 2005 ወጺኡ ኔሩ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ግን ናብ ማእሰርቲ ተመሊሱ። ኣብዛ ዓመት መወዳእታ ጌና ብዘይ ክሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2006 መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ዜና ዝሰርሑ ዝነበሩ ትሽዓተ ጋዜጠኛታት ኣሲሩ። እዚኣቶም ኣብ ዓመት መወዳእታ ጌና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከቡ ኣለዉ። ካብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ክሓቱ ናብ ኤርትራ ብመንግስቲ ተፈቒዱሎም ዝኣትዉ ኣርባዕተ ደቂ ኦሮሞ ጋዜጠኛታት መውጽኢ ቪዛ ተኸልኪሎም ይርከቡ ኣለዉ። እዚኣቶም ካልእ ሃገር ንኽትወስዶም ስምምዕ ዘለዎም እዮም። ገለ 15 ዝኾኑ ብ2001 ዝተኣሰሩ ደቂ ሃገር ጋዜጠኛታት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ጌና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከቡ ኣለዉ። ናይ ኢንተርነት ነጻነት ወግዓዊ ናይ መንግስቲ እገዳ ኣንጻር ኣገለግሎት ኢንተርነት እኳ እንተዘይልቦ፡ ኩሉ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ዝጥቀመሉ ትካል ብመንግስቲ ብዝቋጻጸሮ መርበብ ክጥቀም ጥራሕ እዩ ዝፍቀደሉ። መንግስቲ ዕብይ ዝበለ ክፋል ናይተን ሰለስተ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ወሃብቲ ይውንን። ኣብ ወርሒ መስከረም መንግስቲ ብዘይ ተፈልጠ ምኽንያት ንሓንቲ ካብተን ኢንተርነት ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ዓጽዩ። ኣብ መወዳእታ ዓመት እንደገና ንክኽፈት ኣፍቂዱ ይበሃል። ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ መንግስቲ ነተን ኢንተርነት ኣገልግሎት ወሃብቲ ዝጥቀማሉ ባንድ ዊድዝ ብምሕጻር ዘድሊ ኣገልግሎት ንኸይህባ ኢዱ ኣታኣታትዩ። መንግስቲ ብኢንተርነት ዝካየድ ርክባት ጠሊፉ ይዕዘብ ዝብሉ ጸብጻባት ኣለዉ። ኣብ ከተማታት ኢንተርነት ቁሩብ መሳለጢ ከፊልካ ኣብ ካፈ ወይ ብናይ ውልቀሰብ ናይ ገዛ ኣገልግሎት ጌርካ ክትራኸብ ይከኣል እዩ። ናይ ምፍላጥ (ኣካዳሚያዊ) ነጻነትን ባህላዊ ጉዳያትን መንግስቲ ናይ ምፍላጥ ነጻነት ዓጊቱ ይርከብ። ማለት ናይ ሓሳባት ምግላጽ ነጻነት፣ ናይ ተመሃሮ ናይ ምንቅስቓስ መሰልን ከምኡውን ናይ ምእካብ ኣብ ኣካዳምያዊ ትሕዝቶ ተደሪቱ። ብ2002 ዝወጸ ናይ መንግስቲ ትእዛዝ ንኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብምክፍፋል ዘረእዮ ውጽኢት ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ታሕተዋይ ጸፍሒ መጽናዕቲ ምዕጻው እዩ። ስለዚ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ንኸይምዝገቡ ተእጊዶም እንታይ ድኣ ኣብ ማይ ነፍሒ ዝርከብ ናይ መንግስቲ ቴክኒካዊ ቤት ትምህርቲ ንኽኣትዉ ተገዲዶም (ክፍሊ 5)። ብዝሓለፈ ሓጋይ መንግስቲ ንዝበዝሑ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ተመሃሮ ፕሮግራማት ናብ ገጠራት ዝርከብ ናብ ኢድ ስርሓት (ቮከሽናል) ኣብያተ ትምህርቲ ቀይርዎም። ኣብ ኣስመራ ናይ ሕክምና ትምህርቲ ጥራሕ ተሪፉ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝርከቡ ተመሃሮ ዝቕጽል ዓይነት ትምህርቲ ንኸይመርጹ ተኸልኪሎም። እንታይ ድኣ ኣብቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ መሰጋገሪ ፈተና ዝረኸብዎ ነጥቢ መሰረት ብምግባር ናብ ፍሉጥን ስሩዕን ዝኾነ ኢድ ስርሓት (ቮከሽናል) ፕሮግራም ከምዝመዝገቡ ተጌሩ። ሓደ ሓደ ላዕለዋይ ደረጃ (ግርጅወት) ትምህርቲ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተሪፉ። ናይ ሕጊ ክፍሊ ትምህርቲ ተዓጽዩ፡ ሓደሽቲ ተመሃሮውን ኣብኡ ንኽምዝገቡ ኣይተፈቕደን ኣሎ። ንገለ ኣብ ወጻኢ ከይዶም ትምህርቶም ክቕጽሉ ዝደለዩ ተመሃሮ መንግስቲ ናይ መውጽኢ ፍቃድ (ቪዛ) ምሃብ ኣብዩ። ናብ ወጻኢ ንዝያዳ ትምህርቲ ወይካኣ ንምብጻሕ ክኸዱ ዝደለዩ ኣካዳምያውያን ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕረዚደንት ከምኡውን ናይ መንግስቲ ፍቓድ የድልዮም። ኣብ ሲኒማታት ዝርአ ፊልም መንግስቲ ይዕዘቦን ይቋጻጸሮን። ኣህጉራዊ ናይ ፊልም ፈስቲቫልውን መንግስቲ ብቐረባ ይከታተሎን ኩሉ ፊልምታት መንግስቲ ርእዩ ንኽዝርግሑ ከፍቅድ ኣለዎ። ለ. ብሰላም ናይ ምእካብን ማሕበራት ናይ ምቛም መሰላትን ሕጊን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ኤርትራ ነጻነት ናይ ምእካብን ምምሕባርን መሰል ይድግፍ። መንግስቲ ግን ነዚ መሰል እዚ ይነፍግ። ካብ ሰለስተ ንላዕሊ ሰባት ንኽእከቡ ፈቓድ ካብ መንግስቲ ከምጽኡ ይግደዱ። ብዘይካ ህ.ግ.ደ.ፍ. ካልእ ፖሊቲካዊ ሰልፊ ኣይፍቀድን። ብግንቦት 30፡ 2006 ኣርብዓ ዝኾኑ ደቀነስትዮን ሽማግለታትን ካብ ደቡብ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተኣኪቦም መጽኡ። እዚኣቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣልጊሶም ንወጻኢ ሃዲሞም ንዝተባህሉ ደቆም ስለዝጠፍኡ መንግስቲ ሕነ ንኣቦታቶም ስለዝኣሰረ ድሃዮም ክሓቱ እዮም ቀሪቦም። ኣባላት ጸጥታ ነዚኣቶም ደቀነስትዮን ሽማግለታትን ናይ ምእካብ ፍቓድ ስለዘይነበሮም ኣሲሮሞም። ኣብዚ ዓመት መወዳእታ ብዛዕባ ናይዚኣቶም ጉዳይ ሓበሬታ የልቦን። ሐ፡ ናይ እምነት ነጻነት ሕጊን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ኤርትራ ናይ ሃይማኖት ነጻነት የፍቅድ። መንግስቲ ግን ኣብ ግብሪ ይእግድ። እቶም ብመንግስቲ ምዝጉባት ዝኾኑ ኣርባዕተ እምነታት ጥራሕ እዮም ኣብዚ ዓመት እዚ ክእከቡ ዝተፈቕደሎም። እዚኣቶም፤ ኦርቶዶክስ ክርስትያን፣ ናይ ምስልምና ኣመንቲን፣ ካቶሊክን፣ ናይ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ማለት ምስ ናይ ሉተራን ዓለማዊ ፈደረሽን ዝሓቁፍ ናይ ፕሮተስታንት ኣብያተ ክርስትያናት ጽላል እያቶም። እቶም ኣባላት ዘይተመዝገቡ እምነታት በብጊዜኡ ብዘይ ኣገባብ ክእሰሩን ክምቑሑን ተራእዮም። ኣባላት ጸጥታ ነዚኣቶም ሓሓንሳብ ክሳብ ሞት ብዘብጽሕ ኣገባብ ምስንባድን፡ ምስቓይን፡ ምእሳርን ምምቛሕን ቀጺሎሞ። እሙናት ምንጭታት ከምዝሓበርዎ ብጥቅምቲ 17፡ 2006 ኣማኑኤል ዓንደገርግሽን፡ ክብሮም ፍረሚኪኤልን ኣብ ናይ ብሕቲ ገዛ ሃይማኖታዊ ቅዳሰ ኣካይድኩም ተባሂሎም ድሕሪ ምእሳሮም ብዝወረዶም ጉድኣትን ናይ ማይ ጽምእን ካብ ዓዲ ዃላ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሞይቶም ክብል ኮምፓስ ዲረክት ዝበሃል ዘይመንግስታዊ ትካል ሓቢሩ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ዘይምዝጉባት እምነታት ኣባላት ኢኹም ተባሂሎም ናይ 2 ዓመት እስራት ዝተፈረዶም ሰለስተ ሰባት ኣለዉ ዝብል ጸብጻብ ኣሎ። ኣባላት ጸጥታ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣንጻር እዚኣቶም ዝኣመሰሉ እምነታት ኣባላት ዝተፈላለየ ናይ መቕጻዕቲ ኣገባባት ጌሮም ኣሳቕዮሞም ይርከቡ። ኣእዳውን ኣእጋርን ቐዚፍካ ምእሳር፣ ኣብ ብርቱዕ ጸሓይ ምስጣሕን፣ ማህረምትን ዝኣመሰሉ ኣገባባት ተጠቒሞም ማለት እዩ። ከምኡውን ብዙሓት እሱራት ምእንቲ ክፍትሑ ንሃይማኖቶም ከም ዝኸሓዱን ከምኡ ዝብል ወረቐት ክፍርሙ ከምዝተገደዱ ተሓቢሩ። እቶም ነዚ ዓይነት ወረቐት ምፍራም ዝኣበዩ ኣዝማዶም ኣብ ክንድኦም ክፍርሙ ከምዝተሓተቱ ይንገር። ኣብዚ ዓመት እዚ ብዙሓት ኣባላት ዘይምዝጉባት እምነታት (ዝበዝሑ ፐንጠቆስጠ) ከምዝተበሳበሱን፡ ከምዝተኣሰሩን ከምዝተሳቐዩን ተሓቢሩ። ገሊኣቶም ንሓጺር እዋን ክእሰሩ እንከለዉ ገለ 2000 ዝኾኑ ግን ክሳብ ናይዚ ዓመት መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝርከቡ ናይ ዘይመንግስታዊ ትካል ኮምፓስ ዲረክት ሓቢሩ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይፈጸሙ ዝበዝሑ ዜጋታት ኣብ ወተሃደራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ እዮም ተእሲሮም። ካብዚኣቶም ብዙሓት ኣባላት ዘይምዝጉባት እምነታት እዮም። ኣብቶም እሱራት ደቀነስትዮን ካህናትን ይርክብዎም። ብርክት ዝበሉ እዚ ሃይማኖት ኣይንኣምነሉን ኢሎም ምስከሓዱ ዝተፈነው ኣለዉ። ብዙሓት ግን ኣይንክሕድን ስለዝበሉ ጌና ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ሲቪላውን ወተሃደራውን ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጉኖም ኣለዉ። ክሳብ ሎሚ ድሃይ ናይቶም ብ2004 ዝተኣሰሩ 13 ኣባላት ናይ ሪማ ቤተ ክርስትያንን ከምኡውን ብግንቦት 2005 ዝተኣስሩ 11 ኣባላት ናይተን ዘይምዝጉባት እምነታት የልቦን። እዚኣቶም ኣብዚ ዓመት መወዳእታ ጌና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከቡ ኣለዉ ዝብል እምነት ኣሎ። ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ መንግስቲ ብኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስያትን በብሰሙኑ ዝዋጻእ ሞባእ ክወስድ ጀሚሩ። እቲ በመንግስቲ ተመዚዙ ዝሰርሕ ኣማሓዳሪ መንግስቲ፡ ነዚ ሞባእ ንካህናትን ንድኻታት መሐገዚ ኣውዒልዎ ክብል መግለጺ ሂቡ። ሃይማኖታውያን ጉጅለታት ኣብ ፖሊቲካዊ ንጥፈታት ንኸይሳተፉ መንግስቲ ኸልኪሉ። ከምኡውን ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣብ ምትግባር ተሓባቢሩ ኣሎ። መንግስቲ ንሃገራዊ ኣግለግሎት ብመሰረት ሃይማኖት ዘይምስታፍ ኣየፍቅድን። ካልእ ንዕዑ ዝትክእ ኣማራጺ ኣየቕርብን። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ መንግስቲ ነቶም ኣብተን ኣርባዕቲአን መንግስቲ ዘፍቕደን እምነታት ዝርከቡ ናይ ኣብያተ ክርስትያን መራሕቲ ወተሃደራዊ ኣግለግሎት ክገብሩ ጸዊዑ። ቅድሚ ሎሚ ካህናትን ኣቕሽሽትን ካብ ወተሃደራውን ሃገራዊ ኣግልግሎትን ነጻ ኔሮም። ብመሰረት ሃይማኖቶም ኣብ ረፈረንደም ዘይተሳተፉን ከምኡውን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይኣምኑ ዉሑዳት ኣባላት ዝርከብዋ ናይ ዮሆዋ መሰኻኽር ተኸተልቲ፡ መንግስቲ ካብ ምህዳንን ምእሳርን ኣየዕረፈን። መንግስቲ ንዝኾነ ሃገራዊ ኣግልግሎት ዝኣብዩ ኣባላት የሳቒ እዩ። ንኣብነት ካብ ኣመንቲ ምስልምና ንዝኣብዩ ሰባት። ንኣባላት ዮሆዋ መሰኻኽር ግን ብፍላይ ዝያዳ ኣቓልቦ ብምሃብ የሳቕዮም። ቅድሚ ሎሚ መንግስቲ ንኣባላት ዮሆዋ መሰኻኽር ካብ መንግስታዊ ስርሓት ሰጉጒዎም። ብዙሓት ካብኣታቶም ካብ ናይ መንግስቲ ገዛውቲ ተስጉጒምን ከምዘይውኑኑ ተጌሩ። ከምእውን ፓስፖርትን መውጽኢ ቪዛ ተኸሊኦምን ነቲ ብሕጊ ዝረኸብዎ ናይ መንነት ወረቐትውን ተሓዲጎምን ተኸሊኦምን። ቤት ጽሕፈት ሕጋዊ ምኽሪ ናይ ዮሆዋ መሰኻኽር ከምዝሕብሮ 27 ኣመንቲ ዮሆዋ ብዘይ ክሲ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ። ብሕጊ ሃገራዊ ኣግልግሎት ንዝኣበየ መቕጻዕቱ 3 ዓመት ክኸውን እንከሎ ሰለስተ ካብዚኣቶም ግን ልዕሊ 11 ዓመት ተኣሲሮም ይርከቡ ኣለዉ። ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣባላት ዮሆዋ መሰኻኽር 12 ኣብ ሳዋ ወተሃደራዊ መዓስከር 1 ድማ ኣብ ማእስርቲ ኣስመራ ኣለዉ ይበሃል። 8 ካብቶም ብ2004 ዝተኣሰሩ 40 ኣባላት ዮሆዋ መሰኻኽር ጌና ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ ኣለዉ። ምክልኻል ሓይሊ ኤርትራ (ወተሃደራዊ) ነቶም ወተሃደራዊ ኣግልግሎት ዝኣበዩ ዜጋታትን ኣባላት ዮሆዋ መሰኻኽር ዝኸፍአ መቕጻዕቲ ከምዝወርደሎም ተሓቢሩ ኣሎ (ክፍሊ 1 ሐ)። ማሕበራዊ ግፍዕን ኣድልዎን ኣባላት ብወግዒ ዘይተፈልጡ እምነታት ብኣሉታ ይርኣዩን ኣድልዎ ኣንጻሮም ይግበር። ገለ ዜጋታት ነዚ ዓይነት ተግባር ይድግፉ። ብፍላይ ኣንጻር ዮሆዋ መሰኻኽርን ጰንጠቖስጠን። ብዝያዳ ነቲ ብ2006 ዝወጸ ኣህጉራዊ ጸብጻብ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ነጻነት ተመልከት። መ. ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ምንቅስቓስን፡ ናብ ወጻኢ ምጋሽን፡ ሃገር ምቕያርን ናብ ሃገር ምምላስ መሰላትን ሕጊን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ኤርትራ ነዘን መሰላት እዚእን ይዕቅብ። ብግብሪ ግን መንግስቲ እገዳታታት ይገበር። ሕጊ፡ ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምድላዮም ክንቀሳቐሱን መንበሪ ገዛ ክቕይሩን ይኽእሉ እዮም ይብል። መንግስቲ ግን ኣብ ገሊኡ ቦታታት ብፍላይ ኣብ ዶብ ናይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምጋሽ ኣጊዱ። ወተሃደራዊ ፖሊስ ካብ ኣገልግሎት ዘምለጡን ካብ ውትህድርና ዝሃደሙን ምእንቲ ክሕዙ ኣብ ከተማ ኣስመራ መንገድታት ይዓጽዉ እዮም (ክፍሊ 1 መ)። መንግስቲ ብወርሒ ጥቅምቲ 2005 ኩለን ናይ ሕቡራት መንግስታት (ሕ.መ.) ሄሊኮፕተራት ኣብ ምድሪ ክቑረና ኣዚዙ። እዚ ነቲ ናይ ሕ. መ. ዓቃብ ሰላም ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን (ዩኒሚ) ወተሃደራት ምብጻሕ ቀረብ፤ጊዜያዊ ናይ ጸጥታ ቦታ ናይ ምምዕዛብን፡ ናይ ዝሓመሙ ሰባት ናይ ምልዓል ዓቕሚ ደሪትዎ። በዚ እገዳ ምኽንያት ብሕዳር 1፡ 2006 ብልቢ ሕማም ዝሞተ ናይ ሕ. መ. ዓቃብ ሰላም ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያን (ዩኒሚ) ወተሃደር ሕማም ዘጋደዶ ኣገዳሲ ሕክምና ምድንጓይ እዩ ይበሃል። ኣብ ወርሒ ሰነ መንግስቲ ነቲ ቅድሚኡ ንወጻእተኛታት ደሪቱ ዝነበረ ናይ ምጉዓዝ ኣገባብ ዝያዳ ኣበርቲዕዎ። ማለት ዲፖሎማሲያውያን ናይ ረዲኤት ማሕበራትን ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰራሕተኛታትን ቱሪስትን ቅድሚ ካብ ከተማ ኣስመራ ምውጽኦም ኣቐዲሞም ፍቓድ ክረኽቡ ኣለዎም ዝብል ንዝነበረ ኣብርቲዑ። ነዚ ክትግበር ምእንቲ ወተሃደራዊ ምቁጽጻርን ደው መበሊ ኣብ መንገዲ ምግራድን ይርአ። እቲ ኣገባብ ኣወሃህባ ፍቓድ ግሉጽ ኣይኮነን። ገሊኦም ወጻእተኛታት ናብ ሓደ ቦታ ፍቓድ ክረኽቡ እንከለዉ ንገሊኦም ግን ናብታ ቦታ እቲኣ ኽኸዱ ምዃኖም እናተፈልጠ ይኽልኡ። ብዙሕ ጊዜ መንግስቲ ናይ መገሺ ፍቓድ ንዝሓተቱ መልሲ ኣይህብን እዩ። ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ኣብታ ሃገር ተረፎም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝዳውብ ኣውራጃ ደቡብ ንኽነብሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ካብ ሃገር ንኽትወጽእ ዜጋ ኹን ወጻእተኛ ናይ መንግስቲ ፍቓድ የድልየካ። ናይ ወጻኢ ዜጋታት ካብቲ ሃገር ንኽወጽኡ ክሳብ 2 ኣዋርሕ ዝተጸበዩን ወይውን መጀመርታ ተዋሂቦም ከብቕዑ ድሓር ናይ መውጽኢ ፍቓድ (ቪዛ) ዝተነፍጎም ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ብቐጻሊ መውጽኢ ፍቓድ (ቪዛ) ዝኽልኡ ሰባት፣ ትሕቲ 50 ዝዕድሚኦም ደቀ ተባዕትዮ፣ ካብ 18-27 ዝዕድሚአን ደቀነስትዮ፣ ኣባላት ናይ ዮሆዋ መሰኻኽር (ክፍሊ 2 ሐ)ን ካልኦት ኣንጻር መንግስቲ ዝበሃሉን ወይከኣ መንግስቲ ዘይትደልዮም ሰባትን የጠቓልል። ኣብዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘማልአን ዘይማልአን ኩሉ ሓደ እዩ ዝኽላእ። ኣብዚ ዓመት እዚ መንግስቲ ብፍላይ ካብ 11 ንላዕሊ ንዝዕድሚኦም ቆልዑ ፍቓድ ክኸልእ ጀሚሩ። መንግስቲ ንቆልዑ ገሊኦም ንኣሽቱ ደቂ 5 ዓመት ዝኾኑ ፍቓድ ዝኸልኦም ኣለዉ። እቲ ምኽኒት ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኸማልኡ ቐሪቦም ወይ ከኣ እቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ወለዶም ኩሉ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ዜጋ ክኸፍሎ ዘለዎ 2% ናይ እቶቶም ኣይከፈሉን ዝብሉን እዮም። ገለኦም $6,000 (100,000 ናቕፋ) ዝኸውን ምስኣትሓዙ መውጽኢ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣለዉ። ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ምልኣኽ ወይ ምስዳድ ዝምልከት ሕጊ የብሉን። እቲ መንግስቲ ነዚውን ኣይተጠቐመሉን። ብሓፈሻኡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ መሰል ኣለዎም። እንተኾነ ግን መንግስታዊ ኣግልግሎት ንኽረኽቡ 2% ናይ እቶቶም ንመንግስቲ ከምዝኸፈሉ መረድኢ ከቕርቡ ኣለዎም። ሓደ ካብቲ ኣገልግሎታት ናይ መውጽኢ ፍቓድ (ቪዛ) እዩ። ኻልእ ሓደ ብሓደ ዝርኣዩ ናይ ምምላስ ሕቶታት ኣለዉ። እዚኣቶም ኣብ ወጻኢ እናነበሩ ገበን ዝፈጸሙ፡ ኣስጋኢ ዝኾነ ተላጋቢ ሓማም ዝሓመሙ፡ ወይ ከኣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ፖሊቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ዝተነጽጉ የጠቓልል። ኣብዚ ዓመት እዚ ምስ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ብምትሕብባር 988 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ኢትዮጵያ ከምዝምለሱ ተጌሩ። ጉዳይ ናይ ኣብ ውሽጢ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ምስ ኢትዮጵያ ብዝተፈጸመ ውግእን ኲናትን ካብ ዓድታቶም ዝተመዛበሉ ገለ 20,000 ዝኾኑ ዜጋታት ካልእ ናይ መንበሪ ቦታ ተዋሂብዎም ይርከቡ። ኣብ መውዳእታ ናይዚ ዓመት ገለ 22,000 ዝኾኑ ኣብ ደቡብን ጋሽ ባርካን ዝርከብ 7 መዓስከራት ይነብሩ ኣለዉ። እቲ መነባብሮኦም መሰረታዊ ነገራት ጥራሕ ዘማለአ እኳ እንተኾነ ብቑዕ እዩ። ካብቲ መዓስከር ወጺኦም ዝነብሩ ዜጋታት እውን ኣለዉ። ምስኡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ሕ.መ.) ነዚኦም ዝተመዛበሉ ሓገዝ ክገብሩ ብመንግስቲ ተፈቒዱ። እንተኾነ ግን ኣብዚ ዓመት መወዳእታ ዘይተመልሳ 45 ናይ ሕ.መ. ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት መኻይን መንግስቲ ወሲዱ። ናይዚኣተን ምውሳድ ነቲ ሕ.መ. ዘይካይዶ ንኣሽቱ መደባት ናይ ምክትታል ዓቕሙ ደሪትዎ ይርከብ። ንስደተኛታት ምዕቃብ ሕጊን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ኤርትራ ስደተኛ ናይ ምቕባልን ዑቕባ ናይ ምሕታት ኣገባብ ኣይጠቕስን። እዚ ኣብ ናይ 1951 ሕ.መ. ጉባኤ ብዛዕባ ስደተኛነትን ብ1967 ዝወጸ ኣሰራርሓ ኣገባብን እዩ መበቆሉ። መንግስቲ ድማ ንስደተኛ መከላኸሊ ዝኸውን ትካል ጌና ኣይሰረተን። ስለዚ መንግስቲ ሕጋዊ ዑቕባ ወይ ዑቕባዊ መንነት ክህብ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ግብሪ ግን መንግስቲ ገለ ምክልኻልሲ ጌሩ፤ ማለት ነቶም ካብ ሃገሮም ብሰንኪ ፍርሕን ስክፍታን ዘምለጡ ስደኛታት ካብ ምምላስ ተኸላኺሉ። ስለዚ ገለ 4,000 ዝኾኑ ሰባት ካብ ሱዳንን ሶማልን ከከም ምምጽእኦም ተቐቢሉ። ከምኡውን ንገለ 19 ዝኾኑ ካብ ውትህድርና ዘምለጡ ኢትዮጵያውያን ናይ መንበሪ ፍቓድ ሂቡ። ካልኦት 100 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ናይ ሕ.መ. ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ዑቕባ ሓቲቶም ጌና መልሲ ኣይተዋህቦምን ኣሎ። 20 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ናብ ካልእ (ሳልሰይቲ) ሃገር ንክነብሩ በታ ሃገር ተፈቒዱሎም ክነሱ ናይ መውጽኢ ፍቓድ ካብ ኤርትራ ተኸሊኦም ይርከቡ። መንግስቲ ብሕ.መ. ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ዝግበር ንካብ ኢትዮጵያ ዘይኮኑ ስደተኛታት ዝግበር ሓገዝ ይተሓባበር እዩ። ኣብ ኤሊት ዝበሃል ኣብ ምዕራብ ዝርከብ መዓስከር 720 ሱዳናውያን ኔሮም። ከምኡውን ኣብ ጥቓ ምጽዋዕ፡ ኡምኩሉ ዝበሃል መዓስከር 3,780 ሶማላውያን ስደተኛታት ኔሮም። ገለ 30,000 ዝኾኑ በጃ ሱዳናውያንን፡ 600 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጋሽ ባርካ ኣለዉ። ናይ ሕ.መ. ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ነዚኦም ክረኽቦምን ሓላፍነት ክስከመሎምን ኣይክእልን እዩ። ብ2005 ናይ ሕ.መ. ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኣብ ከተማታት ንገለ 100 ጉዳይ ዘለዎም ስደተኛታት ኣማሓዲሩ። ኣብዚ ዓመት ግን 1,900 ጌና ጉዳዮም ዘይተፈጸመ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማታት ኣመሓዲሩ። ከምኡውን መንግስቲ መሳለጢ ገንዘብ ተቐቢሉ መንበሪ ፍቓድ ክህቦም እንከሎ ነዚኦም ኢትዮጵያውያን ናይ መውጽኢ ፍቓድ ግን ከለኪሉዎም። ነዚ መሳለጢ ገንዘብ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ኢትዮጵያውያን ብሕጊ ናይ ምስራሕ መሰልውን የብሎምን። ነዚ ዓመታዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ መሳለጢ ምኽፋል ስለዝሰኣኑ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ከፊሉ ክሕግዞም ዝነበሮ ፕሮግራም መንግስቲ ኸልኪሉ። ናይ ሕ.መ. ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ምምላስ ስደተኛታት ካብ ሱዳን ብ2004 ተወዲኡ ይብል። እንተኾነ ግን ብወለንትኦም 18 ስደተኛታት ናብ ሃገር ተመሊሶም። ብዙሓት ናይ ኦሮሞ ተወለድቲ ዝኾኑ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ሰባት፡ ናይ ሕ.መ. ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገር ከሰጋግሮም ዘለዎ መደብ መንግስቲ ከልኪሉ ይርከብ (ክፍሊ 2 ሀ)። ኣብዚ ዓመት እዚ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል 988 ኢትዮጵያውያንን ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ፡ 83 ኤርትራውያን ድማ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ መሊሱ። ክፍሊ 3፡ ክብረት ፖለቲካዊ መሰልን፡ ብዛዕባ ዜጋታት መንግስቶም ናይ ምቕያር ዘለዎም መሰልን ሕጊን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ኤርትራ ዜጋታት መንግስቶም ብሰላም ንኽቕይሩ ዘለዎም መሰል የኽብር። እንተኾነ ግን ዜጋታት ነዚ መሰሎም ንኸተግብሩ ኣይከኣሉን። ምርጫን ፖሊቲካዊ ተሳትፍነትን መንግስቲ ብ1993 ብዝተኻየደ ህዝባዊ ረፈረንደም እዩ ስልጣን ሒዙ። ህዝቢ ንነጻነት ካብ ኢትዮጵያን ብህ.ግ.ደ.ፍ. ዝቖመ ጌዜያዊ መንግስቲ ክካየድ መሪጹ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ግን ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ክቐውም ኣይፈቐደን። እቲ ብ1997 ንኽግበር ዝተመደበ ሃገራዊ ምርጫውን ኣይተኻየደን። እቲ ሓደ ዝፍቀድ ሰልፊ ህ.ግ.ደ.ፍ. እዩ። መንግስቲ ኣባልነት ኣብ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብሓይሊ ይጸቕጠሉ እዩ (ክፍሊ 1 ሸ)። ኣብ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ላዕለዋይ ወሳኒ ኣካል 19 ኣባላት ኣለዉ ካብ ኣቶም 3 ደቀንስትዮ ኢየን። ኣብ ማእከላይ ኮሚቲውን 11 ካብቶም 75 ደቀነስትዮ እየን። ደቀነስትዮ ኣብ ናይ ቅዋም ኮሚሽን ተሳቲፈን። ፍርቂ ናይቲ 50 ዝቑጽሩ ኮሚቲ ደቀነስትዮ ነበራኦ። ደቀነስትዮ ኣብ ዝተፈላለየ መንግስታዊ ቦታታት ብሓላፍነት ኣገልጊለን እየን። ንኣብነት ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒን፡ ቱሪዝምን፡ እዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ተሳቲፈን። ኣብቲ 19 ዝርከብዎ ላዕለዋይ ወሳኒ ኣካል ህ.ግ.ደ.ፍ.ን፡ 75 ዝኣባላቱ ማእከላይ ኮሚቲን ወይውን ኣብ ናይ ቅዋም ኮሚሽን ተሳታፍነት ናይቶም ንኡሳን ብሄራት ዝምልከት ሓበሬታ የልቦን። ናይ መንግስቲ ብልሽውናን ግሉጽነትን ብስድራ ቤታዊ ርክባት ኣቢሉ ንእስ ዝበለ ብልሽውና ኣብ ፈጻሚ ኣካል ተራእዩ ዝብሉ ጸብጻባት ኣለዉ። ካልእ ዘይተረጋገጸ ጸብጻባት ብዛዕባ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ወተሃደራት ዝካየድ ዘይሕጋዊ ንግድን ናይ ገዛውቲ ምዝማትን ኣሎ። ከምኡውን ናይ መውጽኢ ፍቓድ ወይ ፓስፖርት ክረኽቡ ምእንቲ ጉቦ ዝኸፈሉ ኣለዉ ዝብል ጸብጻብ ኣሎ። ሕጊን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ኤርትራ መንግስታዊ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ሕልዉ እንከሎ ብግብሪ ግን መንግስቲ ንዜጋታት ይኹን ንዘይዜጋታት ናይ ወጻኢ መራኸቢ ሓበሬታ ኣይሃበን። ንቑጠባ ብዝምልከት ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጠባይ ኣብኡውን የንጸባርቕ እዩ። መንግስቲ ወይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንዝበዝሕ ዓበይቲ ኢንዱስትርያዊ ትካላት ሃገር ይውንን። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብሕታውያን ትካላት ናብ ህ.ግ.ደ.ፍ. ወይ ናብ መንግስቲ ከምዝኣትዋ ወይ ብመንግስቲ ከምዝመሓደራ ጌሩ እዩ። ክፍሊ 4፡ መንግስቲ ንሓንቲ ኣብቲ ሃገር ዝመቦቖላ ዘይመንግስታዊት ትካል፡ ዜጋታት ንሰላም (ሲፒኢ) ክትሰርሕ ፈቒዱላ። እዚኣ ዝበዝሕ ጊዜ ናይዚ ዓመት እዚ ብዘይ ምስራሕ ኣሕሊፋቶ። መንግስቲ ንሓንቲ ኣህጉራዊት ትካል - ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል - ኣብ ሃገር ክትሰርሕ ፈቒዱ። እንተኾነ ግን ናይ ስደተኛታት ምምላስ ስራሕ፡ ነቶም ብግምት 1,000 ዝኾኑ ብምኽንያት ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ዝተመዛበሉ ሰባት ናይ ምጽላል ፕሮግራም (ክፍሊ 2 መ)፡ ኢትዮጵያውያን እሱራትን ዘለውዎ ኣብያተ ማእሰርትን ምብጻሕን፡ (ክፍሊ 1 ሐ)፡ ከምኡውን ነቶም 50,000 ዝኾኑ ብናይ ማይ ምዃዓት፡ ናይ ጥዕና ትካላት ምህናጽን ናይ ገዛውቲ ዝኣመሰሉ ስራሓት ብመንግስቲ ብዙሕ ምድራት ኣውሪዱሉ። ኩለን ዘይመንግስታዊ ትካላት ስራሓተን እንታይ ምዃኑ ብዘይገድስ ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ክምዝገባ ኣለወን። ብወርሒ ግንቦት 2005 ዝወጸ ትእዛዝ፡ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት እንተድኣ ስራሓተን ክቕጽላ ደልየን ኣብ መንግስቲ ክምዝገባ ኣለወን ይብል። ከምኡውን ኣህጉራዊ ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣብ ሓደ ናይ ሃገር ባንክ ክልተ ሚልዮን ዶላር ከቐምጣ ይሓትት። ብዙሓት ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ትካላትን ነዚ ብመንግስቲ ዝመጸ ኣገባብ መስርሕ መሰረት ፍቓድ ክረኽባ ስለዘይከኣላ ነቲ ሃገር ገዲፈን ክወጻ ተኣዚዘን። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመትዚ 11 ምዝጉባት ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ኣለዋ። ኣብዚ ዓመት እዚ መንግስቲ ንሓሙሽተ፡ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ክወጻ ኣዚዙ። ንሳተን እውን ስራሓውተን ዓጽየን ወጺአን። እዚኣተን መሪሲ ኮር፣ ኣኮርድ፣ ሳማሪታን ፐርስ፣ ኣይ ኣር ሲ (ኢንተርናሽናል ረስክዩ ኮሚቲ)ን፣ ኮንሰርን እየን። ኣይ ኣር ሲን ሳማርቲያን ፐርስ መደበረን ኣብ ኣስመራ ኾይኑ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ግን ብዝሕ ዝበለ ስራሓት የካይዳ ኔረን። ድሕሪቲ ኣብ መስከረም ዝተገብረ ስምምዕ መንግስቲ ሱዳንን ምብራቓዊ ግንባርን እቲ መንግስቲ ኣይ ኣር ሲን ሳማርቲያን ፐርስን ስራሓተን ካብ ኤርትራ ከካይዳ ግድነት ኣይኮነን ዝብል መርገጺ ወሲዱ። እዚ ግን ኣይ ኣር ሲ ኣብ ኤርትራ እውን ስራሓት ከምዘለዎ እናፈለጠ እንከሎ ዝተወሰደ ስጉምቲ እዩ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ኣይ ኣር ሲን፣ ሳማርቲያን ፐርስን ኣብ ኤርትራ ስራሓት የብለንን። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ረድኤት ማሕበራት ዘለዎ ፖሊሲ ለውጢ ከምዝገበረ ሓቢሩ። እዚ ዝኾነ ናይ መግቢ ሓገዝ - ብገንዘብ ንስራሕ - ፕሮግራም ጥራሕ ክካየድ ኣዚዙ። ኣብዚ ጊዜ እዚ መንግስቲ ነቲ ብዓለማዊ ናይ መግቢ ፕሮግራም (WFP)ን ካልኦትን ዝተመጸወተ ልዕሊ 80,000 መትሪክ ቶን ዝኸውን መግቢ ናብ ናቱ ፕሮግራማት ወሲድዎ። ናይ ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ዓለማዊ ናይ መግቢ ፕሮግራም ሰባት ኣብቲ ናይ መግቢ ግምጃ ቤት ንኸይኣትዉ ኸልኪልዎም። ኣብኡ ዝነበረ ዝተጠቕሰ መግቢ ድሕሪ ቑሩብ እዋን ኣብ ዕዳጋ ተራእዩ። ኣብዚ ዓመት መወዳእታ መንግስቲ ነዘን ዝወሰደን 80,000 መትሪክ ቶን መግቢ ብግሉጽ ኣገባብ ንዋላሓደ፡ ንዓለማዊ ናይ መግቢ ፕሮግራም ከይተረፈ ከመይ ጌሩ ከምዘማስሖ ጸብጻብ ኣይሃበን። እዚ ዓመት እናተወድአ እናኸደ እንከሎ ኩነታት መግቢ፡ ሓፈሻዊ መግቢ ዕደላ ተሪፉ፡ ኩሉ ናይ መግቢ ረድኤት ብመንግስቲ ዝካየድ ብገንዘብ ንስራሕ ናይ እኽሊ ፕሮግራማት ጥራሕ ኮይኑ፡ ውልቀሰባት ኣብ መዓልቲ ካብ ሓደ ቅርሺ ኣሜሪካ ንታሕቲ ይወሃቦም ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ሕ. መ. ናይ ህጻናት ትካል (ዩኒሰፍ) ዘካይዶ ናይ ተወሳኺ መግቢ ፕሮግራም ክቕጽል እኳ እንተኣፍቀደ፣ ሓፈሻዊ መግቢ ዕደላ ብዘይመንግስታዊ ማሕበራት ይኹን ብዓለማዊ ናይ መግቢ ፕሮግራም ክካየድ ኣይፈቅድን እዩ። ናይ ተወሳኺ መግቢን ሆስፒታላዊ መግቢ ዕደላ ናይ ሕ. መ. ናይ ህጻናት ትካል (ዩኒሰፍ) ኣብ ትሕቲ ናይ ጥዕና ሚኒስትሪ ከም ዝካየድ ኾይኑ። ነተን ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ናይ ሕ.መ. ኣባላት ናይ መገሺ ፍቓድ ከምዘድልዮም ስለዝገበረ ብግብሪ ናብ ገጠራት ኤርትራ ዝገብሩዎ ንጥፈታት ብሙሉኡ ተቖጻጺርዎ። ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ መግቢ ፕሮግራም ኣብ እንታይ ከምዝበጸሐ ዝተረኸበ ሓበሬታ የልቦን (ክፍሊ 2 መ)። ክፍሊ 5፡ ኣድልዎን ማሕበራዊ ግፍዕን ብደቅ ሰብ ምሽቃጥን ሕጊን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ኤርትራ ኣንጻር ደቀነስትዮን ስንኩላንን ኣድልዎ ከይግበር ይኽልክል። መንግስቲ ነዚ ዓንቀጽ ብሓፈሻኡ የኽብሮ እዩ። እንተኾነ ግን ኣንጻር ደቀነስትዮን ኣንጻር ንኡሳን ብሄራት ዝካየድ ኣድልዎስ ብቐጻሊ ይረአ። ደቀነስትዮ ኣብ ልዕሊ ደቀነስትዮ ዝወርድ ኣካላዊ ረጽሚ ኣብ ኩሉ ሕብረተ ሰብ ገኒኑ ይርከብ። ኣብ ውሽጢ ምርዕዋት (ሰብ ሓዳር) ገዛ ክወርድ ዝኽእል ረጽሚ ዘይሕጋዊ እዩ። እንተኾነ ግን ደቀነስትዮ ብሰብኡተን ዝህረማሉ ረጽሚ ብዙሕ ይረአ። ማሕበራዊ ጸቕጢ ስለዘሎ ደቀነስትዮ ኣብ ውሽጢ ገዛ ንዝርከብ ረጽሚ ብወግዒ ክዛረባሉ ኣይኽእላን እየን። ሕጊ ነዚ ተግባር እዚኳ እንተኸልከለ፡ መንግስቲ ግን ንትግባረኡ ብዙሕ ጻዕሪ ኣይገበረን። ከምዚ ተግባር ክረከብ እንከሎ ኣብ መንጎ ስድራ ወይ ብሃይማኖታዊ ኣካል ይሽምገል። መንግስታዊ ብድሆ ኣንጻር እዚ ተግባር እዚ ብዋሕዲ ገንዘብን፡ እኹል ኣስተምህሮ ብዘይምህላውን፡ ብማሕበራዊ ጸቕጥታትን ተደሪቱ ይርከብ። ብሓይሊ ምዕማጽ ገበን እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ውሽጢ ምርዕው ክሊ ዝግበር ዓመጽ ዘይሕጋውነቱ ንጹር ኣይኮነን። ብዛዕባ ዓመጽ ፍሉጥ ዝኾነ ጸብጻብ ኣብ ውሽጢ ሃገር የልቦን። መንግስቲ ናብኡ ንዝተገብረ ናይ ዓመጽ ኣቤቱታ እቲ ዓማጻይ ንዝዓመጻ ክምርዓዋ ይደፍኣሉ። ምግራዝ ኣብ ኩሉ ዝርጉሕ እዩ። ብግምት 89% ናይ ኣዋልድ ይግረዛ ዝብል ኣቆጽጽራ ኣሎ። እዚ ባህሊ ኣብ ዳርጋ ኩለን ብሄራትን እምነታትውያን ጉጅለታትን ይርከብ። እዚ ዘይሕጋዊ ኣይኮነን። እንተኾነ መንግስቲ ነዚ ተግባር እዚ ይቃለስ። መንግስትን ሃገራዊ ማሕበር ደቀነስትዮ ኤርትራን (ሃ.ማ.ደ.ኤ) ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን (ሃ.መ.መ.ት.ኤ) ነዚ ባህሊ ንምቅዋም ፕሮግራማት ይገብሩን ነቲ ባህሊ ንኸይስፍሕፋሕ ይጽዕሩ እዮም። ምንዝርና ዘይሕጋዊ እዩ። እንተኾነ ግን ቐጻሊ ሽግር ኮይኑ ይርከብ። እቶም ለይቲ ለይቲ ዝሕልዉ ኣባላት ጸጥታ ነተን ምስ ወጻእተኛታት ዝሓድራ ኣመንዝራታት ብለይቲ እናተኸታተሉ ይኣስርወን። ጾታዊ ጸቕጢ ምግባር ዘይሕጋዊ እዩ። እንተኾነ ግን ደቀነስትዮ እዚ ምስዘጋጥመን ብባህሊ ተቐባልነት ስለዘይብሉ ኣይነግራሉን እየን። ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ሕጋዊ ኣካል ዝበጸሐ ጥርዓን የልቦን። ደቀነስትዮ ማዕረ ዕድል ኣብ ትምህርቲ፡ ማዕረ ክፍሊት ደሞዝ ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ፡ ማዕረ ዋነነት ንብረት ብሕጊ መሰለን እዩ። ኣብ ግብሪ ግን ደቀተባዕትዮ ዝያዳ ልዕልና - ብፍላይ ኣብ ገጠራት - ኣብ ትምህርቲ፣ ስራሕ፣ ዋንነት ቁጠባዊ ሃብቲ፣ ኣለዎም። ብሓፈሽኡ ደቀነስትዮ ምስ ደቀተባዕትዮ ማዕረ ዝኾነ ማሕበራዊ ናብራ የብለንን። ዕድሚአን ካብ 18 ስጋብ 27 ዝኾና ደቀነስትዮ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፋ ብሕጊ ይግደዳ (ክፍሊ 6 ሐ)። ኣብዚ ዓመት እዚ መንግስቲ ካብ ኣገለግሎት ንዝሃደማን ዘይተመዝገባን ደቀነስትዮ ምእሳር ቀጺሉዎ። ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ገለ ደቅነስትዮ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስተዓስከራ ጾታዊ ጸቕጥን ማህሰይትን ይወርደን እዩ። ህጻናት ብሓፈሽኡ መንግስቲ ንመሰል ህጻናትን መነባብሮኦምን ክሕሉ እንተተማባጽዐ፡ ኣብ ፕሮግራማቱ ሕጽረት ናውቲ የጥቕዖ። ብዛዕባ መሰልን መነባብሮ ህጻናት ዝምልከቶ ኣካል ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ጉዳይ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ጉዳይ ዝርከብ ናይ ህጻናት ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ክንክን ህጻናት፡ ማዕዳን፡ ክትትልን የካይድ እዩ። ትምህርቲ ክሳብ ሻቡዓይ ክፍሊ ግድነትን ነጻን እዩ። እንተኾነ ግን ካብ ናይ ትምህርቲ ዋጋ ንላዕሊ እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ክዳን፣ ናይ ትምህርቲ መሳርሒ (ርሳስ፡ ወረቐት ወ.ዘ.ተ.) ካብ ስድራ ስለዝኾነ ንብዙሓት ይኸብሮም። ካብ ሻቡዓይ ክፍሊ ንላዕሊ ቁሩብ ክፍሊት ኣለዎ ግን ግድነታዊ ኣይኮነን። ሕጽረት መማህራንን፣ ናይ ቦታን ሽግር ኣሎ። ነዚ ተመሃሮ ኣብ ክልተ ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን ብምምቓል ገለ ፍታሕ ይርከበሉ ኣሎ። ጸብጻባት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ትምህርቲ ዝተመዝገቡ ቆልዑ ኣብ 2003-4 ብግምት 43% ይኾኑ። ኣብ 2003 ናይ መባእታዊ (ካብ ሓደ ክሳብ ሓሙሽተ) ምዝገባ 71.7% ኔሩ። ኣብ ናይ 2003-4 ዓመት ሚኒስትሪ ትምህርቲ 374,997 ተመሃሮ ኣብ መባእታዊ፡ 122,966 ድማ ኣብ ማእከላይ ትምህርቲ ተመዝጊቦም ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ንማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ (ካብ ሻዱሻይ ስጋብ ሻቡዓይ)፡ ምዝገባ 44.87% ኔሩ። ብ2001፡ 86% ካብቶም ንመባእታዊ ዝተመዝገቡ ተመሃሮ ስጋብ ሓሙሻይ ናይ ምብጻሕ ዕድል ኔሩዎም። ካብቲ ሙሉእ ህዝቢ 75% መሃይም እዩ። ኣብ ገጠራት ንኣሽቱ ኣዋልድ ኣብ ቤት ንኽሰርሓ ምእንቲ ቀልጢፈን ትምህርቲ ይገድፋ። ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝውደኡሉ ናይ መወዳእታ ዓመት ጥቓ እቲ ኣብ ምዕራብ ዝርከብ ሳዋ መዓስከር ቦታ ተዳልዩ ኣብኡ ክምረቑ መንግስቲ ኣዚዙ። ኣብዚ ዘይከዱ ተመሃሮ ኣይምረቑን እዮም። ከምኡውን ዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኽረኽቡ ዘድሊ መርመራ ክገብሩ ኣይክእሉን እዮም። ብባህልን ማሕበራዊ ሓልዮትን ዝኣክል ብዙሓት ደቀነስትዮ ተመሃሮ ናብዚ ኣዝዩ ርሑቕ ዝኾነ ቦታ ኣይከዳን። እንተኾነ ግን ሃገራዊ ኣገልግሎተን እንተድኣ ኣማሊአን ደቀነስትዮ ብናይ ምሽት ትምህርቲ ክምረቓ ይኽእላ። 11 ክፍሊ ወዲኦም ሳዋ ምእንቲ ኸይከዱ ክፍሊ ዝደግሙ ብዙሓት ተመሃሮ ኣለዉ። ኣብ ቀውዒ ናይዚ ዓመት ወተሃደራት ናይዞም ተመሃሮ እዚኣቶም ግፋ ኣብ ከተማ ከረን ኣካይዶም ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረ ኣሎ። ኣብ ጥቓ ኣስመራ ዝርከብ ናይ ማይ ነፍሒ ናይ ተክኒክ ቤት ትምህርቲ ብመንግስቲ ይካየድ። ኣብዚ እቶም ኣብ መርመራ ዝለዓለ ነጥቢ ዘምጽኡ ተመሃሮ ይኣትዉ። ኣብ ማይ ነፍሒ ስነ ፍልጠትን ንግድን ተክኖሎጂን ዝኣመሰሉ ኣስተምህሮ ይወሃብ። ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ተመሃሮ ኣይተቐበለን (ክፍሊ 2 ሀ)። መንግስቲ ንህጻናት ሕክምና ኣይገበረን እዩ። ብብዝሒ ግን ክትባት ኣዘውቲሩ። ንህጻናት ምህሳይ ዘይሕጋዊ ኣይኮነን። ግን እዚ ተግባር ልሙድ ኣይኮነን። ምግራዝ ኣብ 89% ናይ ንኣሽቱ ኣዋልድ ተተግቢሩ ይርከብ (ክፍሊ 5, ደቀነስትዮ)። ንደቀተባዕትዮን ንደቀንስትዮን ዝነኣሰ መመርዓዊ ሕጋዊ ዕድመ 18 እዩ። ገለ ገለ ሃይማኖታውያን ካብዚ ንዝነኣሰ ዕድመ ክባርኻ ይኽእላ። ሕ. መ. ናይ ህጻናት ትካል (ዩኒሰፍ) ኣብ ምዕራብን ጎላጉል ባሕርን ናይ ህጻናት መርዓ ተጌሩ ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪቡ ኣሎ። ብ2002 ዝወጸ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ዕድሚአን ካብ 15 ክሳብ 19 ዝኾና ደቀነስትዮ ቁጽሪ 28.2 ካብ ሚእቲ ምርዕዋት እየን። 1.5 ሚእታዊ ናይቶም ዕድሚኦም ካብ 15 ክሳብ 19 ዝኾኑ ደቅተባዕትዮ ምርዕዋት እዮም። ኣብ ውሽጢ ናይ ትግርኛን ትግረን ብሄረ ሰባት ትሕቲ ዕድመ መርዓ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ብሕጊ ምንዝርና ብህጻናትን ፖርኖግራፊን ጾታዊ ብዕልግናን ሸቐጥን ገበን እዩ። ገለ ህጻናት ግን ኣብዚ ይሳተፉ እዮም። ብደቅ ሰብ ምሽቃጥ ሕጊ ናይ ዘይተተግበረ ቅዋም ብደቅ ሰብ ምሽቃጥ ዘይሕጋዊ ይገብር። ናብ ወጻኢ ሃገር ምስዳድን ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ደቅ ሰብ ምሽቃጥ ኣይተራእየን። ኣካለ ስንኩላን ሕጊ ናይቲ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ኤርትራ ኣንጻር ኣካለ ስንኩላን ኣድልዎ ኣየፍቅድን እዩ። እዚ ኣብ ስራሕ፡ ትምህርታዊ ዕድል፡ ወይ ካልእ ብመንግስቲ ዝወሃብ ኣገልግሎትን ይምልከት። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣድልዎ ኣብ ግብሪ ኣይተራእየን። ብሰንኪ ኲናት ንነጻነት ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝሰንከሉ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ደቀነስትዮን ደቅተባዕትዮን ንምእላይ መንግስቲ ብዙሕ ንዋትን ጊዜን ናይ ሰብ ሓይልን ኣጥፊኡ እዩ። ብዙሓት ሓደስቲ ገዛውትን ናይ ሓባር መንግድታት ንኣካለ ስንኩላን ዝኸውን መሕለፍታት ኣለዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ናይ ሓባር ቦታታት ንኣካለ ስንኩላን ዝኸውን መሕለፍታት ብሕጊ ክትግበሩ ዝብል ዓንቀጽ የልቦን። ንኡሳን ደቂ ሃገርን ብሄራትን ዓሌታትን (minorities) መንግስታዊ ኣድልዎ ኣንጻር ብሄረ ኩናማ ይገብር እዩ ዝብል ጸብጻብ ኣሎ። ብሄረ ኩናማ ሓደ ካብቶም ትሽዓተ ብሄራት ኮይኖም ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ይነብሩ። ካልእ ማሕበራዊ ኣድልዎን ዘይሰብኣዊ ግፍዕታትን ግብረ ሰዶም (ሆሞሸክስዋሊቲ) ምዝውታር ዘይሕጋዊ እዩ። ኣብዚ ዝካፈሉ ሰባት ኣዝዩ ሕማቕ ማሕበራዊ ኣድልዎ ይወርዶም። ክፍሊ 6፡ መሰል ሰራሕተኛታት ሕጊ ንሰራሕተኛታት ናይ ምእካብ መሰሎም ይሕልወሎም። ከምኡውን ንጥቕሞም ዝጣበቓ ማሕበራት ክገብሩ እውን የፍቅድ። እንተኾነ መንግስቲ ንገለ ገለ ምትእኽኻብን ማሕበራትን ኣየፍቅድን እዩ። እዚ ማለት ኣብ ውሽጢ ሲቪላዊ ኣገልግሎት፣ ወተሃደራት፣ ፖሊስን ካልኦት ኣገደስቲ ኣገልግሎት ወሃብቲ ማሕበራት ኣየፍቅድን። ካብ 20 ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ማሕበር ክምስርቱ እንተድኣ ደልዮም ካብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ጉዳያት ፍሉይ ፍቓድ ክረኽቡ ኣለዎም። ኣብዚ ዓመት እዚ መንግስቲ ማሕበራት ንምቛም ተቓወሞ ኣይገበረን፣ እንተኾነ ግን መንግስቲ ንዝኾነ ማሕበራት ክቐውም ኣየፍቅድን እዩ። ኩለን ማሕበራት ማለት ናይ መማህራን ማሕበር፣ ናይ ደቀነስዮ ማሕበር፣ ናይ መንእሰያት ማሕበርን ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር ብመንግስቲ እየን ዝካየዳ። ኣብዘን ማሕበራት እዚኣተን ኣባልነት ግድነት እዩ። ምኽንያቱ ዝበዝሕ ስራሕ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ እዩ ዝርከብ። ስለዝኾነ ድማ ኣንጻር እዚአን ማሕበራት ኣድልዎ ኣየጋጥምን እዩ። መንግስቲ ብብሕቲ ዝውነኑ ቤት ንግድን ካልኦት ነጻ ዝኾኑ ትካላት ዝርከብዎ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበራት ከቑሙ ኣየተባብዕን እዩ። መራሕቲ ማሕበር ዝበዝሕ ጊዜ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ኮይኖም፡ እቲ ናይ ማሕበር ስርሓቶም እውን ብመንግስቲ ዝተደገፈ እዩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2005 ሰለስተ መራሕቲ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበራት ብዘይ ክሲ ናብ ብኣባላት ጸጥታ ዝካየድ ምስጢራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ተወሲዶም። ለ፡ ብሓባር ማሕበራት ናይ ምቛምን ንሰራሕተኛታት ምጥባቕ መሰልን ማሕበራት ብዘይ ናይ መንግስቲ ኢድ ምትትእትታው ስራሓተን ከካይዳ ሕጊ የፍቅድ። እንተኾነ ግን ናይ ምክልኻል (ወተሃደራዊ)ን ፖሊስን፡ ካልኣት ኣገደስቲ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ዝሰርሑ ኣብ ማሕበራት ኣይሳተፉን እዮም። መንግስቲ ነዞም ሰራሕተኛታት ዝህቦ ደሞዝ ብዘይ ግሉጽነት የካይዶ። ኣብቲ ንኡስ ዝኾነ ብሕታዊ ኣካል ደሞዝ ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ ይካየድ። ብሕጊ ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ጠጠው ምባልን ምዝሓልን መሰል ኣለዎም። ብግብሪ ግን ኣይሰርሑሉን እዮም። ናይ ውሽጥን ናይ ወጻኢ ርእሰማል ኣብ ሃገር ምእንቲ ክረክብ መንግስቲ ብወርሒ ጥሪ ነጻ ዞባታት ኣዊጁ። ሐ፡ ምኽልካል ጊልያነትን ወይ ብግዲ ምዕሳብ ጊልያነትን ብግዲ ምዕሳብ ሕጊ ኣየፍቅድን። ንዓበይትን ህጻናትን ይምልከት። እንተኾነ እዚ ተግባር ኣብዚ ዓመት እዚ ተራእዩ ዝብል ዘይተረጋገጸ ሓቤሬታ ኣሎ። መንግስቲ ንኩሎም ካብ 18 ክሳብ 45 ዝዕድሚኦም ደቅተባዕትዮን ካብ 18 ክሳብ 27 ዝዕድሚአን ደቀንስትዮን ኣብ ወተሃደራውን በርገሳውን ዘዋፍር ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳታፉ ይግድድ። እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት እዩ ዝብል ናይ ገለ ዜጋታት ርእይቶ ኣሎ። ማለት ኣብ ኣገልግሎት ኣቲኻ ምጽናሕ ድኣምበር መረፈቲ ዘይብሉ ማለት እዩ። ገለ ሰባት’ውን ንስሙ ናብ በርገሳዊ ስራሕ ይመድቡ፡ ብሓቂ ግን ኣብ ወተሃደራዊ ቦታኦም ይርከቡ። እዚኣቶም ንመንግስታዊ ስርሓትን ቁጠባ ሃገርን ኣድለይቲ እዮም ስለዝተባህሉ እዩ። ኣብዚ ስራሕ እናሰርሑ እንከለዉ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍሊት እዩ ደሞዞም። ብሓፈሻኡ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ስራሖም ክገድፉ ወይ ናብ ካልእ ስራሕ ክሰጋገሩ ኣይክእሉን እዮም። እቶም ካብ ሃገራዊ ኣገለግሎት ከምልጡ እንከለዉ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ናይ መንግስቲ ናይ ምዕባለ ስራሓውቲ ከም ተራ ናይ ጉልበት ሰራሕተኛ ንኽሰርሑ ይምደቡ። ህጻውንቲ ናይ ኣስገዳድ እዮ ክሰርሑ ምግዳድ ተፈጺሙ ይበሃል (ክፍሊ 6 መ)። መ፡ ህጻናት ብኣስገዳድ ኣብ እዮ ምምዳብ ምኽልካልን ዝተሓተ ዕድመ ናይ ኣብ ስራሕ ዝቑጸር ሰብን ናይ ህጻውንቲ መሰል ዘኽብር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ጸጸኒሑ ኣብ ዝገብሮ ምርምር እዩ ነቲ ሕጊ ከምዝትግበር ዝሰርሕ። እንተኾነ ግን እዚ ምክትታትል እዚ ውሑድ እዩ። ገለ ካብቲ ንህጻናት ካብ ናይ ስራሕ ምዝመዛ ንምድሓን ዝግበር መደብ መንግስታዊ ናይ ቅድመ ትምህርቲ ኣገልግሎትን ኣካዳሚያዊን ቴክኒካዊን ኣስተምህሮ ምሃብን ይርከቦ። ሰ፡ ቅቡል ዝኾነ ናይ ስራሕ ኩነታት ኣብ ሲቪላዊ ስራሕ እቲ ዝዋሓደ ደሞዝ $24 (360 ናቕፋ) ንወርሒ እዩ። እዚ ግን ንመነባብሮ ናይ ሓደ ሰራሕተኛን ስድራ ቤትን ከማልእ ዝኽእል ደሞዝ ኣይኮነን። ብዙሓት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ዝሰርሑ ካብቲ ዝወሓደ ደሞዝ ንታሕቲ ይኽፈሎም እዩ። መንግስቲ ነዚ ዝወሓደ ደሞዝ ኣብ ግብሪ ኣየውዓሎን። ብሕጊውን ኣብ ብሕታዊ ስራሕ እዚ እዩ ዝወሓደ ዝበሃል ዕቁን ደሞዝ የልቦን። ኣብ ሰሙን 44.5 ሰዓታት እዩ ዝስራሕ። ብዙሓት ሰባት ግን ካብዚ ዝወሓደ እዮም ዝሰርሑ። ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ እዩ ዕረፍቲ እኳ እንተተባህለ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ካብ 1 ክሳብ 1 ½ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ዕረፍቲ ክወስዱ ይፍቀደሎም። ብዙሕ ዝያዳ ተሰሪሑ ተባሂሉ ዝግበር ምኽልካል የልቦን። ኣብ ቦታኡ ክርከብ ዝኽእል ኣስጋኢ ናይ ጥዕናን ኣካላዊ ድሕነት ኣገባባት መንግስቲ ኣተኣታትዩ እዩ። እንተኾነ ግን ነቲ ይግበርን ኣይግበርን ንምፍላጥ ዝካየድ ክትትልን ኣተገባብራን ኣብ ኩለን ፋብሪካታት ይፈላለ። ብግብሪ ገለ ሰራሕተኛታት ኣዝዩ ሃሳዪ ወይ ሓደገኛ ካብ ዝኾነ ቦታ ክእለዩ ብዘይ መቕጻዕቲ ወይ ግብረ መልሲ ይፍቀደሎም። |
| Next > |
|---|