እንዳ ኣሉ

ሕጂ‘ኸ እንታይ ይበሉ፡ እንዳ ኣሉ

ብኣልቦ መብጻዓታት ነዊሕ ዝኾብለሉ

ኣነስ እሰግእ‘የ ኣእምሮኦም ከይከውን ዘቢሉ

ወይ‘ክኣ ኣእዛኖም ደስኪሉ

ድምጺ ውጹዕ ዘየስምዑ፡ ተማህሊሉ

ኣእትይዎም እንከሎ ዘሚሩ፡ ዓሊሉ

ኣምሳይኡ ኢሎሞ ቍማር፡ ሽሉ   

ንቕዋም ሓቢኦም ብዓል ሽሉ

ክትግበር‘ዩ እንዳበሉ፡ ህዝቢ ዘሕለሉ

መታን ንጽብሒቱ ኣብ ከብሖም ክሰቕሉ

ሓመዱ ክጐስም እምብዛ ደጊሉ  

ብዓል እምነት ብሳንጅኦም ተዀሊሉ

ምስኪን ህዝቢ ሓሲሩ፡ ቀሊሉ

ብዓል ሓቦ እንዶ‘ሞ ቶባእ ኢሉ፡ ልሳኑ ኣልዒሉ

ምስ ረኣየ መሰል ተበዲሉ  

ድሕሪ ደጊም ኮኾቦም ቀኒኑ‘ዩ፡ ኣንቆልቍሉ

ወዲ ሃገር እኳ ክንደይ ከይነፍገሎም ሓይሉ

ንፍርሒ ምስ ቀበራ ትሕቲ ምድሪ ኣቢሉ   

ሽዑ‘ዩ ኣቦይ እዝጊ ዝወስዶም ንሓላሉ

መረባዕ ክሰርሓሎም ሕልፍኚ ጕሓሉ

በብኣበስኦም ክጸብሓሎም ጻሕሉ

 

ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ ዓዲ

ኢድ ንኢድ ተተሓሓዝ ኵን ጽምዲ

እቶ ኣብ ጐደና፡ ሕደጎ ጓል መንገዲ  

ብሽም ሓደ ሃገር ባርኮ መኣዲ

ኣይትኰርመ ኣብ ዝተኰነ ንእዲ

ባዕዲ ደቂሽዎ ዝግምሰሶ ኣብዲ

ኵን ንእንዳኻ ዓንዲ-ገመል፡ ጽሕዲ

ንሓርነትካ ባዕልኻ ኣናዲ

በጀካኻ እኮ የለን ብዓል ገዛ፡ ቐንዲ    

ኵሉ ሓደ ይኹን ትሕቲ ፍርዲ

ርጋእ ክሳብ ዝሓልፍ እዚ ህቦብላ፡ እዚ ራዕዲ

ካብ ሎሚ ንንየው ኣይኮንካን መርገጺ፡ መኸዲ

ጦር ሰራዊት እኳ ዝሓለፉ በብፍቕዲ

ይኣክል ብተልሜደን ሳሕል መላመዲ

ይበተኽ ምራኖም ናይ ጭቆና ቀይዲ   

ይቀየሩ ከም ኣረጊት ሰልዲ

 

ሰለሙን ይከኣሎ

ሕዳር 2017

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.