ሳዋ እንታይ ኣፍረየት?   ቀዳማይ ክፋል፡

ሳዋን ጠንቅታት ሳዋን - 

ብኹሉ ምዳያት ሕብረትሰብ ኣብቁጠባ ይኹን ኣብማሕበራውን ስነ-ኣእምራውን መዳያት ሳዕቤን ሳዋ ብዓይንና ንርእዮ ብእዝንና ንሰምዖ፣ መብዛሕትናውን ብተምክሮ ንፈልጦ ስለዝኾነ፣ዉጥን ሳዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶ ኣደራዕ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ኣዘንቲኻን ጽሒፍካን ዝውዳእ እኳ እንተዘይኮነ፣ ገለ ካብ ሳዕቤናት ሳዋ ኣሕጽር ኣቢለ ወስ ክብል ክፍትን እየ፣- 

ዝኸበርኩም ህዝቢ ኤርትራ፣መቸም እዛ  ብሰንኪ ሕሉፍ ፋሉለነት ሽፍትነትን፣ጃንዳ ህግደፍ ናብምድረ ሲኦል ተቐይራ፣ ንነበርታ  ትተፍእ ዘላ መሬት ኤርትራ፣ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፣ እንተላይ ኣቑሑት ገዛ ፣ ካብ’ቲ ንቡር ኣገልግሎቶም ወጺኦም፣ዘይንቡር ክሰትሩ  ዝተገደድሉ እዋን ኢና ንነብር ዘለና፣ ኩላትና  ንፈልጦ  ብፍላይ ኣብ ከተማታት ኤርትራ  ዓራት መደቀሲ’ምበር ካልእ ኣገልግሎት የብሉን፣ ወይ ንኻልእ ኣገልግሎት ኣይተሰርሐን፣  ኣብ ዘመነ  ግዝኣት ምስጢራዊት ጕጅለ፥ማለት ናይሕጂ ህግደፍ/ ናይ ቅድም መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ግን፣ ትሕቲ ዓራትን ትሕቲ ፍርናሽን፣ኣርማድዮታት  መሕብኢ ካብግፋ ዝሃድም መንእሰይ ኮይኑ፣ኣብገጠራት’ውን፣ ወዮ ግራዊቲ -ዝሓርሶ ስኢኑ፣ማሕረስ ክወፍር ዝኽእል መንእሰይ ዝተመንዝዐት ቆፎ ባዶ ኮይና  እኽሊ ተነፊጋ፣  ስገም ስርናይ ዕፉን መሸላ ዳጕሻ…ወዘተ  ክትሰትር ዝግበኣ፣ ኣገልግሎታ ስርሓን ተነፊጋ፣ መሕብኢ ካብቶም ግበር ኣይትገብር ዝብል  ሕጊ ዓሳ ዝሰረጾም ምእዙዛት ኣተግበርቲ ሽፍትነትን (MP) ብዝብል ስምዝፍለጡ ኣረመናውያን ገፈፍቲ፥ክሃድም ናይ ዓቕሊ ጽበት ኣብቆፎ ዝሕባእ  ጎበዝ ይኹን ጎርዞ ውሑድ ኣይኮነን። 

እዚ ብሽቑረራ ዝተሳቐየ መንእሰይ፣ ገዝኡ ኣትዮም ብተፍታሽ ካብቲ ተሓቢኡሉ ዘሎ ኣውጺኦም፣ ኣብቅድሚ ስድሩኡን ኣሕዋቱን፣ መሰሉን ክብሩን ቀንጢጦም ፣ ከም ዓሳ ባሕሪ ገፊፎም ናብ ሳዋ ምስወሰዱዎ ፡ ናይ መጀመርያ  ዝመሃራ ነገር" ግበር ኣይትግበር  ትብል ስራሕ ወተሃደር ኮይና- ኣብሩኽ ሰጥ በል ብዝብል ሓጺር ትእዛዝ ትጅምር።  ብዘይፍታው ዝኣተዎ ሂወት በረኻዊ ዕስክርና ተሸኺሉ፣ ሂወቱ ናቱ ከምዘይኮነት፣ ኣእምሩኡ’ውን ክሓስበሉ ከምዘይክእል ድሮኳ ተነጊርዎ’ሎ ማለት’ዩ።  ጌጋ ግበር ኣይትግበር ብዘየገድስ፣ እዋሓስ-እግብእ ዘይብሉ፣ ቅድም መቕጻዕትኻ ትቅጻዕ ደሓር ትሓትት ትብል ቄናን ዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣኽብድ ኣቢሎም ይጽዕኑኻ’ሞ- ንሰማዒኡ ዘስደምም ሂወት ባርነት “ ሀ” ኢልካ ትጅምሮ ማለት’ዩ።  ስኣን ኣፍልጦን ንቕሓትን፣ዝበዝሑ ነዚ ከይተቃወሙ፣ ብዘይ ሕቶን ሪኢቶን ተቀቢሎም፥ከምታ ዝተነግረቶም ልክዕ ከም ማሽን ከተግብሩ ምስ ጀመሩ ከኣ፥ካብ ዝሓስቡ ሰባት ናብ ዝተባሃሉዎን ዝተኣዘዙዎን ጥራይ፡ዝገብሩ ማሽን ዝዓይነቱ ፍጡር ንምቕያሮም ዝተሃደሰ ነዊሕ-ጕዕዞ ድንቁርና   “በ ቡ ..”  ኢሎም ይጅምርዎ ኣለዉ ማለት እዩ።እዚ ንነዊሕ ዝጠመተ ጊላታት ናይ ምስራሕ ትልሚ ድማ ብኣጋጣሚ ዝኾነ ነገር ወይ’ውን ሃንደበት ካብሰማይ ዝወደቐ ዱበላ ከምዘይኮነ ንምፍላጥ ድማ ብዙሕ ምምርማርን ፖለቲካዊ ባጅላ ኣየድልን እዩ። 

ጕጅለ ህግደፍ፣ነቶም ብግፋ ካብ ሑቕፎ ወለዶም ዝመንዝዖም መንእሰያት፣ኣካሎም ጥራይ ዘይኮነ ኣእምሮኦም ውን ክማርኾ፣ ብዙሕ ሜላታት ኢዩ ዝጥቀም፣ ንኣብነት እዚ ጕጅለ ንነብሱ “ሃገር” ኣምሲሉ ይገልጻ፣ ማለት ኩሉ እትትግብሮ ዕዮታት፣ ትዋግኦ ኩናትን ትስከሞ እምኒን፣ትሕንገጦ ብረትን፥ተፍልሖ ቡንን ንህንጸት ሃገርን ምክልኻል ሃገርን’ዩ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ከምዝሰርጽ ብጻዕቂ ይሰርሓሉ፣ ግደ ሓቂ ግን፣ ሃገር ማለት ህዝቢ ኢዩ፣ ካብጕጀለ ህግደፍ ንላዕሊ ኣብልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይቕረ ዘይበሃል ገበን ዝፈጸመ ገዛኢ ሓይሊ ኣሎ ክበሃል ኣጸጋሚ ኢዩ፣ ጃንዳ ህግደፍ  ‘ጉጅለ’ምበር” ሃገር ኣይኮነን/ንህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ሕጋዊ ትካል ኣይኮነን፣ ህዝቢ ኤርትራ ቆጽሊ ኣየንበረሉን፣ ወክለኒ ኣይበሎን፣ ብኽመይ ደኣ’ዩ ንህግደፍ ምግልጋል ሃገር ምግልጋል ክሕሰብ?  ካልእ ይትረፍ’ሲ እዚ ጕጅለ ጕባኤ ካብዝገብር ጥራይ፣ ልዕሊ 20 ዓመት ኮይኑ’ሎ፣ ኣብ1994 ኣብ ናቕፋ ዝገበራ ውድባዊት ጕባኤ’ምበር፣ ስጋዕ ሕጂ ዝተግበሮ፣ ጕባኤ የልቦን፣ እዚ ኣብተራ ስርቅን ሽፍትነትን ተዋፊሩ፣ ህዝብን ሃገርን ዘዕኑ ዘሎ ጕጅለ፣ “ ከምሃገር” ክሕሰብ ኣይኽእልን፣ ዋላ’ኳ ተገፊፍካን ተታሊልካን፣ ንሃገር ተገልግል ዝነብርካ እንተመሰለካ፣ ኣብሰነድ ዘሎ ሓቂ ግን፣ ንህግደፍ ከተገልግል ዝተገድድካ ፣ ዋርድያ ስልጣን ሽፍትነት ዳኣ ነበርካ እምበር፣ ዋርድያ ሃገር ከምዘይነብርካ፣ ብዘሕለፍካዮ መሪር ሂወት ተማሂርካ ክስወጠካ ይግባእ።

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ጽሑፋተይን ኣዕሩኽተይን፣ ገለ ካብቶም ዘይሃሰሱ ስምብራት ሕጽበተ ኣእምሮ፣ ብሂላት ከዕልለኩም ፍቐዱለይ !

ብቀዳማይ ኣብዚ ዝነብረሉ ቦታ ካንቶን ቱርጋው (ስዊዘርላንድ) ዝነብሩ ሓሙሽተ ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራ ኣገልግሎት ዝነበሩ ኢዮም፣ እንዳዕለሉ እንከለዉ ይሕወሶም'ሞ- ብላዕ ስተ እንዳተባህለ ክንስሕቅን ከነዕልልን ንጅምር- ኮይኑ መቸም ሎሚ ኣብ ዕላል ኤርትራውያን ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራን፥ብዛዕባ ወሪዱና ዘሎ ኣደራዕን፥ከየልዓልካ ኣይሕለፍን እዩ ብዝኾነ ብሓንቲ ነጥቢ ማለት “ጊላታት” ኣይነበርናን ኢሎም ይካቱዑኒ። ሓደ ካብኣቶም "ንሕና ንህዝብናን ሃገርናን ኢና ኣገልጊልና፥ግቡእና ጌርና፥ሉኡላውነት ሃገርና ዓቂብና ኢሉ ብሕርቃን ክዛረብ ይጅምረልኩም”  ኣነ ኸኣ ኣይፋልኩምን ንህዝብኹምን ሃገርኩምን ዘይኮንኩም፥ ኣገልገልቲ ናይ ጉጅለ ህግደፍ፥ንመላእ ህዝቢ ናብ ጊላ ክቅይሩ ዘይሓፍሩ ሸፋቱ ኢኹም ኔርኩም እብሎም ! ግደ ሓቂ ብዘይፍላጥ ኮይኑ’ምበር ፣ነዚ  ጩኩን ህዝብስ ምሽ ከተገልጉልዎ፥ክንደይ እኳ በዲልኩሞ ኢለዮም ብዝኾነ ቅሩብ ንካታዕ። መቸም ሰብ ኮይኑ ዘይመሃር የሎን፣ ኣነ’ውን ሰብ ስለዝኾንኩ፣ካብ ዕላልና ቁሩብ ተማሂረ፣ሃገር ማለት ህዝቢ ምዃኑ ዘይፈልጥ፣ ጎቦን ስንጭሮን ከምሃገር ዝሓስብ፣ብዙሕ ሰብ ከምዘሎ ኣስተውዒለ። እዚ ተበለጽቲ ጃንዳ ህግድፍ ዘስረጽዎ ጻህያይ ኣተሓሳባ ምዃኑ’ውን ኣስተውዒለ።  ሃገር ማለት ጎቦን ስንጭሮን እንተኾይኑ፣ ጎቦታትን ወሓይዝን ዝርካቡ ጎላግልን ዳኣ ናበይ'ዶ ጊዒዙ ኢዩ ዝብል ሕቶ ቅጅል ኢሉ ኣብ ኣእምሮይ ተሳእለ? ህዝቢ'ዶ ኣይኮነን ዝስደድን ዝበርስን ዘሎ’? ዝሃድም ጎቦን ዝንጭሮን ዛጊት ኣይርኣናን። 

ጃምላዊ ህድማ ንሓርነት ዶ ንቑጠባ? ህድማ ህዝብና ማሕፉዳ ንምምላእ'ዶ ሰብኣዊ መሰልን ንፋስ ሓርነት ንምትንፋስ?

ብዛዕባ-ህድማ’ሞ  ኩሉ ዓቢ ምስንእሽቶ፣ ዝሰንከለን ዘይሰንከልን ብእግሪ-ኣያ ዑቕባይ ይሃድም ኣሎ።  

 ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘርእሰናይ ዝበሃል ጎያያዩ 190 ሚልዮን ባጤራ ህግደፍ ከፊሉ፥ኣብ ኣስመራ ትርከብ ሚድያን ሆቴል ዓዲጉዋ ሰሚዐ ነይረ፥እሞ ለካ ብጉያ ዉን ይሓልፈልካ እዩ።  እዚ ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ድሕሪ ሳልሳይ ወራር፥ “ጉያ”  ክፍትን ኔሩዎ። ከመይሲ ምጉያይ ብድሕሬኻ ዘሎ ሰብ ከየርክበካ ጢጥ ኢልካ ምህዳም ጥራይ’ምበር ካልእ ብልሓት የብሉን፥ እዚ መንእሰይ ሳላ ወየንትን፣  ሳላ MP ህግደፍን ጕያ ለሚዱ ኢዩ፣ ባዕሉ ዕድል ጉያ (ቅድድም) ዘይምፍታኑ ደኣ’ምበር ጽቡቅ ልምምድ ሂቦሞ ነይሮም እዮም።

ዝኸበርኩም ደቂ ሃገር-እዚ ንሰማዒኡ ዘስደምም ኣተሓሳስባ ብኸመይ ይዕረ? ንሃገርናን ንህዝብናን ተቃሊስና ክበሃል እንከሎ እኮ ህዝብኻ  ምስተወጸዐ፣ ፍትሒ ምስ ጠፍአ ሕግን ሕጋውነትን ምስተቐብረ፣ወጽዓ ደው ከተብል ብዓቕምኻ ክትቃለስ እንኮለኻ’ምበር ፥ ጃንዳ ህግደፍ ምስ ኣሕዋት ጎረባብቲ ሃገራት ኣብዝኣጎዶ ሓዊ ምእታው ማለት ኣይኮነን፣ ወይ ዉን ናይ ምንቅስቓስ ይኹን ናይምሕሳብ መሰልካ ተነፊግካ፣ ብጡሙይ ከብድኻ ብዑሩቕ ዝባንካ ኣብዶባት ዋርድያ ህግደፍ ምዃን ማለት ኣይኮነን። 

“ሓቂ መራር ኢያ ፍረኣ ግን ምቅርቲ ኢያ” ይብሉ ኣቦታት ! እዞም ተገዲድኩም ኣብመጋርያ ሓዊ ዝኣተኹም፥ ኣሕዋትን ኣሓትን…. ንበይንኹም ኣብ ጽምዋ ኮፍ ኢልኩም ሕሰብሉ’ሞ፥ጠንቂ ዕንወት ህዝቢ ኤርትራ መን ምዃኑ፣ ጠንቂ ህድማኹም መንምዃኑ ብዘይ ጥርጥር ክርደኣኩም እዩ። ሎሚ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ እንተዘይበዚሑ ኣይወሓደን፥እንተኾነ ግና መብዛሕቱኹም እንታይ ገደሰና ዝኾነ ይኹን ኢልኩም ኣስቂጥኩም ኣለኹም፥ገሌኹም ካኣ ባርነት ክትዉዱሱን ክትጣበቁን ድቃስ ሲኢንኩም ትሓድሩ።ካልእ ደኣ እንታይ'ዶ ኣሎ መን ኣሎ ስለዝህብኹምን ሂወትኩም ክጣበቕ ዝኽእል? ሓለይቲ ህዝብኹምን ሃገርኩምን ሙዃንኩም ከተርእዩ ብዓቅሙኹም ክትገብሩዎ ትኽእሉ ንእሽቶ ነገር ከቢድኩም ኣሎ፣ ኣስድገዳድ ዝለመደ ብግበር ኣይትግበር ትእዛዝ ዝደንዘዘ፣ ህግደፋዊ ኣተሓሳስባ ወጊድ ኢልኩም፣ ብወለንታን ብርድኢትን ኣብሓቀኛ መስመር ቃልሲ ክትውደቡ እጃምኩም ከተብርክቱ፣ ካብ’ቲ ናይ ግዴታ መንፈስ ክትገላገሉ፣ ብሓርነታዊ መንፈስ እምሕጸንኩምን የተባብዓኩምን፣ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ሓርነታውያን ኢና፣ ኣብሞንጎናን ኣብሞንጎ ህግደፍን ዘሎ ፍልልይ፣መዐቀኒ የብሉን፣ ህግደፍ ብግዴታ ጥራይ ስለዘልመደኩም ሎሚዉን ግዴታ ክትናፍቑ ኣይምተገበአን።

ሓርነትና ናይ ግድን እዩ!

ካልኣይ ክፋል ይቕጽል