መሰል ውሑዳት  

ሕቶ ኣለኒ ብብሄር ብህዝቢ

ውዓል ሕደር ዘየብል ዘየጸቢ

እዛረብ የለኹን ብሃውሪ ብወዝቢ

ክላዘብ‘የ ደልየ ምስ ንእሽቶ ዓቢ

ምስ ዅሉ ዜጋ ብዓል ቀልቢ

እንታይ ኰይኑ እዩ እቲ ቝስልና ዝርሕብ ዝዓቢ

ከም ኣብ መገሻ ዝተቐደ ሓርቢ

መስፈዪ ስኢኑ መለገቢ

ሎምስ „ሓፋሽ“ ስኢኑ ሕፍረቱ መጐልበቢ

ይብተን ኣሎ ከም ትኪ ዝኣተዎ ንህቢ

ትንፋሱ ስኢና መዕቆቢ  

ትልብለብ ኣላ ብሓዊ ናይ በደዊ

በሉ መታን ክንጠልል መታን ክንረዊ

ሕቖና ኣይንውህሃብ ንፍትሒ ነእዊ

እቲ ቍስልና‘ድማ ኣምሳዪኡ ክሓዊ  

 

ሕቶ ኣለኒ ንሓድሽ ንገዲም

ዘይልዓል ብኸበሮ ዲምዲም

ዘይትንባህ እንዳበልካ ዕሚም

ንሱባኤ ንእቶ ንሕደጎ ቂም

ውርሻ እኮ ኣለና ዓቢ ሪም

ክሳብ መዓስ ኢና ንሕሉፍ ንቕርም

ኣማዕዲና ዘይንጥምት መጻኢና ክንእርም

ክንጥዒ እንዳተጸበናስ ዓመታት ንሓምም 

 

ሕቶ ህዝቢ ሕቶ ናይ መንነት

ተዋሂቡ ዘይሕደግ ብዓል ፍሉይ ደረት

ኣይኮነን ሕቶ ግሃነም ሕቶ ገነት

ኣይኮነን ሕቶ መበቆል፡ ሕቶ ዓልየት

ሕቶ ናብራ'ዩ መዓልታዊ ሂወት

ክሳብ መዓስ ኢና መጥሓንና ንሓብኦ ትሕቲ መሬት

ክሳብ መዓስከ ስሃሮ ክሽመት

ኣእጋር ህዝብና‘ኳ ተቐፊደን‘የን ዘለዋ ብሰንሰለት

ደም እንዳነዝዓ ዝጽውዓ ንሓርነት

እንተድኣ ሓስየ፡ ሓሲኻ ኢኻ በሉኒ፡ ብኡነት

እንኮ ስድራ የላን ደም ዘይጠዓመት  

ገሊኣ‘ኽኣ ብሕፍንቲ ምረት

ግና ወጽዓ ህዝብና ክርኤ እንተዀይኑ ክእመት

ሕጊ ንትከል ዝህበና ኣመት

 

ንእሽቶ ይኹን ዓቢ

ተቐባሊ ይኹን ውሃቢ

ሓራ‘ዩ ብኣምላኽ ኣይኮነን ከዳሚ

ኣርዑት ክድዓት ይደርበዩ ንውሕጅ ሃማሚ

ሞቝሓቶም ይእሰርዎም ሰዓብቶም ንገዝሚ

ህዝብና ንሰላም ገና ሃንቀውታ ኣለዎ ዓቢ ሕልሚ

ክሳብ መዓስ‘ዮም ሓላቑ ምልኪ ክጐርሱ ጠስሚ

መንእሰይ ዓድና‘ኽኣ ክጭልጡ ስሚ

ሎሚ ከፊእና ካብቲ ዘበን-ክፉእ ዓሚ   

ዋጋና ትሒቱ ካብ ዕባራ ላሕሚ

 

ሰለሙን ይከኣሎ

ጥቅምቲ 2017

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.