Sacttism - ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ

ኣብ ጸላም ዝጸልመቱ ከዋኽብቲ…

(እድሪስ መሓመድ ዓሊን ብጾቱን)

መርድእ ብዜና ኣይንገርን .. ባህልናን ያታናን’ውን ኣይኮነን፡፡ ሚስጢር ቀተልቲ ሰባት፡ ብሃበ ተረኸበ ኣይትድሕደሖን፡፡ እቲ ምንታይ’ሲ ሳዕቤናት ስለ ዘለዎ፡፡ ንሎሚ ግን፡ ንዘመናት ውሽጠይ ከጨንቐኒ ዝጸንሐን ድቃስ ዝኸልኣኒን ሚስጢር፡ ንባህልን ያታን ጥሒሰ ክገልጾ ተገዲደ ኣለኹ፡፡ ብትእዛዛት ቤ/ጽ ፕረሲዳንትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ዝምርሑ ቀተልቲ ሰባት ብስሞም ክረቑሖም’የ፡፡ ኣብ ኣጻምእ ማይኣጣል (ከባቢ ጋሕቴላይ)፡ ኣብ ጸላም ዝጸልመቱ፡ ሕቡእ ዛንታ ናይ ንጹሃት ዜጋታትና ብጭብጥታት ከቃልዖ ‘የ፡፡

ብዘይ ዝኾነ ጾታዊ፡ ቀቢላዊ፡ ሃይማኖታዊን ርእሰ-ማላዊን ኣፈላለላይ፡ መታሕትን ከበሳን ከይበለ ካብ ራስቄሳር ክሳብ ራስ ዱሜራ፡ ካብ ሰንዓፈ ክሳብ ቃሩራ ንዝርከብ ጭቁን ህዝቢ ኤርትራ ክቐዝፍ፡ ታሪኽ ሃገርና ክድውን፡ ገና ብኣግኡ ህርድግ ዝበለ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምና ውን ብምስምስ ጀሃድን 5ይ መስርዕን፡ ዝፈጸሞ ግፍዕታት ገና ኣብ ጽባሕ ናጽነት እዩ ዝጀመረ፡፡

ድሕሪ ናጽነት ኣብ ውሽጢ 7 ሳምንታት፡ ካብ ገገዝኦምን መሳጊድን ተተሓኒቖም፡ ካብ ዝጠፍኡ ሃይማኖታውያን ኣቦታት ሓደ፡ ኣብ ከረን ቃዲን ኡስታዝን ቤት ትምህርቲ መሓድ ዝነበሩ ሓጂ መሓመድ ማራናት ‘ዮም፡፡ ሓጂ ማራናት ካብቶም ከም ወዲሰብ ተፈጢሮም ክንሶም፡ ህይወት ወዲ ኣዳም ከየስተማቐሩ፡ ካብ እሱር ናብ እሱር ዝኸርተቱ፡ መዋእሎም ጥዑም ከይረኣዩ ዝተቐዘፉ ኣቦ እዮም፡፡ ኣብ እዋን ሃይለስላሰን ደርግን ንኣስታት 5 ዓመታት ዝተኣሰሩ ኮይኖም ካብ 17 ሓምለ 1991 ክሳብ መፋርቕ 2000 ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ስርዓት ኢሳይያስ ጸኒሖም፡፡ ሕጂ’ውን በትሪ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታውያን ኣቦታት ብዘይንሕስያ እንዳዓለበት ከም በዓል ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝኣመሰሉ ዜጋታት ትቐዝፍ ኣላ፡፡

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ጉዳያት፡ ርእሶም ዘቕንዑ ህቡባት ዜጋታት ጌና ብግስ ከይበሉ ምጥፋእ፡ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ዝለመዶ ነውራም ባህሪ እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ቋንቋታት ትግረን ዓረብን ምልከት ዝነበሮም ዜጋታት ብዝተፈላለየ ምስምስ ከጥፍኦም ጸኒሑ እዩ፡፡

ባህር ስነ-ጥበባዊ እድሪስ መሓመድ ዓሊን ብጾቱን’ውን፡ ብስርዓት ኢሳይያስ ተጨውዮም፡ ደሃይ ካብ ዘጥፍኡ፡ እንሆ 13 ዓመታት ኣሕሊፎም ኣለው፡፡ ደሃይ እድሪስ መሓመድ ዓሊ መዛንኡን ንምፍላጥ ብዙሓት ዜጋታትናን ስድራቤቱን ሃሰው ክብሉ ጸኒሖም ‘ዮም፡፡ ሎሚ ብዙሓት ኣምበብቲ ብዝሓተትኩምኒ መሰረት ንሃለዋት እድሪስ መሓመድ ዓሊን ብጾቱን ዝምልከት ቅድሚ 2 ዓመት ዝፈነኹልኩም ሓበሬታ ተወሳኺ ጭብጥታት ብምድራኽ ኣቕሪበልኩም ኣለኹ፡፡

ብ 15 ጥሪ 2005 ቅድሚ ፋዱስ ሰዓት 10፡00፡ ሓለፊ ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ (ወዲ ካሳ)፡ ንሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ነበር ብ/ጀ (በቲ እዋን ኮሎኔል) ስምኦን ገብረድንግል፡ ሓለፊ ጸረ ስለያን ወፍርታትን ነበር ኮ/ል የማነ ኣፈወርቂን ሓላፊ ኣካል ምጽራይን መርመራን ሜጀር ካሕሳይ በየነን ኣስዒቡ ናብ ቤ/ጽ ፕረዚዳንት ከይዱ፡፡ ብካልእ ገጽ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ በቲ እዋን ሜ/ጀ ኣብዚ እዋን ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስን ሜ/ጀ ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ)ን፡ ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት በጽሑ፡፡ ብዙሕ ከይጸንሑ፡ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 01ን ምክትታል ዶባትን ነበር ብ/ጀ ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ)፡ ኣብቲ እዋን ኮ/ል ሕጂ ብ/ጀነራል ጠዓመ ጎይቶኦም (መቐለ)ን ሌ/ኮ ፍጹም ኢሳቕ (ለኒን)ን ተሓዊሶምዎም፡፡

ልክዕ ሰዓት 10፡30 ምስ ኮነ፡ ባዕሉ ኢሳይያስ ዝመርሖ፡ ንኮ/ል ተስፋልደት ሃብተስላሰ ኣብ ጎኑ ኣንቢሩ ኣኼባ ተጀሚሩ፡፡ ኣብቲ ዕለት ብፕረሲደንት ዝቐረቡ ኣጀንዳታትን እማመታትን፡ ኣብ “ህልው ኩነታት ሃገርን፡ ምድላዋት ንምርጫ ኢትዮጵያን” ዝብል ነበረ፡፡ ደድሕሪ ዝቐረቡ ኣፈናዊ መጽናዕታት፡ ንኢሳይያስ ሓዊሱ፡ ኩሎም ተኣከብቲ ሕጂ ክገልጾ ዘይደሊ ዘዝመስሎም ርእይቶታት ኣቕሪቦም፡፡ ልዑል ኣድህቦ ዝተገብረሉን ቀዲሙ ዝተሰርዐን ዛዕባ፡ ኣብ “ህልው ኩነታት ምርጫ ኢትዮጵያን ብወገና እንታይ ንግበር?” ዝብል ርእሲ ነይሩ፡፡ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ድሕሪ ዝተገብረ ዘተ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ “ንህልው ኩነታት ውሽጣዊ ጸጥታ ሃገር” ዝምልከት ብወዲ ካሳ ጀሚሩ ኩሎም ጸብጻባቶም ከቕርቡ ዕድል ሃበ፡፡ ድሕሪ ፋዱስ ‘ውን፡ ሰፊሕ ዘተ ቀጺሉ ኣስታት ሰዓት 3፡45 እቲ ኣኼባ ተዛዘመ፡፡ ድሕሪ ኣኼባ ፕረሲደንት፡ ወዲ ካሳን ኣባላቱን ክጸንሑ ሓበሮም፡፡

ንተወሳኺ ኣስታት 20 ደቓይቕ ኣብ ዝጸንሐ ሓጺር ኣኼባ፡ ዝተለዓለ ካልእ ኣጀንዳ ከኣ፡ ብወዲ ካሳ ኣቢሉ ዝቐረበ ጉዳይ “እስላማዊ ጥሩፉነትን ጀሃዳዊ ዝንባሌታትን” ዝምልከት ኔሩ፡፡ ወዲ ካሳ፡ ብቃሉ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ከምዚ ክብል ተሰመዐ፡ “ነገሩ ጸወታ ቆልዓ ዝመስል፡ እዞም ብጀብሃዊ ስሚዒት ዝህመሉ፡ ከም በዓል እድሪስ መርዓዊ ዝኣመሰሉ ማይ ሱዳን ዝጠዓሙ ዝርከብዎ፡ ናይ ጥሩፉነት ዝንባለታት ይንጸባረቑ ኣለው፡፡ ዋላ ምስኦም ርክብ ኣይሃልዎ ኣብ ቀይዲ ዘእተናዮ ሓደ ለኽባጥ ሱዳናዊ እውን፡ ነዚ እዩ ዝሕብር፡፡ ገና ኣብ መስርሕ እዩ ዘሎ፡ እንተኾነ፡ እቲ ሱዳናዊ ከም ዝሓበሮ ነቲ ዕላምኦም ንምዕዋት፡ ዕባይ ሱዳን ዝኾኑ፡ ቋንቋ ዓረብ ዝመልኩ ዜጋታት ናይ ምውዳብ መደባት ከምዘለዎም ዘተንብሁ ነገራት ኣለው፡፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ከባቢታት ኣቑርደት፡ ከረን፡ ዓዲቀይሕ ምስዝተርኣዩ ምንቅስቓሳት ብምትእስሳር ኣመታቱ ናበይ ገጽ ከምዘብል ብሓባር ክንሪኦ ኢና” ምስ በለ፡ ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ “ወዲ ካሳ! ብዛዕባ’ዚ ባዶ ተጻዋርነት ከምዘለና ትፈልጥ ኢኻ፡፡ ስለ”ዚ ብዘይ ንሕስያ ዝመስለኩም ግበሩ፡፡” ብምባል መምርሒ ሂብዎ፡፡

ብሓሙስ 24 ሕዳር 2005፡ እቲ ህቡብ ስነ-ጥበባዊ እድሪስ መሓመድ ዓሊ ዝርከቦም 18 ዜጋታት ብሜጀር ካሕሳይ በየነ (ሓላፊ ኣካል መርመራን ምጽራይን ወኪል ሃገራዊ ድሕነት) ዝምርሑ ኣባላት ክፍሊ ዓፈናን ስጉምትን፡ ከካብ ዝጸንሕዎ ብጸላም እንዳኣረዩ፡ ኣብ ካርሸሊ ዳጊኖምዎም፡፡ ገለ ካብቶም እሱራት ኣቐዲሞም ንኣዋርሕ ኣብ መትከል ኣብዮት ተቐይዶም ዝጸንሑ ኔሮም፡፡

ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት - ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ብወዲ ካሳን ብስምኦንን ንጉዳይ “ሃይማታዊ ጥሩፍነትን” እድሪስን ብጾቱን ዝምልከት መርመራ ዝገብሩን ዝከታተሉን እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ሓለፍቲ ተመዚዞም፡፡

1. ሜጀር ካሕሳይ በየነ (ወዲ በየነ)፡ ሓላፊ ኣካል ምጽራይን መርመራን ወ/ሃ/ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ፡፡ ከም ላዕለዋይ መርማሪ ጉዳይ እድሪስን ብጾቱን

2. ሜጀር ፍስሃጽዮን ኣባል ኣካል ምጽራይን መርመራን ወኪል ሃ/ድሕነት ከም ካልኣዩን ብቋንቋ ትግረ ንዝምርመሩ ጥርጡራት ዝኣሊ

3. ሜጀር ተወልደ ራሻይዳ መርማሪ ብፖለቲካ ዝተጠርጠሩ እሱራት’ዮም፡፡

ነቶም ኣቐዲሞም ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሃገር ዝተኣረዩ ዜጋታት ሓዊሱ፡ እቶም “ቀንዲ” ዝተብሃሉ 13 ጥርጡራት ናብ ካርሸሊ ምስተዛወሩ፡ ኣብ ካርሸሊ ኣብ ትሕቲ ሜጀር ካሕሳይ በየነ ዝእለዩ 6 ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ዓፈናን ስጉምትን፡ ከም ሓለውቲ ተመዚዞም፡ ናይ ነፍሰ ወከፍ እሱር ሸላ መፍቱሕ፡ ካብ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ፡ ሜጀር ኣቶብርሃን ገብረሃንስ (ሰካሕ) ተረኪቦም፡፡

በቲ እዋን ኣብ ጉዳይ ናይ “ኣኽራርነት ዝንባሌታት” ንዝጥርጠሩ እሱራት ክኣልዩን ብሚስጢራዊነት ክሕልው ዝተሓረዩ ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት እዞም ዝስዕቡ ኔሮም፡፡

1. ሰርጌንቲ ዓንዳይ መንግስትኣብ

2. ሰርጌንቲ ሃብተኣብ ኣዋጁ (ወዲ ኣዋጁ)

3. እዝጊሕሽ ኣብርሃ (ከኾብ)

4. ተለንተ በረኸት ሃብተ

5. ሜጀር ዓብዱሰላም ጌቱን

6. ግርማይ ሓጎስን ‘ዮም፡፡

ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣብ ትሕቲ ሜጀር ካሕሳይ በየነ (ወዲ በየነ)ን ሜጀር ፍስሃጽዮን ዝእለዩ ብምስምስ “እስላማዊ ጥሩፍነት” ዝተጠርጠሩ ጠቐላላ እሱራት እድሪስ መሓመድ ዓሊን ሓደ ሱዳናዊን ዝርከብዎም 18 ኮይኖም እቶም 13 ድማ ፍሉይ ጠመተን ዕቱብ ምክትታል ክግበረሎም ዝተሓበሩ እዮም፡፡ ካብ ወርሒ 11/2005 ክሳብ ክሳብ ወርሒ 10/2006 ንሓደ ዓመት ዝኣክል ናይ ነፍሰወከፍ እሱር ደቂቕ ጸብጻብ ናብ ቤ/ጽሕፈት ፕረሲዳንት ክለኣኽ ጸኒሑ እዩ፡፡ ብዝወረደ መምርሒ መሰረት፡ ኣብ ካርሸሊ ክሳብ ወርሒ 10/2006 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ሰርጌንቲ ዓንዳይ መንግስትኣብ፡ ሰርጌንቲ ሃብተኣብ ኣዋጁ (ወዲ ኣዋጁ)ን እዝጊሕሽ ኣብርሃ (ከኾብ)ን፡ ኣብ ዕቱብ ሓለዋ ጸኒሖም፡፡

ድሕሪ ሕዳር 2006 ድማ ሜጀር ዓብዱሰላም ጌቱ፡ ተለንተ በረኸት ሃብተን ግርማይ ሓጎስን ንኣስታት 11 ኣዋርሕ ብክቱር ኣተሓሕዛ ክሕልውዎም ጸኒሖም፡፡

ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ፡ ኣብ ባዕዳዊን ሃገራዊን መግዛእቲ ኤርትራ፡ ብዙሓት ዜጋታት ዝተሳቐዩላን ዝተቐዘፉላን፡ ብዘበነ ጥልያን ዝተሃንጸ ምድራዊት ሲኦል’እያ፡፡ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ’ውን፡ እቲ ክቡር ወዲ ኣዳም፡ ክብረት ስኢኑ ዝናሸወላ፡ ዝሓስረላ፡ ዝወረደላን ብዘይመላሲ ኣውያት ዝጠፍኣላ መሬታዊት ገሃንም ’ያ፡፡ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ፡ እሱር ብዘይፈጸሞ ገበን፡ ብዘይ ፍርዲ ተቐይዱ፡ ካብ ተፈጥራዊ ዑደት ተሓሪሙ፡ ንብዓቱ ከም ደም እናወሓዘ፡ ክሳብ ዓለም ጫፍ እንዳ ኣእወየ፡ ሰማዒ እዝኒ ዝስእነሉ፡ ብሕማማት ዝሳቐየሉ፡ ብቀዝሒ ዝስንክለሉ፡ ብጸልማት ዝዓውረሉ፡ ብሓፈሻ እቲ ክቡር ወዲ ሰብ፡ ናብ እንስሳ ዝቕየረሉ ኣሰቃቒ ቤት ማእሰርቲ’ያ፡፡ ንዓመታት ጎቦን ስንጭሮን ኮሊሎም፡ ደሞምን ረሃጾምን ዛሪዮም፡ ናጽነት ዘውሓሱ ጀጋኑ፡ “ኤርትራና” ሕቖኣ ሂባቶም፡ ካብ ፍትሒ ተሓሪሞም፡ ኣብ ጸልማት ሸላታት ካርሸሊ ንሞቶም ዝጽበዩ ከም በዓል ብ/ጀነራል ቢትወደድ ኣብርሃ፡ ብ/ጀነራል ሃብተጽዮን ሓድጉ፡ ኮሎኔል ተስፋልደት ስዩም፡ ገዳይም ተጋደልቲ ኣስቴርን ሰናይንት ዝኣመሰሉ መሳኪን ደቂ ሃገር ሕጂ’ውን ኣለው፡፡

ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ፡ ካብ 30 ንላዕሊ ሓውሲ ኣንደር ግራውንድ ካሜራታትን፡ ካብ 160 ንላዕሊ ዝተፈላለዩ ናይ ልዕልን ትሕትን ምድሪ ሸላታት ዘለውዎ፡ 24 ሰዓት ጽኑዕ ሓለዋ ዝካየደላ፡ ብ7 ሜትሮ ሓጹር ትርኳላታ ዝተሓጽረት ብሜጀር ኣቶብርሃን ገብረሃንስ ትእዘዝ ቤት ማሕቡስ እያ፡፡ ህዝቢ ንምድንጋርን ስቪላዊ ንምምሳልን ቅርጻዊ ምሕደርኡ ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ኮይኑ፡ 90 ሚእታዊት ብቤ/ጽ ፕረሲዳንትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ዝጥርጠሩን ዝድለዩን ሰባት ዝእሰሩላ ’ያ፡፡ ነፍሰወከፍ ጸብጻብ “ፖለቲካዊ እሱር”፡ ብመልክዕ ስርሒታዊ ጸብጻብ (Operational Report) ብደቂቕ ተሰኒዱ ብወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣቢሉ ቀጻሊ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ይለኣኽ’ዩ፡፡

ብምስምስ “እስላማዊ ጥሩፍነትን ጀሃዳዊ ዝንባሌታትን” ኣብ ወርሒ ሕዳር 2005 ኣብ ካርሸሊ ዝኣተው እሱራት እውን፡ ናይ ነፍሰወከፍ ኩነታቶም ብደቂቕ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ብመልክዕ ጸብጻብ ይለኣኽ ኔሩ፡፡ ነቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ 18 ዜጋታት ከም ዝምርምሩ ሜጀር ካሕሳይ በየነን ፍስሃጽዮንን፡ ካብ ሜጀር ኣቶብርሃን መፋቱሕ ነፍሰወከፍ ሸላ ምስ ተቐበሉ፡ ነቶም 6 ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን ኣኪቦም “ብላዕሊ ከምዝተሓበረና እዞም ሰባት ብጽኑዕ ክተሓዙ ዝግበኦም ስለ ዝኾኑ፡ ዝኾነ ዓይነት ምድንጋጽን ርህራሀን ከይትግብርሎም” ብምባል ሓቢሮም ኔሮም፡፡

እቶም ብሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ዝተቐየዱ ጥርጡራት በቲ እዋን ብመንጽር ካልኦት እሱራት ዝነበሩለን ካሜራታት ክረአ እንከሎ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኔርዎ፡፡

1. ንሸነኽ ደቡብ ዝርክብ ካሜራታት፡ ብተለምዳዊ ኣጸዋውዓ “ቪያጅዳ” ዝበሃል ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጡ 12 ሸላታት ኣለዋ፡፡ ኣብቲ እዋን ብሜጀር ካሕሳይ በየነ መርመረኦም ዝወድኡ ኣብዘን ሸላታት ይቕየዱ ኔሮም፡፡

2. ብካሜራ ቁጽሪ 2 ዝፍለጣ ንሸነኽ ሰሜን ኣብ ዝርከብ ካሜራታት፡ በዓል ብ/ጀ ቢትወደድ ኣብርሃ ዝነበሩዎ ኮይኑ፡ ኣብኣተን’ውን ዝተወሰኑ ጥርጡራት ኔሮም፡፡

3. ብካሜራ ቁጽሪ 23 ዝፍለጣ ንሸነኽ ምብራቕ ኣብ ዝርከባ ካሜራታት፡ ብሃይማታዊ ጉዳይ ዝተጠርጠሩ በዓል ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ሃይለ ናይዝጊን ፓስተር ኪዳነ ወልዱን ዝርከብዎ 4 ጥርጡራት ነይሮም፡፡ ምስዘን ካሜራታት ነጻላ መንድቕ ዝለገበት ካሜራ ቁጽሪ 6 ኣብ ሸላ ቁጽሪ 6 ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ ንበይና ነይራ፡፡ ኣብ ሪጋኣ ትርከብ ሓንቲ ሸላ ከኣ 16 ኣዋልድ ኣባላት ብሄር ኩናማ ነይረን፡፡

4. ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 6 ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ሸላ ቁጽሪ 31 ኣስቴር ፍስሃጽዮን (በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ጴጥሮስ ሰሎሙን) ነይራ፡፡

5. ኣስቴር ካብ ዝነበረቶ ሸነኽ ነጸላ መንደቕ ለጊቡ፡ ብኣባላት ዓፈናን ስጉምትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ዝሕለው ኣብ ትሕቲ ካሜራ ቁጽሪ 17ን 19 ድማ ኣብ ዝርከባ ሸላታት እድሪስ መሓመድ ዓሊ ዝርከቦም 15 እሱራት ነሮም፡፡ ኣብ 2007 ነጋዳይ ፍቕረ ኣብ ካሜራ 19 ዝርከብ ኣብ ሓደ ቁጽሪ ዘይነበሮ ሸላ እዩ ተቐቲሉ፡፡

ኣብ ውሽጢ ካርሸሊ ካብ 2001 ኣትሒዙ ብኣዚዩ ልዑል ጥንቃቐ ዝሕለዋን ብኣባላት ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ጥራይ ዝእለዩ እሱራት ዝእሰሩለን እዘን ካሜራታት ቁጽሪ 17ን 19ን እየን፡፡ ኣብ ትሕቲ ካሜራ ቁጽሪ 17 ኣብ ሓንቲ ሸላ ኮሎኔል ተስፋልደት ስዩምን ሳልሕ ኣቡቦከርን ብሓባር ንነዊሕ ጸኒሖም እዮም፡፡ ኪኖ በዓል ተስፋልደት ብ18 ነሓሰ 2017 ድሕሪ ናይ 14 ዓመታት ማእሰርቲ ሰኣን ግቡእ ሕክምና ዝተሰውአ ገዲም ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም’ውን ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 15 ኔሩ፡፡

እቶም በ “ኣኽራርነት” ዝተጠርጠሩ ግን፡ ቅድሚ ናብ ካርሽሊ ምእታዎም ወዲ በየነ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት መርመራ ክገብረሎም ድሕሪ ምጽንሑ፡ ባህር ስነ-ጥበባዊ እድሪስ መሓመድ ዓሊ ዝርከብዎም ጥርጡራት ኣብተን ዝተጠቕሳ ካሜራታት ካብ ወርሒ 11/ 2005 ጀሚሩ ን22 ኣዋርሕ ኣብ ካርሸሊ ጸኒሖም፡፡ ኣብ ካርሽሊ ኣብ ዝጸንሑለን 22 ኣዋርሕ፡ ንሓንቲ ካልኢት‘ውን ብርሃን ጸሓይ ሪኦም ኣይፈልጡን፡፡ ዝኾነ ዓይነት ሕክምናዊ ሓገዝ’ውን ኣይተገብረሎምን፡፡

ብሓፈሻ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና በቲ እዋን ተለቒሞም ኣብ ካርሸሊ ዝተቐየዱ እሱራት ዝስዕቡ ‘ዮም፡፡

1. እድሪስ መሓመድ ዓሊ፡ ስነ-ጥበባዊ

2. ኣልኣሚን ጀላኒ፡ ኣባል ትራፊክ ፖሊስን ኢሚግረሽንን ዝነበረ

3. ጅምዕ ስዒድ ከሊል፡ ጋዜጠኛ ኤርትሪያ ኣልሓዲሳ ዝነበረ

4. ኣደም መሓመድ ዓሊ (ኣደም ሸልሸል)፡ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ሰኣላይ ዝነበረ

5. ሮባት ኣልሓሰን፡ ኣሰልጣኒ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዓንሰባ

6. መሓመድ ጅምዕ ኣረይ፡ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣብ ክፍሊ ፎረንሲክ መርመራ ዝነበረ

7. ጣሃ መሓመድ ኑር፡ ካብቶም መስረቲ ተሓኤ ሓደ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ኮሚሽን ሪፈረንዱምን ቆዋማዊ ባይቶን ዝነበሩ

8. ዑሞር ከኪያ፡ ገዲም ተጋዳላይ ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን

9. መሓመድ ዓብዲል ሓሌብ፡ ጋዜጠኛ ኣልሓዲሳ (ገጣሚ፡ ጸሓፋይን ነጋዳይን)

10. ኣቡበክር ባርቕ ሮሞዳን፡ ኣባል ቤ/ጽ ህግደፍ ንኡስ ዞባ ከረን

11. ሳልሕ ግሬነት፡ ካብ መገዲ ኣየር ኤርትራ

12. መሓመድ መስመር፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ከረን

13. መሓመድ ኑር፡ ማናጀር ሆቴል ካብ ኣቑርደት

14. ሓሰን ኣቡበኩር (ፍሬኒ)፡ ስነጥበባዊን ማናጀር ሆቴል ካብ ባረንቱ (6 ዓመት ተኣሲሩ ተፈቲሑ ክፍታሕ እንከሎ ኣፉ ኣይዛረብን ኔሩ ድሕሪ 2 ወርሒ ኣብ ባረንቱ ሞይቱ)

15. ዓብደላ ሮሞዳን፡ ነጋዳይ ኣብ ከረን

16. ካፒተን ኣሕመድ መሓመድ ሙሳ (ጁኑብ)፡ ኣባል ኮማንዶ ዝነበረ

17. መሓመድ ሙሳ ራቃን

18. ሓደ ስሙ ዘይተፈለጠ ሱዳናዊን ‘ዮም፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!

ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ በዓል እድሪስ ኣብ ዝተኣሰርሉ እዋናት ማለት፡ ኣብ 2006 ወርሒ 7 ሓደ ካብ ወጻእ ዝኣተወ ኤርትራዊ ሰኺሩ፡ ኣብ ሞንጎ ካልኣይ መደብርን ካርሸልን ዝርከብ መንደቕ ብመኪና ሃሪሙ ኣፍሪስዎ ኔሩ፡፡ ኣብቲ ግዜ፡ ንገለ መዓልታት እቲ መንደቕ ብዚንጎ ተሓጺሩ ነይሩ፡፡ ንሱ‘ውን ንሓደ ሰሙን ተኣሲሩ ወጺኡ’ዩ፡፡ በቲ ዝፈረሰ ሸነኽ ዝነበሩ በዓል ደጀን ዓንደሕሸል ዝርከብዎ፡ ገለ እሱራት ናብ ካሜራ ቁጽሪ 3 ተሰጋጊሮም ኔሮም፡፡ ካብዚኣቶም እቲ “ንኢሳይያስ ክቐትል ተላኢኹ” ዝተብሃለ ሱዳናዊ ነስረዲን ኣቡቦክር ሓደ ነይሩ፡፡ ኣብ ካርሸሊ ካብ 1997 ጀሚሩ ንነስረዲን ኣቡቦከር ሓዊሱ ብዙሓት ኣሕዋት ሱዳናውያን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተኣሲሮም ’ዮም፡፡ ሜጀር ካሕሳይ በየነ ውን፡ ካብቶም 18 እሱራት ንሓደ ሱዳናዊ ደጋጊሙ ይረኽቦ ነይሩ፡፡ ጉዳይ በዓል እድሪስ ውን ብቐጥታ ምስ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ሃይማኖታውያን ብምትእስሳር እዩ ተራእዩ፡፡ ኣብ 2006/7 ምስቶም 18 ዝተኣስረ ሜጀር ካሕሳይ በየነ ደጋጊሙ ዝረኸቦ ዝነበረ ሱዳናዊ ግን እቲ ነስረዲን ዘይኮነስ ካልእ እዩ፡፡

ኩሎም እሱራት ኣብ ጸብጻባቶም ብጀካ “ዝስዕቦም ስጉምቲ ስለ ዝተረድኡ ነቒጾም (ክኣምኑ ኣይከኣሉን)” ዝብል ብጭቡጥ ዝኣመንዎ ገበን ኣይነበረን፡፡ ኣብ መወዳእታ ካብ 18 እሱራት እቶም 11 ብሜጀር ካሕሳይ በየነ ንሕልፈት ተፈሪዶም ናብ ካልኦት ካሜራታት ፋሕ ኢሎም፡፡ ካብኣቶም ኣብ 2008 ሓደ ካብቶም መስረቲ ተሓኤ ዝነበሩ ኣቦይ ጣሃ መሓመድ ኑር ከምዝሞቱን ሬሳ ንስድራ ከምዝተውሃበን ይፍለጥ፡፡ ኩነታት ናይቶም ን”ሕለፈት” ዝተፈረዱ 10 እሱራት ድማ ኣብ ከይዲ ክፍለጥ’ዩ፡፡

ብጀካ እቶም ናይ ሕልፈት፡ “ኣብ ከተማታትን መሳጊድን ፍሉይ ናይ ኣኽራርነት ዝንባሌታት ዘለዎምን መሳርሒ ናይ ካልኦት ናይ ምኻን ተኽእሎ ዘለዎም ” ብዝብል ዝተፈለዩ 7 እሱራት ‘ዮም፡፡ እዞም ብወዲ በየነን ፍስሃጽዮንን ተመምዮም ብዕቱብ ክተሓዙ ዝተወሰነሎም እሱራት ድማ ዝስዕቡ ኔሮም፡፡

1. ስነ-ጥበባዊ እድሪስ መሓመድ ዓሊ፡ ኣብ ባህሊ፡ ያታን ቋንቋ ትግረን ዓረብን፡ ዝለዓለ ኣበርክቶ ካብ ዝነበሮም ገዳይም ስነ-ጥበባውያን ሃገርና ሓደ እዩ፡፡ ብ1956 ካብ ኣቦኡ ሓጂ መሓመድ ዓሊ ሕመድን ኣዲኡ ሓሊማ ሓጂ ሙሳን ኣብ ናሮ ቃምጭዋ ተወሊዱ፡፡ ጌና ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ናብ ሱዳን ከባቢታት ገዳሪፍን ኣትባራን ተሰዲዱ ናይ መብኣታን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብኡ ወዲኡ፡፡ ብ1974 ድማ፡ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ተጸምቢሩ፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ዝተፈላለየ ባህላዊን ጎስጓሳዊን ዓውዲታት ጉቡኡ ዘበርከተ ገዲም ተጋዳላይ ‘ዩ፡፡ ዝበዝሐ ዕድሚኡ ኣብ ሱዳን ዘሕለፈ እድሪስ፡ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ብቋንቋታት ትግረን ዓረብን፡ ዝተፈላለዩ ደርፍታት ብምውጻእ፡ ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ሓያሎ ህቡብነትን ተቐባልነትን ረኺቡ’ዩ፡፡ ኣብ ሃገራዊ በዓላትን ፌስቲቫላትን’ውን፡ ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ተዓዲሙ፡ ዝተፈላለዩ ደርፍታት ኣቕሪቡ ‘ዩ፡፡ መብዛሕትኡ ህዝብና፡ “ሆይ ሆይ መርዓዊ” ብዝብል ደርፉ ዝዝክሮ እድሪስ መሓመድ ዓሊ፡ ነታ ህብብቲ ደርፊ ኣመልኪቱ፡ ሓደ እዋን፡ ኣብ ሓደ ሚዲያ፡ “ንኢሳይያስ ዲኻ ደሪፍካያ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ “ኣነ ነዛ ሓዳስ ሃገር ዝተረከበ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም መርዓዊ ስለ ዝሓሰብኩዎ እምበር፡ ንውልቀ ሰብ ኣይደረፍኩዋን፡፡” ብምባል መሊሱ ኔሩ፡፡ “ባለግረን”፡ “ምስ ሪም ምድር”፡ “በድሪ ሓሌ”፡ ሽክና ሁሌ ከሬት ምድርና”…እንዳበለ ብቋንቋታት ትግረን ዓረብን ዝደረፈ እድሪስ፡ ከም ናይ ወጋሕታ ጥዑም ዜማ ኣዕዋፍ፡ ናብ ውሽጥኻ ዝሰርጽ፡ ነቲ ጥዑም ድምጹ፡ መብዛሕትና ኤርትራውያን ወትሩ ኣይንርስዖን፡፡ ብቋንቋ ዓረብ ደርፍታቱ’ውን ሱዳናውያን ይፍትውዎን የድንቕዎን’ዮም፡፡ ኣብ ድሕሪ ባይትኡ ዕባይ ሱዳን ብምኻኑን ብዙሓት ሱዳናውያን ስለዝረኽብዎን፡ ብእንዳ ህግደፍ’ውን ካብቶም “መዋእል ጅበሃዊ ዝንባሌታት ዘይሓደጎ” ዝበሃሉ ሓደ ስለዝነበረን፡ ከምኡ ውን ኣብ መሳጊድ የዘውትር ስለዝነበረ “ብኣኽራርነት” ተጠርጢሩ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2005 ብኣባላት ጸጥታ ተዓፊኑ ተቐይዱ’ዩ፡፡

2. ጅምዕ ስዒድ ከሚል፡ ብ1963 ኣብ ቃሩራ ተወሊዱ፡ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ምስ ወለዱ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ ክሳብ 2ይ ደረጃ ኣብ ሱዳን ተማሂሩ፡፡ ኣብ ፈለማ 1980ታት ናብ ሊብያ ከይዱ፡ ኣብ ትራቡሉስ ኣብ ሓደ ዩንቨርስቲ ተማሂሩ፡፡ በቲ እዋን ኣባል ማሕበር ተምሃሮ ኤርትራ ኣብ ሊብያ ብምኻን ንጡፍ ኣበርክቶ ጌሩ እዩ፡፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ናብ ሜዳ ወሪዱ፡ ኣብ ጎስጓስን ዜናን ኣገልጊሉ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣሰናድኢ ጋዜጣ ኣልሓዲሳ ብምኻን፡ ኣዳላዊ ዓምድታት ስፖርት ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡ ብባህሪኡ ኣዚዩ ቁኑዕን ደፋርን ዝነበረ ጅምዕ፡ ኣብ ኣኼባታት ዓው ኢሉ ዝመስሎ ብምዝራቡ፡ ብዙሕ ግዜ ግዳይ ምፍርራሕን መጠንቀቕታን ኮይኑ ኔሩ እዩ፡፡ ኣብ 2001 ሓላፊ ኣህጉራዊ ኦሎምፒክ ኮሚተ ኣንቶኒዮ ሳማራጅ፡ ናብ ኤርትራ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ቤ/ጽ ኮሚተ ኦሎምፒክ ኤርትራ፡ ግብጃታት ብምግባር፡ ነቲ ሓላፊ ሓደ ጥንታዊ መስቀል ከም ህያብ ኣበርኪትሉ ኔሩ፡፡ ንጽባሕቲኡ ጅምዕ፡ ኣብ ጋዜጣ ኣልሓዲሳ “ንኹለን ሃይማኖታት፡ ባህልን ያታን ብሄራት ኤርትራ ዘይውክል፡ ንዓለማዊ ባህሪ ህግደፍ ዘይምጥን ህያብ ተዋሂቡ” ብምባል ብምጽሓፉ፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሚኒስትሪ ዜና ተጸዊዑ፡ ብቐጥታ ብናይዝጊ ክፍሉ ከቢድ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ኔሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣኼባታት፡ ብዝልዓሎም ተረርቲ ሕቶታት፡ ኣብ ጠመተ ሓለፍቲ ስለዝኣተወ ብምስምስ ኣኽራርነት ተጠርጢሩ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2005 ካብ ከባቢ ቃኘው፡ ብኣባላት ጸጥታ ተዓፊኑ ተወሲዱ፡፡

3. ኣደም መሓመድ ዓሊ (ኣደም ሸልሸል)፡ መዋእሉ ኣብ ሱዳን ዝዓበየ ኮይኑ፡ ካብቶም ብሱዳን ካርቱም ኣቢሎም ዝኣተው ቀያሕቲ ዕምበባ ሓደ ኔሩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ኮሚሽን ፖሊስን (ኣጅብ) ተወዚዑ፡ ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኤርትራ ናይ ጋዜጣ ህዝብን ፖሊስን ሰኣላይን፡ ኣብ ክፍሊ ሕትመት ተመዲቡ ሰሪሑ እዩ፡፡ ሸልሸል ብውልቁ ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ውራያት ዝስእል ዝነበረ ህርኩት መንእሰይ’ዩ፡፡ ኣብ ፈለማ 2005 ናብ ሚኒስትሪ ዜና ንክቕየር መደብ ተገይሩ ኔሩ፡፡ ኣብ ኣስመራ ን”ኢሳይያስ ክጻረፍን ዝውዕል” ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታ ተጠቂሙ ኔሩ፡፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2005 ብ “ኣኽራሪነት” ተጠርጢሩ ካብ ሓደ እንዳ መርዓ ምስ ባድልኡ ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ተዓፊኑ ናብ ካርሸሊ ተወሲዱ፡፡

4. ኣልኣሚን ጀላኒ፡ ፈለማ ኣባል ኢሚግረሽን ደሓር ድማ ኣባል ፖሊስ ትራፊክ ዝነበረ ‘ዩ፡፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2005 ምስቶም 18 ቀንዲ ጥርጡራት ብኣባላት እንዳ ጸጥታ ተዓፊኑ ናብ ካርሸሊ ዝተወስደ ‘ዩ፡፡

5. ካፒተን ኣሕመድ መሓመድ ሙሳ (ጁኑብ)፡ ኣባል እንዳ ኮማንዶ ዝነበረ ኣብ ዓላ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ብተመሳሳሊ ብ “ኣኽራርነት” ተጠርጢሩ ተዓፊኑ ናብ ካርሸሊ ዝኣተወ’ዩ፡፡

6. ሮባት ኣልሓሰን፡ ኣሰልጣኒ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ዓንሰባ ዝነበረ፡ ኣብ ከረን ካብ መስጊድ ብ “ኣኽራሪነት” ተጠርጢሩ ተዓፊኑ ዝተወስደ መንእሰይ ‘ዩ፡፡

7. ዓብደላ ሮሞዳን፡ ዝተብሃለ ካብ ዞባ ደቡብ ተዓፊኑ ዝመጸ ‘ዮም፡፡

እዞም 7 ቀንዲ ጥርጡራት ንኣስታት ሓደ ወርሒ፡ ዕለታዊ ብኣባላት መርመራ (ወዲ በየነን ፍስሃጽዮንን)፡ ካብ ሸላታቶም እንዳተጸውዑ፡ “ኣባላት ጃሃድ ከም ዝኾንኩም እመኑ” እንዳተብሃሉ ብሕሱም ይቕጥቀጡ ኔሮም፡፡ ካብኣቶም እቶም ሰለስተ ማለት ኣልኣሚን ጀላኒ፡ ሮባት ኣልሓሰንን ዓብደላ ሮሞዳንን ብሰንኪ ሕሱም ማህረምትን ስእነት ሕክምናዊ ሓገዝን ካብ ወርሒ 6 ክሳብ ወርሒ 7/2007 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ ሸላታት ተሰዊኦም፡፡ ኣልኣሚን ጀላኒ ብውጽኣት ተሳቕዩ፡ ካብ ሕክምና ተሓሪሙ፡ ዘይምሱል መሲሉ፡ ኣብ ሸላ ሂወቱ ምስ ሓለፈት፡ ብመሸማዕ ተጠቕሊሉ ኣብ ሓደ ለይቲ ሜጀር ወዲ በየነ ንገለ ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን ሒዙ ኣብ መስመር ደቂምሓረ ከባቢ ደቂናዞ ብሕቡእ ቀቢሮምዎ፡፡

ሮባት ኣልሓሰንን ዓብደላ ሮሞዳንን እውን፡ ብሰንኪ ከቢድ መርመራን፡ ማህረምትን ግዳያት ስንክልናን ሕማም ሳምቡእን ኮይኖም፡ ኣብ ናይ መዓልታት ኣፈላላይ ኣብ ውሽጢ ዝነበርዎ ሸላ ሞይቶም፡፡ ንክልቲኦም ብለይቲ ሜጀር ወዲ በየነ ዝመርሖም ኣባላቱ ኣብ ጉዋ መገዲ ደቂምሓረ ጥቓ ዓዲ ኣርዓዳ ብሕቡእ ተቐቢሮም፡፡

ካብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ጀሚሩ፡ ክሳብ ኣካላት ሃገራዊ ድሕነት፡ ብሰንሰለት ልዑል ጠመተ ዝተገብረሉ ጉዳይ ብምኽንያት “ጥሩፍነት” ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርታት ናይ ዝተኣሰሩ ልዕሊ 300 ዜጋታትን ጉዳይ ናይ በዓል እድሪስን ብዙሓት ዜጋታት ኣብ መርመራን ቤት ማእሰርትን ክስውኡ ምስ ጀመሩ፡ ኣብ ክልቲኡ ቤ/ጽሕፈታት ኣኼባታት ይካየድ ኔሩ፡፡ ብዕለት 20/8/2007 ድሕሪ ፋዱስ ሰዓት 4፡30 ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳ፡ ብ/ጀ ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮ/ል ወልደዝጊ ባህታን ሜጀር ካሕሳይ በየነን ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ተጸዊዖም፡፡ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ተመሊሶም ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽሕፈት ወኪል ሃ/ድሕነት (ቻው ሆቴል) ሓጺር ኣኼባ ኣካይዶም ኔሮም፡፡ በቲ እዋን መበገሲኡ ካብ ሱዳን ዝገበረ ናይ “ኣኽራርነት ዝንባለታት” እንዳተብሃለ ዘይመስል ወረታት ኣብ መሳጊድ ብ03 ብምዝርጋሕ ኣመንቲ ነንባዕሎም ክጠራጠሩ ይግበር ኔሩ፡፡

ዕለት 22/08/2007 ናይ ንጉሆ፡ ሜጀር ካሕሳይ በየነ ናብ ካርሸሊ ከይዱ፡፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን፡ ሜጀር ዓብዱ ሰላም ጌቱ፡ በረኸት ሃብተን ግርማይ ሓጎስን ነይሮም፡፡ ሰለስቲኦም ተጸዊዖም ስራሕ ከምዝወድኡን ሚሸት ግን፡ ከምዝድለዩ ተሓበሮም፡፡ ንሓላፊ ካርሸሊ ኣቶብርሃን ድማ፡ ካብ ድሕሪ ፋዱስ ጀሚሩ ንሸነኽ ምብራቕ ኣብ ናሕሲ ዝነበሩ ዋርድያታት ክኣልዮም ተሓቢርዎ፡፡

ድሕሪ ፋዱስ ሰዓት 4፡00 ፡ ሜጀር ካሕሳይ በየነ (ወዲ በየነ)፡ ሰሌዳኣ ERG 01202 ዝኾነት ጻዕዳ ሚኒባስ መኪና (ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤ/ጽ ደው ዝበለት) ሒዙ ናብ ካርሸለ ተላኢኹ፡፡ ኩሉ ምድላዋት ከምተጻፈፈ ምስኣረጋገጸ፡ ንኣባላት ሓለዋ ጸዊዑ፡ ነቶም እሱራት በቢሓደ ከውጽእዎምን ኣብ መንጎ እተን ካሜራታት፡ ኣብ ዝርከብ ጎልጎል፡ “ከይደሃሉ” ሰላምታ ክለዋወጡ ብምግባር፡ ኣብ መወዳእታ ማስኬራ ወዲዮም ናብታ ማኪና ከእትውዎም ኣዘዞም፡፡

ሰዓት 5፡00 ምስኮነ ሰለስቲኦም ሓለውቲ፡ ናብ ሸላ እንዳ ኣተው ነቶም እሱራት ከውጽኡዎም ጀመሩ፡፡ ቀዳማይ ዝወጸ…ኣባል እንዳ ኮማንዶ ነበር ተጋዳላይ ካፒቴን ኣሕመድ መሓመድ ሙሳ (ጁኑብ) እዩ፡፡ ኣብ ካልኣይ ዝወጸ፡ ኣባል ፖሊስ ኤርትራ ነበር፡ ሰኣለይ ኣደም መሓመድ ዓሊ (ኣደም ሸልሸል) እዩ፡፡ ቀጺሉ ባህር እድሪስ መሓመድ ዓሊ እዩ ወጺኡ፡፡ ኣብ መወዳእታ ንኣባል እንዳ ዜና ጅምዕ ስዒድ ከሚል ኣውጺኦምዎ፡፡ ኩሎም ኣብታ ንእሽቶ ጎልጎል ንተወሰነ ደቓይቕ ተኣኪቦም፡፡ እዛ ጎልጎል፡ ሹምባሕሪ ዝተብሃለ ኣውቲስታ ዝመርሓ፡ ናይ ሜጀር ኣቶብርሃን መኪና ፓርክ ዝገብረላን፡ ፓይሎት ደጀን ዓንደሕሸል ነታ ማኪና ኣልዒሉ ዝሃደመላን’ያ፡፡

ካብቶም እሱራት ኣደም መሓመድ ዓሊ (ሸልሸል)፡ መሓውራቱ ጠሊምዎ ስለ ዝነበረ ፈለማ ክእሰር እንከሎ፡ ካብቲ ዝተዓፈነሉ እንዳ መርዓ ተኸዲንዎ ዝነበረ ባድላ፡ ካብ ኣቶብርሃን ተቐቢሎም፡ ባዕሎም እቶም ሓለውቲ ከዲኖም፡ ተሰኪሞም እዮም ናብቲ ጎልጎል ዘውጽኡዎ፡፡ ኩሎም ብሰንኪ ን22 ኣዋርሕ ኣብ ጸልማት ብምጽንሖም፡ ኣዕንቶም ብርሃን ክጻወር ኣይክእልን ኔሩ፡፡ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ኩሎም ገጾም ሚላኖ ማስኬራ ተገይርሎም፡ ናብታ መኪና ተሰቒሎም፡፡ እታ ሚኒባስ ካብ ካርሸሊ ወጺኣ ብእንዳማርያም፡ ጋራዥ ዓምበርበብ፡ ማይጃሕጃሕ ኣቢላ፡ ኣብ ሞኖፖል ዝርከብ ብኮሎኔል ርእሶም ኣባይ (ወዲ ማርጋኖ) ዝምራሕ ጨንፈር ቤ/ጽ ሃገራዊ ድሕነት ኣትያ፡፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ካንሼሎ ጨንፈር ቤ/ጽ ሃገራዊ ድሕነት ምስ ኣተው፡ እቶም ኣቐዲሞም ነቶም እሱራት ንሓደ ዓመት ዝኣክል ክሕልው ዝጸንሑ 3 ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን (ዓንዳይ መንግስትኣብ፡ ሃብተኣብ ኣዋጁን እዝጊሕሽ ኣብርሃን) ጸኒሖምዎም፡፡ ሓደ ብሓደ ካብ መኪና ምስ ወረዱ ንኹሎም ተረኪቦም ኣብ ውሽጢ እቲ ካንሸሎ ዝርከብ ሓደ ክፍሊ ዳጎንዎም፡፡

እቶም ካብ ካርሸሊ ዝመጹ ኣባላት ድማ፡ ካብ ማእከላይ ቤ/ጽሕፈት ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ብሓላፊ ክፍሊ ሎጂስትክስ ሜጀር ክብሮም ገረታቲዎስ ዝተዳለወ፡ ኣፍራዛን ባዴላን ከይዶም ኣምጺም፡፡ በቲ ዕለት ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት፡ ንጉዳይ በዓል እድሪስን ብጾቱን ከጻሪ ከም ካልኣዩ ንሜጀር ወዲ በየነ ዝተመዘ ሜጀር ፍስሃጽዮንን ሜጀር ተወልደ ራሻይዳን (መርማሪ ጥርጡራት ፖለቲካ)፡ ብላዕሊ ተኣዚዞም ምስቶም ኣፍራዛን ባዴላን ዝወስዱ ኣባላት ናብታ መኪና ተሰቒሎም፡፡ ብሓባር ናብ ቤ/ጽሕፈት ኮ/ል ርእሶም ኣባይ (ወዲ ማርጋኖ) ከይዶም፡፡

ኣብ ሞኖፖሊዮ፡ ከም ሓላፊ ጨንፈር ብልሽውናን ምጽንጻንን ብምኻን በቲ እዋን ዝተመደበ፡ ኮሎኔል ርእሶም ኣባይ (ወዲ ማርጋኖ)፡ እታ ዝነበረላ ቤ/ጽ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ስርሒታት ምችእትን ተመራጺትን እያ ኔራ፡፡ ብመስተን ጠላዕን ውሉፍ ዝኾነ ኮ/ል ርእሶም ኣባይ (ወዲ ማርጋኖ)፡ ኣብ ከባቢ ፊት ባተሪሮኖ ዘላ እንዳ ነዳዲ ነጸላ መንድቕ እዩ ዝነብር፡፡ ኣብ ሜዳ ኣባል ኮማንዶ ህ.ግ. ኮይኑ ኣብ ቅያ 18 ደቓይቕ ዝተሳተፈ ተጋዳላይ እዩ፡፡ ድሕሪ “ወራር ወያነ” ኣብ 2000ን 2001ን ኣብ ምልቃምን ቅትለት ኢትዮጵያውያንን ከምኡ’ውን፡ ኣብ ምዕፋን “ኣባላትን ሰዓብትን” ጉጅለ 15 ዝተሳተፈ እሙን ኣባል’ዩ፡፡

ኣብ ወኪል ሃ/ድሕነት፡ ኣብ ተፈላለዩ ክፍልታትን ጽፍሕታትን ተመዲቡ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ድማ ብስም Red sea security services ዝጽዋዕ፡ ሓውሲ ስለያዊ ትካል ተኸፊትሉ፡ ኣብ ሓለዋን ምብጽጻሕን ዕደና ወርቂ ዛራ ተመዲቡ ይነጥፍ ኣሎ፡፡ ኣብ ጉዳይ በዓል እድሪስ መሓመድ ዓሊ ግን፡ ናይታ ቤ/ጽሕፈቱ መፋቱሕ ንወዲ በየነ ኣረኪቡ ጥራይ እዩ ዝወጸ፡፡

በቲ ዕለት፡ ብበዓል ስምኦን ዝወረደ ትእዛዝ መሰረት፡ ኣብቲ ስርሒት ዝነጥፉ ኣባላት ኣብ ክልተ ጉጅለታት ክምቀሉ ተገብረ፡፡ ብተወሳኺ በዓል ወዲ በየነ ነፍሰወከፍ ቀጻሊ ዕማማት ክሳብ ናይ መወዳእታ ሰዓት፡ ንዝኾነ ኣባል ንከይሕብሩ ጥቡቕ መምርሒ ተዋሂብዎም ኔሩ፡፡ ልክዕ ሰዓት 6፡00 ምስኮነ፡ ቀዳማይ ጉጅለ ዝተሰመዩ፡ ብመራሕ ማኪና ዓብዱ ሰላም ጌቱ ዝተመርሑ፡ እቶም 3 ኣባላት ሓለዋ፡ ብቤት ገርግሽ ኣቢሎም መንገዲ በጽዕ ሒዞም ልክዕ ሰዓት 7፡30 ጋሕቴላይ ኣተው፡፡ ክሳብ ዝጽልምት ንዝተወሰነ ሰዓታት ምስ ጸንሑ፡ ጋሕቴላይ ሓሊፎም ንሸነኽ የማን ተጠውዮም፡ ኣብ ማይኣጣል ምስ በጽሑ፡ መራሕ መኪና ዓብዱሰላም ጌቱ መብራህቲ ኣጥፊኡ መኪና ደው ኣበለ፡፡ ኣርባዕቲኦም ካብታ መኪና ወሪዶም፡ ባዴላን ኣፍራዛን ተሸኪሞም፡ ካብ ጽርግያ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ንኣስታት 10 ደቓይቕ ብእግሪ ተጓዒዞም፡ ኣብ ሓደ ሰራው (ጨዓ) ዝበዝሖ ጎልጎል ምስ በጽሑ፡ ጋህሲ ምኹዓት ጀሚሮም፡፡ ካብኣቶም ዓብዱ ሰላም ጌቱ ንካልአይቲ ጉጅለ መገዲ ክመርሕ ናብ ጋሕቴላይ ተመሊሱ፡፡ ብሓላፊ’ቲ ስርሒት ሜጀር ካሕሳይ በየነ ዝተምርሑ 4 ኣባላትን እሱራትን ዝሓዘት ጉጅለ ድማ፡ ንዕኦም ስዒባ ኣብ ጋሕቴላይ ጸኒሓ፡፡

ድሕሪ ሰዓታት ላዕለዎት መርመርቲ ዝርከብዎ ካልኣይ ጉጅለ፡ ብመራሕ መኪና ዓብዱ ሰላም ጌቱ ተመሪሖም፡ ኮድ 3 ጻዕዳ ላንድኩሮዘር ሒዞም፡ ብድሕሪኦም እታ ካብ ካርሸሊ ጀሚራ ዝነበረት ካልኣይቲ መኪና (ሚኒባስ) ኣስዒቦም፡ ናብ ማይ ኣጣል በጺሖም፡፡ ኣብ ካልኣይቲ ጉጅለ ወዲ በየነ፡ ፍስሃጽዮን፡ ተወልደ ራሻይዳን ም/ተለንተ መልኣከ ሓጎስ (ሊንጎ) ዝተብሃለ ኣውቲስታ ኔሮም፡፡ ብመሰረት ስርሒታዊ ጸብጻባት ቤ/ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት፡ ብሓፈሻ ኣብታ ዕለት (22/08/2007 ፍርቂ ለይቲ) ዝተሳተፉ ኣባላት፡ እዞም ኣብ ክልቲኤን ጉጅለታት ዝነበሩ’ዮም፡፡ ኣብ ማይኣጣል ምስበጽሑ 4 ብኣጠምራ ሰራው ዝተጸፍጸፉ፡ ኣእዳዎም ብፌሮ ዝተሞቁሑ እሱራት፡ ካብታ ላንድክሮዘር በቢሓደ ኣውጺም፡ ናብቲ ጋህሲ ብምውሳድ በዓሉ ወዲ በየነ ብድምጺ ኣልቦ ብረት ረሽንዎም፡፡

ኣብዛ ዕለት ዝተረሸኑ እሱራት’ውን፡ እቶም መዋእሎም ብሰንኪ ፍቕሪ ሃገር ኣብ ገድሊን ኣብ ናጽነትን ዝተፈላለየ ኣበርክቶ ዝገበሩ ዝስዕቡ ዜጋታትና ኔሮም፡፡

1. ስነ ጥበባዊ እድሪስ መሓመድ ዓሊ

2. ኣደም መሓመድ ዓሊ (ሸልሸል)

3. ጅምዕ ስዒድ ከሚል

4. ካፒተን ኣሕመድ መሓመድ ሙሳ ‘ዮም፡፡

ድሕሪ መርሸንቲ እዞም ግዳያት፡ እቶም ኣባላት ሓመድ ኣልቢሶም፡ ነቲ ጉድጓድ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከብ ኣግራብን ሓመድን ኣመሳሲሎም፡ ሰዓት 02፡30 ምስኮነ፡ ኩሎም ኣባላት መገዲ ጋሕቴላይ ሒዞም ንኣስመራ ተመሊሶም፡፡ ናይዚ ሙሉእ ጸብጻብ (Operational Report) ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ተዓቂቡ ኔሩ፡፡ ገለ ካብ ትሕዝቶ ጸብጻባት፡ ኣቦ አደም ሸልሸል ኣብ ኣጅፕ (ቤ/ጽ ፖሊስ ኤርትራ) ብዛዕባ ደሃይ ወዶም ብተደጋጋሚ ከምዝሓተቱን፡ እቲ ዘሕዝን ሓንቲ ኣሚራ መሓመድ ትበሃል ጓል ክምርዖ መደብ ከምዝነበሮን ከይተረፈ ብደቂቕ ይገልጽ፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!!

ነዚ ጽሑፍ ከዳሉ እንከለኹ ብሓቂ ንምግላጹ ዘጸግም ሓዘን እንዳተሰመዓኒ ‘ዩ፡፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ድሕሪ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ፡ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ዝዝረብ ሓደ ልሙድ ኣበሃህላ ኣሎ “ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ!” ዝብል፡፡ እምበኣር እቲ ነዘመናት ተኸዊሉ ዝነበረ ሳግላ ሎሚ ቀላሊዐዮ ኣለኹ፡፡ ገና ውን ብዙሓት ሳግላታት ክቐላልዕ እየ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ነዚ ሓበሬታ ዝሰማዕኹም ስድራቤት ሰማእታትን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል፡፡

ሕጂ’ውን እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!

ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ብፍላይ ድሕሪ ምፍራስ እንዳ 72 ብስም ውሽጣዊ ጸጥታ ዝቖመ ትካል ብጀካ በትረ ስልጣን ኢሳይያስ ምሕላውን ምንዋሕን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምብስባስን ምጽናትን ዘረጋገጾ ሃገራዊ ፋይዳ የልቦን፡፡

ሕጂ’ውን እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!

ካብ መላእ ሃገር ብስም ሚሊሻ ስርናይ፡ ወዶ ገባ፡ ኢሰፓ፡ ጀሃድ፡ ትሕተ ሃገራዊነት፡ ኣሳሰይቲ ወያነ፡ ኣሜሪካን ካልእን ብዝወዓልዎን ዘይወዓልዎን ገበናት ተጠርጢሮም ብዘይዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ኢድ ውሽጣዊ ጸጥታ ምስ ኣተው፡ ብቐጥታ ብኢሳይያስ፡ ወዲ ካሳን ስምኦንን ተኣዚዞም ኣብ ቅትለት ዜጋታትና ዝሳተፉ ተሓተትን መሰኻኽርን ቀንዲ ሓለፍትን ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ነበርን እዞም ዝስዕቡ ‘ዩም፡፡

1. ኮ/ል ወልደዝጊ ባህታ፡

2. ኮ/ል የማነ ኣፍወርቂ፡

3. ሌ/ኮ ፍጹም ዮውሃንስ

4. ሜጀር ካሕሳይ በየነ፡

5. ሜጀር ፍስሃጽዮን፡

6. ሜጀር ተወልደ ራሻይዳ፡

7. ሜጀር ዓብዱ ሰላም ጌቱ፡

8. ስርጌንቲ ሃብተኣብ ኣዋጁ (ወዲ ኣዋጁ)፡

9. ሰርጌንቲ ዓንዳይ መንግስትኣብ፡

10. መልኣከ ሓጎስ (ሊንጎ)፡

11. ካፒተን ለምለም መለስ (ሽደን መለስ)፡ ‘ዮም፡፡

ሕጂ’ውን እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!! …….