Lost Password? Register
Member Area
 
ኣውያት
ህጹጽ መጸዋዕታ ንኹለን ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ትካላት Print E-mail
Friday, 10 August 2007
ብሰንበት 5 ነሓሰ፡ ልዕሊ 120 ዝኾኑ ኤርትራውያን ሒዛ ናብ ጣልያን ትጎዓዝ ዝነበርት ጃልባ፡ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪከላ ብዘጋጠማ ብልሽት ናይ ርዳእ መልእኽቲ ናብ ኩለን ከባቢ ሃገራት ተሰዲዱ። ጸጥታ ናይ ሊብያ ተቐላጢፉ ነዞም ሰባት ጠሊፉ ኣብ ገማግም ባሕሪ ናይ ቲሪፖሊ ሊብያ ተኣሲሮም ናብ ኤርትራ ክጥረዙ ተቐሪቦም ኣለዉ። "ንዝተፈላለያ ተጣብቕቲ ሰብኣዊ መሰል ትካላት ሓብሩልና፡ ኣውያትና ንዓለም ኣስምዑልና" ስለ ዝበሉ በዚ መሰርት ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊን ናይ መሰል ተጣበቕቲ ትካላትን መልእኽትና ነመሓላልፍ።
Read more...
 
ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ስቶክሆልም Print E-mail
Friday, 10 August 2007

Stockholm_demo-33.JPGእቶም ሰልፊ ዝካፈሉ ሰብኡትን ኣንስቲን መንእሰያትን ምስተኣኣኻኸቡ ኣብቲ ብሕጊ ዝተደፈቕደሎም ቦታ ኸይዶም ዳሶም ተኺሎም መጕልሒ ድምጽታቶም ኣዋዲዶም ጭርሖታቶም ዘርጊሖም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍን ተሓባበርቶምን ሰላማዊ ተቓውምኦም ከስምዑ ጀመሩ። በቲ ዝሓንጸጽዎ መደብ መሰረት ድማ ብፖሊስ ተዓጂቦም ናብቲ ቐጽሪ ፈስቲቫል ከይዶም ቀሪቦም ብብርቱዕ ድምጺ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኮይኖም ገሊኦም ተሓቢኦም ገሊኦም ድማ ተገቲሮም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ታኻፈልቲ ፈስቲቫል መልእኽቶም ወርወሩሎም። ገለ ካብ ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ንደገ ወጺኦም ናብ ፖሊስ ጥርዓኖም ኣስምዑ ግናኸ እቲ ሰልፊ ሕጋዊ ስለዝኾነ ደው ከብልዎ ኣይኽኣሉን።

Read more...
 
ምእንቲ ብጹእ ወቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስን ካልኦት እሱራትን ዝተገብረ ናይ ጸሎት ጉባኤ ተዛዚሙ Print E-mail
Tuesday, 10 July 2007

0706-01015.jpgምእንቲ ብጹእ ወቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስን ካልኦት እሱራት ኣመንቲ ክርስትናን ዝተገብረ ፍሉይ ናይ ጸሎት ጉባኤ: ረቡዕ ምሸት 27 ሰነ 2007 ዓ.ም: ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ኣብ ለንዶን ዓዲ እንግሊዝ ተዛዚሙ።
 

Read more...
 
Report on a Special Prayer and Reflection meeting Print E-mail
Saturday, 30 June 2007
Read more...
 
ህይወት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስእሊ Print E-mail
Monday, 11 June 2007

ህይወት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስእሊ
መጸዋዕታ ናብ ኩሎም ግዱሳት ዜጋታት


ህይወት ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዝካ፡ ብመነባብሮ፡ ብሰላም፡ ብቅሳነት፡ ብሓጎስ ምስ እትመዝኖ፡ ካብ ሕማቕ ናብ ዝገደደ፡ ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍአ ድሕሪ ምንቁልቋል፣ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ካብ ኩሉ ሕሉፍ እዋናት ብዝመረረ ጭቆና እንዳተሳቐየ፡ ኣብ ሃልሃልታ ሓዊ ይጥበስ ከም ዘሎ፡ ተወሳኺ መብርህን መግለጽን ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡

ምእንቲ ናጽነት፡ ምእንቲ ቅሳነት ሰላሳ ዓመታት ዝተቓለሰ ህዝቢ፣ ካብ ሰላሳ፡ ሓደ ንሓርነት ሞባእ ዝወፈየ ህዝቢ፣ ምእንቲ እፎይታ፡ ዘይስገር ዝሰገረ፡ ዘይጽወር ዝጾረ ሓቦኛ ህዝቢ፡ እዚ ክፍደ፡ ኣመና ዘሕዝን ኢዩ፡፡ በዚ ምኽንያት'ዚ፡ እዚ ዘሎ ግናይ ዘበነ ግፍዒ ኣብቂዑ፡ ዘበን ፍትሕን ርትዕን ክመጽእ ባህጊ ኩልና ኤርትራውያን ኢዩ፡፡

ብዘይ ተበግሶ ግን፡ ዝደለኻዮ ስለዘይርከብ፣ እዚ ናይ ሓባር ባህጊ ኤርትራውያን ንክሰምር፡ ማሕበር ተስፋ ደሊና፡ ኣብ ልዕሊ ባህጊ፡ ሓቦን ህልኽን ወሲኹ፡ ባጀታውን ክእለታውን ዓቕሙ ብዘፍቅዶ መሰረት፡ እጃሙ የበርክት ኣሎ፡፡
 

Read more...
 

Advertisement