ወሳኒ ተራ መሪሕነት!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሕ...)

20 ሰነ፡ 2018

********

ክሳብ ዝከኣለና ምልስ ኢልና ታሪኽ እንተ ፈተሽና፡ ካብ ህይወት ስድራ ቤት ክሳብ ህይወት ሃገር፡ ንኽፉእ ይኹን ንጽቡቕ፡ ንምዕናው ይኹን ንምህናጽ፡ መሪሕነት ወሳኒ ተራ ከም ዘሎዎ ንርዳእ። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ፡ ``ህዝቢ ከም መራሒኡ፡ ጥሪት ከም ጓስኦም`` ኢዮም ኢለ ነይረ። ኣብ ህይወት ብጭብጢ ዝተደገፈን ኣብ ዕለታዊ ህይወት ብትዕዝብቲ ዝረጋገጸ ከም ምዃኑ መጠን፡ ኩሉ ኪርድኦ ዝኽእል ኢዩ ምባል ቃል-ኣጋንኖ ኣይመስለንን።

ሎሚ፡ ፍረ መስዋእቶም ገና ብሓርነትን ፍትሕን ዘይደበስናሉ መበል 27 ዓመት መዓልቲ ስዉኣትና ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ኣማኢት ዓመታት ዕድመ ዘይሃሰሰ፡ መግዛእቲታት ጣልያንን እንግሊዝን ዝተገረሙሉ፣ ደሞክራሲያዊ ሕግታት እንዳባ ደንጊጎም ዘውረሱ ለባማት ቀዳሞት መራሕቲ ነይሮሙና ኢዮም። ብሳላ ቅኑዕ መሪሕነቶም ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ጥሪት መሰል ከይተረፈ እናሓለወን፡ በብዓድታቱ እናተኸባበረን ነማኢት ዓመታት ብምዕሩግ ባህሉ ዝልለ፡ ብሰላም ዝነበረ ህዝቢ`ዩ።

እንተ ኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብታሪኽ ኣይተዓደልናን። ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛእቲ ንዘመናት ምስግጋርና፣ ብሰላማዊ መንገዲ ንዝሰኣንናያ ናጽነትና ዋጋ ህይወት ስለ ዝሓተትና፡ ንበረኻ ምውፋርና ነቲ ካብ ወለዲ ናብ ውሉዳት ኪመሓላለፍ ዝግብኦ ምዕሩግ ባህሊ ሕግን ፍትሕን፣ፍቕርን ስኒትን፣ ሰላምን ርግኣትን፣ ምክብባርን ምትሕልላይን ተዀሊፉ እንኮ መፍትሒ ብረት ጥራይ ስለ ዝተገበረ፡ ሜዳ ደሞክራሲ ፍጹም ተቐቢራትሉ ዝነበረት ሳላሳ ዓመታት ምሕላፉ፣ ኣብ ልዳት ናጽነት፡ መንግስታዊ ተመክሮ ስለ ዘይጸንሓና፡ ብፍጹም እምነትን ግርህናን ዝተቐበልዮም ሕድሪ ስዉኣት ዝረገጹ ተዃሉ ስልጣን ዝገበቱ ሃገር ንምዕናውን ህዝቢ ንምጽናትን ብዘይ ሓይሊ ተቓውሞ ኪዕንድሩ ዕድል ስለ ዝረኸቡ፣ ብናይ ንብርክን ኣእምሮን ሃገር ዝኾኑ መንእሰያት ናይ ጥፍኣት ኲናታትን ወፍሪ ባርነትን ሰይጣናዊ ተግባር ኣተግቢሮም ዓንዲ ሕቖ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምስባሮም፣   ጊዜ እናለቀበ ኩነታት እናኸፍአ ምስ ከደ ካብ ጌጋና ክንመሃር ብዘይምኽኣልናን፡ ንዘይልሙድ ጸልማት ህይወት ከም ልሙድ ጌርና ስለ ዝረዓምናሉ፣ እነሆና ኣብዚ ዓለም ከይተረፈ ዝሰከሓሉ ኩነታት ንርከብ።

ግዱስን ሓላዪን ጓሳ ዘሎወን ጥሪት ኣዋፍረአንን ኣታኣታትወአንን ሰናይ ኢዩ። ንፉዕ ጓሳ ቅድሚ ምብጋሱ ጥሪቱ ይኣኻኽብ፣ ዋላ ሓንቲ`ውን ትኹን ተፈልያ ከይትተርፍ ኩለን ምህላወን የረጋግጽ፤ ቀጺሉ ትማሊ ናበይ ከም ዘውዓለን፡ ሎሚ`ኸ ናበይ እንተ ኣውፈረን ዝያዳ ሳዕሪ ጸጊበን፡ ማይ ሰቲየን ይኣትዋ ይውስን። ምስ ወፈረ፡ በረኻ ይጸረን፡ ከም ድላየን ናብ ድላየን ይኺዳ ኢሉ ኣብ ሓደ በሪኽ ደቂሱ ከዕርፍ ኣይደልን። ሰላመን ዚዘርግ፡ ናብ ሓደጋ ዘውድቐን ኣራዊት ከይህሉ ምሉእ ኣቓልቦኡ ናብ ጥሪቱ ጌሩ ሓለዋኡ ይቕጽል። ኣጋግዘ ኮይኑ እዋን እቶእቶ ምስ በጽሐ ኸኣ ከም ኣዋፍራኡ ጥሪቱ ኩለን ምህላወን ድሕሪ ምርግጋጽ ንገዝኡ ይብገስ። ምስ ኣተዋ ዝሕለባ ምስ ሓለበ፡ ነኣሽቱ ምስ ኣዴታተን ኣራኺቡ ምስ ኣጣበወ፡ ብእፎይታ ይዓርፍ።

መሪሕነት ህዝቢ`ውን ካብዚ መጓሰ ጥሪት ዝፍለ ኣይኮነን፣ እቲ ቀንዲ ዘመሳስሎ ናይ ጓሳን ናይ መራሕን፡ ሓልዮት ኣብ ልዕሊ ድሕነትን ምስሳንን ጥሪትን፡ ሓልዮትን ክብርን ኣብ ልዕሊ ሓርነትን ሰብኣዊ መሰል ህዝብን፡ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ስለ ዝኾነ።

ወሳኒ ተራ መሪሕነት፡ ታሪኽ ከም ዝሕብሮ፡ ክልተ ባህሪያት ዝሓዘለ ምዃኑ ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ባህሪ ወሳንነት መሪሕነት - ብከም ሩሲያዊ ጆዘፍ ስታሊን፡ ቺናዊ ማኦ፡ ጀርመናዊ ሂትለር፡ ሩሜናዊ ቻውቸስኪዩ፡ ካምቦድያዊ ፖልፖት ወ.ዘ.ተ. - ከም ላዕልዎት ኣብነት ወልቀመለኽቲ ዝስመዩ፣ ብኣዚዩ ኣዕናውን ኣጽናትን ኲናታት፡ ብሰይጣናዊ ጭቆናታትን ፍጹም ሰብኣዊ ግህሰታትን ዝፍለጡ መርገም ነፍስወከፍ ህዝቦምን ምሉእ ዓለምን ምንባሮም ይፍለጥ። ኣብ ውሽጢ ሃገራቶምን ካልኦት ሃገራትን ዝፈጠሩዎ ጸልማት፡ ወረስቱ በሪሶም ዝጸነቱ ስድራቤታትን ዘጽነትዎም ኣህዛብን ቆጺርካ፣ ዘዕነውዎ ንብረት ዓቂንካ ዘይወዳእ፣ ክሳብ ሎሚ ዘይሓወየ ዝሓደጉዎ ዓሚቝን ሰፊሕን ስምብራታት ዘይሃስስ ምዝጉብ ታሪኽ ኢዩ። ኣብ ዓለም ብምልካዊ ስርዓት ዚርገጽ ሰላማዊ ህዝቢ፡ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ሓሪሙዎ ሓሳቡ ከይገልጽ ተዓቢሱ፣ ብዓጸቦን ሕማምን ማሲኑ ብማሕለኻ ፍርሃት ህሉው ምዉት ዝኾነ ኣህዛብ ብቢልዮናት ዝግመት`ዩ እንተ ተባህለ ካብ ሓቂ ዝወጸ ኣይኸውንን።

ብኣንጻሩ፡ እቲ ካልኣይ ባህሪ ወሳንነት መሪሕነት - ብመሰረቱ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ዘመሳስሎ ሓቂ ኣብ ትሕቲ ግዝኣተ -ሕጊ ብፍትሒ እናተዳነየ ብሓርነት ኪስስን፣ ሰላምን ምዕባለን ከስተማቕር ዚብህግ ምዃኑ ኢዩ። ጸጋ ቅኑዕን፡ መትከላውን ሓላዪን መሪሕነት ምስ ዚረክብ ከኣ ባህጉ ክውን ይኾነሉ።

ህዝቢ ኤርትራ ብምሁራት ደቁ ተጠሊሙ፡ ብሰሪ ስእነት ቅኑዕ መሪሕነት፡ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተዘርዘረ፡ ኣብ ጸልማት ይነብር ኣሎ። ብኣንጻሩ፡ ጎረቤቱ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ዝተፋላለዩ ብበትሪ ክገዝኡዎ ዝጸንሑ ሓይልታት፡ ብጸጋ ትምህርቲ ዝዓምበበ፡ ብተመክሮ ስራሕ ዝበሰለ፡ ደላይ ሰላም ዶክተር ኣቢዪ መራሒ ተዓዲላ፡ ኢትዮጵያ ርግኣትን ሰላምን እናሰፈና ክትከይድ፣ ኣንጻር ድኽነት ናብ ምዕባለ  ከተድህብ ትረአ ኣላ። ዶክተር ኣቢዪ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ ናይ ህጹጽ እዋን ምልካዊ ኣዋጅ ሰሪዙ ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሕ፣ ፈቐዶ ሃገራት እናገሸ ሰላም ኪተክል፡ እሱራት ዜጋታቱ ከፍትሕ ይረአ ኣሎ። ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ግርጭት ንምፍታሕ ነቲ ዝሓለፈ ብይን ተቐቢለዮ ክብል ከኣ ንዓለም ኣፍሊጡ ኣሎ።

ድሕሪ ነዊሕ ዓቕሊ ጽበታዊ ስቕታ፡ ሎሚ ህግደፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኻት ክሰድድ እየ ኢሉ ኣብ መዓልቲ ስዉኣት ኣዊጁ። ወዮ ድኣ ዕላማኡ ምዕናው ሃገርን ምጽናት ህዝብን ብምዃኑ ካብቲ ዋላ ከም መላኺ ምስ መራሕቲ ሃገራት ምርኻብ ኣቋሪጹ፡ ዲጋ ኣብ ምሕላውን ኣባጊዕ ኣብ ምፍራይን ካብ ዝኣቱ ዓመታት ኣቝጺሩ ምህላዉ ህዝቢ ዝፈልጦ`ዩ። ካብ መጀመርያ`ውን ብዲፕሎማሲያዊ ዓይኒ ናይ ዕሸላት ኣተሓሳስባ ከም ዘዘውትር ምዝጉም ሓቂ ኢዩ። ሕጂ ኸኣ፡ ``ዘመን ዉቤ ዝጸመመስ ዉቤ ክብል ከረመ`` ከም ዝብሉዎ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ወያኔ ክብል ስለ ዝጸንሐ፡ ሕጂ ወያኔ ተሳዒራ ኢሉ ንዓታቶም ከሕርቕ ክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕሉ ዲፖሎማሲያዊ ኣገባብ ጥሒሱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሰባት ኪልእኽ ምዝራቡ ዘገርም ኣይኮነን። እምበር፡ ከም ግቡእሲ ሕቡራት ምንግስታት ዝሳተፎ፡ ኣብ ዝሰማምዑሉ መንጎኛ ካልእ ሃገር ኣፈናዊ ርክብ ኪግበር ምተገብኤ። ህዝቢ ኤርትራ ባዕልና ክንመልሶን ክንሕልዎን ዝግብኣና ወግዕናን ክብርናን ካብ ዘጥፍኣልናስ ፍርቂ ዘመን ኣቝጺሩ ኣሎ።

 ስለዚ፡ ናይ 27 ዓመታት ሓርነትን ፍትሕን ኣጸልሚቱ መዳርግቲ ዘይብሉ ህዝቢ ዘጽነተ ፋሺስታዊ ስርዓት ውልቀመላኺ፡ ሎሚ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ተኺሉ ፍትሒ ህያው ኪገብር ምጽባይ ካብ ኣፍ ሓርገጽ ህይወት ምጽባይ ኢዩ`ሞ፡ ከንቱ ትጽቢት ማይ ምሕቋን ከይኮነና ንጠንቀቕ። ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዙሉ ዝጸንሐ ኣርእስቲ ዶብ ኣብ ምንታይ ይዓልብ ውጽኢቱ ክንርኢ ትም ኢልና ካብ ምጽባይ ግን ማዕበል ድምጺ ከነስምዕ ቅዱስ ሓላፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ምዃኑ ንረዳእ።

 

ሓርነትን ፍትሕን፡ ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!

ግብራዊ ሞገስን ክብርን ንስዉኣትና!!!