መልእኽቲ ናብ በብዓይነቱ ሰበ ስልጣን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ትርከባ፡

ከመይ ትኾና ኣለኽን፡ ምዃን’ኳ ከምኡ ዳኣ ደብዳቤ ክትጽሕፍ ከለኻ ብኸመይ ኣሎኹም  ከመይ ኣለኽን  ዝጅመር ኮይኑ እምበር፡ ኣብ  ስልጣን ስለ ዘለኽን፡  ኣጣቃቅማ ስልጣንክንን፡  ኣታሓሳስባኽንን፡ ትብልዕኦን ትሰትዮኦን ከይተረፈ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ’ዩ፡ ግን ጊዚኡ ዝጠልቦ ዘረባ ምሳኽን ስለ ዘለኒ ብኸመይ ኣለኽን ክጅምር።

እወ፡ ናይቲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጀሚሩ፡ ተፋሪቁ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዝተዛዘመ መርሒነት ኣብቂዑ ስልጣን ናብ ዋንኡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ እንተዝማሓላለፍ፡ ማለት ቅዋማዊ ደመክራስያዊ ስርዓት እንተዝትከል፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ስልጣኑ ግዝያዊ ኮይኑ፡ ብቅዋማዊ መሰረት ሓንቲ ጊዜ ምስ ኣገልገለ፡ ደጊም ይኣኽልኒ ካብ በረኻ ኣትሒዘ ኣገልጊለየ ኣይምረጽንየ እንተዝብል’ሞ ልማኖ ምስ በርትዖ ሕራይ ኢሉ ንኻልኣይ ጊዜ ጥራይ እንተዝቅጽል፡ ስውኣት - ኣብ ኩናት ዝተሰፍኡ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደርጊ ኣሕዋቶም ኣሕሊፎም ከይህቡ ብምቅጥቃጥ ዝተሰዉኡ፡ ጎዳጉዶም ጉዒቶም ኣብ ከም በዓል EXPO ዝተረሸኑ ዝተሰውኡ፡ ሕድሮም እንተዘይጥለም፡ ስድራ ስውኣት ስእሊ ደቆም ጥራይ ዘይኮነ፡ ጭቡጥ ኽብሪ ተዋሂብዎም ጻማ መስዋቲ ደቆም ኣብ ህዝቦም እንተዝርእዩ  እቶም ስልማት ህዝቢ ዝኾኑ ኣካለ ስንኩላን ኣብ ክንዲ ኣብ ሓደ ቦታ መቀሚጢኦም ተውስነሎም፡ መሰሎም እንተሓተቱ ድማ - ሕማቅ ታሪኽ - ብዝይ ምሕረት ብኢድ ገዛእ ኣሕዋቶም ጌርካ ትርሽኖም፡  ኣብ ማእከል ህዝቦም ኮይኖም  ብትምህርቲ ኾነ፡ ብሕክምና፡ ብስራሕ፡ ብኩሉ መዳይ ሓለፋታት እንተዝግበረሎም፡  ሓረስታይ መጭዓንኡ ሒዙ ደድሕሪ ደቁ ክኽይድ መሬት ቆላሕታ ስኢና ዝበደመት እንተ ዘልምዕ፡ ዘመናዊ ሕርሻ ተኣታትዩ ከም ሓረስታይ ኤውሮጳን ኣመሪካን እንተዝኸውን፡ ስደተኛ ከምቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ምስ ፍልጠቱን፡ ተምክሮኡን፡ ትሕዝትኡን ዓዲ ኣትዩ ምስቶም ኣሕዋቱን ኣሓቱን  ብእዋን ደርጊ ግደ ሓሳረ መካራን ፍናቆትን  ዝነበሩ ሰብ  በቢዓይነቱ ሞያታትን ተመክሮታትን ሓቢሩ ህዝቢ ካብ ሓዘኑን ድኽነቱን ወጺኡ፡ ንመንገዲ  ብልጽግና  እንተዝጓዓዝ፡ ከምቲ ህዝባ ዝተጸበዮን ዝተኣማመሉን፡ ኤርትራ፡ ዓዲ ፍትሒ፡ ዓዲ ጸጋ፡ ዓዲ ቅሳነት ነይራ እንተትኸውን፡ ንስኻትክን፡ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ በብዓይነቱ ሕዝክንኦ ዘለኽን ስልጣን ህዝቢ ካብ ሓላፍነትክን ዝጽበዮ ዓቢ ኣዎንታዊ ለውጥታታ እንተትገብራ፡ እተን ስምክን ዝኸበደክን፡ ማለት ሓፍ ዘይብል ስልጣን ዘጸጉዕልክን ካብ ማህጸንክን ዝወጹ ቆልዑ’ኳ እንተዘይብልክን ኤርትራ ዝወለደቶም ከም ስርዓቱ ደቅኺ’ዮም። መንእሰያት ተማሂሮም፡ ንርእሶም ኮይኖም ንስድርኦምን ሀገሮምን ከገልግሉ ሕጊ ዝጠልቦ’ኳ እንተኾነ  እቲ ሕጊ ኣብ ምትግባሩ ሸለልትነት ወይ ጌጋ ከይግበር፡ ኣብ ሕማቅ ሳዕቤን ዘለዎ ሓውሲ ባርነት ዝኾነ ገደብ ዘይብሉ ዕስክርና ከይኣትዉ፡ ሰብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ፡ ገበነኛ ኮይኑ ምስ ዝረከብ ክእሰር ድኣ እምበር፡ ተጠርጢሩ ከይእሰር፡ እንተተኣስረ ድማ ዓለምለኻዊ ዝኾነ መሰል እሱር ክሕለወሉ እዝንኽን ኩር ኣቢልክን፡ ዓንኻን ኣፍጢጥክን እንተትርእያ፡

እቲ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ክጣበቅን፡ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ቆላሕታ ተገይሩለን፡ ትምህርተን ክቅጽላ፡ ተማሂረን ድማ፡ ኣብ ኩሉ ዓይነት ስራሓታውትን መሪሕነታትን ክካፈላን ባይታ ከንጽፈለን ከባራትዔን ዝቆመ ማሕበር፡ እተን ማራሕቱ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበራ ዝነበር ምሁራትን፡ ሰብ ተምክሮን፡  ኣብ ወጻኢ ዝነብራ ዝነበራ ኤርትራውያን፡ ክኢላታት፡ ብዙሕ ዓይነታት ትምህርቲ ቀሲመን ዘመስከራ፡ ከምኡ’ውን ወጻእተኛታት፡ ኣብ ናይ ሓፈሻዊ ደቂኣንስትዮ ምዕበሌ ተገዳስነትን ተፈላጥነትን ዝነበረን  - ከምቲ  ብግብሪ ዝኣቱ ገንዘብ  ኣይነበረ ገለ ኣይነበረ ጊዜ ገድሊ ምዃኑ’ዩ -  ብጥራዩ ዘይኮነስ ብስርዓት ሰብ ደሞዝ ኮይነን፡ ክሰርሓ እንተተታባብዓ፡ ክንደይ ኮን ፍስሃ ወሰላም ምወረደ፡ ክንደይ ኮን ታሪኽን ምጸበቀ፡ ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ኤረትራውያን ብኣኽን ምኾራዕና እዚ ዘይብሃል መንፈሳዊ ዕግበት ምተሰማዓና፡ ከመይ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ዝማሃራን፡ ዝግብኤን ክብሪ ምስ ዝረኽባ ፡ ምዕባለ ሃገር፡ ብሕልፊ ከም ሃገርና ዝኣመሰለት ህዝባ ዉሕድ ባህርያዊ ጸጋታታ ድማ ብዙሕ ኣብ ሓጺር ጊዜ ድኽነትን ድንቁርናን ነበረያ ነበረ ኮይኑ፡  ፍትሕን፡ ሰላምን፡ ራህዋን ነጊሱ ኤኮኖሚያ ዓወት ክስዕብ ዘየጣራጥር ሰለ ዝኾነ። 

እሞ ኣትን  ሰበ ስልጣን፡ ኣሕዋተይ፡ እንተ፡ እንተ፡ እንተ  ምባል እንታይ ፋይዳ ኣለዎ። እንሆ ነቲ ሰይጣናዊ ስርዓት ሃንዳሲኡን መራሒኡ ኮይኑን ሕሪሕራይ ጌይሩ ጠሊሙ ምስምስ ናይ ልእላውነትና ምድፋር ጌይሩ ኣሽሓት መንእሰይ ንከንቱ ዘጥፍኤ።  ምብትታን ስድራ ቤታትን፡ ምብሕጓግ ጽቡቅ ባህልን፡ ባህርያዊ ሃብትን መሊሱ ገዲዱ፡ ሃገር ኣብ ጥፍኣት፡  ሰባ ድማ ምስ ዉርደቱ ኣብ ምጽናት ዚኺዳ ዘሎ  መሳርሒ ኮንክን ተገልግላ ኣለኽን። እዛ ትሕቆን  ዘላ ዓለምና ወነንታ መሳርይኦም ክሸጡ ናትና ኣይኮነን ዝብልዎ ኣብ ማዕዶኦም ዝረከብ ወዲ ሰብ ኣብ ኩናት የእትዮም ቆልዓ ምስ ሰበይቲ ዘቅትሉ ኮይኖም እምበር ፕረዚደንት ኢሳያስ ብ እ-ሰብኣውነት - crime against humanity ተኸሲሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ዓለም ቀሪቡ ክፍረድ እዩ ዝግባእ ዝነበረ።

‘ህዝቢ ኤርትራ ነጻነቱን ክበረትን ክጭብጥ ን ሰላሳ ዓመታት እቲ ትፈልጥኦ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ’ዩ። መጋድልትኽን ኣብ ቅድሜኽን ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ እታ ሓንትን ክብርትን ህይወቶም ሂቦም እንድዮም፡ ንኻትክን ንርእስኽንሲ ጥይት ኒሒፋትክን እምበር ንመስዋእቲ ድልዋት እንዲኽን ኔርክን። እስከ ተሐታለይ ሕጂ ድኣ እንታይ ወረዱክን?  

ኣትን ኣሕዋተይ፡ ኣብ ውሽጢ ኮንካ ዓዉ ኢልካ ምቅላስ ዘይክኣል እንተኾነ ይዕበ ይንኣስ መንግስቲ ዘጸጋዕልክን ስልጣን ገዲፍክን ንስደት እንተተምርሐ፡ ተቃውሞኽን ምገለጽክን። ጽምም ኢልክን ቅሩብ ትምህርቲ ምወሰኽን፡ በቲ ዝተማሃርክንኦ ስራሕ እንተረኸብክን ማሕረ፡  እንተዘይኮነ ድማ  ስራሕ ስራሕ’ዩ ክብረት’ዩ፡ ኣብ ጽሬት ገዛውቲ እንተትዋፈራ ታሪኽክን ምጸበቀ። ግን ንስኻትክን ዊዕሉ ሓዲሩ ዘዋርደክን ሽመት ዝመረጽክን ኢኽን ትመስላ። ኢሳይስ ኣፈወርቂ ክገይሽን ክምለስን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ምፍናውን፡ መራሕቲ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኮንኩን ንደቂ ኣንስትዮ ከምዕብላ ሞራለን ኣውዲቅካ ደርቂስካ፡ መነባብሮ ከቢድውን ደቀን ከዕብያ ኣብ መሸጣ ርእሰን ከም ዝኣትዋ ምግባርን፡ ኣብ ቅድመኽን ሕፍር ከይበሉ ዝዓብዱ ኣቦ ደቅኽን ሰብኡትክን ክብሪ ዝብሃል ፈጺሞም ዘይህቡኽን፡ ኣጋይሽ ሒዞም ቤት ምስ መጺኦ፡ ሰራሕተና ገዛ’ኳ ዝገደፈቶ ዘሕፍር ክዳን ተኺድንኪን፡ መፍላሕትን ዓደልትን ቡን ኮንክን። ገሌኽን ኣንስቲ እቶም ሰብኡትክን ዋና መሳርሒ እቲ ስርዓት ኮይኖም ህዝቢ ዘሳቅዩ ዘለው ኮንክን ኣብ ደቅ ዝበለ ንግድ ኣቲኽን! ሰብኮ ህብትም ዊዓሉ ህብትም እንተሓደረ፡ ካብ ሰለስቲ ጊዜ ኣብ ማዓልቲ ምባልዕን፡ ካብ ኣብ ሓደ ጊዜ ሓደ ክዳን ምኽዳንን - ኣብ ሓንቲ ዓራት ምድቃሳን ሒሊፉ ዝገብሮ የብሉን። ከምቲ ጥራዩ ዝተወልዶ ጥራዩ እዩ ኣብ ፈጣሪኡ ዝኸይድ።

እሞ ኣትን ኣሕዋተይ፡  ዝተገብረ ከም ዘይተገብረ ክትገብሮ ኣይትኽእል ኢኻ። ክዉን ነይምለስ ጓህሪ ነይምለስ ዝብል ምስላ’ውን ኣለና።  ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስኩልክን፡ ካልእ እንተተረፈ ተቃውሞኽን ንምግላጽ ነቲ ስርዓት ራሕሪሕካ ምውጻእ እዉን  ጊዚኡ ሓሊፉ እዩ።  ሕጂ ናይ መጨረሽታ ናይ ፈተነ ሰዓት’ያ። ልብኽን’ሞ ኣርሕዋ፡ ዓይኒ ሓንጎልክን’ሞ ክፈታ፡ እተን ንኣሽቱ ኣዋልድ ዝንገርንን ዘዳልወንን ዘይብለን ኣብ ሳዋን ኣብ ካልኦት ቤት ማእሰርትታትን ተኣሲረን ናይ ኣዴታታአን ንመጀመርታ ጊዜ መጺእወን፡ ክርዕዳ  ገለ ሰባኣዊ ርህራህ ፈጺሞም ዘይጥፍኡ ሓለውቲ ጨርቂ ካብዝን ካብትን ቀዳዲዶም ከምጽኡለን፡ ድሓር ድማ  ናይ ኣራዊት ስራሕ መዝሓል ውዕይ ናይ  ሰበ ስልጣን ክኾና። ራዕዲ እቶም ኩሊቶም ልቦምን ኣብ ዕዳጋ ክወርድ ከም ዝኾነ ምስ ፈለጡ ዝነበሮም’ሞ  ዘክራ፡   ካብታ ኣብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝተለወጠት ሃገሮም  ክወጹ ክብሉ፡ ጀልባ - ኣደታት ምስ ዕሸላት ደቀን ዝርከብኣ -  ኣብ ምጥሓል ክትከይድ ከላ ዝነብሮም ራዕድን ስቃይን’ሞ ዘክራ።  ጸላኢና ይጸብጽቦ ክንደይ ኢለ’ሞ ክጽብጽብ’የ። እተም ምሳኽን ዘለው ወለዲ ወላዳት መኻናት ኮይኖም ጸምይዎም ንመቃብሮም ሙኽዓት ሓይሊ ዘይብሎም ክስደዱ፡ ገዛውቶም ክዕጾ፡ ሓደስቲሔ ገዛዉቲ ክፈርስ፡ ቤት ትምሃርቲ ክዕጾ ቤት ማእሰርታት ፈቀድኡ ክኽፈት ርኣያ።  ኣስተዕላ ድማ  ነጋዶ ኤርትራ ኣብ ማዕዶ ኮይኖም ክዕዘቡ፡ ዶክቶር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖም ኢትዮጵያውያን ድማ ኣብ ኤርትራ ክነግዱ፡ ኣብ ምጽዋዕ ክሸራሽደሩ ንዓስሰብ እንተ ክካረይዎ እንተ ክውንንዋ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ባሕሪ ዘይብሎም ወታሃደራት ከምጽኡ፡ ራኣያም እታ ጽርግያታት ና ብማይ ዝሕጸብ ዝንበረ ርእሲ ከተማና ሎሚ ጎዳጉዳ በዚሑ መሸቀጢ ቆሎ ኮይና።

ኣትን ኣሕዋተይ በብዓነቱ ስልጣን ኣለክን፡ ገለ ካብቶም ሓለፍቲ ወተሃደር ሰብኡትክንን፡ መጓጀምትኽንን፡ ንሳቶም ጓል ክስቶ ዝብሉኽን ንስኻትካን ድማ ወዲ ኩስቶ ትብልኦም እዮም።  ሰብ ናይ ዓለም ሽመት ረኺቡ ርእሱ እንተኣጥፍኤ እንታይ ይዓብሱሉ? ኣይብጻሕክን ድኣ እምበር ሽመትክንክ ንመርገም’ዩ ኣቃሊዑክን። ፍጹም ሕልፈት ናይታ ንስኽንን ህዝቢ ኤርትራን ዝተጋደለላ፡  70,000 ንልኡላውነትን፡ ክብረትን ህዝቢ ዝተስውኡላ፡ ልዕሊ 15,000 ድማ ህቡእ ሕልሚ ዝነብሮ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ሕጂ ብዘይኣጣራጥር ሕልሙ ክተግርብር ኮነ ኢሉ ኣብ ኩናት ኣኣትዮ ዘቅተለላ ስቅ ኢልክን ኣይትርኣያ፡ ሕልናኽን’ሞ ኣበራብርኦ፡ ተወከስኦ ተኣዝዝኦ ድማ፡ ክንድይ’ዩ ዕድሚኽንክ ዘይኮነስ ክንደይዩ ተሪፉክን ተባሂልክን ትሕተታሉ ጊዜ’ዩ።   እዚ ኳዕናን ህዝቢ ኤርትራ ትንኩልና ዘይፈልጦ  ጨካን ተንኮለኛ ዘጋጠሞ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ስቃይ እዚ ኣይምተገብኦን። እንተኾነ ነዚ’ውን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሓለፎ ክሓልፎ’ዩ። ሃየ ድኣ ተጓየያ፡ ተራኽን ውዕል ሕደር ከይበልኽን ግበራ፡ መዋዳእትኽን ኣጸብቃ።

ክብርን ምስጋናን ወትሮ ንዕኡ ንኣምልኽና ይኹን እናበልኩ ደብዳብይ እዛዝም ኣሎኹ።

ሓፍትኽን ኣበባ