To Conference of Eritrean Women in The Hague

ብመጀመርያ እዚ ተካይዶኦ ዘለኽን ዓለምለኻዊ ናይ ኤርትራውያን  ደቂ ኣንስትዮ ሰላማዊ ሰልፍን ውዕሎን ብዙሕ ዘዅራዓኒ ተበግሶ ብምዃኑ፡ ሓጎስ ዝመልኦ ሰላምታይ ይብጻሕክን።

ኤርትራ ውሑድ ቁጽሪ ህዝቢ ይሃልዋ`ምበር ኣብ ዓለም ዘይተራእየ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቅያታትን ጅግንነትን ዘመስከረት ሃገር`ያ። ታሪኽክንን ድምጽኽንን ኣልዒልክን ንቃልስናን ቃልሲ ዓለምለኸ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት  ተመርሸኦ ኣለኽን።

ንኩልኽን ኣሕዋተይ!

ሓሳበይ ንምክፋል  ብዝመስለኒ፡ መጀመርያ ንነብስና ከም ደቂ ኣንስትዮ ብኩሉ መዳያት ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት ዝነበረና ተዓድሎን በጺሕናዮ ዘለና ሃለዋትን ኣዳቒቕና ንንቃሓሉ። ዝተፈላለየን ሰፊሕን ተመኩሮታትና ንለዋወጥ፤ ንዛተ፤ ራእይ ነስፍር፡ ንወዳደብ።  ካበይ ተበጊስና ኣበይ በጺሕናን ብከመይን ስለምንታይን ንፍለጦ። ነፍሲ-ወከፍ ዓይነት ወጽዓታትና ኣዳቒቕና ነጽናዓዮ። ስትራተጂያዊን ውዱብን ቃልሲ ጥራሕ ስለዘዐውተና ራእይ ነንብረሉ። ንደቂ ኣንስትዮ ንድሕሪት ዝጎትት ባህሊ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ሕብረተ ሰብ ዝሃሲ ምዃኑ ከነረድእ ንኽንክእል በብትንተናታቱን ዓሚቝ ኣፍልጦኡን ንተዓጠቕ። ንነብስና ምስ ኣዳሎና ኢና ንሓቂ ብሓቂ ንውክሎን ንቃልስና ነዐሙቝን፡ መራሕቲ ጉዳይና  ኰይና ክንቀርብ ንኽእል።

ጎኒ ንጎኒ ነዚ መስርሕ ንርእሰ ንቓሓትና (self emancipation and empowerment) ንዝጓነፈና ወጽዓታት ኣለሊና ያዕ ከምንብሎም ነፍልጥ። ናይ`ዚ ኣብነታዊ  ምሳለ እዚ ተካይደኦ ዘለኽን ሰላማዊ ሰልፍን ዘተን ኮይኑ፡ ንኣብ ኤርትራ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ድምጺ ምሃብ፤ ኣብ ፈቖዶ በረኻታት ሰሜን ኣፍሪቃ ዝሳቐያን ዝሞታን ዘለዋ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ንህዝቢ ዓለም ዘቃልሕ ታሪኻዊ ውዕሎ እዩ።

ኣብ`ዚ ውዕሎ`ዚ ኣብ ኤርትራ ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዘጓንፈን ዘሎ ዓበይቲ ሽግራት ክዝርዝርን ብኣንጻሩ ብትቡዕ ቃልሲ ናብ ዓወታት ክበጽሕ ዝኽእል መስረሖታት ምትንታንን ምትላምን ኣገዳሲ`ዩ። እዚ ማለት ካብ ዝርአ ዘሎ ድኽነት ዝያዳ ድኻ ትኾነሉ ዘላ ምኽንያት እቲ ብመሰረቱ ከም ጓል ኣንስተይቲ ዝንፈጋ መሰላት ጥራሕ ዘይኮነ፡  ኣብ`ዚ ዘበን`ዚ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ዝበሃል ሕድገት ዘየፍቅድ ኣገልጉሎት ብብዝሒ ደቂ ተባዕትዮና ክቑረኑ ከለዉን ካብ ሃገር ተባሪሮም ክስደዱ ከለዉን፡ ንበይና  ስድራቤት ክትኣሊ ዝተፋላለየ ሽግራት ይጸዓና ኣሎ። ንነብሳ ክተማዕብልስ ይትረፍ ዕለታዊ መግቢ  ስድራ ቤታ`ውን ብኹሉ ዓቕማ  ማእሪራ ከምዝድለ ክተማልእ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነታት`ያ ዘላ። ንእግረ መገዲ፡ እዛ ጓል ኣንስተይቲ`ዚኣ ናይ ትምህርቲ ዕድል ጨሪሱ ከምዘይብላ`ውን የመልክተልና። እተን ኣብ ሃገራዊ ኣገልጉሎት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ማእለያ ዘይብሉ ዓመጻት ኣብ ርእሰን ይወርድ ከምዘሎ ብኣፍ ምስክርነት ዝህባ መንእሰያት ይግለጽ ኣሎ። ዘጓንፈን ጾታዊ ዓመጻት እንተተመልኪትና ዘኸትሎ ኣካላውን ሰነ ኣእምሮኣዊን ማህሰይቲ ንኽትሓስቦ የስካሕክሕ። ብፍላይ ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ እዚ ዝኣምሰለ ሽግራት ኣብ ልዕሊአን ክፍጸም ካብ`ቲ ዝዓበየ ገበናት ሓደ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጉዕዞ ስደትን ኣብ ስደትን ዘጓንፈን ዘሎ ዝርዝር ሽግራት ብብዙሕ ናይ ተመኩሮ ምልውዋጥ ማዕከናት፡ ኩላትና ንሰምዖ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ክውንነት እዩ።

ኣሕዋተይ እተን ኣብ ስደት ድሮ ተረጋጊእና ንነብር ዘለና`ውን እንተኾነ፡ ንነብስና ከም ተማሃርትን መሃርትን ምዃንና ከይዘንጋዕና፡ ኣብ ሽግራትናን ሽግራት ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትናን በብከባቢና ብምግባእ ደሃይ ክንፈላለጥ እቲ ዝወሓደ ክንገብሮ እንኽእል ስለዝኾነ፡ ነሓድሕድና ክንባራታዕ ንቕድሚት ንሰጉም። ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ካብ ባዶ  ንብገስ ኣይኮናን፤  ዘዅርዕ ውህሉል ተመኩሮ ኣለና። ንታሪኻዊ ተመኩሮና ከይኣሕፈርና ናብ ናይ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ መቐጸልታ መንገዲ ንርገጽ። እዚ ጉዳይ`ዚ ብዝያዳ ኣብ ኤውሮጳ ዘለኽን ደቂ ኣንስትዮ ስለ ድሮ ዝሰራሕክናሉ  በዚ ልዝብ`ዚ ተመኩሮታትክን ተመርኲስክን ክትምህራናን ኣብ ናይ ተግባራውነቱ ኣቕጣጫ ክትመርሓናን ተስፋይ ወሰን የብሉን።

 

ዝለዓለ ዓወት እትምነየልክን

ሓፍትኽን ኤልሳ መስፍን።