እታ ዕለት !
ብሰሎሞን ኣበራ

.

ቀንዲ ዕማም ጋዜጠኛ፡ ሓቀኛ ሓበሬታ ንህዝቢ ምቕራብ ከምምዃኑ መጠን፡ ዝተሓብአ ንምውጻእ ብዙሕ ክጽዕትን መጽናዕታዊ ስራሕ ክዓምምን ሞያዊ ሓላፍነቱ ኢዩ። ብኣካል ዘጓነፎ’ሞ ከኣ ብኣውርኡ። ክንዲ ዝኾነ፡ ታሪኽ ኢዩ’ሞ “ኣብ’ታ ዕለት’’ ዘጓነፈኒ ከዘንቱ።

ቀዳምን ሰንበትን ምሉእ መዓልቲ ኣብ ሜዳታት ስፖርት ተኸታቲለ ዘዳለኽዎ ናይ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝርዝራት፡ ንሰኑዩ ኣብ’ታ ከም ኣካለይ ዝርእያ መደብ መቓልሕ ስፖርት ድሕሪ ምፍናወይ፡ ብዘይዕረፍቲ ሰሉስ ንግሆ እውን ተረኛ ኣቕራቢ ዜና ኮይነ አርፍድ’ሞ፡ ሰሉስ ድሕሪቀትሪ ጥራይ ኢዩ ኣብ ክንዲ ቀዳመ-ሰንበተይ ከም “ዕረፍቲ’’ ዝፍቀደለይ ዝነበረ። ካብ ረቡዕ ክሳብ ዓርቢ ከኣ፡ ከም “ሰንበት ምስ ድምጺ ሓፋሽ’’ ዝኣመሰለ መዘናግዒ መደባት ኣብ ምድላውን ምምላእን ተጸሚደ አሕልፎ። ቀዳም ናይ ንግሆ እውን ሳሕቲ ተረኛ ዜና አርፍድ ነበርኩ። ኣብ ሰሙን ልዕሊ 80 ሰዓታት፤ ብዘይፍረጻማ። እኳ ደኣ ኩርንዒትን ሽቑራረን ዘሰነዮ! እዚ ዘይሞያዊን ኣህላኽን ናይ ስራሕ ሰሌዳ’ዚ ንነዊሕ ዓመታት ዘላደየኒ’ኳ እንተነበረ፡ ድምጺ ናይ’ታ ካብቲ ብኽቱር ድኻም (exhaustion) ዝጸቕጠኒ ዝነበረ ከቢድ ድቃስ፡ ወትሩ ሰሉስ ወጋሕታ ሰዓት 4፡30 ብደወላ ትንቕንቐኒ ዝነበረት ሰዓተይ፡ ኣይርስዖን።

ሰሉስ 18 መስከረም 2001 ከም ኩለን ቅድሚኣ ዝሓለፋ ሰሉሳት ተረኛ ኣንባቢ ዜና ብምንባረይ፡ ካብ ዓራተይ ወጋሕታ ኢየ ዝተንሳእኩ። እቶም ብሰርቪስ(መኪና) ናብቲ ኣብ ፎርቶ(ጸጸራት) ዝርከብ “እንዳዜና’’’ ዝኸድና ናይ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ተረኛታት ኣንበብቲ ዜናን ተክኒሻናትን፡ ነናብ ስቱድዮታትናን ኣብያተጽሕፈትናን ኣተና። ሰዓት 6፡30 ኮይኑ ፈነወ ቋንቋ ትግርኛ ክጅመር ገለ ደቓይቕ ምስተረፎ፡ ተረኛታት ኣዳለውቲ ዜና ቀሪቦሞ ዝጸንሑ ዜናታት ውሽጥን ወጻእን ንንባብ ብዝጥዕም ኣገባብ ኣተዓራርየ፡ ናብ ስቱድዮ ኣትየ ተክኒሻን ናይ “ጀምር’’ ምልክት ክሳብ ትገብረለይ እናተጸበኹ ድማ ኢዩ ተለፎን ዝተደወለ። እታ ኣብ ፊተይ ኪኖ’ቲ ዝተደራረበ ናይ ቬትሮ ዓቢ መስኮት ዝነበረት ተረኛ ተክኒሻን ነታ ተሌፎን ኣልዒላ ክትምልስ እንከላ፡ ሰዓት ምጅማር ፈነወ ተቓሪቡ’ኳ እንተነበረ፡

ካብ ስቱድዮ ወጺኤ ነቲ ኣብ መስመር ተለፎን ዝነበረ ሰብ ከዘራርቦ ብኢዳ ኣመልከተትኒ።….“ዕብዳን ድዩ ጽላለ!’’…ኣስደመመኒ። ሰዓት እናኣኸለ ደኣ ናበይ ክወጽእ፧ ደጊማ ናይ “ንዓ’’ ምልክት ክትገብረለይ እንከላ ሰንፈላል ኮይናን ተረቢሻን ከምዝነበረት ኣብ ገጻ ይንበብ።…..“እንታይ ህጹጽ ነገር ተረኺቡ፧’’….ኢለ ኣዕዘምዘምኩ። ቅድሚ ንባብ ምጅማርካ ትንፋስካ ከተርግእ ስለዘድሊ፡ ሰዓት ኣብ ምእካሉ ካብ ስቱድዮ ክወጽእ ኣይደለኹን። ኣብ ወርሒ ለካቲት 1999 ዓ.ም. ከምኡ እውን ኣብ ግንቦት 2000 ዓ.ም. ዝተኻየደ ብ“2ይን 3ይን ወራር’’ ዝፍለጥ ዶባዊ ውግእ ክጅመር እንከሎ (ክልቲኡ ቀዳማት) እውን ናይ ረፍዲ ተረኛ ብምንባረይ፡ ንዕኡ እናዘከርኩ…“ሕጂ’ኸ እንታይ ተረኽበ፧’’ በልኩ። ካብ ስቱድዮ ወጺኤ፡ ነቲ ኣብ መስመር ዝነበረ ሰብ ከዘራርብ ግድን ምዃኑ ካብ ኩነታት ኣጸዋውዓ ናይታ ተክኒሻን ምስተገንዘብኩ ድማ፡ ካብ ኮፍ ኢለሉ ዝነበርኩ መንበር ተንሲኤ፡ ነቲ ድርብራብ መዓጹ ናይ ስቱድዮ ከፊተ ወጻእኩ’ሞ ንልዓት ናይ’ታ ተለፎን ኣልዓልኩ።

  • “ሃለው መን ክብል፧’’
     
  • “ኣነ ኢየ ናይዝጊ….መን ኢኻ ንስኻ፧’’ ዝብል ገናሒ ቃና ዘለዎ፡ ኣደብ ዘይብሉ ቃላት ኣብ ኣእዛነይ ኣቃልሐ።
     
  • “ናይዝጊ፧!!’’ በልኩ ብውሽጠይ፡

ናይዝጊ ክፍሉ ኢዩ። ከም ሚኒስተር ከምዝተመዘዘ ሰሚዕና’ኳ እንተነበርና፡ ምስ ኣባላት ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ዝገበሮ ናይ ምጅማር ኣኼባ ወይ ርክብ ስለዘይነበረ፡ ከም ሚኒስተር ዜና ገጹ ከይረኣኽዎ ኢየ
ድምጹ ብተለፎን ዝሰማዕኩ። ገና ግር ኢሉኒ እንከሎ፡ ሕቶ ኣስዓበለይ፡

 

  •  “…ሰሚዕካ!….መን ኢኻ…’’
     
  • “…ኣነ ሰለሙን’የ…’’
     
  •  “…ተረኛ ኣቕራቢ ዜና ማለት ዲኻ፧…’’
     
  • “…እወ…’’
     
  • “…በል ሕጂ ቀልጢፍካ ናብ ቤትጽሕፈት ሚኒስተር ምጻእ….’’

ድሮ እቲ መፋለጢ ናይ ድምጺ ሓፋሽ ሙዚቃ ናብ ምውዳእ ገጹ ተቓሪቡ ስለዝነበረ፡ ኣብ’ቲ ናይ ዜሮ ሰዓት ናበይ ኢየ ክኸይድ፧ “ፈነወ ገዲፍካ ንምንታይ ትኸይድ፧’’ ዝብል ሕቶ ብኻልእ ሸነኽ እንተመጸኒ’ኸ እንታይ ኢየ ክብል፧…ጋን ኮነኒ…

  •  “….እሞ ኣቶ ናይዝጊ፡ ኣነ ተረኛ ኣቕራቢ ዜና ስለዘለኹ፡ ሰዓት ከኣ ይኣክል ስለዘሎ…’’

ዘረባይ ኣየወደኣንን።

  •  “….ኣንታ ወዲ ንዓ ጥራይ ስቕ ኢልካ!….’’ ኣጓጠጠለይ።
     
  • “…ነቲ ፈነወ መኽፈቲ’ሞ ክገብረሉ፡ ኣርእስተ ዜና ነጊረ ዋላ እመጽእ…’’
     
  • “…ጥዕና’ዶ እምበር ኣሎካ፧…ካብዚ ኣነ ዝህበካ ንላዕሊ ዜና ስለዘየለ፡ ሕጂ ትመጽእ!

ዝገብሮ ኣይነበረንን። ነታ ተረኛ ዝነበረት ተክኒሻን “በሊ ዋላ instrumental ሙዚቃ ኣእትዊ፡ ቀልጢፍካ ምጻእ ይብለኒ ስለዘሎ’’ ኢለያ፡ ካብቲ ሽዑ ኣብ ህንጻ ቁጽሪ ሓደ ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ዝነበረ ስቱዲዮ ድምጺ ሓፋሽ ብጉያ ወሪደ(ሊፍት ስለዘይብሉ)፡ ናብ ህንጻ ቁጽሪ ክልተ ብምምራሕ፡ ኣቐዲሙ ናይ ኣቶ በራኺ ገብረስላሴ ደሓር ናይ ዘምህረት ዮውሃንስ ዝነበረ ቤትጽሕፈት ሚኒስተር ዝነበሮ ሳልሳይ ደርቢ እናተሃንፈፍኩ ክድይብ ከለኹ፡ ልበይ ዘይሓሰቦ ኣይነበሮን።…እዋእ…

ሕጂ’ውን ውግእ’ዶ ይኸውን፧…ውዕል ሰላም ተፈሪሙ ዓቃብቲ ሰላም ኣትዮም ስለዝነበሩስ ክኸውን ከምዘይክእል ገመትኩ።…እሞ እንታይ ደኣ፧…ምስቲ ሽዑ ቅነ ብኣባላት ሃገራዊ ባይቶ(G15) ኣብ ጋዜጣታት ብሕቲ ዝወጽእ ዝነበረ ትሕዝቶታትን፡ ንናይዝጊ ኣብ ሻምሮክ ዝወረዶ መጥቃዕትን እውን ከተኣሳስሮ ፈተንኩ…ገለ’ዶ ዕልዋ ተገይሩ ይኸውን፧…እታ ዘላ ኣብኣ’ላ…እናበልኩ ናብ’ቲ ቤትጽሕፈት በጻሕኩ። ናይዝጊ ክፍሉን ሽዑ ዳይረክተር ተለቪዥን ዝነበረ ናይ ሕጂ ግዝያዊ ሚኒስተር ዜና ዓሊ ዓብዱን፡ ኣብ ወረቐት ክሓናጥጡ ጸንሑኒ። ኣብ’ቲ ህሞት ካልኦት ሓለፍትን ኣባላትን ዜና፡ ኣመና ንግሆ ብምንባሩ ኣብ ገገዝኦም ኢዮም ነይሮም። ኣብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ዜና እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ ይፈልጡ ስለዘይነበሩ ከኣ፡ ናብ ስቱድዮ እናደወሉ “ተረኛ ኣይመጸን ድዩ፧ ስለምንታይ ሙዚቃ ጥራይ ይፍኖ ኣሎ፧’’ ዝብል ሕቶታት ነታ ተክኒሻን የቕርቡላ ነይሮም።

ናይዝጊ ንፈለማ ግዜ ስለዝረኣየኒ ኢዩ መስለኒ፡ ካብ እግረይ ክሳብ ርእሰይ ድሕሪ ምጥማቱ፡

 

  • “ንስኻ ዲኻ ተረኛ ኣቕራቢ ዜና፧’’ ኢሉ ሓተተኒ።
     
  • “እወ!’’ መለስኩ።

ደቒቐዮ ግዲ ኮይነ ዝተዋሕጠሉ ኣይመሰለን።

  • “…ሰሚዕካ ኣለኻ፡ እዚ ሕጂ ንህበካ ጽሑፍ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡ ሓይሊ ጌርካ ክንበብ ኣለዎ!’’ ምስበለኒ፡ “እንተንስኻ ግን ሓይሊ ዘለካ ኣይትመስልን’’ ይብለኒ ከምዘሎ ኣይጠፍኣንን። “ጽቡቕ ጌርካ ከተንብቦ ኣሎካ!’’ ተሪር መምርሒ ኣስዓበለይ።
     
  • “ሕራይ’’ መለስኩ። ብውሽጠይ እቲ ዝንበብ እንታይ ኮን ኢዩ፧ እቲ ኣውራ ዘሻቕለኒ ዝነበረ ጉዳይ ኢዩ።
     
  • “እንካ’ሞ ከመይ ጌርካ ከምተቕርቦ ክሰምዓካ ኣንብበለይ’’ ምስበለኒ ዓቕለይ ጸንቂቐ።

ንፈለማ እግሩ ናብ’ቲ ሚኒስትሪ ዝመጸ፡ ኣምርን ሕሉፍ ተሞክሮን ናይ ዜናዊ ዕዮ ዘይብሉ ጋሻ፡ ንዓይ ከም ሓደ ተልመዴን “ኣንብበለይ ክሰምዓካ’’ ምስበለኒ ኣብ ገጸይ ክንበብ ዝኽእል ሕርቃን ተሰመዓኒ። እንተኾነ ዓሊ ዓብዱ ኣብ መንጎ ብምእታው፡ “ናይዝጊ ኣይፈለጥካዮን እምበር ኣጋጣሚ እዚ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ምኩራት ጋዜጠኛታት ኢዩ’’ ምስ በሎ፡ ናይዝጊ “..ዶ፧!..’’ እናበለ ደጊሙ ካብ ጽፍሪ እግረይ ክሳብ ጸጉሪ ርእሰይ ጠመተኒ። ነታ ዝሃቡኒ ሓንቲ ገጽ ጽሕፍቲ ሒዘ ድማ ናብ ስቱድዮ ተበገስኩ።

እንታይ ምዃኑ ክፈልጥ ተሃንጥየ ስለዝነበርኩ፡ ንኣዒንተይ ናብ’ቲ ወረቐት ተኺለ ኢየ ዝጓዓዝ ነይረ። ትሕዝትኡ ምስረኣኹ ኣስደመመኒ…ነዚ ኢዩ እዚ ኹሉ፧…“ነዚ ክትግዕታ’ዶ ትርህጻ፧’’ ምዕጻው ናይተን ጋዜጣታት፡ ብተዘዋዋሪ ንጽሑፋት ናይቶም ንተግባራት ህግደፍ ዘቃልዑ ዝነበሩ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ደው ንምባል፡ ብኣውርኡ ከኣ ንልሳን ህዝቢ ንምዕባስ ምዃኑ ኣይሰሓትክዎን። ክንዲዝኾነ ስቱድዮ ምስበጻሕኩ ብኡ ንብኡ ከንብብ ኣጸገመኒ፡፡ ጽን ኢሎም ተጸብዮም ምስደንጎኽዎም ከኣ በዓል ናይዝጊ ሆየ “ነዛ ወረቐትና ሒዝዋ ጠፊኡ’’ ኢሎም ግዲ ሰጊኦም ናብ ስቱድዮ ደወሉ። ከዕርፍ ግድን ምንባሩ ሓቢረ ከኣ ናብ ስቱድዮ ኣተኹ። ሰዓት 7፡30 ምስ ኮነ፡ ፈነወ ትግርኛ ወዲኤ ሰዓት 8፡00 ናብ ካፈተርያ ወረድኩ’ሞ፡ ዳርጋ ኩሎም ኣባላት ዜና ናብ ኣብያተጽሕፈቶም ኣትዮም እውን ክሰርሑ ስለዘይከኣሉ፡ በብጉጅለ ጉጅም ክብሉ ጸንሑኒ፡ ሓደ ካብኣቶም፡

  • “ሰሌ፡ ንስኻ ጋዜጣታት ምዕጻወን ዜና እናነገርካ፡ በዚ ከኣ ሰባት ክልቕምዎም ኣርፊዶም’’ ኢሉ ሕሹኽ በለኒ።
     
  • “ንመን ኣንታ፧’’
     
  • “ነቶም ንኢሰያስ አኼባን ጉባኤን ክገብር፡ ፈሪሞም ዝሓተትዎ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ።’’

ዝግበር ኣይነበረን። ኣብ ዓይኒ’ቲ ስርዓት ንሕና ካብ’ቶም ዝኣሰሮም ኣይንበልጽን ኢና። ስለዚ ንዓታቶም ምእሳሩ ብዙሕ መልእኽቲ ኢዩ ነይርዎ፡ “ገለ እንተኢልክን ኣብኣ ትዴኽን’’። ስለዚ፡ ትም ሕትም ኮነ። ጋዜጣታት ተሸጎረ፤ ልሳን ተኣሰረ፤ ልቢ ቀሓረ፤ ኩነታት ሻሕከረ…መረረ…ጸንከረ……….

ናጻ ክንክውን እምበር ኣፍና ክልጎምን ክንእሰርን ኣይተፈጠርናን!
ንመሰል ናጽነት ፕረስ ክንሰርሕ ኢና!

እግዚኣብሄር ንሃገርናን ንህዝብናን ራህዋ የውርዳሉ!

ሰለሞን ኣበራ
ፍራንክፈርት
18.09.2001