|
Wednesday, 14 May 2008 |
|
ከምዝዝከር፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዱባርዋ ዝተኻየደ ኣኬባ፡ ሚኒሰተር ሚኒስትሪ መሬትን ማይን ኣከባብን፡ ኣቶ ወልደሚካኤል ገብረማርያም፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ዝንቡዕ ኣካይዳ ኣመልኪቱ “ክሳብ መዓስን ናበይ ኣንፈት ንኸይድ ኣለና” ክብል፡ ንፕረዚደንት ኢሰያስ ስክፍታታቱ ገሊጽ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ርእሲ ሚኒስተር ወልደሚካኤል ንክኣስሮን ክቀጽዖን ከጉባዕብዕ ድሕሪ ምቅናዩ “ማእሰርቱ ንጸላእትና ደስ ከብሎም’ዩ” ካብ ዝብል ርእይቶ ናይ ቀረባ ኣማኸርቱ ተጸልዩ፡ ነቲ ንሱ ዘካይዶ ዝነበረ ሚኒስትሪ መሬትን ማይን ኣከባብን ብሓፈሻ ብምዕጻው፡ ኩሎም ናይቲ ሚኒስትሪ ሰራሕተኛታት ድማ ናብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ፋሕፋሕ ብምባል ንስርሓቶም ብዝምልከት ናብ ባጽዕ ጸብጻቦም ከቅርቡ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ምህላዉ ገዳብ ኒውስ ሓቢሩ። |
|
Read more...
|
|
|
Wednesday, 14 May 2008 |
|
እቲ ካብ 5-11 ጉንበት ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ክቓናዕ ዝጸንሐ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ከምዝተዛዘመ ገዳብ ኒውስ ሓቢሩ። |
|
Read more...
|
|
|
Saturday, 26 April 2008 |
|
ብኣቶ ኣድሓኖም ገብረማሪያም ትምራሕ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ወኪል ደምበ ተቛውሞ ምስ ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዶክተር ጀንዳየ ፍሬዘር፣ ብዕለት 21 ሚያዝያ 2008 ተራኺቦም ተዘራሪቦም ክብል ዓዋተ ዳት ኮም ሓቢሩ።
|
|
Read more...
|
|
|
Saturday, 26 April 2008 |
|
መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ፡ መበል ሻዱሻይ ጉባኤኡ፡ ካብ ዕለት 18 ክሳብ 20 ሚያዝያ 2008፡ ኣብ ከተማ ቱቢንገን ሃገር ጀርመን ከምዘካየደ ተፈሊጡ። ኣብቲ ጉባኤ ወከልቲ ኣብ ኤውሮፓ ዝመደበረን ዓሰርተ ኣባል ማሕበራት ከምዝተሳተፋ’ውን ዝመጸና ዜና ይጠቅስ። |
|
Read more...
|
|
|
Saturday, 26 April 2008 |
|
ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፡ ኤርትራ ንዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ብሓይሊ ከምዝወጹ ብምግባራ ኣዝዮ ከዘቖጥዖም ሮይተርስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሩ። “እንታይ ዓይነት ግብረ-መልሲ ይወሰድ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ግን ኣብ ዝቕጽል እዋናት ንኽዘራረብሉ ከምዝተሰማምዑ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ። |
|
Read more...
|
|
|
Saturday, 26 April 2008 |
|
ፕረሲደንት ኢሰያስን ፕረሲደንት ጂቡቲ ኢስማዒል ጉለህን፥ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ብቴሌፍን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተኸስተ ናይ ዶብ ምፍሕፋሕ መፍትሒ ክረኽቡሉ ተሰማሚዖም ክብል ወጻኢ ጉዳያት ጂቡቲ መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊጹ።
|
|
Read more...
|
|
|
Saturday, 26 April 2008 |
|
መንግስቲ ኤርትራ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን፡ ኣብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ብሓይሊ ንክኽተቡ ከምዘገድዶም ኣህጉራዊ ክርስቲያን ፖስት ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ገሊጹ።
ትማሊ ሓሙስ፡ ሒደት ዝቑጽሮም ካህናትን ዲያቖናትን ካብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ናጻ ክገብሮም ዝኽእል መንቀሳቀሲ ወረቀት ተሓዲስሎም። እቶም ዝበዝሑ ግን መንቀሳቀሲ ወረቀቶም ከምዝይሕደስ ተሓቢርዎም፥ ንወትሃደራዊ ታዕሊም ክወርዱ ድማ ተነጊርዎም ክብል እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።
|
|
Read more...
|
|
|
Saturday, 26 April 2008 |
|
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእቲን ዶላር ኣሜሪካ፥ ኣብ ፓሎ ኣልቶ፡ ካሊፎርንያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሰለስተ ሚእቲ ዶላር፥ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከቡ ሸውዓተ ሚእቲ ዶላር፥ ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢ ኒው ዮርክ ዝነብሩ መንእሰያት ሽዱሽተ ሚእቲ ዶላር ኣሜሪካ ንድምጺ መሰልና ደሊና ኣበርኪቶም። ኣብ ኒው ዮርክ ዝቕመጥ፡ ዳኒኤል ተወልደ ድማ፡ ሓደ ምሉእ ካርቱን ናይ ቤት ጽሕፈት ስተሺነርን ሶፍትዌራትን ኣወፉዮ። ንዝመጽእ’ውን ካብዚ ንላዕሊ፡ ማለት ብገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ ብኻልእ ዝተፈላለዮ ኣገባባት ኣበርክትኦም ክቕጽሉ ምዃኖም መብጽዓ ኣትዮም። |
|
Read more...
|
|
|
Friday, 18 April 2008 |
|
ትሽዓተ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፥ ንግዱድ ጥርዝያ ወዲ 23 ዓመት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ጀሚል ቡርሃን፥ ዝዓናቕፍ ተግባራት ብምፍጻም፥ በዚ መሰረት ምስዝፍረዱ ኸኣ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ኢንፎ ሾፕ ዝተባህለ ሽወደናዊ ማዕከን ዜና ገሊጹ። |
|
Read more...
|
|
|
Friday, 18 April 2008 |
|
ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ብርሃነ ኣረጋይ፡ ፊልሞን ጠዓመ፡ መብራህቱ ኣምለሶም ሰለስቲኦም ካብ ጋንታ ደንደን፡ ሚኪኤል ነጋሲ ካብ ጋንታ ኣስመራ ቢራ፡ ተስፋማርያም መዓሾ ካብ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከተማ ካምፓላ ሃገረ ዩጋንዳ ብዕለት 12 ሚያዝያ 2008 ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም። |
|
Read more...
|
|
|
Tuesday, 15 April 2008 |
|
Five Eritrean Football National Team players, namely: Berhane Aregay, Filmon Te’ame, Mebrahtu Amlesom from Denden club; Michael Negassi from Asmara Beer club; and Tesfamariam Me’asho from Red Sea club have requested political asylum in Kampala Uganda in March 12/2008. |
|
Read more...
|
|
|
Tuesday, 15 April 2008 |
|
ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ብርሃነ ኣረጋይ፡ ፊልሞን ጠዓመ፡ መብራህቱ ኣምለሶም ሰለስቲኦም ካብ ጋንታ ደንደን፡ ሚኪኤል ነጋሲ ካብ ጋንታ ኣስመራ ቢራ፡ ተስፋማርያም መዓሾ ካብ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከተማ ካምፓላ ሃገረ ዩጋንዳ ብዕለት 12 ሚያዝያ 2008 ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም። |
|
Read more...
|
|
|
Wednesday, 06 February 2008 |
|
ደምበ ተቛውሞ ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምምሰራት መሰጋገሪ መንግስቲ ዝብል ጠለብ ናይ ምንጻግ ባህርያቱ እንተቀጺሉዎ፡ ጎነጻዊ ኣገባብ ክጥቀም ምዃኑ ከምዘጠንቀቀ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።
|
|
Read more...
|
|
|
Wednesday, 06 February 2008 |
|
ኤርትራ ነቲ ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝቀረበላ ጠለብ ምልዓል እገዳ ነዳዲ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ነጺጋ ክብል ሮይተርስ ኣፍሊጡ።
ኤርትራ ነዚ ስጉምቲ ትወስዶ ዘላ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባን ኪ ሙን፡ ነቲ እገዳ ነዳዲ እንተዘይ ኣልዒላቶ ወተሃደራቱ ካብ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከስሕቦም ሙኳኑ ኣብ ዘጠንቐቀሉ ዘሎ እዋን ሙኳኑ እቲ ዜና ኣብሪሁ።
|
|
Read more...
|
|
|
Wednesday, 06 February 2008 |
|
ኤርትራ ነቲ ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝቀረበላ ጠለብ ምልዓል እገዳ ነዳዲ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ነጺጋ ክብል ሮይተርስ ኣፍሊጡ።
ኤርትራ ነዚ ስጉምቲ ትወስዶ ዘላ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባን ኪ ሙን፡ ነቲ እገዳ ነዳዲ እንተዘይ ኣልዒላቶ ወተሃደራቱ ካብ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከስሕቦም ሙኳኑ ኣብ ዘጠንቐቀሉ ዘሎ እዋን ሙኳኑ እቲ ዜና ኣብሪሁ።
|
|
Read more...
|
|