June 17 2018

መንፈሳዊ ማዕበል፡ ህዝባዊ ሰላማዊ ምንቅስቃስ

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡

ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም፡ ከምይ ኢልክን: ቀኒኻን፡ ኣነ ብዘይካ እቲ ብ ኣለክሳንደር ዝተኣወየ ናይ ልብያ ኣውያት፡ ዝግባእ ኣቃልቦ ዘይምሃብ ምሽቃልን፡ ሕጂ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ጠቅላይ ሚንስተር ብዝተዛረቦ ናይ ሰላም ድልየት፡ ንሕና ስቅ ብምባላና ዘስደምመኒ ዘሎን እንተዘይኮይኑ፡  እግዚኣቢሄር ይመስገን ጽቡቅ ኣሎኹ።

እምባኣር ሎሚ መንፈሳዊ ማዕበል፡ ህዝባዊ ሰላማዊ ምንቅስቃስ ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ እንሆ ቀሪበ ኣሎኹ።

ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ፡ ናይ ደባይ ኩናት ተጠቂሙ፡ ዝተሰርቀ ናጽነቱ መሊሱ።  በዚ ከምዚ ኣገባብ፡ ዓለም ዘደነቀ፡ ዓወት ስለ ዝረኸብና ግን፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ መንጎ ናይ ደባይ ኩናትን፡ ከም ሃገር ኳንካ ኣትኪልካ - 90,000,000 ህዝቢ ምስ 5,000, 000 - ምውጋእ፡ ፍልልዩ ሰማይን ምድርን ክነሱ፡ ምስቶም ሰብ ተመክሮ ላዕለዎት ተጋደልቲ: ኣብ ኤርትራ ብኣመራርሓ ኩናት ዘመስክሩ ከይተማኸረ፡ ኣብ  ኩናት ኣቲና። ካብቲ ሒዝኩሞ ዘለኽም ሜሬት’ሞ ዉጹ፡ ንዝርርብ ክጥዕም ተባሂሉ ምስ ተሓተ፡ ኢሳይስ ኣፈወርቂ፡ ኣዳዕዲዑ ካብ ባድመ ኣይንወጽእን ኢና፡ “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት፡ ጽሐይ ሞይታ ማለት’ዩ” ኢሉ ከብቅዕ፡ ሰራዊት ኢትዮጰያ ሺሾ ኮይኑ ምስ መጸ ግን፡ መብዛሕትኦም ናይ ሳዋ ታዓላመቲ መንእሰያት፡ ከምቶም ቀዳሞት ኣያታቶም ንዕላማ ኢሎም ገና ከይሰወቱ፡ ዝሓረሩ፡ ዝተዓጽዱ፡ እዚኣቶም ድማ ከይሰወቱ ሓሪሮም፡ ተዓጺዶም፡ ሃሊቆም፡ ተሰዊኦም። ብሸነኽ ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ ብዙሓት ሃሊቆም’ዮም።  ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ እዚ ፍሽለት ኣዚ ምስ ተረኽበ፡ ሬሳታት’ኳ ኣይተላዕለ፡ ዕስለ ሃመማ ኣብ ዕቋር ረሰሓ ማይ ኣትዮም ከም ዝሞቱ ቆጺሩ’ዩ ይመስለኒ፡ ሕንኽ ከይበለ ከም ቀደሙ ኣብ ባራት ኣስመራ ክሰትን፡ ክሰክርን ሐዲሩ። 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ብዛዕባ ኣብራሃም ሊንኮን፡ ቀደም ዘንበብክዎ ዘኪረ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ገለ ጽሑፋተይ ጠቂሰዮ ነይረ። ኣብራሃም ሊንኮን ፕረዚደንት ከሎ፡ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡቡን ኣመሪካ ብርቱዕ ኩናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓደ ሚሊሽያ መንእሰይ፡ ሓላው ናይ ኣጽዋር መኽዘን ኮይኑ ደቂሱ ምስ ተረኽበ፡ ሀገር ኣብ ሓደጋ ኣውዲቅካ፡ ተባሂሉ፡ እቲ ናይ ሚሊታሪ ቤት ፍርዲ ንሞት ፈሪድዎ። ስድርኡ ናብ ፕረዚደንት ምስ ጠርዑ፡ ፕረዚደንት ኣብራሃም፡ እቲ መንእሰይ፡ ጓሳ ማል፡ ከብቱ ጉሱይ ዊዕሉ ብሸዓኡ ምድቃስ ስለ ዝለመደ ድኣ እምበር፡ ሀገሩ ኣብ ሽግር ከእቱ ኣይኮነን ደቂሱ። ሀገርካ ትደልየካ ኣላ፡ ተባሂሉ ብድድ ኢሉ ምምጽኡ፡ ክምስገን ድኣ እምበር፡ ንሞት ክፍረድ ኣይግብኦን ኢሉ፡ ምስዚ ክንድዚ ሓላፍነቱ፡ ለይቲ ተለግራማት ክቅበልን፡ ክስድድን እናሓደረ፡ ኣብቲ እሱር ከይዱ፡ ኣዛራሪቡ ነጻ ሰዲድዎ። ፕረዚደንት ሊንኮን ትንፋስ ሓደ ሰብ ብከንቱ ክትጠፍእ ሕልንኡ ኣይተቀበሎን።  ፕረዚደንት ኢሳይስ  ግን፡  ሞት ሓደ ሰብሲ ይትረፍ፡ ህልቂት ናይ ኣሽሓት መንእሰይ  ፈጺሙ ቅጭጭ ኣይበሎን። 

ብዝኾነ፡ ብምኽንያት እዚ ናይ ዶብ ውግእ፡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ምስ ተሰጉ፡ ጉዳሳት ሙሁራት ኤርትራውያን 9 ኣቢሎም ዝኾኑ  ኣኼባታት ኣካይዶም፡ እቶም ስደተኛታት ከመይ ጌይሮም ከም ዝሕገዙ ምስ ተዛራረቡ፡ ዜጋታት ንሰላም፡ Citizens for Peace ዝብል ማሕበር ኣቁሞም። ዕሙቅ ዝበለ መጽናዕቲ ምስ ገበሩ ድማ፡ ሰደተኛታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተማዛበሉ፡  ማለት internally displaced  ተባሂሎም ኣብ ሕቡራት መንግስትታን፡ ከተማታት ኢውሮጳን ኣመሪካን፡ ካናዳን እናዞሩ፡ እቲ ሽግር ከቃልሑን፡ ሓገዝዎም ክብሉን ጎስጓስ  ገይሮም። ኣብዚ ጥራይ ኣይተወሰኑን፡ ነዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ብዛዕባ ሰላም ንክልተ ማዓልትታት ሰሚናራት ኣካይዶም። እቲ ሕርቃንን፡ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስሚዒታትን ተሪፉ፡ ምስ ኢትዮጵያውን ኣሕዋቶምን፡ ጎረባብቶምን ብሰላም ክነብሩ ከም ዝደልዩ ምስ ገለጹሎም፡ ዜጋታት ንሰላም፡  ናይ መንግስቲ መርገጺ ብዘይኣገድስ፡ ምስ ከምኣቶም ዝኣመሰሉ፡ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ተራኺቦም፡ ኣብ መንጎ ክልተኤን ሀገራት፡ ውግእን፡ ምቅሕሓርን፡ ጽልእን፡ ኣኽቲሙ፡ ሰለም ክሰፍን ነንመንግስቶም ክደፋፍእወን፡ ፈለማ ኣኼባ ኣብ ኖርዋይ ኣካይዶም።  ከም ኣጋጣሚ ኣብቲ ኣዋን’ቲ ፕረዚደንት ናይ ኣስመራ  ዩኒቨርሲቲ ተማሃሮ፡ ተኣሲሩ ኣብ ቤት ፍርዲ መጺኡ። ተማሃሮ ተኣኪቦም ኣብቲ ቤት ፍርዲ ምስ መጹ፡ ኮማንዶስ  እናቀጥቀጡ ኣብ ዓበይቲ መኻይን ሰቂሎም፡ ናብታ ብዋዒኣ ሲኦል ዝኾነት ዊዓ ወሲዶም፡ ክልተ ተማሃሮ  ብጽሓይ ዝኣክል ምስ ሞቱ፡ ዜጋታት ንሰላም በተን ሽዑ ነጻ ዝነበራ ጋዜጣታት፡ ተማሃሮ ሰብእዊ መሰሎም ከም ዝተገፈን፡  ማዕረ ንክልተ ተማሃሮ ሓደጋ ሞት ከም ዝበጽሖም ንህዝቢ ነጊሮም። ከምዚ  ብምግባሮም መንግስቲ ኣዝዩ ተቆጢዑ፡ ክውሓጠሉ ኣይከኣለን። እታ ዓብይ ተስፋ ዝነበራ ማሕበር ድማ መኺና ተሪፋ።  እቲ ናይ ዶብ ኩናት ደው ምስ በለ፡ ኣጎልጉለት ናይዘን ነጻ ጋዜጣታት እዚኣትን መንግስቲ ኣይደለዮን፡ ናይዞም ተማሃሮ ናብ ሞት ዘብጽሕ ግፍዒ ምቅላሕን፡ ካልእ ሐድሓደ ነገራት ምስ ተወሰኾ ድማ  ነተን ጋዜጣታት ምዕጻው ጥራይ ዘይኮነ፡ ነተን ኣካየድተን’ውን ኣሲሮሞም። ኩላትና ከም ንፈልጦ ድሃዮም ዝፈልጥ ሰብ የሎን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓደ ተማሃራይ፡ ወለዱን መማሃራኑን ጥራይ ኣይኮኑን ዘምህርዎ፡ ብሙሉኡ እቲ ህብረተሰብ’ዩ። ጠቅላላ ናይ ምክያድ ወጻኢታት ናይታ ቤት ትምህርቲ ካብ መንግስቲ’ዩ ዝኽፈል።  መንግስቲ ድማ ካብ ህዝቢ ብርሃጹ ዘምጽኦ ገንዘብ፡ ብቀረጽ ገይሩ ንኹሉ ይዓምም። ሓደ ሙሁር ተማሂሩ፡ ንህዝቢ ከገልግል እምበር፡ ተማሂሩ፡ ንርእሱ ጥራይ ናብርኡ ከጣጣሕ ኣይኮነን። ህዝብና ለቅሓ ኣይፈቱን’ዩ። እንተተለቅሔ ድማ - ናይ ሕጂ ኣይንርኤ - ከይከፈለን ኣይድቅስን’ዩ፡ ሓደ ሰብ ተዓድዩ፡ ምኽፋል እንድሕሪ ስኢኑ፡ ሻህን ብኑን ኣዳልዩ፡ ንቤተሰቡን፡ ፈተውቱን ጸዊዑ ኣግሂዱ ቅለቱኒ’ዩ ዝብል፡ ብኸከም ዓቅሞም ዘዋጽእዎ ድማ ለቅሕኡ ይኸፍል።  እምባኣር ተሚሂሩ ንህዝቢ ብቅኑዕ መገዲ ዘየገልግል፡ ንረብሐ ህዝቢ ዘይገልግል፡ እንተኾይኑ ከምቲ ክኸፍል እናኻኣላ ዘስቅጥ፡ ነውራም ተለቃሒ’ዩ።

 ኣብዚ ዝሓለፈ 27 ናይ ጸልማት ዓመታት፡ ምሁራት ኹኑ፡ ዉዱባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት ኣብ በበይኑ ጊዜ፡ በብሓደ ወይ በብንእሽቶ ጉጅለ፡ ግቡኦም ገይሮም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። ሓቢሮም፡ ንህዝቢ ዘዕግብ፡ ካብዚ ስኦል እዚ ዘውጽእ ተግባራት ግን  ገይሮም ክብል ኣይክኣለን።  ፍትሕን፡ ፍቅርን፡ መለዮኦም ገይሮም፡ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታቶም ይኹን፡ ጌጋታት ህዝቢ ተማሂሮም፡ ዝትክእዎም መንእሰያት ኣፍሪዮም፡ ንጹር ዝርዝር  ዕላማ ኣብ ናይ ትመጽእ ኢርትራ ገሊጾም፡ ላዕልን ታሕትን ኢሎም ተጻፊዖም፡ ሕሰም ስደታኛታት ኣቃሊሎም፡ ስለ ዘይተጓዓዙ እዮም ዘይትዓወቱ።   ዜጋታት ንሰላም እቶም ጀመርቲ ሙሁራት - Founding Members - በይኖም ኣይኮኑን እቲ ኣደናቂ ስራሕ ዝሰርሑ።  ኣብነታዊ ስርሖም ርእዩ፡ ህዝቢ ስለ ዝሰዓቦም’ዩ። ምሁር ክብሃል ከሎ፡ ናይ ዘመን ደግሪ ዘምጽኤ ጥራይ ኣይኮነን፡ ብዝያዳ’ኳ ተመክሮ ዝማሃሮ፡ ካብ መጽሓፍ ኣንቢብካ ዘይርከብ ኣፍልጦን ኣኽባር ፍትሓን፡ ተገዳስነትን ዘለዎ እዩ።

እምበኣር ዝሓለፈ ሓሊፉ እንድዩ፡ ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን’ዚ፡ ምሁራት ዕዳኦም ክኸፈሉ፡ በርጌሳዊ ማሕበረት ብሓዲሽ መንፈስ ክትንስኣ ግቡእ’ዩ። ዉዱባት፡ ናይ ዝሓለፈ ንቁጽ ምትርካስ፡ ገዲፎም፡ ታሪኾም ተሰኒዱ ከም ታሪኽ ክዝከር ጥራይ’ዩ ዝግብኦ። “ኣይ ንሕና እንዲና ንፈልጥ” ኢልካ ምእንታት፡  ደቅኻ ኣብቲ ዝበለጸ ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ቤት ትምህረቲ እናምሃርካ፡ እቲ ናይ ጽባሕ ተካኢ ወለዶ፡ መንእሰይ ሃገርካ ክእሰር፡ ክስደድ፡ ኣብ ባሕሪ ክሽመም፡ ክሕረድ፡ ክሽየጥ፡ ክልወጥ፡ ክንዲ ንዓለም ኡይ ትብል፡ ሐገዛት ካብ ገበርቲ ሰናይ ክትረክብ ትዋናጨፍ፡ ሓገዛት ረኺብካ ንስደተኛ ተስፋ ትኸውን፡ ኣለውና’ባ ኢሎም ስቃዮም ዝቃለል፡  ልብኻ ተሪሩ፡ ዝርኤ ድንጋጸ ዝባህል ዘይብልካ፡ ሙሁራት ኢና፡ ናይ ሜዳ ንመሪሕነት ዘብቅና፡ ተመክሮታት ኣለና፡ ዝብል ትምክሕቲ ብኣፍ ዘይተተምብሄ፡ ንሰብ ከተረድእ ኢልካ፡ ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ዓዲ ምጽፋዕ - shuttle diplomacy ይብልዎ እዞም ዓዲ - ዉዱቅ ዓዲ ዘይግብር፡ ህዝቢ ናይ ሰላምን ፍትሕን ሃንቀውትኡ ፈጺሙ ዘየርዊ’ዩ። ብስነስርዓት እንዶ ሓቂ ንዛረብ፡ ሕጂ ሐቂ ዘይተዛረብና መኣስ ኢና ድኣ ክንዛረብ።  ሕልናና’ሞ ንመርመር፡  ብናይ 30 ዓመታት ውግእን፡ ናይ 27 ከንቱ ዓመታት ሰይጣናዊ ኣዕናዊ መግዛእትን፡ 100 ዓመታት ንድሕሪት ከም ዝተመለስናን ሕሪሕራይ ጌርና ከም ዝደኸናን ዝደንቆርናን እሞ ንእመን፡ ነዚ ዘሎ መንእስይ፡ ብፍቅርን፡ ብትምህርትን፡ ኣብ ሕቁፎ ወለዱን ህብረተሰቡን ተኾስኩሱ ዓብዩ፡ ተካኢ ከም ዝኸውን ምግባር ኩነታት ይሓናኹለና ከም ዘሎን፡ ንዓለም ክጠቅም ዝኽእል ባህልና ከም ዘጥፋና’ሞ ንእመን፡ ኩላትና’ሞ ትሕትና ንልበስ፡ ልቦና ጌርና ርእሰልውጥ’ሞ ንግበር፡ ድሓር ህዝቢ ይፍረድ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ሓዲሽ መራሒ ጠቅላይ ሚንስተር ናይ ኢትዮጵያ - ዶክቶር ኣብይ ኣሕመድ - ምስ ኤርትራ ሰላም ከም ዝደልዩ ገሊጹ። ኣመንቲ ሀይማኖት ካቶሊክ፡ ኣንስትን ሰብኡትን፡ ነዚ ናይ ብፕራይሚንስተር ጻዊዒት ናይ ሰላም ቆጽሊ ተቂቢሎሞ፡ ሐጎሶም ገሊጾም።  ንመራሕቲ ኤርትራ ድማ ነዚ ናይ ሰላም ጻዊዒት ክቅበልዎ ኣማሕጺኖም።  መንግስቲ ኢርትራ ኣብ ሃይማኖት ተዋህዶ ኢዱ ኣእትዩ፡ ንድያቆናትን ካህናትን ኣሲሩ፡ ንጳጳስ ኣብ ገዝኦም ምስ ሓየሮም፡ መብዝሕተኤን ናይ ተዋሃዶ ቤተክርስትያናት መንግስቲ ዝገበሮ ኮኒነኦ፡ ኣውያትውን ቀጺለን። ዘስቀጣ ቤተክርስትያናት’ውን ኣለዋ። ሕጂ ግን ናይ ሕድገትን፡ ኣርሒቅካ ምሕሳብን ጊዜ ስለ ዝኾነ፡ ኣመንቲ ሃይማኖት ተዋህዶ፡ ኣንስትን ሰብኡተን፡ ምስተን ካልኦት ናይ ክርስትያን ሃይማኖታት ኣንስትን ሰብኡትን፡ ምስ ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣንስትን፡ ሰብኡተን ሓቢሮም፡ ከምዚ ኣመንቲ ሃይማኖት ካቶሊክ ዝገብርዎ፡ ነቲ ጻዊዕት ሰላም ቆጽሊ ተቀቢሎም፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ድማ ነዚ ጻዊዕት’ዚ ክቅበልዎ ከማሕጽኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ፡ ልዕሉ ቆላሕታ ክውሃቦ ይግብእ። ክቡር ኣቦና ሓጅ መሓመድ ሙሳ ኑር ምስ ተኣስሩ፡ እቲ ምኽንያት ቤት ትምህርቲ ኣል ኢስላምያ ኮይኑ፡ ኣቤቱታ ኣብ ኣኽርያ ምስ ተጀመረ፡ ጠያይት ክሳዕ ዝዘንብ፡ ክርስትያንን፡ ኣስላምን ሓቢሮም መሪሾም’ዮም። ኣብ ወጻኢ ዘሎ ድማ፡ ክልቲኤን ሃይማኖታት፡ ብተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ብዝሒ፡ ብሕልፊ ደቂ ኣንስትዮ፡  ኣስላም ናይ ክቡር ኣቦና ጳጳስ ኣንጠንዮስ፡ ክርስትያን ናይ ክቡር ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣሳእል ሒዞም፡  ኣብ ከተማታት ኤውሮጳ ተቃውሞኦም ገሊጾም’ዮም። ናይ መራሕቲ ኩለን ሃይማኖታት ምትሕብባር፡ ነቲ ህዝቢ፡ ክምህ ከይበለ ንመሰሉ ደው ክብል ከበርትዖ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ህዝቢ ሓሳቡ ክግልጽ፡ ድምጹ ክስማዕ ዘይንቡርን ዘይግቡእን ዘይኮነስ፡ ንብሩን ግቡኡን እዩ። ጉዳይ ሰላም ንኽልተ መንግስታት ጥራይ ዘይኮነ ዘገድስ። ብዝያዳ ነቶም ክልተ ህዝብታት እዩ ዘገድስን ክዋስኣሉ ዝግብኦምን። ሰላም ምስ ዘይህሉ፡ እቲ ህዝቢ’ዩ ዝሳቀ፡ እቲ ህዝቢ’ዩ ዝስደድ፡ ዝዋረድ፡ ዝሓስር፡ ፋሕ ብትን ዝብል፡ ኣብ ዘይሓሰቦ ከቢድ ፈተና ዝወድቅ። መንግስቲ ማለት ቁጽሮም ብዙሕ ዘይኮነ ሰባት’ዮም። ካብ  ቁጽጽሮም ንላዕሊ ኣብቲ ሃገር ሰላም ምስ ዝሳኣን፡ መድሎ እንተረኺቦም፡ ገንዘብ ኣለዎም፡ ዝቀበርዎ ሕልናኦም ተባራቢሩ ድቃስ እንተዘይከሊእዎም፡  ኣብ ዓዲ እንዳማቶም ከይዶም ኮሪዖም ብሰላም ክንበሩ ይኽእሉ’ዮም።  ንሕና  ከም ህዝቢ መጠን፡ ብሕልፊ  እዞም ኣብ ወጻኢ ዘሎና ኣብ ቅሩብ መዓልታት ተዋዳዲብና ብመራሕቲ ሃይማኖታትና ማእኪልና፡  ከምቲ  ኣብ ጀኒቫ ዝተገብረ ኣብ ኩሉን ኤርትራውያን ዘለናዮ ዓድታት፡ ናይ ሰላም ድልየትና እንተነቃልሕ፡ ጽምኣተ ሰላምና ዓለም ምትዓዘቦ፡ ንሕና ድማ ምኾራዕና እብል።  ብኹሉ መዳይ፡ ፍጹም ሕብረት ጌርና፡ ምስ ንግስግስ ጥራይ ኢና፡ ነዚ ጸሊም ደበና ንሃገርና ን27 ዓመታት ኣጸልምትዎ ዘሎ፡ ሓንሳእን መወዳእታን ካብ ሰማያትና ንቅንጥጦ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣፍና እንተለፍለፈ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ይኹን ፈቀዶ ደምበታት፡ ኮለል እናበልና፡ ነቲ ጽሑፋት ይኹን ዘረባታት ተገንዚብና፡ ኣብ ክንዲ ምክታዕን፡ ዝትግበር ምትግባርን፡ ንወረ፡ ከምዚ እምበር ተገይሩ፡ ከምዚ እምበር ተባሂሉ እንተበልና፡ ኣብ ክንዲ ንሰርሕ፡ ንተሰርሔ፡ ንተዘርበ ክንመራምር፡ ከነቋማጥዕ፡ ወርቃዊ ጊዘና እንተጥፋእና- reacting instead of acting - ዘለና ኮይኑ ይስማዓና። ምህላው’ኮ ብዙሕ ዓይነት’ዩ። ግን ክንኣምኖ ኣይንደልን ንኸውን እምበር፡ ከም ህዝቢ ካብ ዝፍለጠና ንላዕሊ ቀስ እናበልና ንጠፍእ ኣሎና።  ኢሳይስ ኣፈወቂ፡ መንእሰያትና ሓውሲ ባሮት ጌይሩ ከብዶም’ኳ ኣይጸገበ ባህርያዊ ሃብትና ዝግሕጡ ናይ ኤኮኖሚ ገዛእቲ ገይሩልና እዩ።  ሃገርና ኣብ ዓቢ ስትራተጀካዊ ቦታ’ያ ዘላ። ሕጂ ድማ ናይ ዓለም ጎባልል ብግህዶ፡ ብቁልጡፍ፡ ንጠቅሞም ኢሎም ከም ኩዕሶ፡ ከም ድላዮም ክቀላልዑና ይጓየዩ ኣለው።  ህዝቢ ኤርትራ ልዑላውነቱ ክሳብ ዝተኸበረሉ፡ ምስ ኩሎም ጎረባብቱ ብሰላም’ዩ ክነብር ዝደሊ። እዛ ሕጂ ህዝባ ዝቅጥቀጥ ዘሎ የመን፡ ርእሲ ክተማኣ ብእዋን ቃልሲ ከም ዋና ከተማና’ያ ነይራ፡ ሶማል ውን ከምኡ። ሱዳን ንግደፎ፡ ሰላሳ ዓመታት ሓንሳእ ሓንሳእ’ኳ እቲ መንግስቲ ለኽበጥበጥ እንተበለ፡ ህዝቢ ክሳዕ ዝኣኽሎ ሐቁፉና’ዩ። ሕጂ ዶባም እንተዓጸዉ፡ ምኽንያቱ እንተይ ኮን ይኸውን? ብወገናኻ እንታይ ኮን ተጻሕቲሩ ይኸውን ኢልና ብጽሞና ክንሓስብ ይግብእ።  ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብውግእ ምስምስ መንእስይ ጅሆ ሒዙ፡ ህዝቢ ዝሰተ ማይ ሲኢኑ ርድኡና እንተበለ፡  ኪዱ ኣብ ማይ ዘለዎ ዝብል፡ ህጽቢ ፍጹም ከይጥፍኤ ደቂሱ ዘይሕድር ሰብ ከም ዝኾነ፡ ኤርትራዊ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ሰባኣይ ምስ ሰብይቲ፡ ክርዳእ ኣለዎ። ድሓር ድማ እንታይ ከም ዝኾነ ርኸብዎ ኢሉና’ምበር፡ ኢሳያስ’ኮ ካብ ዝነግስ፡ እሞ ኣንደበቱ ኩሉ ካብ ዝፍለጥ 7 ዓመታት ዘይኮነስ 27 ዓመታት’ዩ ኮይኑ።  ሕጂ ወይለይ፡ ወይለይ ኣንታ፡ እንታይ ድኣ ኢና ኮይና? ኣብ ምንታይ ድኣ ኢና ኔርና?  ኢልና፡ ህድእ ኢልና ኣብቲ ናይ ቀደም፡ ናይ ፍቅርን፡ ፍትሕን ባህልና ተመሊስና፡  ማይን ጸባን ኮይንና፡ ሓቢርና ምስ እንትንስእ፡ እቲ ከቢድን፡ መሪርን ዋጋ ዝኸፈልናሉ ክብርና ክንመልስ፡ ንኽእል ኢና።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዙሕ ጊዜ፡ ንዓናን ንህዝብናን ክንገብሮ ንደሊ ዘይንገብሮ፡ ህግደፍ ስለ ዝዕንቀፈና’ዩ ንብል። እወ ህግደፍ ዓንቀፍቲ ዘይኮኑ ኣይኮኑን። እንተኾነ ግን እቲ ምኽንያት፡ ናታቶም ሓይሊ ዘይኮነስ ናህና ስንፍና’ዩ። ንሙዃኑኸ ህግደፍ መን’ዮም? ሓደ ፓርቲ ካልእ እንተተረፈስ ወግዓዊ ኣኼባ ክገብር፡ እቲ ዝተበጽሔ ውሳኔታት - ዋላ ጥሙዙዝ ይኹን - ንህዝቢ ክቃላሕ ይግብኦ።  ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ክብሃል ከሎ ግን፡ እቶም ህዝቢ ዝፈልጦም  ጉጅለ፡ ኣብ ኩለን ደምቤታት ኣስማቶምን፡ ዝገብርዎ ዘለው ግፍዕታትን፡ ተዋፊሮሙሉ ዘለው ናይ ኢ-ስባኣዊ ተግባራትን፡ ኣብ ባንክታት ዓለም ኣቀሚጦሞ ዘለው ምልዮናት ገንዘብን፡ ከምኡ ድማ ኩሎም ዘይኮኑ ክፋል ኣብ ወጻኢ ዘለው ናይ መንግስቲ ኣገልገልትን፡ እንተዘይኮይኖም፡  እቶም ዝተረፉ ደቆም ከፋልጡ፡  ወይ ጸምይዎም ናይ ቀደም የዕሩኽትዮም ክረክቡ፡  ህግደፍ ኣብ ዘዳለውዎ ፈስቲቫል ጓይላ ዝዕብልሎ እንተኸዱ ኣባላት ህግደፍ፡ ወይ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ማለት ኣይኮኑን። ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ፡ ዓዱ ዘይናፍቅ፡ ስድርኡ ከይርኢ ዘይደሊ ሰብ የለን፡ ግን ስቃይ ኩሉ ክሐጽር ኩላትና ዓዲ ኣይንኺድ፡ 2% ኣይንኽፈል እንተንብል ጽቡቅ ነይሩ። ስለ ዝኸዱ ግን ደገፍቲ እቲ ስርዓት ማልት ኣይኮኑን። ኣብ ኣስመራ ኣብ ጸጥታ ዝሰርሑ ከይተፈፉ፡ “ዋላ ንሕና ንለከም፡ ጥራይ እዚ ሰብኣይ እዚ ይኺደልና፡ እዚ ስርዓት’ዚ ይፍረሰልና” ዝብሉ ኣለው። ብርክት ዝበለ ቁጽሮም፡ ካብዞም ሰራሕተኛታት ኤምባሲታት’ውን፡ መዓልቲ ነዊሑ፡ ሕልንኦም ዓሪብዎም፡ ወይ ኣበይ ከም ዝኸዱ ጠፊእዎም ይኹኑ እምበር ብልቦም ነዚ ስርዓት’ዚ ኣሚኖሙሉ ወይ ተሓጉሶሙሉ ኣይኮኑን። ዓጽመ ስጎኦምሲ እቲ ሕሰም ማኣስ ኒሕፍዎም።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡፡ ክብራት፡ ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡  ኣብ ኩናት ዝማዕበለ ንሰላም ዘይከውን ጠባያታውቲ/ባህልታት ምስዚ ዝሓለፈ 27 ናይ ስቃይ ዓመታት ተደማሚሩ ዘይንሕና፡ ዘይንስና ጌይሩና። ዘይመልክዕና ኣልቢሱና፡ ዘይኣመልና ኣግቢሩና። እዚ ኳዕናን ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ብዱል’ዩ፡ ዋላ እቲ ዝብድል ዘሎ ብድል’ዩ። እምበኣር ሕጂ ጊዜ ከይጥፍኤ ህዝባዊ ሰላማዊ ምንቅስቃስ - Peace Movement -  መንፈሳዊ ማዕበል - Spritual Awakening የድለየና ኣሎ። ገለ ሰባት ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነስ ብጽሑፍ ናይ ሰላም ምንቅስቃስ እማመ - Peace movement proposal ኣዚሮም ነይሮም፡ መዓልቱ ስለ ዘይኣኸለ’ዩ መስለኒ፡ ኣይገብርናዮን፡ ሕጂ ግን፡ ህጹጽ ቆላሕታ ዘድልዮ እዋን ዝጠልቦ ዘሎ’ዩ።

ናይ ሎሚ ዘረባይ እምብኣር ኣብዚኣ ክዕጹ’የ።  ክብረን ምስጋናን ንዕኡ ንልዑል ኣምላኽና ይኹን።  ኣሜን።

የቀንይለይ።

 

ኣበባ