Lost Password? Register
Member Area
 
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዶባት ጁቡቲ ይዓርድ ከምዘሎ ህግደፍ ተኣሚኑ
Wednesday, 14 May 2008

ነቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ጁቡቲ ኣትዮም ከምዘለዉ ብዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ሰበስልጣናት ክወሃብ ዝቀነየ መግለጺታት “ናይ ጸላእትና ወረ እዩ እምበር ኣብ ጁቡቲ ኣይኣተናን” ብምባል መንግስቲ ኤርትራ ንሰሙናት ዝኣክል  ዘይንጹር ሓበሬታ ክፉኑ ድሕሪ ምቅናይ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ካድረታት ህ.ግ.ደ.ፍ ብዛዕባ ምስሕሓብ ክልቲአን ሃገራት ኣመልኪቶም ከተንብሁ ጀሚሮም ከምዘለዉ መርበብ ሓበሬታ ገዳብ ኒውስ ሓቢሩ።

Read more...
 
ዘይርጉኡነት ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሕጂ’ውን ንሚኒስተር ወልደሚካኤል ገብረማርያም ካብ ስራሑ ደው የብል።
Wednesday, 14 May 2008
ከምዝዝከር፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዱባርዋ ዝተኻየደ ኣኬባ፡ ሚኒሰተር ሚኒስትሪ መሬትን ማይን ኣከባብን፡ ኣቶ ወልደሚካኤል ገብረማርያም፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ዝንቡዕ ኣካይዳ ኣመልኪቱ “ክሳብ መዓስን ናበይ ኣንፈት ንኸይድ ኣለና” ክብል፡ ንፕረዚደንት ኢሰያስ ስክፍታታቱ ገሊጽ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ርእሲ ሚኒስተር ወልደሚካኤል ንክኣስሮን ክቀጽዖን ከጉባዕብዕ ድሕሪ ምቅናዩ “ማእሰርቱ ንጸላእትና ደስ ከብሎም’ዩ” ካብ ዝብል ርእይቶ ናይ ቀረባ ኣማኸርቱ ተጸልዩ፡ ነቲ ንሱ ዘካይዶ ዝነበረ ሚኒስትሪ መሬትን ማይን ኣከባብን ብሓፈሻ ብምዕጻው፡ ኩሎም ናይቲ ሚኒስትሪ ሰራሕተኛታት ድማ ናብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ፋሕፋሕ ብምባል ንስርሓቶም ብዝምልከት ናብ ባጽዕ ጸብጻቦም ከቅርቡ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ምህላዉ ገዳብ ኒውስ ሓቢሩ።
Read more...
 
ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ. ትማል ሰንበት ተዛዚሙ
Wednesday, 14 May 2008
እቲ ካብ 5-11 ጉንበት ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ክቓናዕ ዝጸንሐ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ከምዝተዛዘመ ገዳብ ኒውስ ሓቢሩ።
Read more...
 
ዶክተር ጀንዳየ ፍሬዘር ምስ ደምበ ተቛውሞ ትራኸብ
Saturday, 26 April 2008

ብኣቶ ኣድሓኖም ገብረማሪያም ትምራሕ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ወኪል ደምበ ተቛውሞ ምስ ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዶክተር ጀንዳየ ፍሬዘር፣ ብዕለት 21 ሚያዝያ 2008 ተራኺቦም ተዘራሪቦም ክብል ዓዋተ ዳት ኮም ሓቢሩ።

 

Read more...
 
መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ጉባኤ ኣካይዱ
Saturday, 26 April 2008
መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ፡ መበል ሻዱሻይ ጉባኤኡ፡ ካብ ዕለት 18 ክሳብ 20 ሚያዝያ 2008፡ ኣብ ከተማ ቱቢንገን ሃገር ጀርመን ከምዘካየደ ተፈሊጡ። ኣብቲ ጉባኤ ወከልቲ ኣብ ኤውሮፓ ዝመደበረን ዓሰርተ ኣባል ማሕበራት ከምዝተሳተፋ’ውን ዝመጸና ዜና ይጠቅስ።
Read more...
 
ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቁጥዐኡ ይገልጽ
Saturday, 26 April 2008
ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፡ ኤርትራ ንዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ብሓይሊ ከምዝወጹ ብምግባራ ኣዝዮ ከዘቖጥዖም ሮይተርስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሩ። “እንታይ ዓይነት ግብረ-መልሲ ይወሰድ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ግን ኣብ ዝቕጽል እዋናት ንኽዘራረብሉ ከምዝተሰማምዑ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።
Read more...
 
ኤርትራን ጂቡቲን ብዶብ ይሰሓሓባ ኢትዮጵያ ድማ ምስ ቐጠር ዝምድና ትበትኽ
Saturday, 26 April 2008

ፕረሲደንት ኢሰያስን ፕረሲደንት ጂቡቲ ኢስማዒል ጉለህን፥ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ብቴሌፍን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተኸስተ ናይ ዶብ ምፍሕፋሕ መፍትሒ ክረኽቡሉ ተሰማሚዖም ክብል ወጻኢ ጉዳያት ጂቡቲ መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊጹ።

 

Read more...
 
መንግስቲ ካህናት ናብ ወትሃደራዊ መዓስከር በስገዳድ ይልእኽ
Saturday, 26 April 2008

መንግስቲ ኤርትራ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን፡ ኣብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ብሓይሊ ንክኽተቡ ከምዘገድዶም ኣህጉራዊ ክርስቲያን ፖስት ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ገሊጹ።

ትማሊ ሓሙስ፡ ሒደት ዝቑጽሮም ካህናትን ዲያቖናትን ካብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ናጻ ክገብሮም ዝኽእል መንቀሳቀሲ ወረቀት ተሓዲስሎም። እቶም ዝበዝሑ ግን መንቀሳቀሲ ወረቀቶም ከምዝይሕደስ ተሓቢርዎም፥ ንወትሃደራዊ ታዕሊም ክወርዱ ድማ ተነጊርዎም ክብል እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ሓቢሩ። 

Read more...
 
ወፈያታት ንድምጺ መሰልና ደሊና ይቕጽል
Saturday, 26 April 2008
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእቲን ዶላር ኣሜሪካ፥ ኣብ ፓሎ ኣልቶ፡ ካሊፎርንያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሰለስተ ሚእቲ ዶላር፥ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከቡ ሸውዓተ ሚእቲ ዶላር፥ ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢ ኒው ዮርክ ዝነብሩ መንእሰያት ሽዱሽተ ሚእቲ ዶላር ኣሜሪካ ንድምጺ መሰልና ደሊና ኣበርኪቶም። ኣብ ኒው ዮርክ ዝቕመጥ፡ ዳኒኤል ተወልደ ድማ፡ ሓደ ምሉእ ካርቱን ናይ ቤት ጽሕፈት ስተሺነርን ሶፍትዌራትን ኣወፉዮ። ንዝመጽእ’ውን ካብዚ ንላዕሊ፡ ማለት ብገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ ብኻልእ ዝተፈላለዮ ኣገባባት ኣበርክትኦም ክቕጽሉ ምዃኖም መብጽዓ ኣትዮም።
Read more...
 
ትሸዓተ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንግዱድ ጥርዝያ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ብምትዕንቃፎም፥ ሓደጋ ማእሰርቲ ኣንጸላልይዎም ይርከብ::
Friday, 18 April 2008
ትሽዓተ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፥ ንግዱድ ጥርዝያ ወዲ 23 ዓመት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ጀሚል ቡርሃን፥ ዝዓናቕፍ ተግባራት ብምፍጻም፥ በዚ መሰረት ምስዝፍረዱ ኸኣ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ኢንፎ ሾፕ ዝተባህለ ሽወደናዊ ማዕከን ዜና ገሊጹ።
Read more...
 
ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ዩጋንዳ ፖለቲካዊ ዕቑባ ሓቲቶም።
Friday, 18 April 2008
ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ብርሃነ ኣረጋይ፡ ፊልሞን ጠዓመ፡ መብራህቱ ኣምለሶም ሰለስቲኦም ካብ ጋንታ ደንደን፡ ሚኪኤል ነጋሲ ካብ ጋንታ ኣስመራ ቢራ፡ ተስፋማርያም መዓሾ ካብ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከተማ ካምፓላ ሃገረ ዩጋንዳ ብዕለት 12 ሚያዝያ 2008 ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም።
Read more...
 
Five Eritrean Football National Team players have requested political asylum in Uganda
Tuesday, 15 April 2008
Five Eritrean Football National Team players, namely: Berhane Aregay, Filmon Te’ame, Mebrahtu Amlesom from Denden club; Michael Negassi from Asmara Beer club; and Tesfamariam Me’asho from Red Sea club have requested political asylum in Kampala Uganda in March 12/2008.
Read more...
 
ሓሙሽተ ኣባላት ሃግራዊት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ዩጋንዳ ፖለቲካዊ ዕቑባ ሓቲቶም።
Tuesday, 15 April 2008
ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ብርሃነ ኣረጋይ፡ ፊልሞን ጠዓመ፡ መብራህቱ ኣምለሶም ሰለስቲኦም ካብ ጋንታ ደንደን፡ ሚኪኤል ነጋሲ ካብ ጋንታ ኣስመራ ቢራ፡ ተስፋማርያም መዓሾ ካብ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከተማ ካምፓላ ሃገረ ዩጋንዳ ብዕለት 12 ሚያዝያ 2008 ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም።
Read more...
 
ኤርትራዊ ደምበ ተቛውሞ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክካይድ ምዃኑ የጠንቅቕ
Wednesday, 06 February 2008

ደምበ ተቛውሞ ኤርትራ፡ መንግስቲ  ኤርትራ ምምሰራት መሰጋገሪ መንግስቲ ዝብል ጠለብ ናይ ምንጻግ ባህርያቱ እንተቀጺሉዎ፡ ጎነጻዊ ኣገባብ ክጥቀም ምዃኑ ከምዘጠንቀቀ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

 

Read more...
 
ኤርትራ ነቲ ብውዱብ ሕቡራት ዝቀረበላ ናይ ነዳዲ ምቕራብ ጠለብ ነጺጋ፡
Wednesday, 06 February 2008

ኤርትራ ነቲ ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝቀረበላ ጠለብ ምልዓል እገዳ ነዳዲ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ነጺጋ ክብል ሮይተርስ ኣፍሊጡ።

ኤርትራ ነዚ ስጉምቲ ትወስዶ ዘላ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባን ኪ ሙን፡ ነቲ እገዳ ነዳዲ እንተዘይ ኣልዒላቶ ወተሃደራቱ ካብ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከስሕቦም ሙኳኑ ኣብ ዘጠንቐቀሉ ዘሎ እዋን ሙኳኑ እቲ ዜና ኣብሪሁ።

 

 

Read more...
 
ኤርትራ ነቲ ብውዱብ ሕቡራት ዝቀረበላ ናይ ነዳዲ ምቕራብ ጠለብ ነጺጋ፡
Wednesday, 06 February 2008

ኤርትራ ነቲ ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝቀረበላ ጠለብ ምልዓል እገዳ ነዳዲ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ነጺጋ ክብል ሮይተርስ ኣፍሊጡ።

ኤርትራ ነዚ ስጉምቲ ትወስዶ ዘላ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባን ኪ ሙን፡ ነቲ እገዳ ነዳዲ እንተዘይ ኣልዒላቶ ወተሃደራቱ ካብ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከስሕቦም ሙኳኑ ኣብ ዘጠንቐቀሉ ዘሎ እዋን ሙኳኑ እቲ ዜና ኣብሪሁ።

 

 

Read more...
 
More...
<< Start < Prev 1 2 3 4 Next > End >>

Results 1 - 36 of 141

Advertisement