ኪዳን ጥበብ ዘለዎ ምሽት

ስነጥበብ ንዘመናት ዝነብር  ታሪኽ እዩ፡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኩሉ ስነጥበባዊ፡ ስርሓቱ ክስንዶ ብዙሕ ጻዕሪ ዘካይድ። ህዝቢ ዓለም ከኣ ነቲ ስነጥበባዊ ዝሰነዶ ሰሚዑ ወይ ርእዩ ብዙሕ ታሪኽ ይቐስም፡ ታሪኽ ወለዶታትን  ባህልታትን ከአ ብኡ ይሰጋገር።  በዚ ኣገባብ እዚ ተጸልዩ  ከኣ ብዙሕ ስነጥበበኛ ይፈሪ ከም ዝነበረ ኩልና ንፈልጦ ሓቂ እዩ ፡፡አብ ዝሓለፈ ግዜ አብ አትላንታ ጆርጂያ ሕብራት መንግስትታት ኣመሪካ ዓቢ ናይ ሙዚቀኛታትትን ደረፍትን ዳግመ ርክብ ወይ ምትኽኻብ ተጌሩ ኔሩ ። እዚ ምትእኽኻብ  እዚ አርቲስት ብዛዕባ ሙዚቓ ዓዶምን ባህሎምን ተራኺቦም ክዛተዩ ዝገበርዎ ቅዱስ ሓሳብ እዩ ኔሩ፡

እቲ ስነጥበባዊ ኣቡኡ ዝነበረ ከአ ናይ ገዛእ ርእሱ ናጽነት ዝአወጀ ምንባሩ እዩ፡ ካልኦት ዝደገፍዎ ብስራሕ ምኽንያት ዘይተሳተፉ ውን ኔሮም እዮም፡፡ ናይዚ ምትእኽኻብ እዚ ዕላማ ንጹር እዩ ኔሩ ፡ ፖለቲካዊ  ኣረኣእያና ብዘየገድስ ፍልልያትና ጼርና ብሓንሳብ ዊዒልና ሓድነት ስነጥበባውያን ምድልዳልን ተመኩሮታትና ፡ምልውዋጥን እዩ ነይሩ። ንዓይ ከም ዝመስለኒ  አብዚ ዝወዓሉን ዝሓገዙን ስነጥበበኛታት ምስ ስነጥበብ ኪዳን ዝአሰሩ ኢለ እየ ዝሰምዮም። ሰብ ኪዳን ስለዝኾኑ ከኣ ዕዉት ዝኾነ ምሸት ሓቢሮም ከሕልፉ በቒዖም ፡ህዝቢ አትላንታ ብፍላይ እቶም ኣብኡ  ዝተሳተፍኩምን ብደገ ዘወፈኹምን  ብልቢ የመስግነኩም። እዚ ክብል ከለኹ ነዚ ቕዱስ  ምትእኽኻብ ዝተጻብእዎ እውን ነይሮም። ስነጥበብ ንዘመናት ዝነብር  ካብ ወለዶ ንወለዶ ዝማሓላለፍ ታሪኽ እዩ። መንግስቲ ግን  ከምኡ ኣይኮነን፡ ዕድመ ወዲ ሰብ ድማ ኣዝዩ ሓጺር እዩ። ሓደ ነገር ኣባና ከም ልሙድ ጌርካ ዝተወስደ ሕማቕ ኣመል ንድህሪት ዝጎተና ነገር ግን አሎ ፡ ውራይካ እዩ እሞ ባዕልኻ መጺኻ ኣመሓድሮ፡ ሃየ እንታይ ንግበር  እንዳተባሃልካ ከለኻ ፡ ስቕኢልካ እንተትዓዚብካ ፡ ተመሊስካ ውሽጡ ኣይፈለጥናዮን እዚ ካልእ አጀንዳ ኣለዎ ፡ እንዳበልካ ንዝሰርሑ ዕንቅፋት ሙኻን  ንነብስኻ ባዕልኻ ካብ ገዛአ ውራይካ  ምግላል ማለት እዩ።

እወ  ዝኾነ ነገር ክጅምር ከሎ 100% ዕዉት ዝበሃል የለን፡ እንታይ ዳእ ትሰርሕ’ሞ ጌጋኻ ክትፈልጥ ካብኡ እንዳ ተሞሃርካ ከአ ኣብ ዓወት ትበጽሕ። ስለዚ እቲ ሕጂ ዘድሊ ዝሓለፈ ገምጊምካ ንቕድሚት ምኻድ እዩ። እግዚኣቢሄር  ዝሃበካ ናጽነት ገዲፍድካስ ካብ ሰባት ነጻነት ትጽበ!ብጣዕሚ እዩ ዘገርም!  አብ ስደት እንዳሃለኻ ንናብ  ኤርታራ ዘሎ አሉታዊ መንግስቲ ወይ ንዝኾነ ናይ ፖለትካዊ ውድብ አብ ናይ ስነጥበባዊ አካይዳኻ ክውስኑልካ ዕድል ምሃብ  ፡ምስ ስነጥበባዊ አካይዳ፡ ምስ ናይ ስነጥበባዊ ጉቡእ  ፈጺሙ ዘይቃዶ እዩ። ኣብ ታሪኽና ምስ እንርኢ ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ባዕዲ መሪርዎ ሓቢሩ ክቃለስ ክኽእል ስነ ጥበበኛታት ዓቢ ተራ ተጻዊቶም እዮም፡ ህዝቢ ካብቲ ሙዚቃታትን ደርፍታትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ወይ ናይ ስነጥበበኛታት ዛንታታት ሀገሩ ክፈልጥ ክኢሉ እዩ፡ ብእኡ ተመሲጡ ድማ ናብ ቃልሲ ወፊሩ። ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ጓል ምስ ወዲ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ሓቢሩ ጠምየ፡ ጸሚኤ ዓሪቀ፡ ተኣሲረ ተገሪፊ ሰንኪለ፡  ነዊሑኒ እምበር ከይበለ ተቃሊሱ፡ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ነጻነቱ ጨቢጡ።

ኩቡራት ስነጥበበኛታት ፡ስነጥበበኛታት እንተ ሓቢርና  ንህዝብና ከነፋቕር፡  ከነንቕሕ፡  ፍልልያቱ ጸይሩ ክረዳዳእ  ባይታ ክንፈጥር፡ ዓቢ  ተኽእሎ ኣለና።  እሞ ሃየ  እዚ ግዜ ዚ ወይ ኣብዚ ግዜ ዚ ህዝብና ይደልየና አሎ። ሰላምን ፍቕርን ንኹልና ይኹን ።ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በዓል ልደትን ይግበረልና፡፡

ገብረ ገረዝጊሄር ጂጂ፡ ካብ ሕብራት መንግስታት አመሪካ፡፡