AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን viber skype ከተመሓላልፉ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ክፉት ምህላዉ ክንሕብረኩም ንፈቱ:: ተሌፎን 001 714 598 3138; Skype: voice.of.delina: Viber: +1714 598 3138


Creative Commons License
This work is licensed under a Creative Commons Attribution-NonCommercial-ShareAlike 4.0 International License.


ሰላምታ ናይ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

TUESDAY, 07 MARCH 2006 23:14 ብኣበባ ተስፋግዮርጊስ

ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ካብ ኩሉ ዓይነት ጭቆና ክወጻን፡ መሰለን ንኽኽበረለንን ንዘመናት ይቃለሳ'ምበር፡ ብሓውሲ ጥሙር ቃልሲ ዝጀመራሉስ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመን እዩ፡፡ ጆግራፍያዊ ኣቀማምጣን፡ ዓሌትን፡ ሃይማኖትን፡ ፖለቲካዊ፡ ኣራኣእያን፡ ኤኮኖሚያዊ ትሕዝቶን ብዘይገድስ ድማ፡ ነዛ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ተባሂላ ዝተሰምየት - መጋቢት 8 - ብበዓይነቱ መንገዲ ሓቢረን የብዕላኣ፡፡ 

እታ ኣብ ኣስመራ ትርከብ ኣደ መንበር ማህበር ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓሚ ከምዚ ሎሚ ኣብቲ ሕቡራት መንግስትታት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምኽባር ዘቃንዖ ኣኼባ፡ ሕንኽ ከይበለት፡ "መንግስቲ ኤርትራ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብውዱዕ ስለ ዝኣምነሉ ቀጺሉ ስለ መሰለን ጎስጓስ የካይድ እዩ፡፡ ብዓቢኡ ድማ ኣብቲ ብ1997 ዝጸደቀ ቅዋም ዝኾነ ይኹን ነገር መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝግህስን ንምዕባሊኤን ዝጸቅጥን ኩልኩል ሙዃኑ ሰፊሩ ኣሎ፡፡" ክትብል ተዛሪባ፡፡ ሕራይ፡ ኣብ ቅዋምሲ ሰፊሩ ኣሎ፡ ቅዋም ግን ተተግቢሩ ድዩ? ኢሉ ንዝሓትት ሓታታይ ግን እንታየ መልሲ ትህበሉ? መስደመም፡፡ ኣብ "ኣለነልኪ" እትብሃል ደንበ ኢንተርነት ድማ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ሰፊሩ ይርከብ፡ "ኣብ ሓደ እዋን፡ ፕራይም ሚንስተር ጓል ኣንስተይቲ ትንበር እምበር፡ እታ ዓባይ ደመክራስያዊት ተባሂላ ትጽዋዕ ሀገረ ህንዲ፡ ሓዲ ሲሶ ናይ መዛገጃ ቤትን ናይ ቁሸት ምምሕዳር ቦታታትን ንደቂ ኣንስትዮ ሕዙእ ይኹን ዝብል ሕጊ ዝወጸ ብ1992 ዓመተ ምሕረት ማለት 45 ዓመታት ድሕሪ ነጻነት ምርካባ እዩ፡ ኤርትራ ግን እዚ ሕጊ እዚ ዘውጽኣቶ ዕሸል ከላ እያ" ይብል፡፡ ከምኡ ድማ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ምስ ተባዕትዮ ብሓቂ ኣብ ኤርትራ ዝስርሓሉ ከም ዝኾነ ብቢዓይነቱ ቃላት ይገልጽ፡፡ እቲ ማዕርነት ግን፡ ማዕርነት ሞት፡ ማዕረነት ቀዛፊ ሕማም፡ ማዕርነት ድኽነት፡ ማዕርነት ሓሰረ መከራ፡ ምዃኑ ኣይገልጽን፡፡ ካብ ህብረተ ሰብ ዓለም ተፈሊኻ ብጎቦታት ሳሕል ተሓጺርካ ሓያል ስርዓት ኮፍ ኣቢልካ፡ ዝፈልጠካ ዘይብልካ ሓሶት ክትዝረብ ይክኣል እዩ፡፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተፈስወ ኣብ አውሮጳን ኣመሪካን ካልኦት ክፍላተ ዓለም ዝጭነወሉ እዋን ግን ሓሶት ሓሶት ሙዃኑ ሻቡ ካብ ኣፍ ከይወጸ እዩ ዝፈለጥ፡፡ ሓሶት ወትሮ ሓሶት እዩ፡ ካብ ኣፍ ሰበ ስልጣን ክወጽእ ከሎ ሓሶት እዩ፡ ካብ ኣፍ ተራ ሰብ ክወጽእ ከሎ ውን ሓሶት እዩ፡፡ ሓሶት በቲ ይተንባህ በቲ ሓሶት እዩ፡ ከም ነፋሒቶ ኣይላዋወጥን እዩ፡፡ ብዛዕባ እዚ ተዛሪብካን ጸብጺብካን ኣይውዳኣን እዩ'ሞ ኣብታ ዓባይ ዕለት ክምለስ፡፡

ክቡራት ኣዴታተይ፡ ኣሓተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡ ወትሩ ኣብ ልበይ ይሃልዋ'ምበር ኣብዛ ፍልይቲ መዓልትስ ፍሉይ ሰለምታ ክሰደልክን ይፈቱ፡፡ ኣትን ቃልሲ ኤርትራ ኣብ በረኻን ኣብ ውሻጥኽን ዝጀመረ፡ ንተጋደልቲ ዝሓብሓብክን ብኢትዮጵያ "ደቅኽን ኣምጽኣ" ተበሂልካን ማእለያ ዘይብሉ ስቃይ ዝወረደከን፡ መዕለብ ሻንጃ ዝኾንክን፡ ዝተሰውኤ ተሲዊኡ፡ ዝስደድ ተሰዲዱ፡ እተን ዝተረፍክን ምስቶም ዝተረፉ ደቅኽን፡ ሰናይን ሰላምን ናብራ ትነብራሉ፡ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ወለዶ ውሕስነት ዘርኢ ሰላሙ ተዘሪኡ ክበቁል ትርእያሉ እዋን እዩ ነይሩ፡ ንሱ ግን ኣይተረክበን፡፡ ድኽነትክንን፡ ሕማምክንን ከምኡ'ውን ከም ዳሕራይ ቀዳማይ ደቅኽን ምጥፋእ ከይኣኽለክንስ ዘይግባኣክን ስም ወጺኡክን፡ ኣደ በዓል ክስቶ ተባሂልክን፡፡ በላ ዘይወግሕ ለይቲ ስለ ዘይልቦ፡ እዚ ሕጂ ዘለኽንኦ ዓጻባ እውን ክሓልፍ እዩ'ሞ "ደጊም ይኣክል" ኢልክን ዕጣቅክን ከይትፈትሓ፡ ምስታ ሰለምታይ ኣጥብቅ ኣቢለ ሓደራ ይብለክን፡፡

ኣትን ኣንስቲ ሓረስቶት፡ ደቅኽን ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢሎም ምስ ከዱ ወጥርን ኩናትን መጺኡ ብኡ ኣቢሎም ምስ ቀጸሉ እቶም ዝሞቱ ሞይቶም እቶም ዝተረፉ ድማ ግራቶም ክንዲ ዝሓርሱን ወለዶም ዝኣልዩን፡ ጅሆ ተታሒዞም ክሳብ ካልእ ኩናት ዝመጽእ ጀርዲን ጀነራላት ክኹስኩሱን፡ ገዛውቲ ኮሎኔላት ክሰርሑን ይርኣዩ ኣለው፡፡ መንእሰይ ካብ ቤት ሪሒቁ ካልእሲ ይትረፍ ትቅበራሉ ጉድጓድ ዝኹዕተልክን ከይትስእና ትፈርሓ ኣለኽን፡፡ ከምቲ ካልእ መግዛእትታት ነበረ ያ ነበረ ዝኾነ፡ እዚ ስርዓት እዚ ውን መን ዝነበሮ ክነብር፡፡ እሞ መፍቶ እቶም ንመንእሰያት ግደ ሞትን፡ ስደትን፡ ድንቁርናን፡ ሓሳረ መከራን ገይሮም፡ ሀገር ኣብ ብርቱዕ ሓዳጋ ኣውዲቆም ለኪሞማ ክጠፍኡ ዝሓስቡ ዘለው ከይትኾና፡ ክወግሕ እዩ'ሞ ኣብዛ ክብርቲ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ሰላምታይ እናሰደድኩስ ንዓንኽን እውን ከምተን ኣብ ላዕሊ ዝበልክወን ኣሕዋትክን ከይትጀጅዋ ሐደራ ይብለክን፡፡

ኣትን ኣብ ከተማታት ዘለኽን፡ ከምተን ካልኦት ኣዴታት ኣሕዋትክን፡ ዝቀደሙ ደቅኽን ክይተመልሱ ዘዝድሓሩ ካብ ሕቁፎኽን ተተመንዚዕም ይውሰዱኽን ኣለው፡፡ ናህሪ መናባብሮ ኣሳቀዩክን ኣብ ኣፍ ዕሸላት ደቅኽን ዝኣቱ ባኒ ክትገዝኣ ብለይቱ ትወጻ ኣለኽን፡፡ እቶም ቀደም ኣደ ዝብሉኽን ዝነበሩ ፈቀዶ በረኻ ኬድክን ትርእዮም ዝነበርክን፡ ሎሚ ሰብ ገዚፍ ስልጣን ኮይኖም፡ ካብ ደርጊ ገዲዶም ከም ቀደም ከይትዝረብኦም ፈሪሕክን ተሸቁሪርክን ትኸዳ ኣሎኽን፡፡ እሞ ንዓኻትክን ድማ ኣብዛ ክብርቲ መዓልቲ ሰላም እናበልኩስ ከም ከሉ ለይቲ ክወግሕ እዩ'ሞ ሃየ ከይትስልክያ ሓደራ ይብለክን፡፡

ኣትን ሰብ ጽቡቅ ታሪኽ ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ተሰዲድክን ደኺምና'ምበር ከይበልክን ስድራ ቤትክንን፡ ገድልኽንን ዝሓብሓብክን፡ ሀገር ነጻ ክትወጽእ ዘይርሳዕ ኣበርክቶ ዝገበርክን፡ "እዚ ገንዘብዚ ንሽምግልናይ ይተዓቆረለይ" ከይበልክን፡ ጉልበትክንን፡ ገንዘብክንን ኣዋርቅክንን ከይተረፈ ዝሃብክን፡ እቲ ዝሕለም ዝነበረ ነጻነት ጋህዲ ኮይኑ፡ ዓዲ ተመለስክን፡ ኣብ ክንዲ መርሓባ ዕረፋልና ክበራልና ምባል ኩሉ ተረሲዑ፡ "ክላ ኣበይ ዝነበራ እየን እዚኣተንከ ምስተባሃልክን" ኣስደሚኩክን ኣብ ሽምግልናኽን ንስደት ተመሊስክን፡፡ ዓበይቲ ኣሕዋቶምን፡ ኣቦታቶምን፡ ኣዴታቶምን ዝኸፈሉሉ ዋጋ ሎሚ ንሳቶም ከይርህዎም ንዓመታት ጅሆ ምስ ተታሕዙ፡ እናወደቁ እናተንስኡ፡ እናሓመሙ፡ እናታእስሩ፡ ኣብ ቀላይ እናጣሓሉ፡ ናባኽን የቅንዑ ኣለው'ሞ ትሕዝቶ ከም ናይ ቀደም ኣበይ ከይርከብ ግን ኣብ ህይወትክን ክንደይ ዓመጽቲ ስርዓታት ክሓልፉ ስለ ዝርኣኽን "ኣጆኹም ደቂ ደቅና፡ እዚ'ውን ክሓልፍ እዩ" በልኦም፡፡ ብዓቢኡ ድማ ንስኻትክን ድሩዕ ስልማት ሀገርክን ንመን ክሕሾ ክወግሕ እዩ'ሞ ሰላም እናበልኩ ኣጆኽን እወ ኣጆኽን ይብለክን፡፡

ኣትን ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ስደት ምስ ኣሕዋትክን ደቂ ተባዕትዮ ኮንክን ናይ ቀትሪ ትምህርቲ ተሪፉ ኣብ ናይ ምሸት ኣድሂብክን፡ ኣብ ማሕበር ተጠርኒፍክን ሰሪሕክንን ገንዘብ ዝዋጻኣሉ መንገዲ ሃሰስ እናበልክንን "ኤርታራ ከም ካልኦት ኣፍሪቃውያን ሀገራት ኣሕዋታ ነጻነታ ክትጓናጸፍ ይግባኣ እዩ ኢልክን ንዓለም እናእወኽን እብ ጎኒ ገድልኽን ደው ኢልክን፡፡ ነጻነት ምስ ተረኽበ ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ፕረጅክትታት/መደባት ሒዝክን ኣብቲ ማሕበራውን፡ ጥዕናውን፡ ኤኮኖምያውን ምዕባለ ክትሳተፈ ዓዲ ኣቲኽን፡፡ ህግደፋውያን ወይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና ኩና ወይ ድማ መገዲ ክፉት እዩ ምስ በልኹን እግርኽን እናሳሕብክን ተመለስክን፡፡ እሞ "ኦረማይ" ኢልክን ኩሉ ኣዋዲቅክን ኣብ ስደት ክትቅጽላ ጥራይ ከይትሓስባ ሓደራኽን፡፡ እወ፡ ኣብ ዘዘለኽንኦ ክትድልድላ፡ ነታ ብድሕሪ ሕጂ ትመጽእ ኤርትራ ከም ቀድምክን ማሓዙት ክትገበራላ፡ እቲ ናይ ቀደም ድልየትክንን፡ ሃረርታኻን ከም በሪሁ ዘይውዳእ ጥዋፍን፡ መመሊሱ ዝኹላዕ ወርቀ ብሩርን ጌርክን ክትሕዝኦ ደጊመ ሐደራ እናበልኩ ኣብዛ ክብርቲ መዓልቲ እዚኣ ሰላምታይ ይሰደልክን፡፡

ኣትን መንእሰያት ደቂ ደቀይ፡ ንኹሉ ሓሲምዎ እዮሞ እይከማኽንን፡ እወ፡ ኣይከማኽንን፡፡ እቲ መራሕትኽን ማዕርነት ዝብልዎ በጺሕክንኦ፡፡ እወ፡ ምስ ዝዋግኡ ተዋጊእክን፡ ምስ ዝተማረኹ ተሚሪኽን፡ ምስ ዝተስውኡ ተሲውእክን፡ ምስ ዝሓመሙ ሓሚክን፡ ምስ ዝተሰዱ ተሰዲድክን፡ ኣየወ ጋዶ፡ ኣየወ ሃየንታ ማዕረነትክን ረኪብክን፡ ግን ማዕርነት ዘይብሉ ካልእ ስቃይ ድማ ኣሎክን፡፡ ኣብቲ እዋን ልዕል ዝበለ ትምህርቲ ትቀስማሉ፡ ተመርዒኽን ሓዳርክን ትግብራሉ፡ ኣብ ሳዋ ሰፊርክን፡ ክከላኸሉልክን ዝግብኦም ኣቦታትክን ዝኾኑ ጀነራልትን፡ ኮሌነላትን ክብርኽን ክግህሱ ክውጥጥኽን፡ እንተኣበኽን ኣብ ኮንተይነራት ክኣስሩኽንን፡ ብባዕዲ ዘይተፈጸመ ፉንፉን ጨካን ተግባር ኣብ ልዕሌኽን ተፈጺሙን ይፍጸምን ኣሎ፡፡ ሞራልክን ሓፍ ክተብላ ሕሰምክንን ሕንከትክንን ሸፊንክን እንተሰሓቅክን ቀለልቲ፡ እንተበኸኽን ድማ ንዓና ንሰብ ስልጣን ረኺብክን እንታይ ከፊኡክን ትባሃላ፡፡ ጥንሲ እንተሓዝክን ወይ ክትሰድኦ ክትብላ ይልክመክን ወይ እንተተወልደ ኣቦ ትስእናሉ፡ ሓያል ሕማም ድማ ይሓድረክን፡ ወይ ይቀትለክን ወይ የማህምነክን፡፡ ብፍቅሪ ብትምህትሪ ተኾስኪስክን ብቁዓት ዜጋታትን፡ መራሕትን ክትኮና እየን ዓበይቲ ኣሕዋትክንን ኣዴታትክን ርሃጸን ዘንጠብጠባ፡ ጥሪተን ዘወፈያ፡ ገንዘበንን ኣዋርቀንን ዝሃባ፡ ዝተኣስራ፡ ዝተረሸና፡ እተን ኣብ ዓውዲ ኩናት ዝወደቃ ድማ ሓደራ እናበላ ዝኸዳ፡፡ ኣብ ልዕሌኽን ዝተፈጸን ዝፍጸምን ዘሎ ገበን ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ገበን ገበን እዩ፡፡ እንተኾነ ክወግሕ እዩ'ሞ ሓደራ ተስፋ ከይትቆርጻ፡ "ዋይ ኣነ ደቀይ፡ ዋይ ደቅና" እናበላ ብኹሉ ዓይነት ዝቆሰለ ሰውነትክንን፡ ኣእሙሮኽንን መንፈስክንን ክፍውሳ ተዳልየን ዘለዋ ብዙሓት እየን'ሞ ሓደራ ዕድል ሃብኤን እናበልኩ ሰላምታይ ይሰድልክን፡፡ 

ኣሽምባይዶ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ፡ ኣብተን ምዕቡላት ሀገራት "ክሳብ ገበንካ ዝረጋገጽ ንጹህ ኢኻ" ዝባሃለሉ፡ ዓራት ምስ ተለቪጅን ምስ መዋሳወሲ መዛናግዒ ዘለዎ'ካ ማእሰርቲ ከቢድ እዩ፡፡ እሞ ኣንትን ብዘይ ፍርዲ ከም ዕያታውቲ ተዳጉንክን ዘለኽን፡ ኣብ ስርዓት ተኸቲሉ ዝኸይድ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ጠበቃኽን ጌርክን ንርእስኽን ክትማጻያረላ ዘይፍቀደክን፡ እተን ደቂ ዘለክን ደቅኽን ንድሕሪት ዝገደፍክን፡ ወረ ናትኪ ናይ ኣስቴር ፍስሓጽዮንን ናትኪ ናይ ኣስቴር ዮውሃንስኒ ንበይኑ እዩ፡፡ ኣቦታት ደቅኽን ድማ ተዳጉኖም ከማኽን፡፡ ደቅኽን ኣቦን ኣደን ክለድዎ ዘክታማት ኮይኖም፡ ስቃይክን መለክዒ ሲኢኑ፡፡ ግንክ ክሳብ እታ ትወግሕሲ - ምባሉን ምግባሩን'ኳ ቀሊል እንተዘይኮነ - "ኣኻእሎ ሃበና" እናበልክን ስለ ደቅኽን ምስተን ብጾትክን "ኣጆና ኣጆኽን" እናበልክን ክትሓልፍኦ ኣብዛ መዓልቲ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ምስታ ሰላምታይ ሓዊሰ ሓደራ ይብለክን፡፡

ኣቲ ዓቢ ቦታን ዓቢ ስምን ዝሓዝኪ እቲ ብዓል ገዚፍ ስልጣን እንተ ክሕከም እንተ ክናፈስ ንወጻኢ ከኽይድ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ ብጾትኪ ሰላምታ ምሃብ፡ ክምለስ ከሎ ድማ "መጺእካለይዶ ክጽበየካ" እናበልኪ ምቅባል ከም ዋና ስራሕኪ ወሲድክዮ ኣለኺ፡፡ ምሳኪ ብረት ዝዓጠቃ መቃልስትኺ ማእሰርተን ከይኣኽለን ደቀንኳ ኣቦታቶም ከይኣልይዎም ከምኤን ዝተኣስሩን፡ ካልኦት ቁጽረን ዘይተገምገመ እሱራት ደቂ ኣንስትዮ ፍጹም ረሲዕኪ፡ ኣዴታትኪ "ደቅኽን ዘይኣምጻክን ገንዘብ ትኸፍላ እንተዘይኮነ ትእሰራ" ተባሂለን፡ "ዋይ ኣካሒዳ ዘመን መጺኡና" ኢለን መዓናጥኦን ተኣሲሩ ደም ክሸና ከለዋ፡ መንእሰያት መጻዋቲ ጨካናት ዓሰክር ኮይነን ብኹሉ ዓይነት ጸገማት ክሳቀያ ከለዋ፡ ሓላፊት ናይ ፍትሒ ተባሂልኪ ስቅ ኢልኪ ክትርእይስ ናይ ገበን ገበን እዩ፡፡ ኣንቲ እንታይ ወረደኪ? ውላድ የብልክን፡ ውላድኪ ስምኪ እዩ፡ ንጌጌ መመሊስካ ጌጋ እንተወሰኽካሉ ዋጋ የብሉን'ሞ ሃየንዶ "ዋእ ኣንታ እንታይ ንገብር ኣሎና፡ ሎምስ ተበሊልና" ባ በሊ፡ ሳዕቤኑ ድማ ተቀበሊ፡፡ ሳዕቤኑ ንዓኺ ንውልቅኺ ዘይጽቡቅ ክኽውን ይኽእል እዩ፡ ግን መንፈሳዊ ቅሳነት ትረኽቢ፡፡

ክቡራት ኣዴታተይ፡ ኣሓተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡ ደጊመ ደጋጊመ ኣብዛ ታሪኻዊት መዕልቲ ሰላምታይ እናሰደድኩ፡ ክወግሕ እዩ'ሞ ቅናትካን ኣይትፍታሓ፡ ሞራልክን ኣይተውድቃ፡ ንመን ክሕሾ እናበልኩ ብሰላምታን፡ ሰዓመትን፡ ናፍቖትን፡ ንብዓትን ጸሎትን ይፍለየክን፡፡

 

 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.