አደይ ለታይ ብዕድመ ዓባይ እየን። አብ ዕድመአን ከአ ሰለስተ መንግስታት ጽቡቕ ጌረን ዘስተማቐራ እየን። ቅድሚ ናብ ዓዲ ጣልያን ተሰዲደን ከዳሚት ኮይነን ነቲ ሳልሳይ ዘርከባሉ ሕጂ አብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ እግሪ ከትክላ ብገንዘበንን ጉልበተንን ምቅላሰን ምስ ሃይለስላሰን ደርግን አብ ኤርትራ ብሰንኪ ነታ ዝሃርፈኣ ዝነበራ ሰማያዊት ባንደራ ምርኣይ ብዙሕ ግፍዕታት ወሪዱወን እዩ።

ኣደይ ለታይ ኣብ ዕላለን ዘይርስዖዖ እቲ ሓደ እዋን ኣብ ዓዲ እንከለዋ ምስ ኣንስቲ'ቲ ዓዲ ኮይነን ኣንቲ ሰማያዊት አርዒድክዮ ነዚ ኣራዊት እናበላ ኣብ ጹምቃ ሓደ ውራይ ምስ ደረፋ ብወተሃደራት ደርግ ኢሰፓ ፖለቲካ ተዛሪብኪ ተባሂለን ምስ ተኣሰራ ዝበለኦ እዩ። አደይ ለታይ እንታይ እየን ኢለን? ኣደይ ለታይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነቶም ኣብኡ ዝጸንሕወን እሱራት ኤርትራውያን ምስ ረኣያ አነስ ወረ ኣብዚ ይሕሸኒ፣ ሰብ ብሰቡ እዩ ዝኾርዕ ምስ ሰበይ መዓት ዳርጋ ገዓት ኢለን እየን ነቶም ወተሃደራት ገሊጸናሎም።

ብድሕሪኡ ተኣሲረን ምስ ወጻ'ውን እንተኾነ ኣብ ቤተን ሰማያዊት አውሊዕ ባንዴራ ኤርትራ ሓቢእክን ተባሂለን ብዙሕ በደል ምስ ወረደን ናብ ዓዲ ጣልያን ተሰዲደን ከዳሚት ብሙዃን ን ህዝባዊ ግንባር ክሳብን ድሕርን ነጻነት አገልጊለን።

አብ ቃልሲ ስለዝነበራ ንሰውራ ከዕብያን ገንዘብ ክምእርራን ናይ ውላዽ ዕድመ ስለ ዝሓለፈን መኺነን እየን ተሪፈን። ግን ብዋጋ ቃልሰን ሃገር ተረኺባ ኢለን ስለዝሓሰባ ውላድ ብዘይ ምህላወን ጉህይቲ አይኮናን እኳ ደአ አዝየን ኩርዕቲ እየን ዝነበራ። አብ ነብስወከፍ ወፈያን ህዝባዊ መኸተ ተባሂሉ አብ ዝዳሎ መደባት ቀንዲ ተሳታፊት ኮይነን ከኣ ብትግሃት ሰሪሐን።

ካብ ቅድሚ ገለ ዓመታት ግን ደቂ ሓፍተን ደቂ ሓወን ንኣሽቱ ዕሸላት ናብቲ ብስደት ዝበለያሉ ዓዲ ጣልያን ክመጹ ምስ ጀመሩ ሕጉስቲ ኣይነበራን። ንሕና ከርተት ኢልና ሃገር አምጺእናስ እዚኣቶም ከአ ነዛ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተረኽበት ሃገር መጻወቲ ወያነን ኣመሪካ ክገብርዋ ረራሕሪሖማ ይስደዱ እናበላ ብውሽጠን ጥራሕ ዘይኮነ ዓው ኢለን ዝዛረባ ሰበይቲ እየን።

መን ፈጠረክን እንተተባሂለን ፈጣሪ ኣምላኸን ክሳብ ዝርሳዓ ኢሳያስ ኢለን ክምልሳ ሕንኽ ዘይብላ ብስነ ሓሳብ ህግደፍ ሓንጎለን ሙሉእ ብሙሉእ ዝተሓጽባ ኣደ እየን። ኣብ እዋን ፈስቲቫላትን ሰላማዊ ሰልፍታትን'ውን ንኢሳያስ ተሓሊቐን ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ዝብል ማልያ ወድየን ብኹርዓት'የን ከበሮ ሒዘን ዝቆጻጸያ። ነቶም ብባሕሪ ሰጊሮም ዝመጹ ደቂ ደቀን ዝኣኽሉ ቆልዑ ኸአ አንቱም ወያነ ከደዓት ሃደምቲ እናበላ ክጸርፈኦም ከለዋ ንዐዐን ዓቢ ሃገራውነት እዩ።

ኣደይ ለታይ ኣብ'ዚ ዝሓለፈ ዕለት 21 ሰነ 2016 ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ግፍዕታት የልቦን ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ውጹእ ሓሶት'ዩ ክብላ ካብ ዓዲ ጣልያን ናብ ጀኔቫ ወሪደን ኔረን። ዓድና ክወርዋ ደልዮም ሕቡራት ሃገራት ከምቲ ናይ ሓምሳታት ሕጂ'ውን መሊሶም ናብ ኢትዮጵያ ክሕውሱና ደልዮም ምስ ሰምዓ አዝየን ስለዝሰንበዳ እቲ ቀደም ንህላውነት ኤርትራ ክጣበቓ ኣብ ኤርትራ እንከለዋ በታ ሰማያዊት ዝወረደን ሽግራት ቅጅል ስለዝበለን ናብ ሰልፊ ጀነቫ ክነቕላ እንከለዋ ነታ ካብ ቤተን ዘይትጠፍእ ሰማያዊተን ሒዘን ተበገሳ።

እንተኾነ መኻይደን ምስ ረኣይወን ሰንበዱ'ሞ ኣትን ኣደይ ለታይ እንታይ ወሪዱክን እዛ ግናይ ባንዴራ ሒዝክን ተበጊስክን እዚአ ደአ ባንዴራ ፈደረሽን እንድያ ደሓር ከኣ እቶም ሸየጥቲ ሃገር ከደዓት ኤርትራውያን እዮም ዝኾርዑላ እምበር ንስኽን ደአ ጅግና እንዲኽን በጃኽን ደርብያኣ በልወን።

አደይ ለታይ ድንግርግር ኢልወን እዋእ ካብ መዓስ ደአ ብሰማያዊትና ሓፊርና ኢለን ንነብሰን ብምሕታት ወዮ አብ ህግደፍ ሕቶን ርእይቶን ስለዘየለ ሰላሕ ኢለን ሰማያዊትን ደርብየን ንሕና ንሱ ዝብል ኣሳእል ኢሳያስ ዝተሰለመ ወረቐት አብ ክሳደን ኣንጠልጢለን ተበገሳ።

ኣብ ጀነቫ ምስ በጽሓ ኩሉ ዓይነት ሕብረተሰብ እናተጸበያ ኩሎም ተሳተፍቲ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ኣረጋውያን ጥራሕ ምስ ተዓዘባ፣ እዋእ እሞ እዛ ሃገር ደአ መን እዩ ክርከበና ንሕና ደአ ደይ ሓንቲ ሓሙስ እያ ተሪፋትና ዘላ ኢለን ንመሓዘኣን ሕሹኽ በለእን። ኩነታት እቲ ሰልፊ ግን ወላ ባህ አይበለንን። ብዝኾነ ዝናብ ስለዝነበረ ነታ ብባንዴራ ኤርትራ ዝተሰለመት ጽላለን ዘርገሓኣ'ሞ ከም ህዝበን ኣንጻር ሕቡራት ሃገራት ክጭርሓ ጀመራ።

እንተኾነ ብወኒ እንዳጨረሓ እንከለዋ ሃንደበት አብ ጎድነን ባንደሬ ኢትዮጵያ ዝሓዙ አባላት ጉንቦት 7 ረኣያ'ሞ አዋይ አንታ ንዓይ ነታ ሰማያዊት ከልኪሎምስ ነዚኣ ሒዞም ክመጹ ዓዲሞሞም ኢለን ተገረማ። ዓው ኢልካ ዘይብከዮ ሞት ሕጹይ ኮይንወን ከአ ትም በላ። ጸኒሑ ግን ብኣምሓርኛ መደረ ምስ ተጀመረ ተጠራጠራ ሎሚ ዕለት 21 ዶ አይኮነን ክብላ ኸኣ ንመሓዘእን ተወከሳኣ።

ብርግጽ እቲ ሰልፊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ከይከውን እየን ጠርጢረን ነይረን ከመይሲ ህግደፍ ንተቃወምቲ እዮም ብኣንድነትን ብተደናገጽቲ ኢትዮጵያ ዝጥቅንዎም። ኮይኑ ግን እቲ አብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ረኣየኦ። ከይተፈለጠን ከኣ ሰብ ዶ ብዘይ ሰቡ ይኾርዕ ክብላ ነታ አብ ማአሰርቲ ደርጊ ኮይነን ዝበላኣ ደገማኣ። ብውሽጢ ሕሩር ከአ ናብ ዓዲ ጣልያን ተመልሳ።

ድሕሪ ክልተ መዓልታት ናይ ጀነቫ 23 ልዕሊ 16 ሽሕ መንእሰያት ሆ ክብሉ ብመንገዲ ኢንተርነት እንዳረኣያ እቲ ሕሳስ ልደ ወዲ ሓፍተን ሰማያዊት ባንደራ ህግደፍ ሒዙ ዳውን ዳውን ኢሳያስ ክብል ምስ ረኣየኦ ንብዓት ቆጸራ። እዋይ ኣነ፣ ኣነ አብ ጎድነይ ባንዴራ ኢትዮጵያ አብ ክሳደይ ስእሊ ኢሳያስ ንጠልቲለ ውዒለስ እዚ ሕንጫል ወዲ ጓለይ ባይ ለቢሙ ልዕለይ ታሪኽ ሰሪሑ ክብላ ነብሰን ክሳብ ዝጸልኣ ብጀነቫ 21 ጎሃያ።

ካብታ ህሞት ከኣ አደይ ለታይ ናብ ደለይቲ ፍትሒ ተጸንቢረን ክቃለሳ ጀሚረን አለዋ። ሓቂ ትስዕር ክብልኹም ከምዚ እዩ'ሞ አደይ ለታይ እምቢ ምስ ግንቦት 7 ምስ ደቂ ሓፍተይ ይሕሸኒ ይብላ አለዋ። መስትያት ቤትና ኸአ አጆኽን አንዳበለት ብዮሃና ትቕበለን።