ታሪኽን ኣገዳስነትን  ሰነድ  ኣድማሳዊ  ኣዋጅ ሰብኣዊ  መሰላት!

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ብሰሪ ኲናት ዝተፈጸሙ ግፍዒታት እንደገና ከይድገሙ መብጽዓ ብምእታው፡ ኣብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቻርተር ዝተመስረተ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ንናይ ነፍስወከፍ ውልቀሰብ መሰላት ዘውሕስ መመላእታ ኪገብረሉ ወሰነ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ነዚ ከም ሞራላውን፡ ሃይማኖታውን፡ ፖለቲካውን ፍልስፍና ጥንታዊ ታሪኻዊ መሰረት ዘሎዎ፡ ናይ መበል ዕስራ ዘመን ዝዓበየ ኣህጉራዊ ሰነድ ኪበሃል ዝከኣል፡ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት፡ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣብ 10 ታሕሳስ፡ 1948 ከጽድቕ ክኣለ።

ኣብ ጕዕዞ ፍጻሜታት ታሪኽ ሓደ ህዝቢ፡ ንሰብኣዊ መሰሉ ዚግህስ፡ ዘይባህሪያውን : ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ጨቋኒ ስርዓት ምስ ዘጋጥሞ፣ ንዕኡ የዕኒዩ ናይ ምቕያሩን፣ ንድሕነቱን ንሓጐሱን የገልግል ብዝብሎ ብሓዲስ  መንግስቲ ናይ ምትካኡን መሰልን ሓላፍነትን ኣሎዎ።  

ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ዕለታዊ ህይወቱ መሰነይታ ገይሩ ብሓርነት ንምንባር፡ ዓለም ዝኣመነሉ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ናጽነቱ ጨቢጡ ከብቅዕ፡  ኣብ ትሕቲ ፋሺስታዊ ውልቀምልካዊ መግዛእቲ ወዲቑ ይሳቐ ምህላዉ፡ ዛጊት ዓለም ኣቓልቦ ዝህበሉ ዘሎ መዘና ዘይብሉ መሪር ኢሰብኣዊ ሓቂ ኢዩ።  መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዓመታት ሰፊሕ መጽናዕቲ  ድሕሪ  ምክያድ፡ ሎሚ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዝተፈጸመን ይፍጸም ከም ዘሎን ብምርግጋጽ፡ ብወግዒ ኣዊጁሉ ዘሎ እዋን ኢዩ።

እምበኣር፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ናብ ትግርኛ ተተርጒሙ ዘሎ፡ ንምሉእነት ትርጉም ህይወት ዘረጋግጽ፡ ኣድማሳዊ  ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሃገርና ንምውሓሱ፡ ጸቢብ ኣረኣእያ ዝፈጠሮ ማሕለኻታት ጫሌዳዊ ፍልልያት ብንቕሓት ብምፍዋስ፣ ታሪኽ ዝሓተና ዘሎ ዝለዓለ ቅዱስ ሓላፍነት ሰላማዊ  ሰውራ ብስምረት ኣብ ፍጻሜ ብምብጻሕ፣ ብቑዓት ዋናታት ባህሪያዊ ምዕባለና ክንከውን ምሉእ ተስፋን እምነትን ኣለኒ።

ዑቕባይ  ገብረመድህን ( ካብ ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)

20 ጥቕምቲ፡ 2016