ሳዋ እንታይ ኣፍረየት? (ሳልሳይ ክፋል)

ሳዋን ጠንቅታት ሳዋን -

ብኹሉ መዳያት ሕብረተሰብ ኣብ ቁጠባ ይኹን ኣብ ማሕበራዉን ስነ-ኣእምራዉን መዳያት ሳዕቤን ሳዋ ብዓይንና ንርእዮ ብእዝንና ንሰምዖ መብዛሕትና ዉን ብተመክሮ ንፈልጦ ስለዝኾነ፣ ዉጥን ሳዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶ ኣደራዕ ኣዘንቲኻን ጺሒፍካን ዝዉዳእ እኳ እንተ ዘይኮነ፣ ገለ ካብ ሳዕቤናት ሳዋ ኣሕጽር ኣቢለ ወስ ከብል ክፍትን ኢየ።

ዕላል፣-

"ሓደ ኣባል ጉዱድ ዕስክርና ካብ ኣስመራ ናብ ከረን ብኣውቶቡስ እንዳ ተጓዕዘ እንከሎ፣ ኣብ ብሎኮ ከረን ማለት ዓዲ ኣበይቶ ደው ኣቢሎም መንቀሳቀሲ ርእዮም ከይኣክል ካብኣውቶቡስ ኣውሪዶም ፣ኣበይ ጸኒሕካ ናበይ ኢኻ ትኸይድ ዘሎኻ ፣ ስለምንታይ ብዝብሉ ዘይምኽኑይ ሕቶታት የዋጥርዎ። ንስኻ ትብል እቲ ዝኸዶ ዘሎ ምስጢራዊ …ወርቂ ዝሕፈሶ ቦታ ይኸዉን እምበር ማዕረ ክንድ’ዚ ምፍርራሕን ምፍታሽን ዳኣ ኣብ ምንትምንታይ? ብዝኾነ ድሕሪ ቡዙሕ ምፍርራሕን ምክልባትን ተገላጊሉ ናብ ኣውቶቡስ ተመሊሱ ኣብመንበሩ ኮፍ ምስበለ፣ የማን ጸጋም ቁሊሕ ቁሊሕ ኢሉ ፣ ምስወደአ ነቶም ኣብ ጥቕኡ ዝነበሩ ብዕድመ ዕብይ ዝበሉ ኣቦ "ኣቦ ግዝኣት ቱርኪ እዩ መሪርና እኮ !” ክብል ምረቱ ገለጸሎም"። እቶም ሰብኣይ ካኣ ግልብጥ ኢሎም "ኣንታ ቆልዓ ዘይትፈልጦ እስከ ኣይትዛረብ፣ ዎሪድዎ ቱርኪ  መንቀሳቀሲ'ዶ ይሓትት ነይሩ'ዩ" ኢሎም ግዝኣት ጉጅለ ህግደፍ ካብ ግዝኣት ቱርኪ ከም ዝገድድ ደርጉሑሉ" ይብለኩም።

ኣብዛ ሕጊ ኣልቦነትን ሽፍትነትን ዝነገሳ ብጉጅለ ህግደፍ እትውነን ዘላ ሃገር፣ ዋላ ዉን እቲ ንሃገር ዘገልግል ዘሎ እንዳመሰሎ፣ ዋርድያ ስልጣኖም ክኸውን ተገዲዱ ዘሎ ውጹዕ ዜጋ፣ በቶም ከምኡ ኣብ ሳዋ ዝተዓለሙ፣ ብMP ዝፍለጡ ኣረሜናውያን ኣተገበርቲ ትእዛዝ ናይ ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብ ኬላታት መዘናግዒ ቦታታት ምስ ኣሕዋቱን ፈተውቱን ኣብ ዝእከበሉ ግዜን ኣጋጣሚታትን፣ ተጸጋዕ መደናገሪ ኮብላሊ ሓሳዊ እዚ ወረቐት ኣይናትካንዩ ስናዕ’ዩን ካልእን እንዳበሉ ኢዮም ዘፈራርሑዎን ዘጋፍዑዎን።

ምስኪን መንእሰይ ሳዋ፣ ነተን ዝተዋህበን ዉሑዳት ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ኣብ ክንዲ ምስቶም ንነዊሕ ግዜ ዝተፈልዮም ወለዱ ኣሕዋቱን ኣሓቱን፣ ናይ ሩሑቅን ቀረባን ኣዕሩኽቱን ኣዝማዱን ዘሕልፈን፣ ክሳብ ክጻረ ኢዩ ተባሂሉ ኣብ እስሩቤት ከምዘሕልፈን ዝግበረሉ እዋናት ዉን ኣሎ’ኮ።ክዛወር ተሸቅሪሩ ኣብ ገዝኡ ኮፍ እንተበለ ውን ካብ ሃንደበታዊ ስክፍታ ግፋን ወረ ግፋን ኣየምልጥን'ዩ። ስለምንታይ ግን ከምዚ ይኸውን? ስለምንታይ ኢዮም ኣባላት ጉዱድ ዕስክርና እዚ ኩሉ ኣደራዕ እናሕለፉ ብሓባር ሆጭ ኢሎም ዘይእድሙ? እቲ ኣሲሩ ሒዝዎም ዘሎ ሰንሰለት ኣብ ሓንጎሎም ድዩ ዋላስ ኣብ ኣካሎም'ዩ ዘሎ?ብዛዕባ ጉቡኡ እንበር ብዛዕባ መሰሉን ስለዘይፈልጥ ዶኾን ይኸውን?

ብዛዕባ “ጉቡኡ ጥራይ ኣፍልጡኡ ኣብታ “ ጉቡእካ ግበር” ትብል ሓረግ ጥራይ ተሓጺሩ ነቲ ኩሉ ዘጋጥሞ ዘይጽወር በደላት ክጻወር ንኹሉ ከም ቅቡል ክወስዶ ስለ ዝተማህረ'ዶ፣ ብበትሪ ሓጺን ርዒዱ ስለዝረዓመ? ስለምንታይ'ዩ ውዱብ ወተሃደራዊ እምቢታ ዘይረአ? እቲ ጸገም እንታይ’ዩ?

ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ እቲ ጸገም ኣበይ ከምዘሎ ብሓባር ክንሪኦ እስከ ንፈትን።ንኺድ በሉ...ብዛዕባ ገለገለ ዘይሃሰሱ ስምብራት ሕጽበተ ኣእምሮ ኤርትራውያን ከዕልለኩም ፦  

ሓደ እዋን’ዩ ሓደ ኣብ ኣገልጋሊ ጉጅለ ህግደፍ ዝነበረ ሰብ ካብ ዘጋጠሞ'ዩ፣ ዝነበሮ ቦታ ኣብ ዓሰብ ኮይኑ፣ ካብ ዓሰብ ኣብ ክልተ ዓመቱ ዝረኸበን ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ወሲዱ፣ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምምጹኡ ስድራቤቱ ረኺቡ፣ ካብኡ ንነዊሕ ግዜ ዘይረኸቦ ንጉጅለ ህግደፍ ከገልግል ዝተገደደ ኣብ ተሰነይ ዝነበረ ሓዉ ንኽረክብ ስለዝደለየ፣ ካብ ኣስመራ ተበጊሱ ናብ ተሰነይ እንዳ ተጋዕዘ፣ እታ ዝጓዓዘላ ዝነበረ ኣውቶቡስ፣ ኣብ ኣቁርደት ምስ በጸሐት፣ ኣብ ሓደ ኬላ፣ ንስግረዶብ ሓሲብካ ኢኻ ናብዚ ከባቢ መጺእካ፣ ንሱዳን ክትሃድም ስለ ዝሓሰብካ'ዩ ተባሂሉ፣ ብዘይ ጭብጢ ብጥርጣረ ጥራይ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ እስርቤት ከምዝዳጎን ተገብረ። ተኣሲሩ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ስራሕ ጥንቆላ ዝተዋደሩ ክመስሉ ርግጸኛታት ኮይኖም፣ "ትሓስቦ ንፈልጦ ኢና፣ ጥራይ መን ኢዩ ከስግረካ ሓሲቡ ተላፋለፍ"፣ ስለምንታይ ኢኻ ክትከድዕ ወሲንካ እናበሉ፥ ብሕቶ ኣጨኒቖም ብበትሪ ደሲቖም፣ ከይፈተወ ኣብ ዘይሓሶቦን ኣብ ዘይወዓሎን ጉዳይ፣ "እወ ስግረ ዶብ ሓሲበ" ኢሉ ክሳዕ ዝኣምን ቀጥቂጦም ንሰለስተ ዓመት ኣብ ጉድጓድ ዳጊኖም ነብሰ ምትእምማን ስጋዕ ዘጥፍእ ኣብ ሓንጎሉ ሰፊሮም ኣለዉ።

ዝኸበርኩም ፍትሓውያን ሕስብ እሞ ኣብልዎ፣ ናይቲ ሰብ ጌጋስ እንታይ ኢዩ? ብፍላይ እዞም ኣብ ሙዕቡል ዓለም ትቅመጡ ሰባት፣ ሓደ ዜጋ እንትርፎ እሺ ኢሉ ምሸፋቱ ምግልጋሉ ካልእ ምንም ገበን ዘይብሉ ክነሱ፣ ኣብ ጉዕዞ ናይ መገሻ፣ ስግረ ዶብ ሓሲብካ ፣ ተባሂሉ ክእሰርን ክጭፍጭፍን ሕስብ እሞ ኣብልዎ ዝገርም ኢዩ። ኣብ ውሽጢ እታ የገልግላ ኣሎኹ (ይጠቅማ ኣሎኹ) ኢሉ ዝሓስበላ ዝነበረት ሃገሩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ስለ ዝተንቀሳቀሰ ጥራይ ንሰለስተ ዓመታት ከምገበነኛ ተቆጺሩ ተኣሲሩሩን ተደኪሩን። ድሕሪ ተሃድሶ ( ማእሰርትን መግረፍትን ምሕዳስ’ዩ ብቋንቋ ጉጅለ ህግደፍ ) መንፈሱ ሴሮም ኣሰናቢዶም ፣ድሕሪ ሕጂ ኣይደግምን’ዩ ፈጊዱ ኢዩ ዝብል ግምት ወሲዶም ካብ እሱርቤት ኣሰናቢቶም ናብ ኣሃዱኡ ኣረኪቦሞ።

እዚ ሰብ ግን ብድሕሪኡ ከም ቀደሙ ንሃገር የገልግል ኣለኹ ኢሉ ክሓስብስ ይኽእል’ዶ? ናይ መጀመርያ ከይኣክል ብድሕሪኡ'ኸ ንካልኣይ ክደናገር ይኽእል’ዶ? ተገዲዱ ንምልኪ ዘገልገሎ ከይኣክል ዱላን እስርቤትን ተወሲኽዎስ፣  መግዝእቲ ከቢድዎ ራሕሪሕዎም ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ ዓመታት ሃዲሙ ስግረዶብ ተሳጊሩ ኣብ ኤውሮጳ በጺሑ ኣሎ። 

መብዛሕቱኡ ካብቲ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንእስነቱ ዝተመንዘዐ፣ ናብ ስግረዶብ ዘምረሐ መንእሰይ ተመሳሳሊ ስቅያት’ኳ ኣሕሊፉ እንተኾነ፣ ናይዚ ዘዕልለኩም ዘለኹ ሰብ ግን ሓሲብካ ተባሂሉ፣ ኣብ ሓንጎል ሰብ ዘሎ ዘንብቡ ክመስሉ፣ ሰለስተ ዓመት ብዘይፍርዲ ዳጕኖም ብዘይ ወዓሎ ስጋዕ ዝለፋለፍ ምቕጥቃጥ ግን፣ ብዓይኒ ህግደፋውያን፣ መንእሰይ ኤርትራ ማለት ንዐኦም ከገልግል ከም ዝተሰርሐ ንብረት ስለ ዝጥምትዎን ዝሓስብዎን ጥራይ ኢዩ ክኸዉን ዝኽእል።

ኮይኑ ግን ካብቲ ኩፉእ ዝገብሩኻ ኩፉእ ዝምህሩኻ ዝተባህለ ውን ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፣ እዚ ሰብ ብዘይ ወዓሎ ምእሳሩን ምቕጥቃጡን ከይኣክል፣ መንፈሱ ስለዝተሰብረ፣ ስጋዕ ሕጂ ኣብ ቓልሲ ኣንጻሮም ክጽንበር ኣይተብዐን።

ካብቲ ዝገርም ዘጋጠሞ የዕሊልኒ ስለ ዝፈልጥ፣ እዚ ሰብ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ብግቡእ ዝፈልጥ ዘለሊ ሰብ ኢዩ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ፣ ወጽዑኡ ዝፈልጥ ሰብ’ዩ ኢለ ኣብግምት ስለ ዘእተኽዎ ፣ንመሰሉን መሰል ዉጹዕ ህዝቡን ደው ክብል ክቃለስ ከተባብዖ ኣብ ዝፈተንኩሉ ግዜ ዝሃበኒ መልሲ ከየሰንበደኒ ኣይተረፈን።

ኣብዚ ስዊዘርላንድ ብደለይቲ ፍትሒ ዝግበር ኣኼባ ክሳተፍ ምስ ዓደምኩዎ፣ "ትም በል ንስኹምስ ትም ኢልኩም ኢኹም” ሰብ ንሃገሩ ከገልግል ኣለዎ፥ህግደፍ ገጥ ኣቢሉ እዩ ሒዝዋ ዘሎ ነዛ ሃገር፣ እንተ ዘይንእሰርን ዘይንቅጻዕን ከም ድላይና ምተንቃሰቀስና፣ ብዙሓት ካኣ በዚ ምኽንያት ንስግረዶብ ሙቹእ ኣጋጣሚታት ምረኸቡ፣ ኣነ ዝተኣሰርኩ ምእሳርን ምግፋፍን ከምዘሎ ከምዛ ዘይፈልጥ ንሓወይ ክሪኢ ባዕለይ ንተሰነይ ብምጉዓዘይ ኢዩ" ክብል ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ግህሰት ከመኽንየሉ ፈተነ። ዝሃደምኩ ካኣ ነብሰይ ፈትየ እንበር ገለገለ ምሳይ ዝነበሩ እኮ ክሳዕ ሎም ኣብኡ ኣለዉ። ንመን ኢኹም ብሓሶት ከተታልሉዎን ክትሰብኩዎን ትሓስቡ"፣ ክብል መለሰለይ።

ነብሰይ ፈትየ ዝበሎስ ሓቁ ኢዩ።ነብስኻ ምፍታው ንቡር ኢዩ፣ኩልና ነብስና ስለንፈቱ ክንግዛእ ስለ ዘይንደሊ እንዲና እቲ ዓዲ ገዲፍናዮ ወጺኢና ዘለና፣ ዘይንቡር ግና ነቶም ሰኣን ዓቅምን ኣጋጣምን ገና ብትሑት ደሞዝን ብኣስገዳድን ዝግዙኡ ዘለዉ ነብሶም ዘይፈትዉ ኢልካ ምሕሳቦም እዩ። ዘይንቡር ግና ንዱላን ምሕዩርን ከምቁቡል ምሕሳብ ኢዩ። እቲ ዘይንቡር ግና እቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከም ካልኣይ ዜጋ ዝቁጸሩ ሰኣን ዓቅምን ኣጋጣምን እምበር፣ ነታ ዝሃደምካላ ሃገር ክገድፉዋ ነብሶም ሓራ ከዉጹኡ ከምዘይጸሉኡ ርዱእ ነገር ኢዩ።ከመይ’ሲ ዕድሙኡ ሙሉእ ኣብ ባርነትን ራዕድን ሹቕረራን ከባኽን ዝመርጽ ሰብ የለን።

ህግደፍ ርእስኻ እንተ ተኻሪዎ ግን ብቐሊል ኣይልቅቕ ኢዩ። ፓፓጋሎ ኮይኖም ዝተረፉ ንሃገር የገልግሉ ኣለዉ ኢሎም ፕሮጋንዳ ህግደፍ ዝደግሙ ከምዚ ዓርከይ ኣለው።ንሕና ሰብ ኣብ ቓልሲ ብርዲኢትን ንቅሓትን ብድልየቱ ወሲኑ ክሳተፍ እምበር፣ ኣታሊልናን ኣቀባጢርናን ነምጸኦ ኣካል የልቦን።መን ንመን ኢዩ እሞ ክልምኖ?መን ንመን ከቀባጥረሉ? መን'ዶ ኣቀባጢሩልናን ለሚኑናን ኢዩ?  ንመሰልካን መሰል ዉጹዕ ህዝብኻን ግደኻ ከተበርክት ርዲኢት እንበር ልማኖን ቅብጥሮትን ኣየድልድን ኢዩ።የግዳስ ብኣስገዳድ ምቅላስ ዝለመደ፣ ብግበር ኣይትግበር ትእዛዝ ዝደንዘዘ፣ ብስነ ኣእምራዊ ኲናት ዝተኣስረ ኣእምሮ ብዘይካ ተገዲዱን ተኣዚዙን፣ ብርድኢት ወሲኑ ኣብ ቁዱስ ዕላማ ክጽንበር ከቢድ ኢዩ።ንሕና ግን ጻህያይ ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ነብሲ ወከፍ ርእሲ ኤርትራዊ ተጻህዩ ስጋዕ ዝጓሓፍ ጻዕርና ክቅጽል እዩ።

ሓርነትና ናይግድን’ዩ።

ራብዓይ ክፋል ይቅጽል

ኣማኑኤል ስዮም