ብሃለፍታ ዝቐዝፋ… ሕጊ ኣልቦ ትካላት ፍሊጶስ

(ህልው ኩነታት ቤት ማእሰርቲ ዓላ)

1ይ ክፋል

ንዓና ንኤርትራውያን፡ ከምቲ ዛንታ ኩናትን ወረ ኩናትን ዘየሕድሰና፡ ዛንታት እሱርን ቤት ማእሰርታት’ውን ኣየሕድሰናን፡፡ እቲ ምንታይሲ! 27 ዓመታት ብጀካ ምእሳርን ምቕታልን ካልእ ታሪኽ ክነዘንቱ ስለ ዘይተዓደልና፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ማዕረ ማዕረ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተኻየዱ ዘቤታዊን ግዳማዊን ጸቕጥታት፡ ኢሳይያስ ውን ኣብ ሃገርና ማእለያ ዘይብለን ቤት ማእሰርታት ክህነጻን ክሕደሳን ጌሩ እዩ፡፡ ብፍላይ፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከም ልሙድ፡ ኣብ ዝሕሰበሉ ዘሎ እዋናት፡ ካብ ተቓዉሞታት ስርሒት ፎርቶ፡ 3 ሚያዝያ 2017ን ኣኽሪያን ዝተኣረዩ፡ ብዙሓት ዜጋታትና ብጃምላ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ማሕቡሳት ተዳጊኖም ‘ዮም፡፡ እቶም ዕድል ዝገበሩ፡ ድሕሪ ኣሰቃቒ መግረፍቲ ክፍትሑ እንከለው፡ እቶም ዕደል ዘይገበሩ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ እተን ቤት ማእሰርታት ይቕዘፉ ኣለው፡፡ ካብ’ቶም “ዕድል ዘይገበሩ” ሓደ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ 5ይ መደበር ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ‘ዮም፡፡

ኣብ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር (ደሓር ህግደፍ)፡ ብዛዕባ ዛንታ ቤት ማእሰርትን ኣተሓሕዛ እሱራትን፡ ማዕረ ማዕረ’ቲ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝምዘዝ ታሪኽ ኣለዎ፡፡ ንሎሚ ካብ ሜዳ ጀሚሩ መዋእሎም “ሓዞ፡ እሰሮ፡ ህረሞ፡ ቅተሎ” ዝብሉ መምርሒታት፡ ካብ ዘውርዱ ጨካናት ሓለፍቲ፡ እቲ ብህዝቢ ዝተነጽገ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ካብ ዘመሓድረን ቤት ማእሰርታት ሓደ ዝኾነ፡ ቤት ማእስርቲ ዓላ ዝምልከት እዋናዊ ሓበሬታ ክፍንወልኩም፡፡

ከም ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣባጓይላ ኢሳይያስ “ሀ” ኢሉ ሰብ ምእሳርን ምቕታልን ዝጀመረሉ ቦታ”ውን፡ ከባቢ ዓላ እዩ ዝነበረ፡፡ ኣብ ፈለማ 1970ታት ንተጋዳላይ ኣብርሃም ተወልደ፡ ዘጥፍኣሉ ቦታ ዓላ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡ “ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ” ከም ዝበሃል፡ ዓመታት ቆጺሩ እንሆ! እቲ ኣዚዩ ጨካንን ጎራሕን ጀነራል ፍሊጶስ ከኣ፡ ኣብ ዓላ ኣዚዩ ቤት ማእስርቲ ኣቑሙ ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታት የሕቅቕን እቶት የኻዕብትን ኣሎ፡፡

ካብ መፋርቕ 2005 ጀሚሩ፡ ሻቡ ብሜጀር ጀነራል (ሕጂ ሙሉእ ብጀነራል) ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ኣብ ትሕቲ ተወርዋሪ እዚ ዝመሓደራ ቤት ማእሰርታት፡ ዓዲ ኣቤቶ፡ ማይ ስርዋ፡ ማይሑጻ፡ ዓላ፡ ቀሓውታ፡ መትከል ኣብዮት እየን፡፡ ጀነራል ፍሊጶስ ሓለቓ ስታፍ ኮይኑ ምስተመዘ ውን፡ ነዘን ቤት ማእሰርታት ካብ ተውረዋሪ እዚ መንጢሉ፡ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ጀነራል (ባለነኪ) ብምጽንባር “ምክትታልን ምጽራያትን ጉዳያት” ዝብል ስም ኣጠሚቑ፡ ብዙሓት ዜጋታትና ዝራሰዩለን ካሜራታርን ሸላታትን ቀጻሊ ይሃንጽ ኣሎ፡፡ ቤት ማእሰርቲ ዓላ ካብዚኣተን ሓንቲ ኮይና፡ ከም ጨንፈር ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ብምኻን፡ ብዝተፈላለዩ “ገበናት” ዝተጠርጠሩ ዜጋታት፡ ዝእሰሩላ ቤት ማእሰርቲ’ያ፡፡ ነዛ ቤት ማእሰርቲ ከም ላዕላወይ ሓላፊ ኮይኑ፡ ካብ ኣስመራ እንዳተመላለሰ ዝእዝዝ፡ ሜጀር ብርሃነ ከበደ (ወዲ ከበደ) ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዓላ ድማ ምክትል ኮፕራል ምሕረትኣብ (ወዲ ውጩ) ዝትበሃለ ኣባል ነቶም ሓለዋን እሱራትን ዕለታዊ ይኣሊ፡፡

ቅርጻዊ ኣቀማምጣ ቤት ማእሰርቲ ዓላ ምስ እንዕዘብ፡ ክሳብ 2014፡ ብዙሕ ዘይተጻፈፈ ካሜራታትን ሸላታትን ብምሓዝ ዝጸንሐ እዩ፡፡ ካብ 2015 ንነጀው ግን፡ ብናጻ ጉልበት እሱራት፡ ብዙሓት ሃንገራት፡ ካሜራታትን ሸላታትን ተሃኒጹ’ዩ፡፡ ብሓፈሻ ኣብ ዓላ፡ ኣብ ውሽጢ 2 መዓስከራት 5 ዓበይቲ ሃንገራት፡ 3 ዓበይቲ ካሜራታት፡ 4 ናእሽቱ ካሜራታት፡ 10 ሸላታትን ሓደ ተወሳኺ ብብላዕ ወይ ብዘመድ ዋሕስ ናይ ዝግበረሎም እሱራት ሸላ ኣሎ፡፡ ክሳብ ሎሚ ዕለት ኣብ ውሽጢ ዓላ ዝርከቡ ብዝሒ እሱራት፡ ዝስዕቡ’ዮም፡፡

ኣብ 1ይ መዓስከር

1ይ ካሜራ 471

2ይ ካሜራ 456

3ይ ካሜራ 473

4ይ ካሜራ 34 (መብዛሕትኦም ብነጻ ጉልበት ዝዓዩ ነዳቖ ዝርከብዎ)

5ይ ካሜራ 31 (መብዛሕትኦም መጋቦ መዓሰከር ተባሂሎም ዝተፈለዩ እሱራት ዝርከብዎ)

6ይ ካሜራ 69 (ብናጻ ጉልበት ኣብ ሚኒዋሎ ዝነጥፉ ንነዊሕ ዓመታት ዝተኣስሩ እሱራት ዝርከብዎም) ከምኡ ውን ኣብ 10 ሸላታት ኣብ ነፍሰ-ወከፍ ሸላ ካብ 20- 80 እሱራት ይርከቡ፡፡ ሎሚ ዕለት ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ ቀሓውታ ዝተልኣኸ ጸብጻብ መሰረት ኣብ ቀዳማይ መዓስከር ቤት ማእሰርቲ ዓላ ብጠቕላላ 1,891 እሱራት ከምዝርከቡ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

ኣብ 2ይ መዓስከር ኣብ ዝርከባ 7 ካሜራታት ዝርከቡ እሱራት ድማ

1ይ ካሜራ 421

2ይ ካሜራ 453

3ይ ካሜራ 217

4ይ ካሜራ 286

5ይ ካሜራ 251

6ይ ካሜራ 25 (ኩላቶም ሕሙማት ቲቢ እዮም)

7ይ ካሜራ 75 (ንዋሕስ ዝተዳለው እሱራት ዝርከብዎ ኮይኖም) ብጠቕላላ 1728 እሱራት ኣብ ውሽጢ ካልኣይ መዓስከር ቤት ማእሰርቲ ዓላ ይርከቡ፡፡ (እዚ ሓበሬታ ቅድሚ ሰዓታት ዝተጸብጸበ ምኻኑ ክሕብረኩም እፈቱ)

ብመንጽር ሃገራዊ ቅዋም፡ ወዲ ሰብ ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላቱ ክሕለውሉ ግቡእ እዩ፡፡ ሰብኣዊ መሰላት ማለት፡ ብሓጺሩ ወዲሰብ ሰብ ብምኻኑ ጥራይ፡ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎ፡ ዘይሕደጉ፡ ዘይዕደሉን ዘይገሃሱን መሰረታዊ መሰላት’ዮም፡፡ እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋምና ከምዘነጽሮ ውን፡ ኣብ ዓንቀጽ 17 ብዛዕባ “ማእሰርቲ ቀይድን ፍትሓዊ ፍርድን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብዙሕ ሓሳባት ሰፊሩ ኣሎ፡፡ ብርግጽ ነታ ኣብ ትሕቲ ጠላም ጉጅለ ኢሳይያስ ዝወደቐት ሃገርና ዘይፈልጣ ሰብ እንተዘይኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን መሰልን ግቡእን ዝበሃል ጉዳይ ኣብ ሃገርና ኣይተረኣየን፡፡ ካልእ ይትረፍ ንኣተሓሕዛ ገዳይም ተጋደልቲ “ጉጅለ-15” ዒራዒሮ ንዝተዓዘበ ሰብ፡ ብርግጽ ኣብ ካልእ ቤት ማእሰርታት ዝፍጸም ግህሰት መሰላትን ኣይክደንጽዎን፡፡ ብዝኾነ ቤት ማእሰርቲ ዓላ ውን ካልእ መርኣያ ግሉጽ ጥሕሰት ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ዜጋታትና እዩ፡፡ ኣብ ዓላ ፍርዶም ከይተነግሮም፡ ንልዕሊ 5 ዓመታት ዝተሓየሩ ብዙሓት ዜጋታትና ኣለው፡፡ ገለ ንምጥቃስ፡

1. ሓድጉ ሃብተኣብ (ዓዱ ተሰነይ 10 ዓመት ዝተቐየደ)

2. ስቲፋኖስ መሓሪ (ዓዱ ገርሰት 10 ዓመት ዝተቐየደ)

3. ኣድሓኖም በርሀ (ዓዱ ተሰነይ 10 ዓመት ዝተቐየደ)

4. ሙሳ ኩቡብ (ነባሪ ዞባ ጋሽ ባርካ 10 ዓመት ዝተቐየደ) ከምኡ’ውን ዓማር፡ ዳውድ፡ ኣሮንን ዝተብሃሉ ምስኣቶም ን10 ዓመታት ዝተኣሰሩ ቅዩዳት ኣለው፡፡ ብጀካ እዞም ንልዕሊ 10 ዓመት ዝተኣሰሩ ቅዩዳት ካልኦት ፍርዶም ከይተሓበሮም ልዕሊ 5 ዓመት ካብ ዝተኣሰሩ እሱራት ንምጥቃስ

5. ሃይለ ግደ (ኩሕሊ ዝብኢ)

6. ኣማኒኤል ወልደጋብር (ከረን)

7. ተወልደ ዘወልዲ (ተኾምቢያ)

8. ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ኩዶሕምባሻ)

9. ብርሃነ ተስፋስላሰ (ዓዲሃብር)

10. ብርሃነ ተስፋሚካኤል (ገዛ ከረን)

11. ሰመረ ሓድጉ (ገርሰት)

12. ምሕረቱ ገብረመስቀል (ሙልቂ)

13. ናስር መርከ (ኮሰልዳ)

14. ክፍላይ ዕቑባዝጊ (ማይድማ)

15. ብርሃነ የውሃንስ (ዓዲ መኸዳ)

16. ሻም ምሕረትኣብ (ተኾምቢያ)

17. ኣውጻኣዮ ተኪአ (ገርገር)

18. ኣማኒኤል ብርሃነ (ኮኾባይ)

19. ኣብርሃም ሽመንዲ (ዓረዛ)

20. ፍሻለ ጎይተኦም (ማይድማ)

21. ገቢል ሱሌማን (ባጽዕ)

22. ርእሶም መሓሪ (ሙልቂ)

23. ዕቑባይ ግርማ (ጣፋንፋስ)

24. ተመስገን በርሀ (ተሰነይ)

25. መሓመድ ሽንብላይ (ታሕታይ ጋሽ)

26. ኣንገሶም ገብረማርያም (ዓዲባርእሶ)

27. ተስፋማርያም ብርሃነ (ክሳድ ዒቃ)

28. የሱፍ ዳዲ (ተሰነይ ናራ)

29. መብራህቶም ዕቑባይ (እንዳገርግስ)

30. ኣሸናፊ ሽመንዲ (ኣስመራ)

31. ሄርሞን ተወልደ (ተሰነይ)

32. ሃይለ ሃብተጋብር (እምባደርሆ)

33. ምሕረቱ ኣድሓኖም (ከረን)

34. ተኽላይ ግርማይ (ማይድማ)

35. ተኽሊት ግርም (ፍቕያጨቐንጠ)

36. ማሙ መሓሪ (ሕምብርቲ)

37. ዓሙ ሓሰን (ተሰነይ)

38. ኢብራሂም ኣቡሸብ (መንሱራ)

39. ጀማል መንሱር (ገለብ)

40. መለስ ሃብቶም (ተሰነይ)

41. ቢንያም ኣስመላሽ (ኣስመራ)

42. መሓሪ ወላይ …

43. ፍስሃጽዮን ሓዱሽ (ኣስመራ) ከምኡ’ውን ኣቡጁላ ዝትበሃለ ሱዳናዊን፡ ገረጅን ዳባናኮን ዝበሃሉ ካብ ብሄር ኩናማ ይርከብዎም፡፡

ብትእዛዛት ፍሊጶስ ኣብ ዝመሓደር ቤት ማእሰርቲ ዓላ፡ መስርሕን ሓላፍነትን ስርሓት መርመራ፡ ሕጋዊ ኣገባብ ዝበሃል የብሉን፡፡ ዋላ ገለ ብሰንኪ ገበኖም ዝተኣሰሩ እንተሃለው ብዙሓት ቅዩዳት ግን ብሰንኪ ማህረምትን መግረፍትን ዘይፈጸምዎ ገበናት ከምዝፈጸሙ “ኣሚኖም”፡ ንዓመታት ጨቐቕ ዝብሉ’ዮም፡፡ ኣብ እዋን መርመራ ካብ ዕቡይ ስምዒት ብምብጋስ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ቅዩዳት ብማህረምቲ ዝተሰነየ ኣህላኺ ኣተኣላልያ ካብ ዘካይዱ ኣባላት ሓደ፡ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ዓላ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ፡ ምሕረትኣብ ወዲ ውጩ ‘ዩ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ናይዚ መጋበርያ ፍሊጶስ ዝኾነ ኣባል ምቁጽጻር ስነ-ስርዓት ቁጽሪ ቴሌፎን 07201952 ከምዝኾነት ክገልጸልኩም እፈቱ፡፡

ኣብ ውሽጢ ዓላ ካብ ዝርከቡ እሱራት፡ ኣብ ወርሒ 1/2018 ካብ ዝተፈላለዩ መደበራት ዝተኣኻኸቡ 237 እሱራት፡ እቶም ኣብ 3 ሚያዝያ 2017 ኣብ ምዕጋት በጣሓት ኣባላት 29 ዙርያ ኣብ “ኣስመራ ተሳቲፎም ኣእማን ደርቢዮም” ዝተብሃሉ እዮም፡፡ ካብዚኣቶም ብእንዳ ኩመል ዝፍለጡ፡ ኣብ ኣባሻውል እንዳስዋ ዝነበሮም ሰብኣይን ሰበይትን ምስ 8 ርእሶም ንሓደ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን ኣብ መደበራት ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሖም ኣብ ወርሒ 1/2018 ድማ ናብ ዓላ ዝተዛወሩ እዮም፡፡

ኣብ ቀረባ በትእዛዝ ፍሊጶስ ብሓዋላን ብቅርሰናን ዝተጠርጠሩ 52 እሱራት ብሄረ ራሻይዳ ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓላ ተፈቲሖም እዮም፡፡

ብጀካ ዉሑድ ሕክምናዊ ሓገዝ፡ ከም እሱር ዝኾነ ዓይነት “ክንክን” ዘይግበረሎም እሱራት ዓላ፡ ብጥሙይ ከብዶም፡ ብልዑል ሓለዋ፡ ኣብ ማእቶታዊ ንጥፈታት ብነጻ ጉልበት ክዓዩ’ውን ይግደዱ እዮም፡፡ ብፍላይ እቶም ንልዕሊ 5 ዓመታት ኣብ 6ይ ካሜራ ዝርከቡ 69 እሱራት፡ “ሓጀር” ዝብል ሳጓ ዝተዓደሎም ኮይኑ፡ ንሃንገራትን ሸላታትን ቤት ማእሰርቲ ዓላ ሓዊሱ፡ ኣብ ናይ ውልቀ ጀራዲን ከይተረፈ ብኣስገዳድ ዝነጥፉ እዮም፡፡ መብዛሕትኦም እሱራት ሰኣን ጽሬት፡ ተጻቓቒጥካ ምንባርን ስእነት ምንቅስቓስን፡ ግዳያት ሕማማት ሓኻኺን፡ ፈንገስን ሩጥባን ኮይኖም ‘ዮም፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!

ኣብዚ ቅንያት ብዛዕባ ብፍሊጶስ ዝእዘዛ ኩለን ቤት ማእሰርታትን ህልው ኩነታት እቶም እሱራትን ዝምለከት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ብጭብጥታት ኣሰኒየ ብተኸታተሊ ከምዝፍንወልኩም እንዳ ሓበርኩ ኣብ በዓል ዓዲ ኣቤቶን ማይ ስርዋን ናይ ዝርከቡ መርመርቲ ኣሳእል ዘለኩም ሰባት ብኢንቦክስ ክትሰድሉይ እላቦ፡፡

 

ብሩኽ ቅንያት!