መላኺ ኢሳያስ ካብ በረኻ ንዓዲ እትው ምስ በለ ካብ ዝተዛረቦ፣ ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ ናብ ሲንጋፖር ክንቅይራ ኢና ዝብል እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓቂ ብዛዕባ እታ መራሒኡ ዝተመነያ ሃገር ዝፈልጦ ኣይነበሮን። እቲ ኣዘራርባ ግን ንኤርትራ ምዕብልቲ ክንገብራ ኢና ንማለት ሙዃኑ ብሩህ እዩ ነይሩ። ጽቡቕ ትምኒት ስለ ዝኾነ ኸኣ ኩሉ ሃገራዊ ደስ በሎ። ሎሚ ድሕሪ 25 ዓመታት ግን ኤርትራ ምስላ ምስሊ ሲንጋፖር ዘይኮነ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ዝብል ቅጽል ስም ተዋሂብዋ'ሎ። ብድኽነታን ሕሰም መነባብሮኣን'ውን ይትርፍ ናብ በዓል ሲንጋፖር ገጻ ከተማዕዱ ካብተን ኣብ ጥቓ ዶባታ ዝርከባ ሃገራት'ውን እታ ዝሓመቐት ኮይና'ላ። እስኪ ንሎሚ ነታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘላ ልክዕ ከም ኤርትራ ብሓደ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ዘሎ ሙሴቪኒ እትመሓደር ሃገረ ኡጋንዳ ከም ኣብነት ወሲድና ምስ መላኺ ኢሳያስ ብምውድዳር ደረጃ መለኽትን ፍልልያቶምን ንርአ።

ኡጋንዳ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ብስፍሓታ ክንዲ ዕጽፊ ኤርትራ እትኸውን ከባቢ 37 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብሩዋ ሃገር'ያ። ንልዕሊ ርብዕ ዘመን ከኣ ልክዕ ከም ኤርትራ ብሓደ ሰብ እያ እትመሓደር። ዩወሪ ሙሰቬኒ። ህዝቢ ኡጋንዳ ልክዕ ከም ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ለዋህን ትሑትን እዩ። ኣብቲ ሃገር ወጻእተኛ ብሙዃንካ ዝወርደካ በደል ምስ ካሎኦት ሃገራት ኣፍርቃ ኣወዳዲርካ ዘስግእ ኣይኮነን። ናብ ኡጋንዳ ንምብጻሕ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ እንተቤ ምስ ዓለብካ ቪዛ ይሃልወካ ኣይሃልወካ ብዘየገድስ ንሰራሕተኛታት እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብላዕ ከይሃብካ ምውጻእ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብ ዓዲ መለኽቲ ግቦን ሰበይ ሰብካን ልሙድ እዩ። ኣብ ርእሲ ከተማ ካምፓላ ምስ ኣተኻ ኣብ ኤርትራ ዘየሎ ጻዕቂ ትራፊክ ይረአ።እተን ብቦዳ ቦዳ ዝፍለጣ ኣብ ኡጋንዳ ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህባ ኣዝየን ሓደገኛታት ንኣምላኽካ ጥራሕ ኣሚንካ እትስቀለን ሞተር ብሽክለታታት ነታ ከተማ ወሪረናኣ ይረኣያ። እቲ ዓዲ ቁሩብ ናይ ስራሕ ምንቅስቓስ ዘለዎ'ውን ይመስል። እዛ ሃገር ልክዕ ከም ኤርትራ ኣብ ዓለም ካብተን ዝደኸያ ዝበሃላ ሃገራት ሓንቲ እያ። ጽርግያታታ ጸበብቲ ዳርጋ ኩሎም ከም ኣብ ኤርትራ ብግዜ ጣልያን ዝተሰርሑ ኣቡኡ'ውን ብግዜ እንግሊዝ ዝተሰርሑ እንተዘይኮይኑ ብዙሕ ሓድሽ ስራሕ የብሉን።

እታ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ሲንጋፖር ክትከውን እያ ዝተባህለት ሃገርና፣ ህዝባ፣ ወላ'ውን እቲ ኣብ ርእሲ ከተማ ኣስመራ ዝነብር ብሕጽረት ማይ ይሳቐ። ኣብ ካምፓላ ኣብ ደገ ዝወጸ ፊስቶታት ኣይረእን። ናይ ማይ ጸገም የለን። ህዝቢ ከም ድላዩ ኣብዝኾነ ሰዓት ኣካላቱ፣ ክዳውንቱን ከባቢኡን ከጽሪ ይኽእል። ኣብ ካምፓላ ልዕሊ 10 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ይንገር። ኣብ ኤርትራ ሓደ ኡጋንዳዊ ስደተኛ ንፈውሲ ማሕላ ኣይርከብን። ኤርትራውያን ኣብ ካምፓላ ከም ቤት መግቢ፣ ስነ ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲን ዱካናትን ብምኽፋት ኣብ ስራሕ ንግዲ ይዋፈሩ። ኣብ ከባቢታት ናጃናኩምቢ፣ ካንሳንጋ፣ ካባላጋላ ዝበሃል ከፍልታት'ታ ከተማ ኸኣ ብብዝሒ ገዛውቲ ተኻርዮም ይነብሩ። ኣብ ኤርትራ ወላ ብገንዘብካ ዝሽመት ቀረብ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ኣብ ኡጋንዳ ኣብቲ ብህንዳውያን ነጋዶ ዝተዓብለለ ዓበይቲ ሹቓት ድላይካ ኣብዝኾነ ሰዓት ምሽማት ይከኣል። መንእሰያት እታ ሃገር ኣብ ትምህርትን ስራሕን ክዋፈሩ ይኹን ውልቃዊ ሂወቶም ክመርሑ ጸገም የብሎምን። ናብ ደገ ዝስደድ ኡጋንዳዊ ዳርጋ ኣይስማዕን። እታ ናይ ሕልሚ ሲንጋፖራዊት ናይ ኢሳያስ መላገጺ ዝኾነት ሃገርና ግን መንእሰያታ ኣብ ጎደናታት ይግፈፉን ብዘይ ገደብ ኣብ ባርነት ይጽመዱን። እቶም ዝተረፉ ዕድለኛታት ንብሎም ንሕና ኸኣ፣ ንስደት የምሩሑ። ኣብ ሙሴቬኒ ሃገር ኡጋንዳ ኣቦካዶን ፓፓዮን ዝበሃሉ ፍረታት ኣብ ፈቐዶ በረኻታት እታ ሃገር ዙሩብ ኢሎም ይቦቕሉ። ብሕሱር ከኣ ኣብ ዕዳጋ ይርከቡ። እታ ኣዝዩ ሰፊሕ ባሕሪ እትውንን ኤርትራ ህዝባ ካብ ሃብቱ ተቛዳሲ ኮይኑ ዓሳ ክምገብ ተኽእሎ ሲኢኑ፣ ኣብ ኡጋንዳ ባሕሪ እኳ እንተዘይብሎም ኡጋንዳ ሓንቲ ካብተን ንቀላይ ቪክቶርያ ዝውንና ሃገራት ብሙዃና ካብቲ ቀላይ ብዝተገፈፉ ዓሳታት ኣብ ጎደናታት ካምፓላ ብብዝሒ ይሽየጡ። ብፍላይ ምሸት ኣብ ጎደናታት ህዝቢ ዓሳ ክምገብ ትሪኦ። ኣብታ ሓንቲ ዩኒቨርሲትይ ዘይብላ ብመላኺ ኢሳያስ እትመሓደር ሃገርና፣ መንእሰያታ እናደንቆሩ ኣብታ ብመላኺ ሙሴቪኒ እትመሓደር ሃገር ኡጋንዳ ግና ካብቲ ፍሉጥ ዩኒቨርሲትይ ማካረረ ቀጺልካ ኣብ'ታ ሃገር ሓያሎ ናይ ግሊ ዩኒቨርሲታት ኣለዉ።

መስትያት ቤትና ኣብ ናይ ካምፓላ ጻንሖታ ምስ ሓደ ኤርትራዊ ህግደፋዊ ስደተኛ ኩሉ ነገራቱ ኣጻፊፉ ናብ ካናዳ ንምብራር ኣብ ምድላው ምስ ዝነበረ ኤርትራዊ ተራኺባ ነይራ ንሱ ንመስትያት ቤትና ዝበሎ ኣነ እዞም ኣነ እዞም መንእሰያት ኡጋንዳ ብጣዕሚ እዮም ዘሕርቑኒ፣ ጠላዓት ሰቡኡት ኣብ ጎደና ቅጫ እንዳሰንከቱ ዓሳ እንዳ ጠበሱ ክነብሩ ዘሕፍር እዩ እዚኦም ከም ናይ ኤርትራ ወፍሪ ክወፍሩ በረኻ ክኸዱ ነይርዎም። ትሪኦ ዶ ኣለኻ ቀላጽሞም በለ'ሞ። ብምቕጻል ጻዕዳ ፈልግ ኒል ካብዚ ብምብጋስ ንምስሪ እንዳበጸሐ ድኻታት ክኾኑ ዘሐፍር እዩ ወሰኸ። ናይ'ዚ ዓዲ ቅዋም ክመሓየሽ ኣለዎ'ውን ኢሉ ሓሳቡ ገለጸ። እቲ ዝገርም ንሱ ተሰዲዱ እዩ መጽዩዎም። ተጻቦኦታት ከየጋጠሞ ንሃገሮም ከምድላዩ ዓንዲሩላ'ውን ኣርሒቑ ናብ ካናዳ ይጠፍእ ነይሩ። እታ ንመጨረሻ ዝተዛረባ ሓረግ ግን ትገርም እያ እዞም ጸለምቲ ሰብ ኣይኮነን መሊሶም ክግዙኡ ኣለዎም በለ'ሞ ተዓዝረ። ብዝኾነ ኣብ ኡጋንዳ ሓደ ሰራቒ ክሰርቕ ብህዝቢ ብቐጥታ እንተተታሒዙ ናብ ሕጊ ቅድሚ ምብጽሑ ህዝቢ ብወፈራ ተሓባቢሮም ነቲ ክሰርቕ ረኺብናዮ ዝበልዎ ኣብ ናይ ጎደና ሽባኻ ብምእሳር ሓደ ሓዊ ዘቐብል ሓደ ኣብ ክሳድ"ቲ ሰራቒ ጎማ ናይ መኪና ዘእቱ ብሂወቱ እንከሎ ብሓዊ ኣቃጺሎም ብኢሰብኣዊ ይቐትልዎ። እዚ ድሕረት ናይ'ቲ ህዝቢ ክኸውን እንከሎ ድሕረት ኤርትራውያን ድማ ብወረ ቤላቤለው፣ ኡጋንዳውያን ደም ዘይፈሰሶ ህጻን ብምስራቕ ንጥንቆላ ቆልዓ ይሓርዱ እዮም ስለ ዝሰምዑ ኣብ ኡጋንዳ ዝተወልደ ይኹን ናብ ዩጋንዳ ተሰዲዱ ዝመጸ ኤርትራዊ ቆልዓ መታን ደም ከምዝፈሰሶ ምልክት ንምርኣይ ደቂ ኣንስትዮን ተባዕትዮን ኣእዛኖም ብስድሮኦም ከምዝስቆሩ ይግበር።

ከተማ ካምፓላ ብምሸት ከብሮ ኣእዛንካ ብዝቐዱ ሙዚቃታት ትናወጽ። ሓያሎ ለይታዊ ትልሂታትን ሽሻ ባራትን ከኣ ብኤርትራውያን ስለዝውነኑ ናይ ትግርኛ ሙዚቃ ኣብ ዝሓለፍካዮ እዩ ናብ ኣእዛንካ ዝዓልብ። ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ምስ ህዝቦም መቅርቦም ቤቤተሰቦም ዕለተ መርዖኦም ከኽብሩ ስልዘይክእሉ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስድራቤታቶም ናብ ካምፓላ ብምምጻእ ሰንበት ሰንበት ቃል ኪዳን ይኣስሩ። ኣብቲ ብሙኞኞ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ገምገም ቀላይ ቪክቶርያ ዝርከብ ዓቢ ገነትዊ መናፈሲ ቦታ ንመዘከርታ ክሰኣሉ ድማ ይረኣዩ። ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ክሰግሩ ኣብ ፈቐዶ ኤምባሲታት እታ ሃገር ሪጋ ዝስርዑ ኸኣ ኤርትራውያን እዮም። ህግደፍ ኣብ ኡጋንዳ ሰፊሕ ናይ ስለያ መርበብ ከምዘለዎ ይፍለጥ። ጓል እቲ ዕሉል ህግደፋዊ ጀነራል ፍሊፖስ ሓዊስካ ሓያሎ ደቂ እቶም ደም ህዝቢ ኤርትራ እናመጸዩ ዝነብሩ ዘለዉ ሓልፍቲ ኤርትራ ብሸብዳዕዳዕ ኣብ ካምፓላ ይነብሩ። ሙሰቬኒ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ፓርላማ ብምድቃስ ዘሕልፍዎ ሚኒስተራት ኣለዉዎ። ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ፓርላማ ዘይፈልጡ ከይደቀሱ ንጥፍኣትና ዝሰርሑ ሓለፍቲ ኣለዉዎ። ኢሳያስ ምርጫ ዝደሊ ናብ ጠፈር ከይዱ ሃሰው ይበል ኢሉ ንህዝቡ ክንዕቕ እንከሎ ሙሰቬኒ ብዉሑዱ ንህዝቡ ንምትዕሽሻው ምስሉይ ምርጫ ብምክያድ ድምጺ ሰሪቑ ወትሩ ተዓዊተ እናበለ ኣብ ወንበሩ የራጥጥ። ኣብ ኤርትራ ንፈውሲ ማሕላ ጥር ትብል ናይ ብሕቲ ጋዜጣ የላን። ኣብ ኡጋንዳ ዓሰርተታት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ንመንግስቲ ሙሴቪኒ ብግልጺ ዝነቕፋ ኣለዋ። ኣብ ኡጋንዳ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ቁጠዑኡ ይገልጽ እዩ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ጽርግያታት ኣስመራ ንህግደፍ ክቃወም ዝደፍር የለን። ብሓጺሩ መላኺ ሙሰቬኒ ኣብ ወንበሩ ንዘይተጻበኦ ብዙሕ ተጓዳኢ ኣይኮነን። መላኺ ኢሳያስ ግን ንህዝቡ ኣሎ ብዝበሃል ኣገባብ ንጥፍኣቱ ዘንቀደ ዕሉል መላኺ እዩ። ምናልባት ብኣልማማ መለኽቲ ሓደ ሽም ክህልዎም ይኽእል እዩ። ግን መለኽቲ'ውን ዓይነታት ኣለዎም'ዩ። ንሃገርና ኤርትራ እምበኣር ከም ሙሴቪኒ ወይ ከም ጋዳፊ ዝዓይነቶም መለኽቲ ዘይኮነ ምስ መላኺ ሰሜን ኮርያ ጥራሕ ክዳረግ ዝኽእል ሕሱም መላኺ እዩ ድቦላ ወዲቕዋ ዘሎ።