ኣዝማሪኖ፣ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ስራሕ

ሓበሬታ ምርካብ መባእታዊ መሰል ደቂ ሰባት‘ዩ!! ሓበሬታ፣ ንኣተሓሳስባ የሀብትም፣ይቕይር፣የማዕብል፣ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይ ውሽጥኻን መንነትካን ንክትድህስስን ይድርኽካ፣ ንኸባቢኻ ክትፈልጦን ክትርዶኦን ድማ ይሕግዘካ። ብፍላይ ኣብ ዘለናዮ መዋእል ብዘይ ሓበሬታ ክስራሕ ዝከኣል ዝኾነ ይኽን ስራሕ የልቦን። ኣዝማሪኖ ካብ ቦኽሪ ዕድሚኣ ኣትሒዛ ክሳብ‘ዚ ዝተጎዓዘቶ ናይ 17 ዓመታት ናይ ሓበሬታ ኣገልግሎት መዋእላ፣ ንህዝብና ብመሃርን ውሕሉል ኣቀራርባን ካብቲ ምልካዊ ምሕደራ ኣብ ልዕሊኡ ዘስረጾ ግናይ ኣተሓሳስባ ንምንጋፍ ከይተሓለለት ክትሰርሕ ጸኒሓ‘ላ። ኣዝማሪኖ ብግጥሚ፣ ኣዝማሪኖ ብወግዒ ያታ፣ ኣዝማሪኖ ብዜናዊ ኣቀራርባ ብዝከኣላ ከተበርክት ሓርኮትኮት ክትብል እንከላ፣ ጽባሕ ንግሆ ውጺኢት srHa ከም እትረክብ፣ ዝዘረኣቶ ሰናይ ፍረ ከም እትሓፍስ ብምእማን እዩ።

ኣዝማሪኖ፣ ጸግዒ ሰብ-ጊዜ ክትከውን ኣይመረጸትን። ኣዝማሪኖ፣ ንዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ንኣውያት ዉጹዓት‘ያ ኣብ ምቅላሕ ተጸሚዳ እያ ኣሕሊፋቶ። ምስ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለዉ ተሓጋገዝታ ሓቢራ ብምስራሕ -ማለት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳብ ካሊፎርንያ፣ ካብ ኤውሮፓ ክሳብ ውሽጢ ኤርትራን ካልእ ክፍሊ ዓለማትን „መሰልና ደሊና“ እናበለት ድምጺ ህዝቢ ኣቃሊሓ። እዚ ይኹን እቲ ሓቂ እምንቶ ኣዝማሪኖ ሎሚ‘ውን ገና ኣይተመለሰን። መሰል ህዝቢ ገና ይርገጽ ኣሎ። ኣዝማሪኖ ግን ምስ ምንዋሕ ጊዜ ተስፋ ኣይቆረጸትን፡ ድምጻ እውን ኣይሓብኤትን ። ኣብ ጉዕዞ ሓጎጽጎጽ‘ውን ባና ራእያ መመሊሱ ተኾሊዑ ኣሎ እምበር ኣይሃሰሰን፡ ክሳብ‘ቲ ክትበጽሖ እትደሊ ዕላማ ትወቅዕ ስና ነኺሳ ከም እትቕጽል ደጊማ ቃላ ተሐድስ።

ኣዝማሪኖ መበል ዓሰርተው ሸውዓተ ዓመት ምጅማር ስርሓ ከተብዕል እንከላ፡ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓጺር ግዝየ ከብቅዕ ብምትእምማን እዩ። እዛ መርበብ ሓበሬታ ውጹዓት: ዕድመኣ ኣብ ልዕሊ ዜጋትታና ንዝተፈጸመ ዘሰቅቕ ግፍዕታት ኣብ ምቅላሕን ንግናይ ተግባራት ምልኪ አብ ምግላጽን ነጢፋ ። ንኣብነት፡ ምርሻን ንጹሃት ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ኣበይቶ፣ ህልቂት ኤርትራውያን ኣብ ላምፓዶዞ፣ መከራ ኤርትራውያ ኣብ ሲናይን ሰሃራን፡ ቃንዛ ስቓይ እሱራት ማሕቡሳት ኤርትራ፡ ምጽናት መንእሰይ ወለዶ ካብ ኤርትራ ኮታ ንኹሉ እከይ ተግባራት ህግደፍ ኣብ መደባታ ኣውኪኣትሉን ሰፊሕ ሸፈነ ሂባትሉ‘ያ። ኣዝማሪኖ እቲ ትማሊ ዝነበረ፡ ሎሚ‘ውን ገና ዘይነጽሀ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባታትን ዘይተጸዋርነት ናይ ሓደ-ሓደ ኤርትራውያን ናብ ኣዎንታ ንምቕያር ብመገዲ መሃሪ ሓበሬታኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ርግእ ኢሉ ብኹነታት ሃገሩ ክሓስብን ከስተንትንን እሞ ንዑዑ ዝሕሾ ክውስን‘ያ ጸኒዓ ሰሪሓ ። ኣዝማሪኖ እዚ ንህዝብን ሃገርን ዝሓመሰ፡ ብዕድል ህዝቢ ዝተጣልዐ፡ ህይወት አእላፍ መንእሰያት ዘበላሸወን ዝቐዘፈን፡ ስምን ምስልን ሃገር ዝደወነ፡ ምልካዊ ምሕደራ ኢሳይያስን ልኡኻቱን ፈሪሱ፡ ልዕና ሕጊ ነጊሱ፡ ተመሃራይ ብዘይ ራዕዲ ናብ ትምህርቱ፣ ሸቃላይ ናብ ስርሑ፣ ዓዃይ ናብ ግራቱ ዝወፍረሉ ፍትሓዊ ሰላማዊ ሂወት ክምለስ ተጊሃ ትቃለስ። እዚ ቁዱስ ሓሳብ‘ዚ ንኹሉ እቲ ብህዝቡ ዝግደስ ዜጋ ሩፍታ ዝፈጥር‘ዩ።

ኣዝማሪኖ፡ መደበራ ኣብ ኤርትራ እንተዝነብር፡ ኣባላታ‘ውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እንተዝነብሩን ካብኡ እንተዝነጥፉን ዕድመ ቃልሳ ምሓጸረ። ካብ ዓሰርተ ሸውዓተ ናብ ኣርባዕተ ዓመት ምወረደ፤ ከም ኩለን ጋዜጣታት ብሕቲ ዕምራ ኣብኡ መብቀዐ። ኣባላታ እውን ኣብ ዒራዒሮ ምተሓየሩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ 2001 መሰል ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽ ተቖጽዩ፡ ኩለን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ሃገርና ተኣጊደን ኣባለትን እውን ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ኣብ ዘይንሰምዓሉ ቦታ ተሸሪቦም ኣለዉ። ኣዝማሪኖ ኣብ ደገ ብምጽንሓ ዲሒናስ ክሳብ ሎሚ‘ኳ ሰለይ ትብል ኣላ። ኣዝማሪኖ ሎሚ ኣብ ዕለተ ልደታ ነዞም ድምጾም ተዓፊኑ ዘሎ ሃለዋቶም ውን ጠፊኡ ዘሎ ናይ ስራሕ መዛኑኣ ክሳብ እቲ ዝድለ ፍትሒ ዝረጋገጽ ድምጺ ክትኮነሎም ምዃና መብጽዓኣ ተሐድስ።

ሎሚ ድሕሪ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ምንጻፍ ኣዝማሪኖ መከራ ኤርትራውያን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ‘ሎ። እዚ ኸኣ ኣዝማሪኖ ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ስራሕ ዓመታት ዝያዳ ክትሕይል ዘገድድ ኩነት‘ዩ ዝፈታተና ዘሎ ። ኣዝማሪኖ‘ውን ነዚ ብምግንዛብ ዓቕማ ብምውህሃድ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ተዳልያ‘ላ። ብቐንዱ ግን እምነታ ኣባኹም ኣብ ህዝባን ተኸታተልታን እዩ። እዚ ዕዮ‘ዚ በዳህን አህላኽን እኳ እንተኾነ መስርሕ ደሞክራሲ ኣብ ምኹስኳስን ምስሳንን ንቕሓትን ኣፍልጦን ህዝቢ ክብ ኣብ ምባልን ኣገዳሲ ተራ ስለዘለዎ፡ እዛ ናይ ትማሊ ኣዝማሪኖ፡ ኣብ ህዝባ ስለእትሙርኮስን ንህዝባ ስለእተገልግልን፡ ዕድመ ብምውሳኻ ክትስውድ እምበር ኣይክትኣርግን እያ። ክትሕይል እምበር ኣይክትደክምን እያ። ስለዝኾነ ድኻማ ኣሰኒፋ ሕጽረታት ፈዊሳ፡ ሓይላን ደልዲላን ብዝለዓለ ከምእተገልግል፡ ኣብ ዕለተ ልደታ ንተኸታተልታ ከተበስር እንከላ ሓበን ይስመዓ።

ኣዝማሪኖ ብዘይ ደገፍታ ኣብዚ ክትበጽሕ ኣይምኸኣለትን፣ ምስ ኩሉ ብድሆታታ ንኽትቅጽል ዘኽኣላ‘ውን ንሱ‘ዩ ።በዚ ኸኣ ንኹሎም ደገፍታን ተደናገጽታን ብልቢ ተመስግን።