ትርጉም መንነትና ሃገርና ኤርትራ

ፍጹም ዘይሃስስ`ዩ ዝዓዘዘ ፍቕራ

ሃየ! ብሓድነትና ንምለሶ ልዑል ክብራ!!!

________________________________________________________________________________________________________    

ይኣክል! ይኣክል!!

ንኹሉ ዕንቅፋታት ቃልሲ ሓርነትን ፍትሕን!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ካብ ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሕ.መ.ኣ.)

ግንቦት 22፡ 2019

********

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡ ዝዓበኹምን ዝነኣስኩምን ህዝቢ ኤርትራ፡- ካብ ውላድ እዛ ውጽዕቲ ሓላል መሬት ኩልና፡ መልእቲ ልቢ ካብ ብርዒ ሓቂ ተቐበሉ።

ዕላማ ናይ`ዚ ዓንቀጽ`ዚ፡ ኣብ ልዳት ዝተጠልመ መበል 28 ብዓል ናጽነትና፡ ኣብ ጐኒ`ዚ ብሓይሊ ተላዒሉ ዘሎ ናይ ይኣክል መቓልሕ ህዝቢ፡ ኣብ ደምዳሚ ዓወት ንምብጻሕ ከነተኵረሎም ዝግብኣና ኣገድስቲ ነጥብታት ንምጕላሕ ኢዩ።

ኤርትራውያን ብባህሪያዊ መሬታውን፡ ባሕራውን ኣየራውን ጸጋታታ ተጠማቲትን ተባሃጊትን ልዋም ሃገር ስለ ዝተጸገና፡ ነማኢት ዓመታት ግዳያት ሰንሰለታዊ መግዛእትታት ኴንና ሓሊፍናዮ። ድሕሪ  ነዊሕ መሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ንናጽነት ምኽፋልና ኸኣ፡ እነሆ ኣብዚ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ናጽነትና ጸልሚቱ ራሕሪሕናያ ብምኻድ፡ ከም ደቂ ዛግራ ኣብ ምሉእ ዓለም ተባታቲንና፡ ስድራቤት ብጽምዋ ዝሕልሕል ኣቲዩዋ፣ ሃገርና ግዳይ ሕብረተሰባዊ ምብሕጓጕ ኮይና፣ ከም ኣብ ዓጋም ዝተጸግዐ ቆልቋል ኪነብዕ ዝነብር፡ ክትነብዕ ኣማዕዲና ንርእያ ኣለና። መንእሰያት ደቃ ብልዑል ትምህርቲ በሲሎም ንምምዕባላ ኣብ ክንዲ ዝዋናጨፉ፡ ኣብ ዓለም ዘይተገብረ ኣብ ልዳት ናጽነት ሓንቲ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ተዓጺያ መሰል ዕድል ትምህርቲ ምስ ጸልመተ፡ ግዳያት ኣጽናቲ ኲናታትን፡ ደረት ኣልቦ ወተሃደራዊ ወፍሪ ባርነትን፣ ስደትን ጥፍኣት ምድረበዳታትን፡ ማእከላይ ባሕርን፡ ዕዳጋ ኮላሊትን ኮይኖም፡ ሃገር ዘኺቲማ ኣብ ኣፈርክቡ ህሞት ኢና - ይኣክል ንብል ዘለና። እዚ ካብቲ ናይ ምጽናትን ምዕናውን ገበን ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ነጠብታ ካብ ባሕሪ ምዃኑ ኢዩ። እቲ ምሉእ ዝርዝር ገበን ፋ.ው.መ. ኢ. ክሳብ ሎሚ ክጽሓፈሉን ክዝረበሉን ዝጸንሐ፣ ብዓቢኡ ኸኣ ስምብራት ቍስሉ ኣብ ልብን ኣእምሮን ህዝቢ ኤርትራ ተሰሪቱ ስለ ዘሎ ድሕሪ ደጊም ምዝርዛሩ ኣድላዪ ኣይኮነን። እቲ ሕጂ ክትኮረሉ ዝግባእ፡ ከም ህዝቢ ብሓባር ናይ ምእላዩ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ብሰፊሕ ዝለዓዓል ዘሎ መንፈስ ቃልሲ ንሓርነት ፍትሕን ተስፋ ዘስንቕ ኮይኑ፡ ንፋሺስታዊ ስርዓት ካብ ሱሩ ነቒሉ ትንሳኤ ሃገር ዘበስር ማዕበል ከም ዝኸውን ካብ ምግባሩ ካልእ ኣማራጺ የለን። እዚ ንምግባር ግን፡ ሓዲስ ኣይኹን`በር፡ ንዓወትና ወሰንቲ ስለ ዝኾኑ፡ ብዕትበት ክንጥምቶም ዝግብኣና ነጥቢታት ክጠቅስ እደሊ።

  1. ጠንቂ ምጽናት መንእሰያትናን ዕንወት ሃገርናን፡-

ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ (ፋ.ው.መ.ኢ.) ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ እዛ ዘዕነውኩልኩም ኤርትራ እነሃ ተረከቡዋ ዝመልእኽቱ፣ ካብ ኩሉ`ቲ ኣፍ ልቡ እናሃረመ ከም ዕሸል ዘህተፍተፎ፡ እቲ ``ኣይከሰርናን`` ምስ በለ፡ ከምዚ ደቂሱ ጸኒሑ ብስምባደ ብድድ ዝብል ሰብ፡ ብስምባደ ተባራቢርና ይኣክል ንብል ኣለና። ኪኸውን፡ ይኣክል ምባል ካብ ነዊሕ ግዜ መቓልሕ ኮይኑ ኪበሃልን ኪቕህምን ዝጸንሐ ኢዩ። ናይ ሕጂ ፍሉይ ዝገርብሮ ግን፡ ናይ ውድባት ወይ ሲቪካውያን (በርገሳውያን) ማሕበራት ዘይኮነ፡ ብህዝቢ ካብ ኩሉ ኵርናዓት ይቃላሕ ምህላዉ ኢዩ። እምበር እቲ ዳግመ ሰውራ ከልዕል ዝነበሮ ናይ ይኣክል ህዝባዊ ማዕበል ታሪኻዊ ኣጋጠሚ፡   እቲ ናብራና ይመሓየሸልና ክብሉ ጥርዓኖም ናብ ፋ. ው.መ. ኢ. ከቕርቡ ካብ ነፋሲት ምስ ተበገሱ ኣብ መንገዲ ከቲሩ ብጠያዪት ዘርገፎም ጀጋኑ ኣካለ ስንኩላን ኣብ ዝተረኽበ ዘሕፍር ፍጻሜ ኢዩ ነይሩ። እዝን፡ ድሕሪኡ ዝሰዓቡ ጃምላዊ መቕተልቲታትን ማእሰርትን ብስቕታ፡ ብእንታይ ገዲሱኒ ምስ ተሓለፉ`ዩ ሃገር ባዲማ ኣብ ኣፈርክቡ ዝወደቐት። ፋ.ው.መ.ኢ. ኣብ ልዕሊ ህሉዋት ጥራይ ኣይኮነን ተግባረ ምጽናት ፈጺሙ፤ ንመንእሰያት ተመርዒዮም ስድራቤት ከይተኽሉን ከይወልዱን ብምኽልካል፡ ኣብ ዓለም ፍጹም ዘይተገብረ ``ፍሉይ ኲናት ኣብ ልዕሊ መጻኢ ወለዶ(unique genocide) ዝፈጸሞን ገና ዝፍጽሞ ዘሎን ከነስተውዕለሉ ዝግባኣና ሰይጣናዊ ተግባሩ ኢዩ። ኣብዚ ክጥቀስ ኣድላዪ ኮይኑ ዝረኸብኩዎ ነጥቢ፡ ኣብ ልዕሊ ፋ.ው.መ.ኢ. ከም መራሒ ናይ ምርኣይ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ግጉይ ኣተሓሳስባ ከብርህ እደሊ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ናይ ኣሰና ቲቪ ቃለመጠይቕ -``ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ግዜ ቃልሲ መስተንክር ዝኾነ ናይ መሪሕነት ተራ ተጻዊቱ ኢዩ`` - ክበሃል ሰሚዐ። እዚ ግን ንኣዕናዊ ባህርያት ኢሳያስ ዘይውክል ግጉይ ገምጋም ኢዩ። በጊዕ ዝነበረ ናብ ተዅላ፡ ወይ ተዅላ ዝነበረ ናብ በጊዕ ኪቕየር ኣይኽእልን ኢዩ። ፋ.ው.መ.ኢ. ኣእጋሩ ሜዳ ካብ ዝረግጻ ጀሚሩ፡ ብተግባሩ ምስ ዝፍረድ፡ ምእንቲ ዕሩቕ ሓይሊ(Naked Power) ንምብሓት ኣብ ርእሲ`ቶም መንካዕን የሚንን ኢሉ ብምጽላም ዘጥፈኦም ደሞክራሲያውያን ሓርበኛታትን፡ ጽልውኦም ኣለዎም ተባሂሎም ዝተሃድኑን ዝፈጸሞ ኣዕናዊ ተግባር ተዅላ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ምዃኑ ድኣ`ምበር ቅኑዕ መራሒ ምዃኑ ኣየርን ኢዩ። መራሒ ዝበሃል ምእንቲ ረብሓ ህዝቢ ብግዝኣተ ሕጊ ተቐዪዱ ዝተዋህቦ ስልጣን ብእምነት ዝፍጽም ኢዩ።

መለኽቲ መለኮታዊ ስልጣን የብሎምን፤ እኳ ድኣ እቶም ኣዚዮም ፈራሓት፡ ስለዚ ኸኣ ጨካናት ኢዮም። ህዝቢ ብፍርሃት ተጸሚዱ፡ ንመሰሉ ካብ ምቅላስ ምስ ቦዀረ ኢዮም መለኽቲ ዝሻድኑን ዝግብሉን። እዚ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝተፈጥረ ምግባል ፋ.ው.መ.ኢ. ብምዃኑካብ ሕልና ህዝቢ ኤርትራ ዘይክወል ሕማቕ ጐድኒ ታሪኽና ኢዩ።  እምበኣር፡ እቲ ዝለዓለ ይኣክል ክንብሎ ዝግባኣና፡ ነቲ ናይ ፍርሃት ይኹን ናይ ጸቢብ ጥቕሚ ስቕታና ኢዩ። እንታይ ገዲሱኒ ምባል እቲ ዝዓበየ ገበን ምዃኑ ደጊም ይረድኣና፣ ከይነድግሞ ኸኣ ብዓውታ ዘይኮነ ብሕልና፡ ብስዉኣትና ክንምሕልን ማሕላና ንወለዶታት ተመሓላሊፉ ኪኽበር ዘውሕሰሉ ሃገራዊ ኒሕ ሎሚ መሰረት ከነጣጥሓሉ ይግብኣና።

  1. መርዛም ማሕለኻ ውድበይ-ውድብካ፣ ኣውራጃይ-ኣውራጃኻ፣ሃይማኖተይ-ሃይማኖትካ፡-

ኣውራጃዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ምፍልላይ ምስዋር ካብ ድንቍርና ዝብገስ ድሑር ኣተሓሳስባ ኢዩ ኢለ እየ ጥራይ ክሓልፎ ዝኽእል። ገዛእቲ ኪገዝኡዎ ንዝደልዩ ህዝቢ ንድኹም ጐድኒታቱ መዝሚዞም እናፈላለዩ  ንዘመናት ከም ዝገዝኡ ንምርዳእ ታሪኽ ምግንጻል ይኣክል። መግዛእቲ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለ ስላሴ ኣብ ምጅማር ቃልሲ ንናጽነት፡ ናይ ኣውራጃን ናይ ሃይማኖትን ምፍልላይ መርዚ ዝነስነሶን፡ ኣብ ቃልሲ ዝመኸነን ናይ ታሪኽ ተዘክሮ ኢዩ። ሎሚ`ውን እዚ ሕማማት`ዚ ኣብ ውሽጢ`ቶም ኣብ ስደት ፋሕ ኢልና እንርከብ ዜጋታት ዕንቅፋት ኣብ ቃልሲ ንሓርነትን ንፍትሕን ይኸውን ኣሎ ክትሰምዕ ከለኻ፡ ንዕምሪ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ የናውሕ ካብ ዘሎ ጻህያይ ብምዃኑ ደምካ የፍልሓልካ። ``ደርሆስ በምዑት ደቃ ትጻወት`` ዝብሉኹም ከምዚ ኢዩ።

ወድበይ- ውድብካ እውን ኣቲ ን 28 ዓመታት ብስም ተቓወምቲ ቆይሙ፡ ኣንጻር ፋ. ው.መ. ኢ. ጸጸር እኳ ክድርቢ ዘይከኣለ፣ ብኣንጻሩ፡ ከም ቃንጥሻ ብትርጉም ዘይብሉ እናተባዝሐ፡ ኣይመርሕ ኣይምራሕ ኮይኑ፡ ንሃረርታ ህዝቢ ደዊኑ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ኢዩ። ብዓንተቡኡ እውን፡ ካብቲ እውክሎ እየ እትብሎ ህዝብኻ ኣብ ስደት ርሒቕካ ብውድባት ኣለና ምባል ንሰረገላ ኣብ ቅድሚ ፈረስ ጸሚድካ ንቕድሚት ከይትስጉም ዝዓግት ተግባር ኢዩ ኮይኑ ጸኒሑን ዘሎን። ውድበይ-ውድብካ ብግብሪ ጸረ ሓድነታዊ ህዝባዊ ቃልሲ ኮይኑ ስለ ዝጸንሐ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣባላት ውድባት ከም ውልቀሰባት ምስ ህዝቦም ተሰሊፎም ካብ ምቅላስ ካልእ ኣማራጺ የብሎምን። እታ እንጽበያ ብፍትሒ ግዝኣተሕጊ እትምራሕ  ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ህያው ምስ ኮነት ግን፡ ነፍስ ወከፍ ዜጋ ባህ ዝበሎ ፖለቲካዊ ሰልፊ መስሪቱ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቡ ንስልጣን ክወዳደር ዘይትንከፍ መሰሉ ኢዩ። ሎሚ ብውድብ እየ ዝንቀሳቐስ ዝብል ጕጅለ እንተ ቀጺሉ ግን፡ ንዕምሪ ፋሺስታዊ ስርዓት ዘናውሕ፡ ጸረ ህዝቢ ኮይኑ ኪረአ ይግባእ።

  1. ኣገዳስነት ኣካባቢያዊ ጥርናፈ ኣብ ቃልሲ ንሃገራዊ ድሕነትን ወሳኒ ተራ ኣድማዒ ውዳበን፡-

ሓደ ሰብ ናበይ ከም ዝኸይድ ከየጻፈፈ፡ በተግ ኢሉ ጕዕዞ ኣይጅምርን`ዩ፣ ኣብ ፍረ ዘየብጽሖ ህውተታ ኮይኑ ስለ ዝተርፍ። ኣብዚ ዝሓለፈ 28 ዓመታት፡ ኣንጻር ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳያስ ብኹሉ ኵርናዓት ተቓውሞታት ኪስማዕ ጸኒሑ ኢዩ። ከቢድ ኣበር ስለ ዝነበሮ ግን፡ ንኣዕናውን ኣጽነትን ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኪኣልዮስ ይትረፍ ኪሕንፍጦውን ኣይከኣለን፣ ናይ ምጽናትን ምዕናውን ጸልማት ጕዕዞ ከኸትም ኣይከኣለን። እቲ ጠንቂ፡ መጀመርያ ኣብ ክንዲ ከም ሓደ ህዝቢ ብሕብረት ዚቃለስ፡ ብውድባትን በርጌሳዊ/ሲቪካዊ ማሕበራትን ተፋናጪሉ ውልዕ-ጥፍእ ኣናበለ ኪጕዓዝ ስለ ዝጸንሐ ኢዩ። ከምኡ ዘኾኖ ከኣ፡ ጠርኒፉን ተወዲቡን ዝመርሖ ኣካል መሪጹ ኪንቀሳቐስ ብዘይ ምኽኣሉ ኢዩ።

ውዳበ መተካእታ ዘይብሉ ናይ ዓወት ወሳኒ ኢዩ። ስለዚ፡ ኣብዚ ረጊጽናዮ ዘለና ተኣፋፊ ኩነታት ሃገር፡ ኣብ ስደት ፋሕ ኢልና ንርከብ ዘለና ኤርትራውያን፡ ኣብ ቃልሲ ንሓርነትን ፍትሕን ኣድማዕቲ ክንከውን እንተድኣ ኴንና፡ ኣብ ዘዘሎናዮ ከተማታትን ከባቢታትን ተጠርኒፍና ብምዝታይ፡ ብቕኑዕ ዝውክሉና መራሕቲ መሪጽና ምስ እንቃለስን፡ ናብቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ውዳበ ዝተኮረ ናይ ሓባር መሪሕነት ኣብ ምትካል እጃምና ምስ እነበርክትን ኢና ከም ሓደ ህዝቢ ትንሳኤ ሃገርና ንሓርነትን ፍትሕን ህያው ክንገብር እንኽእል።

ህይወት ብተጻያት ዝቖመት ኢያ - ንመዓልቲ ለይቲ፣ ንሓጐስ ስቓይ፣ ንጽቡቕ ሕማቕ፣ ንሰላም ኲናት ኣሎዎ። እቶም ንሓቂ ደፊኖም፡ ንፍትሒ ረጊጾም፡ ንሓርነት ኣጸልሚቶም፡ ውሑዳት ክነሶም፡ ከመይ ኢሎም ኢዮም ዕሩቕ ሓይሊ (naked power) ወኒኖም ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ኪጭቁኑ ዝኽእሉ? እቲ ምስጢር ካብቲ ዝደቐቐ ክሳብቲ ዝዓበየ ንዕድል ከይገደፉ፡ ተወዲቦም ስለ ዝሰርሑ ጥራይ ኢዩ። ብዘይ ዓብላሊ ውዱብ ቍጽጽር ሓይሊ፡ ከም ፋ.ው.መ.ኢ. ዝኣመሰሉ ጨቈንቲ፡ ዕሩቓት ብትብዓት ዕዉራት ብሕልና ኢዮም። ህዝባዊ ሓይሊ ብቕኑዕ መሪሕነት ብግቡእ ተወዲቡ ምስ ዝሰርሕ፡ ክደፍኦ ዝኽእል ሓይሊ የለን። ህዝቢ ሱዳን ዋጋ ባኒ ስለ ዝኸበሮ ተወዲቡ ንጨቋኒ መንግስቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ኪግምጥል ክኢሉ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ ስደት እንርከብ፡ ብግቡእ ተወዲብና ክንቃለስ ስለ ዘይከኣልና፡ 28 ዓመታት ብስቕታ ክንጸንት ጸኒሕና። ይኣክል!!!

ኣብ መስርሕ ምውዳብ ዕቱብ ጥንቃቐ ዘድልዮ፡ ዕላማና ካብ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝተፈለየ ከም ምዃኑ መጠን፡ እንኽተሎ ኣገባብ እውን ዝተፈለየ ኪኸውን ከም ዘሎዎ ኢዩ። ዕላማና ንሓርነትን ንፍትሕ ስለ ዝኾነ፡ ኣገባብና ፍትሓዊ፡ ኣብ ክንዲ ኲናት ንሰላም ህያው ዚገብር ኪኸውን ይግባእ። ቅልጡፍ፡ ህዉኽ ውጽኢት ካብ ምጽባይ እውን ምጥንቃቕ የድሊ፣ ናይ ኣድማዒ ውዳበ ቀንዲ ጸላኢ ብምዃኑ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ቃልሲ ንሓርነትን ፍትሕን፡ ስነሓሳብ(ideology) ኣድላይነት የብሉን፣ እቲ ምንታይ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ሃሜንነት ዘድህብ ብምዃኑ፤ ሃሜንነት ከኣ ቀንዲ ጸላኢ ናይ ደቅሰብ ሓርነት ኢዩ።

  1. እዋናዊ ተራ መትከላዊ ንጹህ ሊቅነታዊ መሪሕነት ምሁራት ደቂ ሃገር፡-

ሃገር ብምሁራት ደቃ ኢዩ ዝወግሓላ ይበሃል`ዩ፣ ዘየካትዕ ሓቂ ኢዩ ኸኣ። እንተ ኾነ ግን፡ ብስም ተማህረ ዘይኮነ፡ ``ካብ ምህሮ ኣእምሮ`` ከም ዝበሃል፡ እቲ ምሁር ጸጋ ልቦና ዝተዓደለ፣ ክቱር ፍቕሪ ህዝቡን ሃገሩን ኣብ ደሙ ዚዘውር፣ ነቲ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ መትከል ሓርነትን ፍትሕን፡ ምስ እምነት ኣብ ዘንጊ ሓቅን ግዝኣተ ሕግን ዝውንን፣ ንኣሉታዊ ፈተነ ሓይልን ስልጣንን ብግቡእ ዝርዳእን ካብኡ ናጻ ንምዃን ቀጻሊ ሕልናዊ ቃልሲ ዘካይድ፣ ተባዕ ዜጋ ኪኸውን ይግባእ። እዚ ዘይከኣል ፍጽምነት ደቅሰብ ዝሓትት ዘለኹ ኪመስል ይኽእል ኢዩ። ግን ኣይኮነን። ነዚ ዝተጠቕሰ ጸጋታት ዝውንኑ የለውን ማለት ኣይኮነን፤ ናብ ሓይልን ስልጣንን ምውናን ኪጓየዩ ስለ ዘይረኣዩ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ነቶም ተወዲቦም ንህዝቢ ንምርጋጽ ዕሩቕ ሓይልን ስልጣንን ንምውናን ገፊሕ ጋግ ስለ ዝኸፍተሎም፡ ሓፋሽ ህዝቢ ሰኣን ተባዕ ቅኑዕ መሪሕነት ብፋሺስታውያን ውልቀመለኽቲ ኪርገጽ ጸኒሑን ኣሎን።

ኣብዚ ህሞት`ዚ፡ ድሕሪ ነዊሕ ተመክሮ ዕሩቕ መግዛእቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ተባዕን ቅኑዕን መሪሕነት ምሁራት ደቁ ይጽበ ኣሎ። ኣብ ኣሰና ቲቪ ኣብ ግንቦት 10፡ 2019 ከም ዝተቓልሐ፡ ብ Eritrea Focus ዝተወደበ፡ ንኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን ምሁራት ብላዕሊ ዘሳተፈ፡ ``ምህናጽ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ`` ብዝብል ኣርእስቲ ዘተ ዲዩ ወይስ ኣስተምህሮ ከም ዝተኻየደ ይዝከር። ዝድገፍ ጐስጓስ ኢዩ፣ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ናይ ጂ-13 ህዝቢ ከየሳተፈ ብልጭ ጥፍእ ዝበለ ክሳብ ዘይቀሃመ። ካልእ ዘሻቕል ጐድኒ እውን ኣሎዎ - ናይ ምምዋሉ ጉዳይ። ከምቲ ዝተባህለ ካብ ልግሲ ኤርትራውያን ብዝተረኽበ ገንዘብ ዘይኮነ፡ ምስ ገለ ኤርትራውያን ብድሕሪት ኢድን ጓንትን ኮይኖም ዝሰርሑ ካብ ዝተረኽበ ገንዘብ ወጻኢታቱ ዝሸፈነ ምዃኑ ይፍለጥ። መቸም እቲ ፍሉጥ ሓቂ -ወትሩ እታ ትህብ ኢድ ብላዕሊ፡ እታ ትቕበል ኢድ ከኣ ብታሕቲ ምዃነን ኢዩ። እሞ ካብዞም ሕቡኣት መወልቲ ገንዘብ እናተቐበሉ ጐስጓስ ዘካይዱ ዘሎዉ ``ምሁራት ዜጋታት ኤርትራ`` ኣብታ ናይ ጽባሕ ኤርትራ እንታይ መብጽዓ ኾን ይገብሩ ይህልዉ ዝብል ሻቕሎት እስምዓኒ፣ ንበይነይ ከይከውን ከኣ ተስፋ እገብር። ድሕሪ ደጊም፡ ኣብ ርእሲ`ቲ ካልእ፡ ንሉእላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ምስ ባዕዳውያን ስምምዕ ከይግበር ብዓውታ ይኣክል!!! ክንብሎ ይግባእ።

ምሁራት ደቂ ሃገር ርእሲ ኹሉ ክስቆሮም ዝግባእ፡ እቲ ዓይነታዊ ፍልልይ ዘሎዎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኴንካ ንህዝቢ ክትገዝእ`ምበር ክትመርሕ ከም ዘይከኣል ኢዩ። ስለዚ፡ በዚ ጥንታዊ ልቦናዊ ምዕዶ ሓሳበይ ክዛዝም እደሊ፡- ``ርእይቶኻ ጸቕጢ ከይገበርካ፡ ንህዝብኻ ከተፍቅርን ክትመርሕን ትኽእል ዲኻ?``(ቍ10) ``ንህዝቢ ከተንመሓድሮ እንተ ድኣ ደሊኻ፡ ንርእስኻ ኣብ ትሕቲኦም ከተቐምጣ ኣሎካ፤ ንህዝቢ ክትመርሕ እንተ ደሊኻ፡ ከመይ ጌርካ ከም ትስዕቦም ክትመሃር ኣለካ።``(ቍ66) ካብ ታኦ ተቺን/TAO TE CHING. እዚ ኢዩ እምበኣር እቲ ንህዝቡ ኪመርሕ ዝደሊ ዜጋ ክስሕቶ ዘይግባእ ቅዱስ ሓላፍነት።

 

ሓርነትን ፍትሕን፡ ሰላምን ራህዋን ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ክቡር ግብራዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!