May 2, 2018

ክቡር ህዝቢ  ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡ ከምይ ኢልክን ቀኒኽን፡ ከመይ ኢልኩም ቂኒኹም?  ኣነ እግዚኣቢሄር ይመስገን ድሓን ኣሎኹ። እምባኣር ሎሚ ማዓልቲ ኣብይ ኣሎ ሓውኻ? ኣብይ ኣላ ሓብትኻ? ኣበይ ኣላ ኣዴኻ?  ኣበይ ኣሎ ኣቦኻ?   ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ እንሆ ቀሪበ ኣሎኹ።

ብ 2014 ዓ.ም. ጳጳሳት ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን “ኣበይ ኣሎ ሐውኻ” ትብል ጽሕፍቲ ዘሎ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ተኸቲልካ እግዚኣቢሄር ዝፈትዎ መናባብሮ ምንባርን ምስራሕን ብንጹር ተዛሪቦም።  ብዙሕ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ድማ እቲ መልእኽቲ ሕማሙ ስለ ዘላዓዓለሉ ተዛሪቡሉ።  “እወ ሓቅኻትኩም እሞ ሓቢርና እንታይ ንግበር” ዝብል ሃዋህው ዝፍጠር’ዩ ዝመስል ኔይሩ። ግን ቀስ እናበለ ቅሂሙ። ኣብ 24 ግንቦት 2001 መበል 10ይ ዓመት በዓል ነጻነት እውን “ነዛ ሀገር እዚኣ እግዚኣቢሄር የፍቅራ እዩ” ትብል መጽሔት ጳጳሳት ናይዛ  ቤተክርስትያን እዚኣ ከም ዝጽሓፉ ዝዝከር’ዩ።  መንግስቲ ንክቡር ኣቦና ጳጳስ ኣንጦንዮስ ካብ መዝነቶም ኣውሪዱ ኣብ ቤቶም ምስ ሓየሮም: ኣብ መንጎ እተን ቤተክርስያናት ስምምዕ ብዝይምንባሩ ሓቢሩ ድኣ ኣይኮነን እምበር  ኣብ በበይኑ ጊዜ  ምእመናን ምስ ህዝቢ ተቃውሙኡም ገሊጾም። እዚውን ቅሂሙ። ብሰነ 2016 መርማሪት ኮሚሺን  ኣብ ኤርትራ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ይፍጸም ከም ዘሎ ጸብጻብ ከተቅርብ ከላ፡ካብ ብዙሓት ከተማታት ኤውሮጳ -  ኣመሪካን ካናዳን ከይተረፈ -  ማእለያ ዘይብሉ ኤርትራዊ ጀኒቫ ክሳብ ተጠለቅልቅ ህዝቢ ጀኒቫ ክስብ ዝገርሞ፡ ነቲ መርማሪት ኮሞሽን  ዘቅረበቶ  ጸብጻብ ክድግፍ መጺኡ።  ብዙሓት ካብኣቶም፡ ካብ ሕሱም ማእሰርትን፡ ምቅጥቃጥን  ህግደፍ: ካብ ካራ ሸፋቱ ናይ፡ ሲናይን በዲዊንን፡ ተሓባበርቶም ኮሎለናትን ጀነራላትን ኤርትራ፡ ካብ ሕቁፎ መዲተራንያን ኣምሊጦም ንስክላ ዝወጹ’ውን ብኣካል ክምስክሩ መጺኦም ነይሮም። እዚ ኹሉ  ስምረት ምስ ተራእየ ሽዑ’ውን “ነዚ ኣዕናዊ ሰይጣናዊ ስርዓት ዝጉሕፍ ሓፈሻዊ ሰላማዊ ምንቅስቃስ  - Peace Movement -  ሕጂ ክጅመር’ዩ’ ዝብል ካብ ብዙሕ ወገናት ተስሚዑን ተኣሚኑሉን። እንተኾነ እዚ’ውን ቅሂሙ።   ቤት ትምሃርቲ ኣል ዲይ ኣል ኣስላሚያ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቁጹጹሩ ክኣቱ ምስ ኣዘዘ፡ ናይታ ቤት ትምህርቲ ፕረዚደንት ክቡር ኣቦና ሓጅ መሓመድ ሙሳ ኑር  ነቶም ኣካየድቲ - ቦርድ - ምስ መማሃራን፡ መንግስቲ እንታይ ከም ዝበለን እምብይትኦምን ገሊጾም።  ተማሃሮ  ተላዒሎም “ኣብየት” ክብሉ  ተበጊሶም ህዝቢ‘ውን ስዒብዎም። ኮይኑ ግን ገና ቤት ጽሕፈት ኢሳያስ ከይቀረቡ ወታሃደራት ንላዕሊ ተኵሶም ህዝቢ ከም ዝዝሮ ገይሮም፡ በብሓድን ብጉጅለታትን  ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዝረከብውም ብዙሓት ከም ኣመሎም ዳጉኖም ክሳብ ሕጂ’ውን ብስልቲ ይቅጽልዎ ኣለው።  ኣብ ወጻኢ ኣብ በበይኑ ከተማታት ዓለም፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደቂ ኣንስትዮ ብዝያዳ ዝተረኸባሉ፡ ኣስላም ናይ ክቡር ኣቦና ጳጳስ ኣንጦንዮስ፡ ክርስታያን ናይ ክቡር ኣቦና ሓጅ መሓመድ ሙሳ ኑር ስእሲ ሒዞም ኣብ ኣደባባይት ወጺኦም ምረቶምን ተቃውሞኦምን ገሊጾም።  ነቲ ሃይማኖት መመኽነይታ ጌሮም ኣብ መንጎ ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን ምፍሕፋሕ ከንግሱ ህግደፍ ተሓቢኦምን ኣግሂዶምን ዝገብርዎ ሽጣራታት ፈሺሉ።  እዚ ተርእዮ’ዚ “ሎምስ መግዛእቲ ህግደፍ ከብቅዕ እዩ” ዝብል እምንት ኣብ ህዝቢ ኣሕዲሩ። ካብ ውሽጢ ዝመጸ ዝመስል መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ፡ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈውርቂ ፈጸምቱ በዓል መን ሙኾኖም፡ ስሞምን፡ ተዋፍርኦምን ብደቂቁ ካብ  ዝግለጽ፡ ኣንጻር እዚ ብርነት’ዚ ዝንቀሳቀሱ ሓይልታት ኣለዉ ተባሂኡ ስለ ዝእመን፡ ናይ ወጻኢ ደገፍ ከምዚ ጌይሩ ካብ ዝርኤስ እዚ ስርዓት’ዚ ዕድሜኡ ሓጺር’ዩ ተባሂሉ፡ እንተኾነ እዚ’ውን ከምቲ ካልእ ቂሂሙ። እዞም ግሩም ጽላል ዓዲ ሓቅን ትብዓትን ዝመለየኦም፡ ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ዝተቃለሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሰዊኦም።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ። ንሓሙሽተ  ወይ በዚሑ እንተተባህለ ሸውዓተ  ሸሞንተ ዓመታት ዘይኮነስ ን26 ዓመታት ዝኣክል ንዝወረዶ ይተረፍ ንሰማዒኡ ዘስካሕ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እናተፈጸመ፡  እሞ ድማ እንተ በዚ እንተ በቲ ዘይተተንከፈ ስድራቤት ዘየለ -  ዋላ ናይቶም  ናይ ግዜ ነጋውስ ኮሎነላትን ጀነራላትን ሓለፍቲ ህግደፍን  ከይተረፈ - ኣብ በቢግዚኡ በቢጉጅለ ዘይኮነስ ሓቢርካ ነዚ ስርዓት’ዚ ሓንሳእን መወዳእታን ካብ ሜራትና ባሕጉጉና ዘይኣውጻእናሉ ምኽንያት እንታይ ኮን ይኸውን?  ኣብ ሓደ ቦታ ክትከይድ ምስ ትደሊ፡ መጀመርታ ኣብይ ከም ዘለኻ ክትፈልጥ ይግባእ። ታሪኽና ይኹን  ዘለናዮ ኩነታት ንፈልጦን ብቀጻሊ ንዛረበሉ ኢና፡ ግን  ዋላ እንተተፈልጠን እንተተዘረበሉን፡ እንተተጻሕፈሉን፡  ነቲ ክትብሎ ትደሊ ምድጋሙ ዘድሊ እንተኾይኑስ  የግዲ ትደግሞ። እንሆ ድማ ኣነ ገለ ክውንን፡ ብሁሉን ጽሑፍን ክደግም’የ።

እወ: ማይን ጸባን፡ ኢድን ጓንትን፡ ኴና፡ ሓወይ ሓፍተይ፡ እናተባሃሃልና፡ ኣቦታት፡ ኣብ ገጠራት ዝነበሩ መጭዓንኦምን ግልበቶምን፡  ኣዴታት መጹ ክብሃል ከሎ ካብ ዘምጽኣ ኣምጺኤን፡ ጸላኢ ከይጻናጸነን ብቅጽበት ግዓተንን፡ ቀጫጭኤንን፡ ዘሎ ትሕዝቶን ምስ ድንጋጹ፡ ምስ ፍቅሩ እናዓንገላ፡ ደድሕሪኦም ኣብ ቦትኦም ከይደን እናገልገላ፡ ናይ ከተማ ህዝቢ ድማ ኣብቲ ርእሲ ገንዘብ ምውጻእ፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፡ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኮይኑ፡ ገድሉ ዝዕወተሉ መንገድታት እናሳላሰለ፡ ተጋደልቲ ንሕናስ ሓንቲ’ያ ዕላማና፡ ናትኩም ናይዞም ኣብ ውሽጢ ዘለኹም ግን ከቢድ’ዩ።  ኣብ ደገ ዘለኹም ድማ ገድልኹም ዓንዲ ሕቆ ክትኮኑ፡ ትምህርትኹም ገዲፍኩም፡ ጽባሕ ንግሆ  እዛ ሃገር ምሁር ከድልያ እዩ፡ ገሊኹም’ባ ተማሃሩ እናተባሃለ፡ ፍቅርን፡ ለውሃትን ምትሕልላይን፡ ማለት ቅድሚ ጥቅምኻ ጥቅሚ ብጻይካ፡ ቅድሚ ረብሓኻ፡ ረብሐ ህዝብኻ፡ ቅድሚ ቁስልኻ ምሕዋይ ቁስሊ ካልእ ምፍዋስ፡ ቅድሚ ንህወትካ ምክልኻል፡ ህይወት ብጻይካ ምዕቃብ፡ እቲ ስራሕ ይሰራሕ ይሳለጥ እምበር ስም ክትረኽበሉ ፈጺምካ ዘይምድላይ፡ ስምዑኒ ዘይኮነስ ቅድም ክሰምዓኩም፡  ኣነ እፈልጥ ዘይኮነስ ንሳኻትኩም ትፈልጡ ስለ ዝኾነ’ዩ። ልግሲ ድማ ንበይኑ ዓይነቱ’ዩ ዝነበረ። በዓል ርቢዒት፡ ንበዓል ምለሊኽ፡ በዓል ምለሊኽ ንበዓል ኩባያ፡ በዓል ኩባያ ንበዓል ፍንጃል እናበለ ይሳታተር ነይሩ።  ንምሳሌ ሓደ ጊዜ ብእዋን ደርጊ ሓደ ውላድ  ካብ ኣዲስ ኣበባ ንዝሽምገላ  ወላዲቱ  ኩንታል ፊኖ ሰዲዱለን። እዛ ፊኖ ሓንሳእ ኣይጸንሔትን። እዚ ወዶም ገሪምዎ ምስ ሓተተን፡ “ከመይ ጌይረ እዚ ዘየኣደነ ሓሪጭ ንበይነይ ክበልዕ፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ምንታይ ሰማያት ክኣቱ፡  ምስ ጎራባብተይ ተማቂልናዮ፡ ክልተ መንእሰያት ኣደ ቆልዑት፡  ኣብ ትሕቴና ተኻርየን ዘለዋ’ውን መቂለየን። ንዓኻ እንተዘይፈለጣኻ፡ መንፈስን ይምርቀካ” ኢለንኦ። እዚ ወደን ተግባር ኣዲኡ ልቡ ተንኪፍዎ፡ ብኣውደ ኣመት ምስምስ ጌይሩ ነተን ኣዴታት ቆልዑ ገንዘብ ሰዲዱለን። ከምዝን ወዲ ከምዝን ዛንታታት ብዙሕ’ዩ።   እዚ ባህርያት እዚ ማለት ምትሕላላይን፡ ፍቅርን፡ ለውሃትን፡ ዋኒን ብጻይካ ከም ዋኒንካ ምውሳድን ኣብ እዋን ገድሊ ዝተፈጥረ ኣይኮነን፡ ገለ ካብቲ ጽቡቅ ልምዲ ህገርና እዩ፡  “በይኑ ዝበልዕ በይኑ ይመውት” ዝብል ምስላ ኣማቲ እዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡ እሞ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ኣብ ዓቢ ዓወት ዘብጽሔ ንሰብ ሰብ፡ ንሀገር ሀገር ዝገብሮ ባህልታትን፡ እምነታትን፡ ስርሓትን፡ ተመክሮታትን፡ መሬት ነጻ ምስ ኮነት ድኣ ኣበይ ኣበለ? ኣበይ ጠፍኤ?  ከምዛ ብእንከን ዘይብሉ ሙሉእ ምትሕብባር ህዝቢ ንራህዋ መጻኢ ወለዶታት  ዘይተቃለሱ፡ ሕድሪ ስውኣት ጠሊሞም፡ ህዝቢ ክሒዶም ናይ ሎሚ ሰበ ስልጣን ንሕና ኣብ ኣኻውሕ ክንድቅስ ከለና ንስኻትኩም ኣብ ዓራት ትድቅሱ ኔርኩም ንሕና ዝነበርናዮ ንበሩ፡ ሳሕል ከም ኣስመራ ዘይኮነስ ኣስመራ ከም ሳሕል ክንገብራ ኢና ዝብሉ ዝመስሉ ዘለው? እንታይ ኮይኑ ድኣ  ዉሉድን ወላድን ተኻሓሒዱ፡ ሐውን ሓፍትን ተጣላሊሙ?  ንኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝብና መንግስቲ ብዶላር መሬት ኣሎ ግዛኡ ክብል ከሎ፡ ኣብ ዓዲ ዘለው ኣብ ሓንቲ ክፍሊ 6/7 ተጫቃጪቆም ዝቅመጡ ንሳቶም ቅድም ይውሃቡ፡ ንሕና’ኮ ኣብቲ ንቅመጠሉ ንብረት ኣለና ዘይበልና? ኣብ ወጻኢ እናተቀመጥካ - ወሸለ ክኢልካ -  ንዓኻን ንዳሕራይ ንደቅኻን ንደቀ ደቅኻን ቤት ምስራሕ ጽቡቅ እንድዩ፡ ዓድኻ ማለት ድኣ እንተይ ማለት ግዲ’ዩ? ግን ስለ ፍትሒ ቀዳምነት እቲ ነዛ መሳፍሒት ስኢኑ ሀንቀው ዝብል’ዩ ዝግባእ። ከምኡ ድኣ እናሓደረ እቲ ጸይቂ ምምሕዳር ተጋሂዱ እምበር፡ ንኣብ ቀረባን ርሑቁን ማለት ንኹሉ ዝኣክል ኣኺሉ ዝተርፍ መሬት ኣሎና። ወረ “ዘይስናኻስ ሑጻ ቆርጥመሉ” ማኣስ’ዩ ዝመጸ?  “ኣብ ወጻኢ ኣሕዋት ዘለውዎም ንቅያ መርዓ ኣሕሊፎም፡ ንሕና ድማ መርዓ ክንገብር ኢና ኩሉ ካባኻትኩም’ዩ” ኢሊካ ያኢ ገንዘብ ካብ ገረብ ከም ዝሽምጠጥ ጠገለ ዘይብሉ ጉዳይ ካብ ምግባርሲ ብቅሩብ ሓገዝ ጉዳይ ኣሕሊፍካ፡ ክንደይ ጊዜ ስደት ኣሎ፡ ናብራ ወጻኢ ድኣ ከቢድ’ዩ እምበር ገንዘብ ኣጣራቒምኩም ዓድኹም እንተ ትኣትውዎ ጽቡቅ ኔይሩ ዘይንብል? ኣብ ወጻኢ’ውን እንተኾነ፡ ኣሽሐት ገንዘብ ንመርዓ ከነጥፍእ ከለና፡ ኣበይ ኣለኹም ስደተኛታት ኣብ መዓሳክራትን ፈቀዶ በረኻ ዘለኹም እንኩመ መግብኹም፡ ክዳንኩም ክሳብ ዝሓልፈልኩም ፡ እንሆ ጥራዝኩም፡ መጽሓፍትኹም ዘይንብል? ክልተ ዓመት ኣገልጊሉ ናብርኡ ክገብር፡ ብሓቂ ልኡላውነት ሀገር ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቅ ድማ ክተት ክብል ዝሓሰቦ ኣሽሓት መንእሰይ፡ ንዓመታት ኣብ በረኻ ተጕሳቂሉ ሓውሲ ባርያ ኮይኑ፡ ብኽንደይ መሳናኽል ሓሊፉ፡ ካብ ሓደጋ ሞት ወጺኡ፡ ዓዲ ሰብ ኣትዩ ፡ ኣለይ መለይ ዝብሎ ሲኢኑ፡ ኣብ መንገዲ ዓንዘር ክብልን፡ ርእሱ ባዕሉ ከቀትልን ከሎ፡ መብዛሕትና ከምዛ ዘይንፈልጥ ስለምንታይ ስቅ ንብል ሰብኣዊ ርህራሄ ነጥፍእ? ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እናተፈጸመ፡ ኣብ ክንድዚ ነዚ ጨካን ስርዓት ብዘለና ዓቅሚ ምብዳህን፡ ንዓለም’ውን ምንጋርን፡ ስድራና ይሽምግሉ ኣለው ክንሪኦም ንደሊ ኢና፡ ደቅና ድማ ዓዶም ክፈልጡ ኣለዎም ኢልና ፡ ሓቂ ቆጺና፡ ምስቲ ስርዓት እናዳተማሳሰልና፡ ሕልናና ከነደስክሎ ከለናስ፡ ቅድሚ ስድራና ንሕና ክንመውት ከም ንኽእል፡  እንታይ ውሕስነት ኣለና?  ንንኣሽቱ  ደቅና፡ ናብቲ ዓድና ኢልና ንኾርዓሉ  ሒዝናዮም ኬድና፡ መብራህቲ ጠፊኣ፡ ሉቸ ተወሊዓ፡ ማይ መጺኣ፡ ቡንባ ከይዳ፡  ክብሃል ክርእዩን፡ ንሳቶም ምስ ሰብ ዶላራት ወለዶም ኣብ ረስቶራንተታት ቀይሕን ጸሊምን ክበልዑ ከለው፡ እቶም ማስቲካን ካራሜለን ኣብ መንገዲ ዝሸጡ መሳትኦም ጭንን ክብሉ ክርእዩ ከለው፡ እዞም ገያሾ ቆልዑ እንተ ዓይነት ስሚዒት የሕድሩ?  

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩላትና ከም ንፈልጦ፡ ዋና ዕላማ ናይቲ መራሒ ምስ ሰዓብቱ ነቲ  ኣፋሪቅዎ ዘሎ ዕንወት ህዝብን ሀገርን  ብዘይ ንሕስያ ምዝዛም’ዩ። ንሕና ድማ “እንተዘይትደፍኣኒ መን መወደቅኒ፡ ከም ዝብሃል፡ ብሐፋሻ ኣዛራርባ ብከምዚ ዝስዕብ ከይተፈለጠና ድልየቱ ንፍጽመሉ ኣለና። ማላት ዘይተኣደነ ክቱር ስስዔ፡ ፍትወተ ርእሲ ምድስካል፡  ሕልና፡  ኣንነት (arrogance)_ ኣነ ይበልጽ፡ ፡ ኣልቦነት ትሕትና፡  ምትሕብባር ገደፍካ ምውድዳር ከም መንፈዓት ምውሳድን፡ ተስፋ ምቁራጽን፡ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ብመጀመርታ ሰብ ሙዃና ምርሳዕን’ዩ። ኣብ እዋን ገድሊ ምስ ክንደይ ተጻብኦታት ምሳና ደው ዝበሉ  ወጻእተኛታት፡ ካብ ኤርትራ ዝረብሕሉ ነይርዎም ዘይኮነስ፡ ኣብ ፍትሕን፡ መሰልን፡ ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኣመኑ ጥራይ እዩ። ክደግሞ ንዓይ ከም ዝመስነኒ ድልየቱ ሕልሙን ነቲ ፕረዚደንት  ንፍጽመሉ ዘለና፡ እዚ ዝጸብጸክዎ’ዩ።

እምበኣር ነቲ ኣብ መጀመርታ ዘረባይ ከም ኣርእስቲ ዘቅረብክዎ ሕቶታት፡ ሐውኻ፡ ሓፍትኻ ኣዴኻ፡ ኣቦኻ ኣበይ ኣለው እቲ ኩላትና ንፈልጦ መልሲ፡ እዝንና እናሰምኤ ዓይንና ሓመድ ከይፈሰሶ፡ ሓውና፡ ወድና ይባሩ፡ ይስደድ ይሕረድ ይዝልዝል፡ ሓብትና፡ ጓልና ትባሩ፡ ትዋረድ፡ ክብራ ይግሃስ ትዕመጽ -  እወ ትዕመጽ ብክከላኸሉላ  ዝግብኦም ኣቦታታ/ኣባሓጎታታ ሰብ ጽሩራን ኣዋፈርቶምን ሸፋቱ ሲናይን በደዊንን - ንርእሳ ቆልዓ፡ ስደታን ድኽነታን ከይኣኽላ ኣቦ ዘይብሎም ቆልዑ ተዕቢ። ኣዴኻ ኣብ እዋን ሽምግልንኣ፡ ኣብ እፎይ ትብለለዩ እዋን ዕረፍታ ደቂ  እቶም ዝተኣስሩ፡ ዝሓቀቁ፡ ሳዋ ዝኸዱ ብኡ ኣቢሎም ዝጠፍኡ ደቃ እህህ እናበለት ከትገዕቢ ኣግሂዳን ተሓቢኣን ትልምን፡ ኣቦን ኣደን ዘይብሎም ደቂ ደቃ ድራር ዕለት ምስ ሰኣነትሎም ድማ ኣብቲ ረሳሕ ስርዓት ህግደፍ ብእዝኒ ዝጽዋዕ ትኣቱ።  ኣቦኻ ዝሓርሰሉ ዉላድ ዘይብሉ፡ ዘኽይደሉ ዝንበረ ዓውዲ ሓመድ መሊእዎ፡  ቆፋፍኡ ጥራዩ ኮይኑ፡ ዝቃደረ ግራቱ  ብጎቦ ብዓይኒ ይርእዮ ኣሎ። ብዓልቲ ቤቱ ደቃ ክትርኢ ኢላ ምስ ከደት፡ ብኡ ኣቢላ ትትረፍ። ኣብቲ ትዓርፈሉ፡ ምኽርኺ  ሃብና እናተባህለት ትኸብረሉ፡ ስራሕ ኣትያ ቆልዑ ካልኦት ተዕቢ።  ሰባኣዊ ርህራሄ ክንዲ ቅንጣብ ዘይብሉ ጨካን ተባዕ ዝመስል ግን ቦጅባጃ ሬሳ ዘባህርሮ  ኣቦ፡ መስታ ቀዳሞት መጻውቲ ዳሕሮት ሙዃን የሕጉሶ’ዩ። እቲ ብዕድመ ዝደፍኤ ወላዲ፡  በዓልቲ እንድኡ ምስኡ ዘየላ፡ ብዙሓት ካብ መሳትኡ፡ እንተ ሞይቶም፡ እንተ ዐዲ ዊዒል ኮይኖም፡  እንተወጸ ኣብ መንገዲ ዝፈልጦ ዘይብሉ፡ ኣብ ገዛእ ዓዱ ዓዲ ጓና ኮይኑ ተሰሚዕዎ፡ ሕልንኡ ኣዕሪቡ ጆጉነን፡ ጆግነን  እናበለ ንሞት ይጽበያ ኣሎ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ገድሊ ተመክሮኡ ሕሱም’ዩ፡ ኣብ ጊዜ ዉግእ ትጥቀመሉ ሜላን ኣማሓዳድራን ንሰላምዊ ጊዜ ኣይከውንን’ዩ፡ እብ ርእስኡ ከምቲ ብዙሕ ሰብ ዝኣምነሉ፡ እቲ ዘመን ኣምጽኦ ኣብ እዋን ገድሊ ዝምለኽ ዝነበረ ሕማቅ ሸነኽ ናይ ማርክሰ ለኒን ምስ ተሓወሶ፡ ነቲ ንሰብ ሰብ፡ ንሃገር ድማ ሀገር ዝገብሮ ዓለም ክማሃረሉ ዝኽእል ባህልና ፈጺሙ ባሕጉጉዎዩ እኳ እንተዘይበልና፡ ብሓቂ ከምዚ ኩሉ ሃስይዎ’ዩ።  ብዝኾነ እዚ በቶም ተማራመርትን ጸሓፍትን ተጸኒዑ ክጻሓፍ ኣለዎ ከመይ ዝመጽእ ወለዶ ካብዚ  ሕማቅ ተመክሮ ምእንቲ ክምሃር። ሕጂ ግን እቲ  ደሪቁ ዘሎ ልብና ፍቅሪ ክንመልኦ፡ ደንገጽትን ለውሃትን፡ ሓዳጋትን  ክንከውን፡ ስጋይ ስጋኻ ክንብል ናይ ግድን’ዩ። ሕልና እናመርመርና ርእሰ-ለውጥ ምግባር’ዩ። ሕድእ  ኢልካ ሕልናኻ ምምርማር’ሞ ምእዛዝ ኣብ ብሕታውን፡ ቤተሳባውን፡ ህገርውን፡ ኣህጉራውን ዓቢ  እዋንታዊ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል’ዩ።  ንምሳሌ ኣብ ኣስመራ ኣብ ቤት ትምህርት ልኡል መኮነን፡ ኣብ  ሰብዓታት ሓደ ተምሃራይ ኣብ ትምህርቱ እናሓመቀ ከይዱ፡ መምህሩ ስለ ምንታይ ኢሉ ምስ ሓተቶ፡  ሰበይቲ ኣቡኡ ስለ ዘይትፈዎ ይብሽስጮ’ሞ ከጽንዕ ከም ዘይካኣለ ነጊርዎ።  “ንሳስ ከም ዉሉዳ ኣይርኣይትካን ንስኻኸ ከም ወላዲትካ ጌርካ ክትሪኣ ፈቲንካዶ” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ወዮ ተማሃራይ ምስ ሕልንኡ ተማራሚሩ፡ ኣታሓሳስቡኡ ለዊጡ። ኣብታ ገዛ ሰላም ሰፊኑ፡ ብትምህርቱ ነፊዑ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ኣብ መንጎ በዓልቲ ቤቱርን ወዱን ተቀርቂሩ ዝነበረ ሳፋይ ክዳን ኣቡኡ’ውን ኣብ ምሕጋዝ ኣትዩ፡  ሓደ ሰብኣይ ድማ ድሞዙ ከም ድላዩ ገይሩ እናጥፍኤ ንበዓልቲ ቤቱ ዓቅላ ክሳብ ዝጸባ ብሳንቲም ይቋጸጸራ ነይሩ። ሕልንኡ ዳኝኡ ምስ ገብረ፡ ተናዚዙ  ይቅረታ ሓቲትዋ ኣብ ልቡ ተመሊሱ።  ኣብ ገለ ዓዲ ናይ ደቡብ ኣመሪካ - ሕጂ ስማ ኣይዝክራን - ሓደ ኣብ ዱጓና ዝሰርሕ ዝነበረ ሰባኣይ ሕልናኡ ድቃስ ምስ ከልኦ ነቲ ኣብ ስራሕ ኮይኑ ብጉቦን ብገለን ዝኣከቦ ገንዝብ  ኣኪቡ ናይ ሕልና ጉዳይ ኮይኑኒ ኢሉ ነቲ ሓለቅኡ ኣረኪብዎ። ካብ ስራሕ ምውጻእ ተቀቢልዎ፡ ማእሰርቲ ጥራይ’ዩ ዝፈርሔ። ወዮ ሓለቅኡ ገሪምዎ፡  ንስኻ ንእሽቶ ሰራቂ ኢኻ ኣነ ድማ ዓቢ ሰራቂ’ዩ ኢልዎ።  ኣብቲ ጽሑፍ ካብኡ ናብ ምንታይ ከም ጽበጽሔ ኣይነግረን። ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ዓበይቲ ሰባት ኣብ  ዝርተከብዎ ኣኼባ፡ ጅርመናውያን ስለቲ ኣብ ዓለም ዝፈጸምዎ ዕንወት ይቅሬት ምስ ሓተቱ፡  እቶም እንጊሊዛውያን ድማ፡ ኣብ ቀዳማይ ውገእ ዓለም ንጀርመን ብፍትሓዊ ዓይና እንተንጥምታ ኔይርና፡ ጀርመን ከምዚ ኣይምገበረትን ኢሎም።

ኽቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡ ንሓደ ምሁር ስድርኡን መማሃራኑን ጥራይ ኣይኮኑን ዘምህርዎ እንታይ ድኣ እቲ መላእ ህብረተስብ’ዩ።  ተመሂሩ ድማ ክምህር፡ ሓቂ ሒዙ ህዝቢ ከገልግል እምበር፡ ዋኒን ምቾቱ ጥራይ ኣይኮነንን ክገብር ዝግብኦ። ኤርትራ ሙሁራት ኣይዋሓድዋን፡ ቁርብ ብቀጻሊ ክቃለሱ ከለው፡ ገለ ድማ በብእዋኑ ይትንስኡ፡ ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣድማዒ ውጺኢት ኣይተረኽበን፡ ሕጂ ግን ኣቱም ምሁራትና - ምሁር ክብሃል ከሎ ደግሪ ዘለዎ ጥራይ ኣይኮነን - ብዘይካ ብሕልና ብትሕትና ንሓባራዊ ኣዎንታዊ ለውጢ ሓቢርካ ምስራሕ  ካልእ ኣማራጺ የለን።  ኣቱም ስነ ጥበባውያን ሙዙቀኛታት፡ ኣቦታትኩም፡ ዓበይቲ ኣሕዋትኩም ህዝቢ ንነጻነቱ ክስልፍ፡ ክባራታዕ ዓቢ ተራ ነይርዎም፡ ሕጂ ድማ ንስኻትኩም ኩሉኹም ብፍቅሪ ሓቢርኩም ሐደ ንህዝቢ መንፈሱ ዝቅስቅስ፡ ቃንዩ።  ኣትን ሰብ ታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብውልቃዊ ይኹን ብጉጀለ፡ ብማሕበር ትቃለሳ ኣለኽን፡ ዕድመን ጥዕናን ይሃብክን። ግን ኣብ ኩሉ ጽፍሒ ናይ ህብረሰብና ትርከባ በብዓዕምኽን ብሓንሳእ ሓቢርክን ትብዓትን፡ ፍቅርን፡ ቆራጽነትን ምስ ትትንሳኣ ድም ዓወት ህዝብና፡ ትንሳኤ ህዝብና ኣብ ኢድካን’ያ ዘለ ኢለ እኣመን። ናይ ፊሊፕንስ ፕረዚደንት ነበር ፈርዲናንድ ማርቆስ ህዝቢ መረርዎ  ጭቆና በርቲዕዎ ተላዒሉ ኣብ ኣደባባይ ምስ ወጸ፡ ካራርማታ ዝሓዙ ወታሃደራት ሰዲዱ፡ ህዝቢ ግን  ፋሕ ኣይበለን፡ ብሕልፊ ደቂ ኣንስትዮ ብዕምባባን መቁጸርያን ኣብ ካራራማታት ምስ ኣቀመጣ፡ ደኺምዎ ዝጸንሔ ወታሃደር ምስ ህዝቡ ጠጠው ኢሉ፡ ማርቆስ ስድርኡ ሒዙ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሉ ንሃዋይ ሀዲሙ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ሓያል ገዛኢ ገጢምና፡  ዓለም ዝደነቀ ዓወት ተጕናጺፍና፡ ሕጂ ድማ፡ ነዚ ኣዝዩ ጽንኩር ህላዌና ዘጣራጥር ኩነታት በዲህና ኣብ 26 ዓመት ዝተፈጸመ ጥፍኣት ብቁሩብ ዓመታት ኣሕዊና ንዓለም ከነደንቅን ኣብነት ክንከውንን ንኽእል ኢና። ማዘር ተረዛ “ብጸሎት ጥራይ ከም ዝርከብ፡ ኣበርቲዕካ ምጽላይ፡ ብስራሕ ጥራይ ከም ዝረክበ ኣበርቲዕካ ምስራሕ መሰረት ዓወትና እዩ” ኢላ። ስራሕ ንህዝብና ክብረቱ ከም ዝኾነ ብግብሪ ኣራጋጊጹ’ዩ። እምነትን ጸሎትን ድማ ባህሉ’ዩ።

እምባኣር ዘረባይ ኣብዚእ ክዓጹ’የ። ዘለኣለማዊ ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ንኣምላኽና ይኹን።  ኣሜን