ሓይሊ ጽቡቕ ድሌት

ሓተታ ኣዝማሪኖ ዳት ኮም

3 ሰነ 2004

ጽቡቕ-ድሌት ርክብ ሕድሕድና ክብ ኣብ ምባልን ኩሉ መዳያዊ ኩነታትና ኣብ ምምዕባልን ዓቢ ሓይሊ ኣለዎ ። እዚ ሓይሊዚ ዜጋታት ኣብ ነንሕድሕዶም ካብ ዘለዎም ምትሕልላይ ይምንጩ።

ብዙሓት ካባና፡ ሻቕሎት ዓዲ ስለዘለና፡ ሽግራት ሃገርና ኣድማዒ ፍታሕ ዝረኽበሉ ሓድሽን ኣድማዕን መገድታት ኣብ ምድህሳስ ንግደስ። እንተኾነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ተበግሶና ምስ መን ክንዛረበሉን ከምኡ ውን እንታይ ክንገብር ከምዘለና ይጠፍኣና ሞ፡ ንዕነድ።

በብውልቅና ኣፍረይቲ ኣይኮናን ፥ ኣብቶም ብልምዲ ምስ ተቓወምቲ ተኣሳሲሮም ዝረኣዩ ዘመተታት ከኣ፡ ምትእምማን የብልናን። ስለዚ፡ ሻቕሎትና ንምዕራፍን ናይ ምትሕግጋዝ ባህግና ንምርዋይን ገለ ነገር ክግበር ኣለዎ  ዝብል እምነት ኣለና። ምእንቲዚ፡ ንጽቡቕ-ድሌትና ከም ኣድማዒ ሓይሊ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ጽቡቕ-ድሌት ህዝብና እቲ ዝዓበየ ጸጋ ሃገር እዩ፥ በዚ ድምር ሓይሊ ዚ ኸኣ ህዝባዊ ርኢቶ ክጽሎ ከምዝኽእል ከኣ ኣየጠራጥርን።

ቀዳማይ ዕማምና እምበኣር፡ ካብ ኩሉ ቀጸላታት ህዝብና፡ ሰብ ጽቡቕ-ድሌት ዝሓቊፍ ደምበ ውፉያት ምምስራት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ብህዝባዊ ርኢቶ ዝተደገፈ ሓይሊ ውጽኢቱ ዓቢ ከምዝኸውን ዝተረጋገጸ እዩ።

ቅድሚኡ ግን፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ማሕበረሰባትና ግምጋም ክግበረሉ ኣለዎ ፥ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘሎ ዝምድና ቅኑዕ መኣዝን ምትሓዙ ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ። እቲ ኣብ ማሕበረሰባትና ዘሎ ከቢድ ፍልልይን ምፍንጫልን ጽቡቕ-ድሌት 

ብምርኣይ ብኸፊል ክጽገን ይኽእል እዩ። ከምቲ ወረጃታት ዝብሉ ዎ ፡ ብሓይሊ-ጽቡቕ ድሌት ክፍታሕ ዘይክእል ሽግር የልቦን። ጽቡቕ-ድሌት ብዕቱብነት እንተተሰሪሑሉ፡ ንማሕበረሰባትና ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንሃገርና ኤርትራ ከዕብያ ይኽእል እዩ።

ደምበ ኣዝማሪኖ፡ ጽቡቕ ድሌት፡-

  •  ጥቅው ርክብን ምርድዳእን፡ ብጻይነትን ሕውነትን ክንፈጥር ከተባብዓና ይኽእል፥
  •  ብዛዕባ ሽግራት ኤርትራ ቅኑዕ መረዳእታ ክህልወና ይሕግዘና እቲ መረዳእታ ድማ፡ ንህይወትና ዘገድሱ ሓበሬታታት እናተላዋወጥናን እናተመዓዓድናን ጸገማትና ብኣድማዕነት ክንገጥም የኽእለና፥
  •  ኣብቲ እንነብረሉ ሃገራት ምስ ዘለዉ ማሕበረሰባትን መሓዙትን ከቃራርበናን፡ ብሃናጺ ንጥፈታት ዐቓሚ ሰብኣዊ ዝምድናታት ክንምስርትን ውን ምርኩስ ክኾነና ይኽእል፥  ዝብል እምነት ኣለና።

ከምዚ ዝበለ ሓያል እምነት፡ ኣብ ኩውንነትና ኮነ ኣብቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ቅልውላው ንዘለና ኣረኣእያ ሓድሽ መኣዝን የትሕዞ። ጽቡቕ-ድሌት ብግቡእ እንተተታሒዙ፡ ውልቃዊ ናብራና ንምምሕያሽ ንእንገብሮ ጻዕሪ ብኣውንታ ኣብ ልዕሊ ምጽላው፡ ንሃገርና ብዝበለጸ መገዲ ንምህናጽ፡ ዓቕምና ክብ የብሎ።

ጽቡቕ መጻእን ተስፋን፡ ኣብዞም ሕመረት ጽቡቕ-ድሌት ዝኾኑ ውፉያት ዜጋታት እዩ ዝምርኮስ። መራሕቲ፡ ኣመሓደርቲ፡ ሞያውያንን ክኢላታትን፡ ፖለቲካዊ ዝምባሊኦምን ዝብጽሖም ጉጅለን ብዘየገድስ፡ ብዘይ ደገፍ ናይቶም ሰብ ጽቡቕ -ድሌት ልሙሳት እዮም ክበሃል ይከኣል። 

ትዅረትን ንቕሓትን ዘለዎ  ህዝባዊ ርኢቶ፡ ንነገራውን ሞራላውን ህንጸት ሃገርና ወሳኒ ኣድላይነት ኣለ ዎ ። ኣብዚ ኣገዳሲ ረቛሒዚውን ውፉያት ሰብ ጽቡቕ ድሌት ክሳብ ዘለዉና ምብጽሑ ዘይከኣል ኣይኮነን።

ክቡራት ተኸታተልትና፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን፡ ንሓይሊ ጽቡቕ ድሌት ዛጊት ክጥቀሙሉ ከምዘይከኣሉ ብተደጋጋሚ ተራእዩ ሎ። ምኽንያት ናይዚ ፍሽለት ዚ ድማ፡ ብዘይውልውል ፖለቲካዊ እዩ። እዞም ኣብ ደምበ ኣዝማሪኖ እንርከብ ከኣ፡ ነዚ ድኻም ዚ ንምፍዋስ ኢና ተላዒልና ዘለና። እዚ እዋን ዚ ካባና ዝጠልቦ፡ ነቶም ልግስን ምልውዋህን፡ ተገዳስነት ኣብ ስድራቤትን ሓ  ድሕድን፡ ከምኡ ውን ምሕጋዝ ጽጉማት ዝኣመሰሉ ብሉጻት ክብርታትና ክንዕቅቦምን ከነማዕብሎምን እዩ። 

ንርእስናን ሃገርናን ከነርብሕ፡ ጽቡቕ-ድሌት ከም መሰረት መጻኢ ዝምድና ማሕበረሰብናን አንገድትናን ክኸውን እምበኣር፡ ናብቶም ብሉጻት ክብርታትና ክንምለስ ኣለና።